bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 2 June 2017

ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ 1ይ ሳሙ 2፡12

 
መስክሪ እስኪ ነፍሰይ ነዚ ቃል እዚ ምስ ሰማዕኪ እንታይ ተሰሚዕኪ? እዚ ቃል እዚ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ነገልግል ኣለና እናበሉ ግና ኸኣ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ኣፍኒንን ፊንሃስን ዝተባህሉ ካህናት ዝተነግረ ቃል እዩ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ንእግዚኣብሔር ዝመጽእ መሥዋዕቲ ባዕሎም እናበልዑ ምስተን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ዝመላለሳ ደናግል ዝሙት እናፈጸሙን ንእግዚአብሔር የገልግልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እናበለ ዝጽውዖም።

  ነዚ እግዚአብሔር ከይፈለጡ ብድፍረት ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሰይጣናዊ ተግባራቶም እግዚአብሔር ክዕገሦም ስለ ዘይ ከኣለ ድማ፡ ብፍልስጤማውያን ኲናት ከፊቱ ብዙኃት እስራኤላዉያንን ክልቲኦም ካህናት ኣፍኒንን ፊንሃስን ኣብቲ ውግእ ከም ዝቕተሉ ገበረ፡ ብሰንኮም ታቦት እግዚኣብሔር፡ በቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ፍልስጤማውያን ተማረኸት፡ ኣቡኦም ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኤሊ ነዚ ምስ ሰምዐ ብስምባደ ካብ ዝነበሮ ወንበር ወዲቑ ሞተ፡ ሰበይቲ ካህን ፊንሃስውን እና ሓረሰት ነዚ ሕማቕ ወረ ብምስማዓ ነቲ ዝወለደቶ ሕፃን “ኤካቦድ” ኢላ ስም ምስ ኣውፅኣትሉ ብኡ ንብኡ ዓረፈት። ኤካቦድ ማለት ድማ “ክብሪ ካብ ሕዝቢ እስራኤል ረሓቐ” ማለት እዩ /1ይ ሳሙ 4፡19-22/።

ቃል እግዚአብሔር ሕያውን መስለጥን ዘለዓለማውን ስለ ዝኾነ ግና፡ እዚ ቃል እዚ ሕጂ ኣብዚ ጊዜ እዚውን እንተ ኾነ ንዅልና ነቶም እግዚአብሔር መን ምዃኑ ከይፈለጥና ኣብ ቤቱ ነገልግል ዘለና ዝምህርን ዚግሥፅን ቃል እዩ። እሞኸ ነፍሰይ እግዚአብሔር መን ምዃኑ ፈሊጥክዮ ዲኺ እዚ ዅሉ ዓመታት ዘገልገልክዮ? ክርስቶስ መን ምዃኑ ተሓቲትኪስ ምመለስኪዶ? መንፈሳዊ ኣገልግሎት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጢ ዲኺ? ንመን ተገልግሊ ኣለኺ? ስለ ምንታይ? ዓስብኺኸ ሰማያዊ ድዩ ዋላስ ምድራዊ? ወሪድኪ ነዚ ዅሉ ሕቶታት እሞ እንታይ ኢልኪ ኽትምልስዮ ኢኺ? ሕጂ እምበኣር ንስኺ “ሓንቲ ኻብቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” ምዃንኪ በሪህልኪ ኣሎ።

 እወ ድኃን ዚኃለፈ ውሕጅ ይውሰዶ፡ ናይ ሕጂ ጥራይ ግበሪ። እቲ እተገልግልዮ ዘለኺ ኣምላኽ እቲ ንቑስልኺ ብቑስሉ ዝፈወሰ፡ ካብ ናይ ሰይጣን ባርነት ብሞቱ ናጻ ዜውፅኣክን ዜድኃነክን፡ ከም ሽሙ መድኃኒት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ንስኺ ኣካል ክርስቶስ ኢኺ። ኣብ ኣካላትና ድማ ሥራሕ ወይ ድማ ጥቕሚ ዘይብሉ ክፍሊ ኣካላት የልቦን። ከምቲ ኣብ ኣካላትና ኢድ እግሪ ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ነናቶም ሥራሕን ጥቕምን ዘለዎም፡ ንስኺ ድማ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ ከምኡ ኢኺ። መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ድማ ተነሲሕካ ንእግዚአብሔር ብነፍስን ብሥጋን እናተገዛእካ ብፍቕርን ብድሌትን ሰማያዊ ዓስቢ ከም ዘለዎ ኣሚንካ እተገልግሎ ደኣ እምበር፡ ብስምዒትን ብዘይ ርድኢትን፡ ንሥጋዊ ጥቕምን ረብሓን ክትብል፡ወይ ድማ ሰባት ንኽሕጐስልካን ንኸድንቑኻን ኢልካ እትደኽሞ ድኻምን ሃለኽለኽን ኣይኮነን።

