bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 11 May 2017

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 3ይ ክፋል


1.2.6 ኣብ መቅድመ ትርጓሜ ወንጌል ገጽ 15 ብዛዕባ ባህርይን ኣፈጣጥራን ነፍሲ “ዛቲ ይእቲ ኣርኣያ ገጹ ለእግዚአብሔር ወአምሳሊሁ፡ እዚኣ ናይ እግዚአብሔር ኣርኣያኡን ኣምሳሉን እያ። ግብር እምግብር ዘይተፈጠረት እያ። ሃላዊት ነባሪት እያ። ዝገዝኣን ዝእዝዛን ከይሃለወ ዝደለየቶ ከም ዝደለይቶ ኪትገብር ኣእምሮ ጠባይዕ ከለዋ ጽቡቕነታን ክፍኣታን ብፍቓዱ ንኽኸውን”  ዝብል ቃል ኣሎ። ነዚ ንባብ እዚ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ “ነፍሲ ፍጽምቲ ኮይና ካብ ኡፍታ (ንፍሓት) ናይ ፈጣሪኣ ስለ ዝተረኽበት በብጊዜኡ ምዕባይ ኣየድልያን እዩ” ንምባል ጠቒሶምዎ ኣለዉ። ይኹን ደኣ እምበር ካብቶም ናይ ነፍሳት ባህርያት ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ነባቢነት (ቃል) ለባዊነት (ልቢ) ከምኡውን ሕያውነት (ነባቢነትን ለባዊነትን) ምስ ናይ ሥጋና ዕብየት ኃቢሮም ኪዓብዩን ኪምዕብሉን ስለ ንርእዮም ካብ ናይ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ትምህርቲ ንላዕሊ “ሥጋኡ ተቐሪጹ ኣካል ፈልዩ ሰብ ምስ ኮነ ነፍሱ ድማ ኃቢራ ትዓቢ ማለት ፍልጠቱ ይውስኽ ኣእምሮኡ ውን ይሰፍሕ” ዝብል ናይ ኣባ መልከ ጼዴቅ ዚኃሸ ኮይኑ ይስምዓኒ።

 ናይ ኣቡነ ጎርጎርዮስ መርገጺ ውን “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዝውለደሉ ጊዜ እናዓበየ ብዝኸደሉ መጠን ነፍሲ ድማ ሓቢራ ትዓቢ” ዝብል እዩ።(ኣባ ጎርጎርዮስ የቤተ ክርስቲያን ታሪክ በዓለም መድረክ ገጽ 54)። ከም’ዚ ስለ ዝኾነ ድማ መቅድም ትርጓሜ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ናይ ኣዳም ደኣ ተዘርበ እምበር፡ ከምቲ ኣለቃ ዝበልዎ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ዝዛረብ ኣይኮነን። ነፍሲ ናይ እግዚአብሔር ኡፍታ እያ ንዝብል ውን ኣቡነ መልከጼዴቅ “እግዚእበሔር ጥበበኛ ፈጣሪ ከም ምዃኑ ንነፍሲ ፈጢሩ ኣብ ሥጋ ሰብ ኣኅደራ እምበር ምስ ኣምላኽነቱ ዋላ ሓንቲ ርክብ (ናይ እግዚእበሔር ኣካልነት) ዘይብላ ፍጥረት እያ” ብምባል ነፍሲ ናይ መለኮት ኣካል ጌርና ከይንወስዳ የጠንቅቑና።( ኣባ መልከ ጼዴቅ ገጽ 140)

1.2.7 ኣቡነ ጎርጎርዮስ “ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ናይ ሓዊ ክፋል ካብ ናይ መለኮት ባህርይ እናተኸፈለት እያ ትመጽእ” ዝብል ኣዘራርባ ግኖስቲካዊ መናፍቕነት ከም ዝኾነ ይኅብሩና።(ኣባ ጎርጎርዮስ ገጽ 57)

