bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 7 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 28 ክፋል

ሥርዓተ ጸሎት ዘሆሣዕና

 ኣብ ሆሣዕና ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም፡ ማዕጠንትን መብራህትን ቆጽለ ሆሣዕናን ቆጽለ ዕፀ ዘይት (ቆጽሊ ኣውሊዕ) ኂዞም፡ ብልዑል ድምፂ “እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ” እናበሉ ነቲ ታቦት ሠለስተ ጊዜ ብምዛር፡ ካብ መንጦላዕት (ብደገ) ወፂኦም ደው ይብሉ። ሽዑ ኣብ ግብረ ሕማማት ዚተጻሕፉ ዚተፈላለዩ ምዕዳነ ቃል ድኅሪ ምንባቦም፡ ዲያቆን (ዕብራ 9፡11-28 ንፍቅ ዲያቆን 1ይ ጴጥ 4፡1-11) የንብቡ። ምስባክ መዝ 121 ተፈሣሕኩ እስመ ይቤሉኒ ቤተ እግዚአብሔር ነሐውር” ወንጌል ማቴ 25፡29-39 ወኃሊፎሙ እምህየ።

 ብድኅርዚ  ሠራዒ ካህን መስቀልን ማዕጠንትን፡ ንፍቅ ካህን ቆጽሊ ስየ (ሆሣዕና) ዲያቆን መስቀል ኂዞም፡ ክቡር ክቡር ልብሲ ለቢሶም ካብ መቕደስ ወፂኦም ኣብ ኣፈ ጽዮን ይቖሙ። ሽዑ፦

 መራሒ ብ፪ ሃሌ ሃሌ ሉያ አርእዩነ ፍኖቶ ወንሑር ቤቶ እስመ እም ጽዮን ይወፅእ ሕግ ወቃለ እግዚአብሔር እም ኢየሩሳሌም ንሳለማ ለመድኃኒትነ በትፍሥሕት ተቀበልዋ ለታቦት እስመ ዋካ ይእቲ ወብርሃን። ምልጣን ንሳለማ ለመድኃኒትነ በትፍሥሕት ተቀበልዋ ለታቦት እስመ ዋካ ይእቲ ወብርሃን

 ሕዝቢ ነዚ ኪደጋግምዎ እንከለዉ፡ ንፍቅ ካህን፦ “እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሐኒ ያብጽሕክሙ” እናበለ ሆሣዕና ይዕድል። እቶም ሕዝቢ ድማ ነቲ መስቀልን ነቲ ሆሣዕናን ይሳለሙ።

 መራሒ መዝሙር 117 “ግነዩ ለእግዚአብሔር” ክብል ከሎ፡ ሕዝቢ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስመር “ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” ይበሉ። ብድኅርዚ “እስመ ዋካ ይእቲ ወብርሃን ዋካ ይእቲ ወብርሃን” እናበሉ ናብ ቅድስት ይወርዱ።

 ምስባክ መዝ 80 “ንፍሑ ቀርነ በጽዮን” ወንጌል ማቴ 20፡29-39። መራሒ  በ፮ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሃሌ ሉያ  ሰመያ ኣብርሃም ወይቤላ ዛቲ ዕለት በዓለ እግዚአብሔር ንፍሑ ቀርነ በዕለተ ሠርቅ በእምርት ዕለት በዓልነ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን። ምዕዋድ ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን ሶበ ተዘከርናሃ ለጽዮን እናበሉ ናብ ሰሜናዊ ማእዝን ይዞሩ።

 ምስባክ “እምአፈ ደቂቅ ወሕፃናት” ወንጌል ማር 10፡46-52 ወቦኡ ኢያሪኮ። መራሒ አቡን በ፮ ወትቤ ጽዮን አርኅዉ ሊተ አናቅጸ ይባኡ ሕዝብ ብዙኃን ምልጣን ወያእትቱ እብነ እምፍኖት ለንጉሥ ለወልደ ዳዊት ንጉሦሙ ለእስራኤል ውእቱ ይብሉ ሆሣዕና በአርያም ምዕዋድ “ይብሉ ሆሣዕና በአርያም ይብሉ ሆሣዕና በአርያም” እናበሉ ናብ ምብራቕ ይዞሩ። ምስባክ መዝ 118 “እምምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ..” ወንጌል ሉቃስ 18፡35-43 ወእምዝ አልጺቆሙ ኢያሪኮ።

 መራሒ በ፮ ባረኮ ኣብርሃም ለይሁዳ ወልዱ ወይቤሉ ሃሎ ንጉሥ ዘይወፅእ እምኔከ፡ ምልጣን ዘየሐጽብ በወይን ልብሶ ወበደመ አስካል ሰነዱኖ ንጉሦሙ ለእስራኤል ውእቱ “ይብሉ ሆሣዕና በአርያም” እናበሉ ናብ ሰሜናዊ ማእዝን ይዞሩ ምስባክ መዝ 146 ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር ወንጌል ዮሓ 2፡13-25 ወቀርበ በዓለ ፋሲካሆሙ።