ስለዚ ሓደ ሰብ “ንባዕሉ መንፈሳዊ ኸይኮነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኬገልግል ኣይክእልን እዩ”። ስለዚ ነፍሰይ ሕሰብሉ እሞ “ቤተ እግዚአብሔር እናገልገልኪስ ንባዕልኺ ጠፊእኪ! እሞ ኸ ደኣ ንባዕልኺ ዘይኮንክስ መኣስ ኢኺ ንጐይታ እተገልግሊ?” ነዚ ከማኺ ዓይነት ኣገልጋሊ ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይ “ምስቲ ጽቡቕ ዚሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን[1]” እዮም ዘመሳስልዎ። ማሽን ጽቡቕ ይሠርሕ ንመንግሥተ ሰማያት እትኣቱ ነፍሲ ግና የብሉን። ንስኺኸ ነፍሰይ ኣብ ቤቱ ንኽንደይ ዓመት ኣገልጊልኪ? ግና ኣይተነሳሕክን ኣይቆረብክን እዚ ብዘይ ምግባርኪ ድማ መንግሥተ ሰማያት ኣይትኣትውን ኢኺ። በዚ ድማ “ምስቲ ጽቡቕ ዚሠርሕ ግና ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” ማዕረ ዄንኪ ማለት እዩ።

 ጐይታውን ኣብ ወንጌል “ሰብሲ ንዅሉ ረቢሑ ነፍሱ እንተዘየድኃነ እንታይ ይጠቅም?” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ ሉቃ 9፡25። ከምቲ ይሁዳ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ነታ ዝተዋህበቶ ኣገልግሎት ተኃዚ ገንዘብ ተጠቒሙ ካብኣ እና ሰረቐ ኃጢአት መኻዕበቲ ዝተጠቀመላ እሞ ብሥጋን ብነፍስን ከይተጠቀመ ተሓኒቑ ነፍሱ ብምጥፋእ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፉ ሕማቕ ኣጠፋፍኣ ዝጠፍአ፡ ከምኡ ድማ ነፍሰይ ኣብዚ ተሸይምክዮ ዘለኺ ኣገልግሎት ንኣምላኽኪ ትሰርቅዮን ትዕምጽዮን ንሥርዓቱ ተፍርስን ከይትህልዊ ሕጂ ነቒሕኪ ሕግታቱን ሥርዓታቱን ተማሃሪ እሞ ክትሕልውዮ ተጋደሊ። እቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ ዘገልግል ዝነበረ ውሉድ ውን ኣብ ቤት ኣቡኡ እንከሎ እዩ ዝጠፍአ። እቲ ኃዉ ብጽሒቱ ኂዙ ካብ ገዛ ብምውፃእ ክጠፍእ እንከሎ፡ እቲ ምስ ኣቡኡ ዝተረፈ ድማ ኣብታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ዝኾነት ቤት ኣቡኡ እናገልገለ እንከሎ ጥፉእ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ኃዉ ካብቲ ዝጠፍኦ ምስ ተመልሰ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ብኣንጻሩ “እነሆ አነ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡፡ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይወፃኹን፡ ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኽተይ ዝሕጐሰሉ መሓስእ እኳ ኣይሃብካንን፡ ነዚ ገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኮይኑ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ” ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ጥፉእ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ጐይታና ዝመሃረና እታ ዝዓበየት ትእዛዝ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብዅሉ ኃይልኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ኣፍቅር፡ እታ ካልኣይቲ ንኣኣ ትመስላ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብላ እየን /ሉቃ 10፡27/።

