bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 8 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 29 ክፋል

ሰሙነ ሕማማት ቅድስት 


ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ዕለተ ትንሣኤ ዘሎ ሰሙን ሰሙነ ሕማማት ብምባል ትጽውዖን ተኽብሮን። መበገሲ ናይዚ ኣሰያይማ ድማ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መከራን ሕማሙን ሞቱን ዝዝከረሉ ሰሙን ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ ኣዳም ክሳዕ ክርስቶስ ዝነበረ ናይ ዓመተ ፍዳን ዓመተ ኩንኔን ዘመንውን ዝዝከረሉ ሰሙን ስለ ዝኾነ ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቢይ ኢሳይያስ “ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ።መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን” ብምባል ከም ዝገለጾ፡ ክርስቶስ ምእንታና ክብል መለኮት ብዝተወሓሓዶ ሥጋ ከም ዝሓመመን መከራ ከም ዝተቐበለን ስለ ንዝክር ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ይጽዋዕ /ኢሳ 53፡3-7/። መበገሲ ናይዚ ጾም እዚ ኣብ ፍትሐ ነገስት አንቀጽ 15 ተደንጊጉ ኣሎ። ጥንታውን ቀዳማውን ምዃኑውን ዝፍለጥ እዩ። 

ዕለተ ሰኑይ

 ኣብ ነግህ ቅድሚ ኵሉ ናይቲ ሰዓት ተረኛ ኣገልጋሊ ቃጭል እናሃረመ ሠለስተ ጊዜ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ይዞሮ፡ ናይ ሾብዓተ መዓልቲ ውዳሴ ማርያም፡ ኣንቀጸ ብርሃን፡ መዝሙረ ዳዊት ብምልኡ ይጽለ። በቲ ናይ መዓልቱ ተረኛ መምህር (መርጌታ) ናይ ዕለቱ ድጓ ይዝየም። እቲ ድጓ ምስ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ከም ዝሰማማዕ ኮይኑ እዩ ዝዝየም። ነቲ ድጓ እናተቓባበሉ እናዜሙ ይሰግዱ። እቲ ናይ ድጓ መራሒ መምህር ሰኑይ ብየማን እንተኾይኑ፡ ሠሉስ በቲ ብጽጋም ዘሎ መምህር ይምራሕ። ከምዚ እናተዘዋውረ ይቕኒ። ድጓ ሠለስተ ጊዜ ተመላሊሱ ምስ ተዘለቐ፡ "ለከ ሃይል ክብር ወስብሃት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም፡ አማኑኤል አምላኪየ ለከ ኀይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም፣ ኀይልየ ወጸወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ እብል በአኮቴት እናተባህለ 6 ጊዜ ብሸነኽ ጸጋም 6 ጊዜ ድማ ብሸነኽ የማን እናተዜመ ይስገድ። ብድምር 12 ጊዜ ማለት እዩ። ልክዕ ክንድኡ ዝኽውን ኣቡነ ዘበሰማያት ብዜማ ብንባብ ይድገም።

 ካብዚ ብምቐጻል፥ለአምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐተ ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐተ ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ለእዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐተ ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ለመንግሥቱ፣ ለሥልጣኑ፣ ለምኩናኑ፣ ለኢየሱስ፣ ለክርስቶስ፣ ለሕማሙ፣ /ኣብ ዓርቢ ለመስቀሉ/ ይደሉ] እናበሉ ብየማንን ብጸጋምን እናተቓባበሉ ይሰግዱ። ብምቕጻል ናይ ነግህ ንባብ ኪንበብ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ተአምረ ማርያምን ተአምረ ኢየሱስን ይንበቡ። ብድኅሪኡ ካብ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ ተሰቢኹ ናይቲ ሰዓት ወንጌል ድኅሪ ምንባቡ፡ ጸልዩ በአንተ ጽንዓ ዛቲ ዝተባህለ ጸሎት ብካህን ኪንበብ ከሎ፡ ምእመናን "እግዚኦ ተሰሃለነ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና" እናበሉ ብምስጋድ ይጽልዩ። ብድኅሪኡ ካልኣይ ሥርዓተ ስግደት ይጅመር። ሕጂ ውን እቲ ዜማ ብይማንን ጸጋምን እናተቓባበሉ እዮም ዝብልዎ። እቲ ሓደ ይመርሕ፡ እቲ ሓደ ድማ ይቕበል። ከምዚ አናበሉ:- ኪርያላይሶን /5 ጊዜ/ ብወገን መራሒ ኪርያላይሶን /2 ጊዜ/ ዕብኖዲ ናይን ብወገን ተመራሒ፡ ኪርያላይሶን ታኦስ ናይን ኪርያላይሶን ማስያስ ናይን ኪርያላይሶን ኢየሱስ ናይን ኪርያላይሶን ክርስቶስ ናይን ኪርያላይሶን አማኑኤል ናይን ኪርያላይሶን ትስቡጣ ናይን እናተባህለ ሓደ ጊዜ ምስ ተወድአ፡ ደጊሙ ድማ ከም ብሓድሽ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ድማ ብጸጋምን የማንን 41 ጊዜ እናተዜመ ይስገድ።

 ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ስማት ናይ ጐይታና ስማት እዮም። ኪርያላይሶን ማለት ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና ማለት እዩ። ካብዚ ብምቕጻል መልክአ ሕማማት ብሊቃውንት ይዝየም። ብድሕኅርዚ ካህን ፍትሐት ዘወልድ፣ ጸሎተ ቡራኬ፣ ወዕቀቦሙ፣ ኦ ሥሉስ ቅዱስ፣ ኦ ማኅበራኒሁ ለክርስቶስ፣ ነዋ በግዑ ዚተባህሉ ምንባባት የንብብ። ሸዑ ካህን ኣብ ጸሎቶም መወዳእታ 41 ኪርያላይሶንሉ በሉ ኢሎም መልእኽቲ የመኃላልፉ።

 እቶም ሕዝቢ ድማ ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎም ይጽልዩ። ዲያቆን ድማ "ሑሩ በሰላም እግዚአብሔር የሀሉ ምስሌክሙ፤ ንዑ ወተጋብኡ ውስተ ቤተ ክርስቲያን በጊዜ ሠለስቱ ሰዓት" ማለት “ብሰላም ኪዱ እግዚአብሔር ምሳኹም ይሃሉ፡ ጽባሕ ሰዓት 9 ናብ ቤተ ክርስቲያን መጺኹም ተኣከቡ /ንጸሎት ንስግደት/ ኢሉ የፋንዎም። ኣብዚ ዝርኣናዮ ሥርዓት ሰኑይ ብነግህ /ናይ ንግሆ/ ዝካይድ እዩ፡፡ ብ3ይ፣ ብ6ይ፣ ብ9ይ፣ ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝካይድ ሥርዓትውን ኣብ ላዕሊ ብዝተመልከትናዮ መሠረት እዩ ዝፍጸም፡፡ ንባቦም ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ናይ ሰሙነ ሕማማት ዜማ ሰኑይን ሠሉስን ረቡዕን ግእዝ፣ ኪኸውን ከሎ፡ ኃሙስ አራራይ፣ ዓርብን ቀዳምን ድማ እዝል እዩ፡፡ ኣብዚ ከም ዝረኣናዮ መሠረት ስኑይን ሠሉስን ረቡዕን ብዘይካ ንባቦም ኣብ ላዕሊ ብዝረኣናዮ መሠረት ይፍጸሙ። ሕጂ ድማ ሥርዓተ ጸሎተ ኃሙስን ኪንምልከት ኢና።

ጸሎተ ኃሙስ 
 ጸሎተ ኃሙሰ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዓል ቅጫ ዝብል ትርጕም ኣብ ልዕሊ ምሃቡ፡ ጐይታና ምሥጢረ ቊርባን ምስ ምሥጢረ ጸሎት ኣወሓሒዱ ዝገለጸላ ዕለት ስለ ዝኾነት ዓባይ ናይ ምሥጢር መዓልቲ እያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ስግደትን ጸሎትን ምንባብን ከም ዝተለመደ ይኸውን። ፍልይ ብዝበለ ሥርዓት ታቦት ጸሊም ልብሲ ይለብስ፡ ጸሎተ ዕጣን ይጽለ፡ ቤተ ክርስቲያን ብማዕጠንት ይዕጠን። ብታሽዐይቲ ሰዓት ዲያቆን ክልተ ኩስኩስቲ ማይ መሊኡ ሓደ ንኢድ ሓደ ድማ ንእግሪ መሕጸቢ ይቕርብ። ጸሎተ አኮቴት ዝተባህለ ዓይነት ጸሎት ተጸልዩ ወንጌል ተነቢቡ እቲ ማይ ብኢድ ካህን (ሊቀ ጳጳስ) ተባሪኹ ሥርዓት ሐጽበተ እግሪ ካብ ካህናት ክሳዕ ምእመናን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ሕፃናትን ኵላቶም ብካህናት ኣቦታት ይፍጸም። ሥርዓት ሕጽበተ እግሪ ብማይ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ብቘጽሊ ኣውሊዕን ወይኒን ጌርካ እዩ ዝካየድ። ምሥጢሩ ድማ ነዚ ዝስዕብ እዩ፥