 ሓደ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሊቅ ብዛዕባዚ ሓቲተዮ ኣብ ቅዳሴ 3ቱ ምእት ቁ 62 “ወእምአሀቲ መዝገብ ዘእምስትንፋሰ ኣፉሁ ይሰርጻ ወያሕመለምላ ነፍሳት እለ ይትወለዳ ውስተ ዓለም” ኣብ ዓለም ዝውለዳ ነፍሳት ካብታ ካብ እስትንፋስ ኣፉ ዝተረኽበት ካብ ሓንቲ መዝገብ ይወፅኣ ይልምልማ” ዝብል ቃል ብምጥቃስ “ነፍሲ ናይ ፈጣሪ እስትንፋስ ክፋል እያ” ኢሎምኒ ኔሮም። ናይቲ ቅዳሴ ኣንድምታ ትርጓሜ ግና ነዚ ንባብ እዚ “ካብ ሓደ ካብ ኣዳም ‘ብዝኁ ተባዝኁ’ ብዝበሎ መሠረት ብናይ ባህርይኡ ሥልጣን ናብዚ ዓለም ዝፍጠራ ነፍሳት ይኽፈላ” ብምባል ነፍሳት ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምውላድ መሥርሕ ብተኸፍሎ ከም ዝባዝኃ ብምርግጋጽ ነዚ ናይዚ ሊቅ ኣበሃህላ ውዱቕ ብምግባር ኣቃኒዑ ተርጕምዎ ኣሎ።(መጽሓፈ ቅዳሴ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 292) ንዅሉ ዝጥነስ ጥንሲ ካብ ኣቦን ኣደን ትኽፈል (ግብር እምግብር) ዝኾነ ነፍሲ እምበር “እምሃበ ኣልቦ” ሓዳስ ነፍሲ ኣይትፍጠርን እያ። ሕያዊት ነፍሲ ከም ናይ ጥዋፍ ብርሃን ብናይ ወድን ጓልን ተራኽቦ እናተወልዐት ካብ ወላዲ ከይጐደለት ናብ ውሉድ ብተኸፍሎ ትኃልፍን ትባዛኅን።

1.2.8 ናብ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ምስ ንምለስ ንሳቶም ብዛዕባ ነፍሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሰፈረ ሓተታ ዘቕርቡ “ነፍሲ ካብ ወላዲ ናብ ውላድ ስለ ዘይትመኃላለፍ እመቤትናን ጐይታናን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኵሎም እቶም ከምቲ ኣዳም ዝበደሎ፡ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኦም በደል ዘይሠርሑ ኣዳማዊ መርገም (ጥንተ ኣብሶ) ኣይምልከቶምን እዩ” ንምባል እዮም። ንግዚኡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይ ነፍሲ ብሊቃውንት ዝቐረበ ኣመለኻኽታ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታ ድኅሪ ምግላጽና፡ ነቲ ቀንዲ ኣብ ተንቢተ ሕዝቅያስ ምዕራፍ 18፡4ን ቁ 20ን ዘሎ ናይ ኣለቃ ኣበሃህላ ውርድ ኢልና ክንምልከት ኢና። ሓደ መርገጺ ጥራይ ንኃዝ። ብናይ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ “ነፍሲ ካብ ኣቦን ኣደን ከይተኸፍለት እምሃበ ኣልቦ እያ ትፍጠር” ብዝብል መርገጺ እንተተጓዒዝና፡ ጥንተ ኣብሶ ዝበሃል ነገር ኣይህሉን እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ካብ ወላዲ ስለ ዘይትኽፈል ናይ ኣዳም መርገም ናብ ደቁ ብነፍሲ ናይ ምኽፋል መሥርሕ ብዘርኢ ኣይውረስን። ኣይመኃላለፍን? ስለዚ ብናይ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ሓሳብ እንተተጓዒዝና ኣርእስትና ኣብዚ ከብቅዕ እዩ። ከም ናይ ኣባ መልከጼዴቅ “ነፍሲ ካብ ኣቦ ብዘርኢ እያ ትኽፈል” ምስ ንብል ጥራይ ኢና ብዛዕባ ጥንተ ኣብሶ ኪንዘራረብ ንልኽእል። ብወገነይ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ ናይ ኣበሃህላ ትንታኔ ስለ ዝተቐበልኩ ናብ ዝቕጽል ኣርእስቲ ኪሰጋገር እየ።