 እዚ ውሉድ እዚ ግና ንእግዚአብሔር ኣቡኡ ኬገልግል እንከሎ ብፍቕሪ ኣይኮነን ዘገልግሎ ነይሩ። ነዚ መረጋገጺኡ ድማ “ተገዛእኩኻ” ዝበሎ ቃል ንኣምላኽ ምግልጋል ከም መግዛእቲ ገይሩ ምቚጻሩ “ፍቕሪ እግዚአብሔር” ከም ዘይነበሮ መረጋገጺ እዩ። ዝጠፍአ ኃዉ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ንምንታይ ላም ሓሪድኩምሉ ኢሉ ምኽሳሱን ገዛ ምእታው ምእባዩን ድማ “ፍቕሪ ኃዉ ፍቕሪ ብጻይ” ከም ዘይብሉ መረጋገጺ እዩ ሉቃ 15፡11-32።

 ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትገብርዮ ዘለኺ ተግባራትውን ምስዚ ታሪኽ እዚ ተመሳሳሊ እዩ። ጠፊኡ ዚነበረ ኃውኺ፡ ጠፊኣ ዝነበረት ኃፍትኺ ክመጹ እንከለዉ፡ ገጽኪ ኣብ ክንዲ ዝበርህ፡ ርስቱ ከም ዝተመጠንለ ሰብ ገጽኪ ኣሲርኪ ትርእይዮም፡ ንስኺ ኣብቲ ቤት ኣቦይ ትብልዮ ቤት ኣምላኽ ነዊኅ ተመላሊስኪ ልብኺ ግና ከይተመለሰን ፍረ ከይፈረኽን ኦም ናይ ክረምቲ ዄንኪ ኪትተርፊ እንከለኺ፡ እቶም ብናትኪ ኣረኣእያ ጥፉኣት ዝነበሩ ካብ ጓይላን ካብ ደርፍን ካብ ስርቅን ካብ ዝሙትን ኣምሊጦም፡ ኢራብ ንዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ንእግዚአብሔር ብልቢ ናፊቖም ብምምጻእ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ካብ ናትኪ ዝበዝኅ ፍረ መንፈሳዊ ኪፈርዩ ምስ ረኣኺ፡ ዓይንኺ ደም መሊኡ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጊዜ ስለ ዝተመላለስኪ ቤተ ኣምላኽ ዝያዳ እቶም ብድኅሬኺ ዝመጹ ንኣኺ ዝብጽሓኪ ኾይኑ ድማ እዩ ዝስምዓኪ።

 ነባራት ካህናት ነቶም ሓደሽቲ ዝመጹ ካህናት ክጸልእዎም ናይ ኣገልግሎት ቦታ ኪኸልእዎም፡ ነባራት መዘምራን ነቶም ሓደሽቲ ኬጨንቕዎም ኬሳድድዎም ምርኣይ ስለ ዝበዝኀ ነዚ ከም ንቡር ወሲድክዮዶ ትኾኒ? ኣይፋልክን ንዒ ተመለሲ እዚ ሕይወት ኣይህብን እዩ። ዝጠፍአ ስለ ዝተረኽበ መላእኽቲ ሰማይ ተሓጐሱ፡ ንስኺ ደኣ ናይ መን መንፈስ እዩ ኃዲርኪ ኃውኽን ኃፍትኽን ምስ ተመለሱ ምስ ተዓረዩ ምስ ዓንበቡ ምስ ፈረዩ ኣብ ልዕሊኦም ብቕንእን ብቚጥዐን ብጸለመን ትለዓሊ? ድኅረይ መጺኡ ከመይ ገይሩ ካባይ ንላዕሊ ይኸውን? ከመይ ገይራ ካባይ ንላዕሊ ትኸብር? እናበልኪውን ኣይትጨነቒ፡ ክብሪ ንዝግብኦ እዩ ዝወሃብ፡ እግዚአብሔር ከምዚ ገይሩ ኣብ ደቁ ጸጋ ስለ ዘፍሰሰ ብሕያውነቱን ብፍቕሩን ደኣ ኣመስግንዮ እምበር፡ በዚ ንምንታይ ድኅረይ መጺኦም ማዕረይን ልዕለይን ይኾኑ እናበልኪ ንፈጣሪኺ ኣይትውቀስዮ።

