bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 9 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 30 ክፋል

ትርጕም ናይዞም ኣብ ጊዜ ሰሙነ ሕማማት ንጥቀመሎም ስማት

ሃሌ ሉያ.. 
ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
አማኑኤል አምላኪየ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ኃይልየ ወጸወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ
እብል በአኰቴት አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ.......ለዓለመ ዓለም
ለአምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለማሕየዊ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለዕበዩ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለእዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለመንግሥቱ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለሥልጣኑ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለምኵናኑ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለኢየሱስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለክርስቶስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም
ለሕማሙ ይደሉ (ኣብ ዓርቢ) ለመስቀሉ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም

ለከ ይደሉ ኃይል ወለከ ይደሉ አኰቴት ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዓለመ ዓለም

ድኅርዚ መጻሕተ ኦሪት ነቢያትን ተአምረ ማርያም ተአምረ ኢየሱስ፤ ወንጌል ጸልዩ በእንተ ጽንዓ ዛቲ መካን ኣብጽሕ
ክርስቶስ አምላክነ ዘመጽአ ወሓመ በእንቲኣነ በሕማማቲሁ ይቤዝወነ
 ንሰብሖ ወናልዕል ስሞ ኅቡረ እስመ ውእቱ ገብረ መድኃኒተ በዕበየ ሣህሉ ወምሕረቱ

ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ዕብኖዲ ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ታኦስ ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ማስያስ ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኢየሱስ ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ክርስቶስ ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኣማኑኤል ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ፀባዖትን ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን አዶናይ ናይናን ኪርያ ላይሶን
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ትስቡጣ ናይናን ኪርያ ላይሶን  

ትርጕም
ኪርያ ላይሶን ዝብል ቃል ብቛንቋ ግሪኽ ኮይኑ ኣጸዋውዕኡ "ኪርዮኤሌይሶን" እዩ። "ኪርያ" ማለት "እግዝእትነ" ማለት ኮይኑ "ኪርዮ" ማለት ድማ "እግዚኦ" ማለት እዩ። ክጽዋዕ እንከሎ "ኪርዮ ኤሌይሶን" ክበሃል ኣለዎ። ትርጉሙ "ኣቤቱ መሓረና" ማለት እዩ። "ኪርያ ላይሶን" ንብል ብልምዲ እዩ። እዚ ድማ ኪርዮ ካብ ዝብል "ዮ" ኤሌይሶን ካብ ዝብል ድማ "ኤ" ብምስሓቦም ብትግርኛ "ያ" ን ፈጢሮም

ናይናን፦ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ "መሓረነ መሓረና ማለት እዩ"። 

እብኖዲ፦ ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን እንከሎ ትርጉሙ "ኣምላኽ" ማለት እዩ። እብኖዲ ናይናን" ክበሃል እንከሎ " ኣምላኽ መሓረና" ማለት እዩ።

ታኦስ፦ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ "ጐይታ አምላኽ" ማለት እዩ። ታኦስ ናይናን ማለት ኦ ጐይታ መሓረና ማለት እዩ።

ማስያስ፦ ናይ እብራይስጥ ቃል ክኸውን እንከሎ ትርጉሙ ድማ መሲሕ ማለት እዩ። ማስያስ ናይናን ማለት ድማ ኦ መሲሕ መሓረና ማለት እዩ

ትስቡጣት፦ "ዴስፖታ" ካብ ዝብል ናይ ግሪኽ ዝወፀ ክኸውን እንከሎ፡ ትርጉሙ ርኅሩኅ ገዛኢ ማለት እዩ።

አምነስቲቲ ሙኪርያቱ አንቲ ፋሲልያሱ፦ ናይ ቅብጢ ቃል ክኸውን እንከሎ "ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረና ማለት እዩ።