 መራሒ በ፪ ሃሌ ሃሌ ሉያ ባኡ ውስተ ሃገር ወበዊአክሙ ትረክቡ ዕዋለ አድግ እሡረ ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ ምልጣን ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ ፍትሕዎ ወአምጽእዎ ሊተ፡ እናበሉ ናብ ቅኔ ማኅሌት ይኸዱ። በድኅርዚ መራሒ አቡን ብ፩ ሃሌ ሉያ አልጺቆ ኢየሱስ ኢየሩሳሌም ርእያ ለሃገር ወይቤላ ሶበ ተአምሪ ጽዮን ነዋ ንጉሥኪ በጽሐ ብርሃንኪ ዮም ሰላምኪ ምልጣን ወይቤላ ሶበ ተአምሪ ጽዮን ነዋ ንጉሥኪ በጽሐ ብርሃንኪ ዮም ሰላምኪ ተፈሥሒ በሕዝብኪ ዮም ሰላምኪ ይትኃፈሩ ጸላእትኪ ዮም ሰላምኪ ሰላምኪ ሰላምኪ ዮም ሰላምኪ። ሥርዐተ ዑደት ኣብዚ ይፍጸም።

 ብድኅርዚ ሠራዒ ካህን ኣብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ መጋረጃ ይዓጽዎ፡ ሠራዒ ዲያቆን ናብ ምብራቕ እናጠመተ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦ “አርኅዉ ኆኅተ መኳንንት አርኅዉ ኆኅተ መኳንንት አርኅዉ ኆኅተ መኳንንት”። ካህን ድማ ብውሽጢ ኾይኑ፦ “መኑ ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ስብሐት መኑ ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ስብሐት መኑ ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ስብሐት” ይብል። ነዚ ክልተ ጊዜ ምስ ደጋገሙዎ ኣብ መበል ሣልሳይ ዲያቆን፦ “እግዚአብሔር አምለከ ኃያላን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት አርኅዉ ኆኅተ መኳንንት” ምስ በለ እቲ ኻህን ነቲ መጋረጃ ኸፊቱ “ይባእ ንጉሠ ስብሐት” ይብሎ፡ እቲ ዲያቆን ድማ ይኣቱ። መዘምራን ድማ “ይባእ ንጉሠ ስብሐት ይባእ አምለከ ምሕረት” እናበሉ ብኸበሮን ብጸናጽልን የመላልስዎ እሞ ቅዳሴ ይኸውን።

 ሥርዓተ ቕዳሴ ኺፍጸም እንከሎ፡ ቀዳስያን ኪወፁ እንከለዉ፡ ሕዝቢ ኮፍ ኢሎም እቲ ሠራዒ ካህን ምእንቲ እቶም ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝሞቱ ሰባት በእንተ እለ ኖሙ እግዚአ ሕያዋን ድማ ጸሎተ ጸሎተ ፍትሓት የብጽሕ። ዕጣን ወይኒ ማይ ስርናይ ኣቕሪቡ ይባርኽ። እቲ ማይ ዝሞተ ሰብ ይሕጸበሉ፡ ዕጣን ይዕጠነሉ፡ እቲ ወይንን ስርናይን ድማ ኣብ ካልእ ጊዜ ይቕደሰሉ። ብድኅርዚ ሕዝቢ አቡነ ዘበሰማያት ደጊሞም ርእሶም ብምድናን ሥርየት ተቐቢሎም ሠርሖተ ሕዝቢ ይኸውን።

 ሥርዓተ ስግደት ወጸሎት ዘሰሙነ ሕማማት 

ሥርዓት ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 

 ኣኅዋተይ ካብታ ንሕና ዝተቐበልናያ ሕጊ ዘኮነ፡ ብዘይ ሥርዓት ዝኸይድ ኃው ኪትፈልይዎ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና። ኣባኻትኩም ብዘይ ሥርዓት ኣይተመላለስናን።(2ይ ተሰ 3፡6) 

 ሥርዓት ንዑደት ናይ ስነ ፍጥረት ሕይወት መቆጻጸሪ መሣርሒ እዩ። ናይ መዓልቲ ብለይቲ ናይ ለይቲ ድማ ብለይቲ ብምሥልጣን ሥርዓተ ዑድት ንኸይጥሕስን፡ ናይ መዓልቲ ብመዓልቲ ናይ ለይቲ ድማ ብለይቲ እናተመላለስ ዕለታዊ ግብሩ ንኸከናውን ንኵሉ ፍጡር ፈጣሪኡ ሥርዓት ኣዋፊርዎ እዩ።(መዝ 106፡19-24)