 “መንግሥተ ሰማያት ሕጊ ወንጌል ተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሰማማዕ ኣንጊሁ ዚወፀ በዓል ቤት እዩ ዝምሰል እሞ ቀዳሞት ዳኅሮት፡ ዳኅሮት ቀዳሞት ኪኾኑ እዮም[2]” ዝብል ከ ኣየንበብክን ዲኺ?እቲ ጐይታ ነቶም ብነግህ ዚረኸቦም ብሣልሰይቲ ሰዓት ዝረኸቦም ብሳድሰይቲ ሰዓት ብታስዐይቲ ሰዓት ዝረኸቦም ምስቶም ኣብ መወዳእታ ማለት ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝረኸቦም ንውዕለቶም ኪኸፍሎም ዚተሰማምዖ ዋጋ ሓደ ዲናር እዩ።

 እቶም ብነግህ ዚተጸውዑ ምስቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ዚተጸውዑ ማዕረ ኪቕበሉ ምስ ረኣዩ፦ “ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዚሠርሑ ዳኅሮት፡ ምሳና ምስዞም ድኻም መዓልትን ሃሩር ዝፆርና ኣደላደልካዮም እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ” ከም ዝተባህለ ኣይተዕዘምዝሚ /ማቴ 20፡11-12/።

 “ንሱ ኸኣ ንሓደ ካብኣቶም ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ዓርከይ ኣይዓመጽኩኻን ብሓደ ዲናር ዶ ኣይተሰማማዕኩኻን። ዚብጽሓካ ደኣ ኂዝካ ኺድ፡ ነዚ ዳኅራይ ድማ ክንዲ ናትካ ክህቦ ፍቓደይ እዩ። እወ ድማ ብገንዘበይ ዝደሌኹዎ ኪገብር ዶ ኣይግብኣንን እዩ? ወይስ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ቀናእ እዩ? ከምኡኸስ ጽውዓት ብዙኃት እዮም፡ ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ ዳኅሮት ቀዳሞት ቀዳሞትውን ዳኅሮት ኪኾኑ እዮም” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ፡ ኣምላኽና ሃብታም ስለ ዝኾነ ንዅልና ዝኣክል ምሉእ ትዕድልትን ጸጋን ኣለዎ፡ ዘዝሃበና ደኣ ተቐቢልና ነመስግን እምበር ንሱ ብዝሃበና ውህብቶ ኣብ ቤቱ ኣይንደፋፋእ።

እወ ንሱ ነቶም ቀዳሞት ማለት ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ምሉእ ዕድሜኦም ዝኣመኑ ዋጋኦም ማለት ነቲ ብእምነትን ብጥምቀትን ዝርከብ ክብሪ ሃቦም፡ ኣብ ጊዜ እርግና ዝኣመኑ መጽኡ እሞ ብእምነትን ብጥምቀትን ዝርከብ ክብሪ ሃቦም። ብዕለተ ኣቤል ዝነበሩ ብዕለተ ስቕለት ምስ ዘለዉ፡ ብዕለተ ስቕለት ዘለዉ ኸኣ ብዕለተ ኣቤል ምስ ዝነበሩ ሓደ ይኾኑ። ብኣካለ ነፍስ ዘለዉ ምስቶም ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ፡ ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ ኸኣ ምስቶም ብኣካለ ነፍስ ዘለዉ ሓደ ይኾኑ።

“ብተጋድሎ ቀደሙና ኣኽሊል ብምቕባል ግና ኣይቀደሙናን፡ ኣኽሊል ክብሪ ንምቕባል ሓደ ጊዜ ኪኸውን ወሰነ” ከም ዝብል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ /28 ክፍሊ ተግሣፅ ዕብ 11፡40/

 ስለዚ ነፍሰይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር እተገልግሊ ግና ኸኣ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ምስቶም እግዚአብሔር ዘገልግሉ ኣኅዋትን ኣቦታትንውን ብፍቕርን ሰላምን ዘይትነብሪ እንተ ኾንኪ ጠፊእኪ ምህላውኪ ፍለጢ። ምድብኪ ምስቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝተባህሉ ናይ ሞት ምድብ ምዃኑ ድማ ኣይትዘንግዒ።