1.2.9 ጥንተ ነፍሲ ቅድሚ ምድምዳመይ፡ ብዛዕባ ኣረኻኽባ ነፍሲ ቁሩብ ኪዛረብ። ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ናይ ወዲ ሰብ ሕዋሳት ኣበይ ቦታ ከም ትርከብ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ኣለዉ። ኣብ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኪንመሃር ከለና ሓደ ሰብ ብሓደ ጊዜ ብዝተተኮሳ ክልተ ጠያይት ልቡን ርእሱን እንተ ተሃሪሙ፡ ኣቐዲማ ዝቐተለቶ ጥይት ኣየነይቲ እያ? እቲ ቀታሊ ኸ ልቡ ዝሃረሞ ድዩ ዋላስ ርእሱ? ዝብል ክርክር ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ኣቐዲሙ ዝቐተሎ እቲ ልቡ ዝሃረሞ እዩ እንተበልና፡ ነፍሲ ኣብ ልቢ እያ ዘላ ማለት እዩ። ርእሱ ዝሃረመ እዩ እንተበልና ድማ ናይ ነፍሲ መንበሪ ርእሲ እዩ ኪንብል ኢና ማለት እዩ። እቶም ዝተኮሱ ክልቲኦም ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡ እኳ እንተ ተሰማማዕና፡ ቀታሊት ጥይት ከይፈለና (ከይፈለጥና) ነቲ ክርክር ኣብ ጠልጠል ገዲፍናዮ ከም ዝተፈላለና እዝከረኒ።

 ናብ መጻሕፍትና ምስ ንምለስ ኣብ ዘሌ 17፡14 “ነፍሲ ዂሉ ሥጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ሥጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ሥጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ” ብምባል ሕይወትን ደምን የተሓሕዞም። ከምኡ ውን ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 9” ኣቦታት ነዚ ንባብ እዚ ከብርህዎ ከለዉ፡ “እስመ ደመ ነፍስትኩሙ ውእቱ” “ደመ ነፍስኹም እዩ’ሞ ዝበልዕዎን ዝሰተይዎን ደም ይኸውን ኣብኡ ድማ ነፍሲ ስለ ትኃድር ነፍስክሙ በለ “እስመ ነፍስ ተኀድር በደም” ከም ዝብል ዘሌ 17፡14 (መጻሕፍተ ብሉያት 2ቱ ገጽ 69)

 ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድማ ንነፍሲ ምስ ልቢ የተሓሕዛ “ወልቡ ለብእሲ መንፈሱ ውእቱ፡ ወውእቱ አ፩ዱ ምስለ ነፍሱ እንተ ሃለወት በሥጋሁ” ናይ ሰብ ልቡ ሕይወቱ እዩ። እዚ ውን ምስቲ ሥጋኡ ዝተዋሓሓደቶ ምስ ነፍሱ ሓደ እዩ።(ሃይማኖተ ኣበው ዘአትናቴዎስ ምዕ 23፡26 ገጽ 76)። ስለዚ ነፍሲ ኣብ ደም ትኃድር ነፍሲ ኣብ ጊዜ ተራኽቦ ካብ ወላዲ ናብ ናይ ውላድ ነፍስን ሥጋን ተኸፊላ ጥንሲ ኪፍጠር ከሎ ኣዳማዊ መርገማ ኂዛ ንሓድሽ ጥንሲ ተርክሶ ዝብል እዩ ናይ ጥንቲ ኣብሶ መበገሲ ሓሳብ። እዚ ቀጻሊ ኣርእስትና እዩ።

No comments:

Post a Comment