ቀዳም ሥዑር
 ቀዳምን ሰንበትን ብሥርዓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ጾም ኣይፍቀድን እዩ። ኣብዛ ጐይታና ኣብ ከርሲ መቓብር ዚነበረላ ቀዳም ግና ጸዊምና ስለ ንውዕል "ቀዳም ሥዑር" ተባሂላ ተሰምየት። በዓል ምስዓር ዘመልክት ኣይኮነን። ቀዳም ሥዑር ብምኽንያት ጾም ዝተሳዕረት ቀዳመይቲ ሰንበት (ቀዳም) እቲ ሥርዓት ለይቲ ብንባብ በመኀልየ መኃልይ ዘሰሎሞን ይጅምር። ማኀሌቱ እዝሉ እናተዜመ እናተመልጠነ፣ እናተዘመመ እናተመርገደ እናተጸፍዐ ይኃድር። ንግሆ አቡን መዋሥዕት ውዳሴ ማርያም ብዜማ በጺሑ "ወለመልአከ ሕይወትሰ ሰቀልዎ" ነቲ መልአከ ሕይወት ሰቐልዎ ብዝብል ሰላም ይፍጸም።

 ገብረ ሰላም በመስቀሉ "ብመስቀሉ ሰላም ገበረ" (ኤፌ 2:13-15) እናተባህለ እናተዘመረ ሰቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናዞረ ብካህን ተባሪኹ ንምእመናን ይዕደል፡፡ ናይ ሰቲ ኣመጻጽኣን ምሥጢርን ምስ ናይ ኣቦና ኖህ ታሪኽ ዝተኣሳሰረ እዩ። ምድሪ ብማይ ኣይሂ ኣብ ዝጠፍኣትሉ ጊዜ ናይ ኖህ እምንቲ መልእኽተኛ ዝኾነት ርግቢት፥ ሰቲ (ቈጽሊ) ኂዛ ብምምጻእ እያ ናይቲ ማይ ምጕዳል ዘበሠረት። ሎሚ ድማ ንናይ ሓድሽ ኪዳን ክርስቲያን ናይ ኃጢአት ጐደለ፣ ናይ ኃጢአት ማይ ጠፍአ ብናይ ክርሰቶስ ሞትን ትንሣኤን ናጽነት ተሰብከ ተኣወጀ ብምባል ካህናት ሰቲ ኂዞም ንምእመናን የበሥርዎም።
 ብሓፈሻ ኣቦታትና ንሥርዓተ ሕማሙ፤ ሰሙነ ሕማማት ብምባል ፍሉይ ሥርዓት ኣውፂኦም ተጊሆም ዘጽንሑልና ሥርዓተ መላእክት ኪንሕልዎን ኪንጥቀመሉን ይግብኣና።

ስብከት ሰሙነ ሕማማት - ሠኑይ ርግመተ በለስ

 እዛ ዕለት እዚኣ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናይ ሰሙነ ሕማማት እያ እሞ ካብ በረኸታ ንምክፋል ንቀደም በሉ!

 ንጽባሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኪወጹ እንከለዉ ጠመየ። ብርሑቕ ከኣ ቆጻል በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኪርኢ ናብኣ ከኣ፡ ናብኣ መጺኡ ከኣ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ ቆጽሊ እምበር ገለ እኳ ኣይረኸበላን። መሊሱ ድማ ካባኺ ሓደ እኳ ፍረ ኣይብላዕ በላ። (ማር 11፡13) ነዚ ቃል እዚ ከንብብ እንከለኹ ኣዝዩ ይደንቀኒ፡እቲ ንኹሉ ዚምግብ ጐይታስ ከመይ ኢሉ እዩ ጠመየ ዚብሎ፧እስኪ ሕሰቡ ጐይታ ነታ በለስ ፍረ ከም ዘይነበራን ኣይፈልጥን ነይሩ ማለት ድዩ፧ እታ በለስ ኣብ ዘይጊዜኣ ኸ ከመይ ኢላ ኪትፈሪ ትኽእል ስለ ምንታይ ኣብ ዘይጊዜኣ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ረገማ፧ ብተወሳኺ ውን ዋላ እኳ ፍረ እንተ ደለየ ካብ ንዕኣ ምርጋምሲ ኵሉ ዚከኣሎ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ፍረ ከተውጽእ ዘይእዝዛ፧ ንሱ መርቑ ደኣ እምበር ኣይትርገሙ ዚበለ ኸ ከመይ ኢሉ ረገማ፧ ቀጺሉ ውን ጊዜ በለስ ኣይነበረን ይብል ጊዜ በለስ ዘይነበረኸ ከመይ ኢላ ፍረ ኪትፈሪ ደልይዋ፧ እዚስ ገለ ምሥጢር ደኣ ኪህልዎ ኣለዎ "ቃል ይቐትል ትርጕም (መንፈስ) ግና ሕያው ይገብር" ከም ዚተባህለ ናብ ትርጉሙ ከሕልፈኩም፥
 ጠመየ "እዚ ቃል እዚ ንፍጡር እምበር ንፈጣሪ ዘይሰማማዕ ቃል እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፈጣሬ ኵሉ ዝኾነ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ እዩ (ቆሎ 1፡16 ዮሐ 1፡1-14 ሮሜ 9፡5 1ይ ዮሐ 5፡20 ዮሐ 10፡30-31) እወ ንሱ ንኹሉ ዓለም ዚምግብ ሲ ከመይ ኢሉ ጠመየ፧ ንሱ ንክልተ ዓሳን 5 እንጌራን ኣበርኪቱ ንኃሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ዚመገበስ ከመይ ኢሉ ጠመየ፧ ንሱ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ንማይ ናብ ወይኒ ዚለወጠስ ከመይ ኢሉ ጠመየ፧ እወ ንሱ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ ዚበለ ከመይ ኢሉ ጠመየ፧ ስለ'ዚ ንሱ ዚብላዕ መግቢ ኣይኮነን ዚጠመየ፡ ዚጠመየስ ገለ ንእኡ ዘፍቅርን ትእዛዙ ዚፍጽም ሰብ ስለ ዚሰኣነ ካብ ሰባት ሠናይ ተግባራት እዩ ጠምዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ ውን ጸማእኩ ኢሉ እዩ፡ እቲ ውቅያኖስ ዚፈጠረ ማይ ዘይኮነስ ፍቐሪ ሰብ እዩ ጸሚኡ።
 በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኪርኢ ናብኣ ከደ፡ እዚ ኪትሰምዑ እንከለኹምከ ኣሕዋተይ ንሱ ንዅሉ ልብን ኮላሊትን ዚምርምር፡ ኣብ ልቦም እንታይ ከም ዘሎ ዚፈልጥ ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠት ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ነበረ ተባሂሉ ብዛዕብኡ ዝተጻሕፈሉ፡ "ንሱ ኣብ ሓሳብ ናይ ደቂ ሰብ ዘሎ ኵሉ ይፈልጥ ነበረ እሞ ዋላ ሓደ እኳ ዚነግሮ ኣየድልዮን ነበረ ዚተባህለሉ " (ቆለ 2፡3 ማቴ 16፡6-8 ሉቃ 7፡40-43) ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ፍረ ከም ዘይነበራ ዘይፈለጠ፧ " እወ ንሱ "ንሱ በዚ ኪምህረና ዚደለየ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብፍጹም ተዋህዶ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ከም ዝኾነ እዩ፡ ነቲ ብባህሪኡ ውሱን ዝኾነ ሥጋ፡ነቲ ብባህሪኡ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገር ዘይፈልጥ ሥጋ ምኽንያት ንምሃብ እዩ። እዚ ኣነ ለቢሰዮ ዘለኹ ሥጋ ሕቡእን ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገር ኪፈልጥ ዘይክእልን ዚነበረ ሥጋ እዩ ኪብለና ስለ ዚደለየ እዩ። በዚ ድማ ነቶም ጐይታ ከም ናትና ሥጋ ኣይለበስን ዚብሉ መናፍቓን ኣሕፈሮም። እወ ኣነ ኣብ ዘፍጥረት "ኣዳም ኣዳም ኣበይ" ኣለኻ ዚበልኩ ሕጂ ድማ ሥጋ ለቢሰ ብምምጻእ ኣልኣዛር ኣበይ ቀቢርኩሞ፧ እታ በለስ ፍረ እንተለዋ ኪርኢ፧ ዚብሉ ዚተነግረለይ ኣነ ንሱ እቲ ናይ ብሉይ ኣምላኽ እየ" ኪብለና ስለ ዚደለየ እዩ። ኣዳም ኣበይ ኣለኻ ዚበሎ ውን ናይ ፍቕሪ ጻውዒት ደኣ እምበር ኣዳም ኣበይ ከም ዘሎ ምፍላጥ ስኢኑ ኣይኮነን።

No comments:

Post a Comment