 መኣስ እዚ ጥራይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ብተኣምራት ካብ ዜተንሥኦም ሠለስተ ሰባት ኣብነት ምስ እንወስድ “እቲ ቐዳማይ ካብ ዝመውት ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ ኣልኣዛር እዩ /ዮሓ 11/። ኣልኣዛር ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ወፂኦም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ኣብ ዘይትግምቶም ፍጹም ርኽሰትን ኃጢአትን ዝተደርበዩ እሞ ብኃይሊ ኣምላኽን ብምሕረቱን ግና ካብ ዝነበርዎ ዓዘቕቲ ወፂኦም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝምለሱ ምእመናን ምሳሌ እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ሞይቱ ኣብ ቃሬዛ ተፀይሩ ካብ ቤቱ ዚወፅእ ዝነበረ ወዲ እታ መበለት በዓልቲ ናይን እዩ /ሉቃ 7፤12/። እዚ ድማ ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ክወፅኡ እንከለዉ ቤተ ክርስቲያን እትበኽየሎም ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ብድኅዚ ጐይታ ካብ ሞቱ ምስ ኣተንሥኦ “ነዲኡ ሃባ” /ሉቃ 7፡15/ ኢሉ ምዝራቡ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ብኃይሊ ኣምላኽ ከም ዚትንሥእ እዩ ዘረድእ። ነዲኡ ሃባ ማለት ድማ ነዲኡ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ፡ እቲ ምንታይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ድኅነት ስለ ዘየለ።

 እታ ሣልሰይቲ ዝሞተት ግና ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቡኣ ምስ ሞተት ጐይታና ኸይዱ ካብ ሞት ዜተንሥኣ ወለተ ኢያኢሮስ እያ። ንሳ ድማ ናይዞም ከምዚ ኸማይ ማለት ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቦና ዝኾነ ቤተ እግዚአብሔር ነገልግል ኣለና እናበልና ብመንፈስ ግና ዝሞትና ሰባት ምሳሌ እያ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ “ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” ዝበላ /ሉቃ 8፤52/። ካብ ሞት ምስ ኣተንሥኣ “ዝብላዕ ሃብዋ” /ሉቃ 8፤52/ ምባሉ ድማ ከምዚ ዓይነት ሰብ መንፈሳዊ መግቢ ትምህረተ ወንጌልን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እናተማህረ ቃለ እግዚአብሔር ክምገብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ /ኣሞጽ 8፡11/። ስለዚ ነፍሰይ ንስኺውን ተንሥኢ ተበራበሪ እቲ ብርሃን ዓለም ዝተሰመየ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበርሉ ዘመን ከም ዝበጽሐ ነዛ እዋን ፍለጥዋ” ብምባል ዝመዓደኪ ቃልውን ዘክሪ። ነፍሰይ መኣስ እዚ ጥራይ፡ ወዮ ንከይተስተውዕልዮ ደኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝተባህለ ዲያብሎስ ብፍቕሪ ገንዘብ ብፍቕሪ ሽመትን ውዳሴ ኸንቱ ካብ ሰባት ብምድላይን ካልእ ንእኡ ዝኣመሰለ ሥጋዊ ነገራት እናገበረ ዓይነ ልቦናኺ ሸፊንዎ እምበር፡ ብዛዕባኺ ደኣ መኣስ እዚ ጥራይ ኮይኑ ተዘሪቡ፡ የግዳስ ከምቲ “ንጠቢብሲ ሓንቲ ቓል እያ ትኣኽሎ” ዝተበህለ እዚ ፈሊጥክዮ ዘለኺ ኣብ ተግባር እንተውዒልክዮ እኹል ስለ ዝኾነ በዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ገይረ ጽሑፈይ ክዛዝም እየ።

  እዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ጐይታ ብዛዕባ እታ ዓሠርተ ድሪም ነይርዋ ሓንቲ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ኢና ኽንርኢ። ድሪም ማለት ሳንቲም ወይ ገንዘብ ማለት እዩ። እዛ ድሪም እዚኣ ድማ ናይ ክርስቲያን ሰብነት ምሳሌ እያ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሳንቲም ምስሊ ናይቲ ንጉሥ ዝረአ፡ ኣባና ኣብዞም ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰልና ክርስቲያን ድማ ናይ ንጉሥና ምስሊ ክረአ ይግበኦ። ናይ ክርስቶስ ስእሊ ማለት ድማ ትሕትና ፍቕሪ ትዕግሥቲ ርኅራኄ ተኣዛዝነት ዝኣመሰሉ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክህልወና ይግበኦ ማለት እዩ /ገላ 5፡22/። ንሕና ከምዚ እንተ ጌርና ናይ ብሓቂ ንጉሥና ክርስቶስ ኣባና ተሣዒሉ ንኣሕዛብ ስለ ዝረኣዮም ንኣካይዳናን ንሕይወትናን ርእዮም ንኣምላኽና ኬመስግናዎ እዮም። ክርስቶስውን “ነቲ ሠናይ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” /ማቴ 5፡16/ ብምባል ምሂርና እዩ።