 ቈጽሊ ኣውሊዕ ጽኑዕ እዩ። ክርስቶስ ጽኑዕ መከራ ምቐባሉ ድማ የረደኣና። ብተወሳኺውን ንሕና (እቶም ዝሓጽቡን ዝሕጸቡን ክርስቲያን) መከራ ንምቕባል ድሉዋት ኢና ማለት እዩ።

 ቈጽሊ ወይኒ "ብወይኒ ዝተመሰለ ደሙ ኣፍሲሱ ንምእመናን ናይ ሕይወት መስተ ንኽኾኖም ምሃቡ ንምዝካር እዩ።(ማቴ 26፡26) ብተወሳኺውን እዚ ሥርዓት እዚ ጐይታና ናይ ደቀ መዛሙርቱ እግሪ ብምሕጻብ ዝመሃሮ ናይ ተግባር ትምህርቲ ንምእመናን ንምርኣይ እዩ።(ዮሐ 13:14) ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን ዝቖሙ ሊቃውንት ድማ "ሓዋርያቲሁ ከበበ እግረ አርዳኢሁ ሐፀበ” እናበሉ ይዝመሩ። እዚ ሥርዓት እዚ ምስ ተወድአ፡ ሥርዓተ ቕዳሴ ተኻይዱ ምእመናን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ይቕበሉ።

 ናይ ጸሎት ኃሙስ ቅዳሴ ብትሑት ድምፂ እዩ ዝካየድ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣብ ክንዲ ደወል እቲ ትሑት ድምፂ ዘለዎ ጸናጽል ንጥቀም። መጉልሒ ድምፂውን ኣይንጥቀምን ኢና። እቲ ካህን ይኹን ዲያቆን ድምፆም ኣትሕት እቢሎም እዮም ዝቕድሱ። ምኽንያቱ ድማ ይሁዳ ብምሥጢር ንጐይታና ከም ዘትኃዞ ንምሕባር እዩ። ብኻልእ መገዲውን ናይ ዘመነ ብሉይ ዋጋኡ ምድራዊ ከም ዝነበረ ንምዝካር እዩ። ብምቐጻል ክቡር ይእቲ፡ ዕጣነ ሞገር ዝማሬ ዝተባህሉ ናይ ድጓ ክፍልታት ተዘሚሮም እቲ ኣገግገሎት ይፍጸም። ሕዝቢ ድማ ብዘይ ኑዛዜን ብዘይ ቡራኬን ይፋኖ።

ዕለተ ዓርቢ
 ዕለተ ዓርቢ ኣምላኽና ናይ ኣዳም ናጽነት ንምምላስ ኪብል፡ ናይ ኣዳም ዕዳን በደልን ዚተሸከመሉ ናይ ኃዘንን ናይ ድኅነትን ዕለት እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ ኵሉ ነገር ከምቲ ዝተለምደ ይካየድ። እቲ መራሒ እዝል ይመርሕ ሕዝቢ ድማ ይቕበሎ። ኣርባዕቲኦም ወንጌላት ይንበቡ። ኣብ መንጎ መንጎ "ወጸቢሖ ተማከሩ ካህናት" ምስ ወግሐ ሊቃነ ካህናት ተማኸሩ ዚብል ዜማ፡ ብመራሒ ብተመራሒ ብሕዝቢ ተሰጥዎ ይካየድ። ንባቡን ስግደትን ድጓን ከምቲ ዝኃለፈ ይቕጽል። ኣብ 3ይቲ ሰዓት (ሰዓት 9 ናይ ንግሆ) ናይ ስቕለት ሥዕሊ መስቀል ወንጌል መብራህቲ ጽንሐሕ ፡ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ ይዳሎ። ዲያቆን ድማ በቃለ ማህዘኒ (ብናይ ኃዘን ቃል) ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ ይብል። ካህናትን ሕዝብን ድማ ብዜማ እናተቐበልዎ ይሰግዱ።