 ብፍላይ መንፈሳውያን ልኡኻን መንፈሳዊ ተልእኾኦም ብዘይ ሥርዓትን ብዘይ ሕግና ከካይዱ ከም ዘይክእሉን ከም ዘይግብኦምን እቲ ሓዋርያ "ካብቲ ብዘይ ሥርዓት ዝኸይድ ኃው ተፈለዩ" እናበለ መሃረና። ሰለዝኾነ ድማ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዚፍጸሙ ሃይማኖታዊ ተግባራት ካብዚ ትምህርቲ እዚ ዚተረኸቡ ምዃኖም እናሓሰብና፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝከናወኑ ሥርዓታት ቀጺልና ክንርኢ ኢና።

ኣብ ጊዜ ሰሙነ ሕማማት ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን 

ኣብዚ ሰሙን እዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፍልይ ዚበለ ናይ ኣገልግሎት ሥርዓት ሠሪዓትልና ኣላ። ንኣብነት፦

ብዘይካ ኣብ ጸሎተ ኃሙስ (ኃሙስ ጽግቦ) ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ።
ሥርዓተ ጥምቀተ ክርስትና ኣይፍጸምን
ናይ ዝዓረፉ ሰባት ሥርዓርተ ፍትሐት ኣይፍጸምን
ሥርዓተ ማኅሌት ኣይፍጸምን
ሥርዓተ ተክሊልን ካልኦትን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣይፍጸሙን እዮም።
 ብተወሳኺ ውን 
ብመስቀል ምብራኽ
ኑዛዜ ምሃብ
እግዚአብሔር ይፍታሕ ምባል፡ ብሓፈሻ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብመገዲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ዝወሃቡ ዝነበሩ መንፈሳውያን ኣገልገሎታት ደው ኢሎም ብኻልእ ወቕታዊ ማለት ናይ ጐይታና ሕማሙን መከራኡን ምኽሳሱን ምትኃዙን ክዳኑ ምግፋፉን ኣብ ኣደባባይ ጲላጦስ ምቛሙን ኣብ መስቀል ምስቃሉን ሓሞት ምስታዩን ካልእ ነቲ ኃጢአተኛ ወዲ ሰብ ኢሉ ዝኸፈሎ ዕዳ ብዘዘኻኽሩ ኣገልግሎታት ይትክኡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሰሙነ ሕማማት ናይቲ ቅድሚ ስቕለት ክርስቶስ ዚነበረ ናይ ባርነት ጸልማት ዘመን ምሳሌ ኾይና ስለ ትዝከር እዩ። ክርስቶስ ከይተሰቕለ ሓቀኛ ሥርየት ኣይነበረን መስቀል ኣይነበረን ጥምቀት ኣይነበረን ሓቀኛ መሥዋዕቲ ዝሥውዓሉ ቅዳሴ ኣይነበረን ሰላም ኣይነበረን ወ.ዘ.ተ።

 እዞም ሥርዓታውያንን ምሥጢራውያንን ናይ ሰሙነ ሕማማት ኣገልግሎታት ክሳዕ ቀዳም ሥዑር ብኸመይ ከም ዝኽበሩ ብሕጽር ዝበለ ንመልከት። 

መተሓሳሰቢ፦ ብመሠረት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሥርዓት ስግደት ዘይፍቀደሎም (ውጉዛት በዓላት) ዝበሃሉ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ 29 በዓለ እግዚአብሔር፡ 21 በዓለ ማርያም 12 ቅዱስ ሚካኤልን ኣብ ሰሙነ ሕማማት እንተ ውዒሎም ከም ተራ መዓልቲ ኪንሰግድ ይግብኣና። ብዙኃት ሰባት ድንን ጥራይ እዩ ዝበሃል ምሉእ ኣይስገድን እዩ ንብል ኣሎና፡ ገሌና ድማ ፍጹም ኪስገድ ኣይግባእን እዩ ንብል ኣሎና፡ ኣቦታት ግና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነዚ ምፍልላይና እዚ ሓደ ዝገብር ሥርዓት ሠሪዖምልና ኣለዉ እሞ ብኡኡ ተመሪሕና ብፍቕርን ብሓድነትን ብስምምዕን ኪንሰግድ፡ ካብ ቃለ ኣዋዲ ዚተወስደ ቓል ከም ዘለዎ የቐምጦ ኣለኹ፦ኣብ ሰሙነ ሕማማት በዓላት እኳ እንተጋጠመ ንኣምላኽ ምስጋድ ነቲ በዓል ምድፋር ስለ ዘይኮነ ኪስገድ ኣለዎ /ዘፍ 47፡30-31/። 




No comments:

Post a Comment