 

 ናይዛ ሰበይቲ እታ ሓንቲ ድሪም ኣብ ማእከል ቤታ እያ ጠፊኣ /ሉቃ 15/። እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣለና እናበልና ናይ ዝጠፋእና ክርስቲያን ምሳሌ እያ። መብራህቲ ኣብሪሃ ቤት ኮስቲራ ረኸበታ ይብል።፡እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ኮይና ግና ኣብ እንዳ ጉሓፍ እያ ተረኺባ /ሉቃ 15፡8/ እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኮይና ኣብ ርስሓትን እንዳ ጉሓፍን ዝተመሰለ፡ ነዛ ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰለት ነፍስና ብጽልኢ ብቒም ብበቐል ብዓሌትነት ብዓደይ ዓድኻ ብምፍልላይ ብፖለቲካ ብመናፍቕነትን ኣርሲሕናያ ማለት እዩ። ሳንቲም እንተ ረሲሓን እንተ መሪታን ድማ ምስሊ ናይቲ ንጉሥ ክርአ ኣይክእልን። በዚ መጠን ድማ ንንጉሥና ኣባና ከይረኣ ከልኪልናዮ ጥራይ ከይኣክል ብሰንኪ እኩይ ተግባራትና ሰባት ከም ዝጸርፍዎ ንገብር። እቲ “ብሰንክኹም ስመይ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ” ሮሜ 2፡24 ዝብል ቃል ድማ ብኣና ይፍጸም።

  ስለዚ ነፍሰይ ካብ እንዳ ጉሓፍ እትወፅእሉ መገዲ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ፡ እታ ሰበይቲ መብራህቲ ወሊዓ ምስ ደለየታ እያ ክትረኽባ ዝኸኣለት። መብራህቲ ዝተባህለ ድማ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ” መዝ 119፡105 ዝበሎ መብራህቲ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንኔው ብምሉእ ኃይለይ ኣብቲ ብትምህርቲ ሰንበትን ካልእ መንፈሳዊ ጉባኤታት ዝወሃብ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክሳተፍ፡ ከምኡውን ብቅዱሳን ኣበው ዝተጻሕፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ኬንብብን ሕይወተይ ብመንፈሳዊ ቅኔን ጸሎትን ዝተሓነጸት ክትከውን መንፈሳዊ ልምምድ ክጅምር ወሲነ እየ እሞ ኣምላኽ ይሓግዘኒ። እወ ከምዚ ገይረ ነቲ ዓስቢ ዘይብሉ ብሥጋዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ጥራይ ተመሪሐ ዝደኽሞ ዝነበርኩ ከንቱ ድኻምን ነታ “ንእዚአብሔር ዘይ ፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እትብል መጸውዕን ፈጺመ ክድምስሶም ኣብ ክንድኡ “ገብርሔር” ማለት ሕያዋይ ኣገልጋሊ ብዝብል ስም ክትክኦም ወሲነ እየሞ ወላዲተ ኣምላኽ ብጸሎትኪ ደግፍኒ።

 ኣብ መወዳእታ እምበኣር ነፍሰይ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ምባል ገዲፍኪ መማቐሊት ኩኒ እሞ እዚ መልእኽቲ እዚ ንኣኺ ጥራይ ዘይኮነ ንዅለን ከማኺ ዝኣመሰላ ነፍሳትውን ለግስለን፡ ንኺድ ንቕደሚት ንሰጉም ንመሃር ነንብብ እሞ ንዓምብብ: ተነሲሕና ውሽጣዊ ሰላም ክንውንን ሽዑ ብስምዒት ብዘይ ርድኢትን ምዝራብ ገዲፍና ትሑታት ህዱኣት ብፍልጠትን መንፈሳዊ መለክዕን እንዛረብን ንሕዝብናን ንቤተ ክርስቲያንናን ንኣምላኽናን ዘሐጕስን ዝጠቅምን ብዓቢይኡ ድማ ንነፍስና ሰማያዊ ዋጋ እንረኽበሉ ኣገልግሎት ክኸውን እዩ።

ምስጋና ንአብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።


No comments:

Post a Comment