 ምስባክ ተሰቢኹ ኣርባዕተ ወንጌላት ይንበቡ። ኣብ 6ይቲ ሰዓት (ፍርቂ መዓልቲ) ናይቲ ዕለት መራሒ እዝል ይመርሕ። ሠለስተ ካህናት ጽንሐሕ ኂዞም ከርቤ እናዓጠኑ፡ ዲያቆናት መብራህቲ እናብርሁ "ለመስቀልከ ንስግድ" እናበሉ የዚሙ። ምእመናን ድማ ዜማ እናተቐበሉ ይሰግዱ። ብድኅርዚ ዲያቆን "ቀነውኒ እደውየ ወእገርየ" ኣእዳውይን ኣእጋረይን ሸንከሩኒ(መዝ 22) ዝብል ምስባክ ሰቢኹ፡ ኣርባዕተ ወንጌላት ይንበቡ፡ ኣብ መንጎ መንጎ ድማ ድጓ ይዝየም። ብድኅርዚ ምእመናን ኮፍ ይብሉ፡ ሠለስተ ካህናት ጸሊም ልብሲ ለቢሶም ብናይ ኃዘን ዜማ "አምንስቲቲ ሙኪርያ አንቲ ፋሲልያሱ" ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን እንከሎ "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረና ማለት እዩ። ነዚ ሠለስተ ጊዜ ይብልዎ።

 ሕዝቢ ድማ ቆይሙ ይቕበሎም። ሥርዓተ ስግደት ይከናወን። ኣብ 9ይቲ ሰዓት (ሰዓት ሠለስተ) እቲ ኻልእ ከምቲ ልሙድ ኮይኑ "ኦ ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ" ኦ ብሥጋ ሞት ዝጠዓመ ዝብል ዜማ ካህናት ሠለስተ ጊዜ ይብልዎ። ምእመናን ድማ ይቕበልዎም። ምስባክ ተሰቢኹ ኣርባዕተ ወንጌላት ይንበቡ። ስግደት ከም ቀደሙ እዩ። ኣብ 3ይ ሰዓት 6ይ ሰዓት 9ይ ሰዓት ወንጌላት ተነቢቦም ምስ ወድኡ ንምእመናን ትምህርተ ወንጌል ይወሃብ። እዚ ግና ከም ቀዋሚ ሥርዓት ዘይኮነ፡ ከም ኵነታቱ ዝጥዕም ጊዜ ምስ ዝኸውን እዩ። ሰዓት 11 (ሰዓት ኃሙሽተ) ካህናት ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ቆይሞም 400 እግዚኦታ የብጽሑ። ነቲ ዕለት ዝምልከቱ መዝሙራት ተመሪጾም ይንበቡ። ብድኅርዚ ነቲ ብሕማሙ ዘድኃነና እግዚአብሔር "ንሴብሖ" ነመስግኖ እናበሉ ብከበሮን ጸናጽልን ነቲ ቤት መቕደስ እናዞሩ ይምስገን። ኣብቲ ዑደት ሥነ ስቕለቱ ኂዝካ እዩ ዝዝወር። ምእመናን ዚሠርሕዎ ኃጢአት እናተናዝዙ ኣብ ካህናት ኣቦታት ንስሓ ይቕበሉ። ብቘጽሊ ኣውሊዕ ድማ ይጥብጠቡ።

 ቈጽሊ ኣውሊዕ ጽኑዕ እዩ።ክርስቶስ ጽኑዕ መከራ ምቐባሉ ድማ የረድኣና። ብተወሳኺውን ንሕና (እቶም ዝሓጽቡን ዝሕጸቡን ክርስቲያን) መከራ ንምቕባል ድሉዋት ኢና ማለት እዩ። ብዝተኣዘዝዎ መሠረት ድማ ስግደቶም ይውድኡ።
 ብድኅርዚ ምእመናን ብናይ ካህን ኑዛዜ ነናብ ቤቶም ይፋነዉ። መስቀል ምስላም ሕጂውን የልቦን። ዝኸኣለ ካብ ኃሙስ ጀሚሩ ወይ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት ክሳዕ ዕለተ ትንሣኤ የኽፍል (ይጸውም)። እዚ ድማ ኣብ ዕለተ ስቕለት ብሓዋርያትን ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ከም ዝተጀመረ ኣቦታት ይምህሩና።

No comments:

Post a Comment