bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 6 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 27 ክፋል

ሆሣዕና

ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ ዚፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ ካብ ዜማ ክሳዕ ሰርሆተ ሕዝብ (ቅዳሴ ተወዲኡ ሥርዓተ ኣምልኾ ክሳዕ ዝከናወን ዘሎ ጊዜን ሰዓትን) ካብተን ካልኦት ሰንበታት ዚሰፍሐን ዚነውሐን እዩ።

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ
ዕብ 9፡11  ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
1ይ ጴጥ 4፡1-12 ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 28፡11-22 ካህን ተራዳኢ

ምስባክ
እምአፈ፡ ደቂቅ፡ ወሕፃናት፡ አስተዳሉከ፡ ስብሐተ፡
በእንተ፡ ጸላኢ፤
ከመ፡ ትንሥቶ፡ ለጸላኢ፡ ወለገፋዒ።

ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕፃናትን ምሥጋና ኣዳሎኻ፡
ንጸላእትኻን ንተቓወምትኻን ንፈዳይ ሕነን ዓገትካዮም /መዝ 8፡2/።

ትርጕም፦ካብ ኣፍ ሕፃናት ምሥጋና ኣዳሎኻለይ
እቲ ጸላእን ገፋዕን ዝኾነ ዲያብሎስ ደስ ኣየበሎ ኢልካ
ነቲ ጸላእን ገፋዕን ዝኾነ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺትረትዖ 

ወንጌል ዮሓንስ 5፡11-13 ካህን 
ቅዳሴ፦ ጎርጎርዮስ

ስብከት ዘሆሣዕና
/11/ ንሱ ግና እቲ ሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም።

 /12/ ንሳቶም ከኣ እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ።

 /13/ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ግና ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ማእከል እቶም ኣብቲ ዝነበሩ ሰባት ተኸዊሉ ስለ ዝነበረ እቲ ዘሕወዮ መን ከም ዝኾነ ኣይፈለጠን።(ዘሕወዮ ዘይምፍላጡ ኸኣ ስንፍና እዩ።) 

 ሆሣዕና እንታይ ማለት እዩ፧ ማቴ 21፡1-18

/1/ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት-ፋጌ ምስ በጽሐ፡

መግለጺ፦ ቤት ፋጌ ማለት ቀራና መገዲ ማለት እዩ።

 ሽዑ ጐይታ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። ከምዚ ኸኣ በሎም

/2/ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡ ብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ምስ ዒሉኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። 

መግለጺ፦ ኵሉ  ሰብ ካብ ማእሰርቲ ኃጢአት ዝፍትሓሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ንምግላጽ እዩ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ዝበለ።

/3/ ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በሉ። ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ ማለቱ ፈጣሪኦም ስለ ዝኾነ እዩ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ። 

/4/ እዚ ዅሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ ዝተነግረ ምእንቲ ኪፍጸም እዩ።
/5/ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉሥኪ፡ ጻድቕ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ፡ ለዋህ ኃዳግ በቐል ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚተባህለ ትንቢት ምእንቲ  ኪፍጸም እዩ።

መግለጺ፦ ጓል ጽዮን ማለቱ ንሕዝቢ ኢየሩሳሌም እዩ። ከምኡውን ንጓል ሕጊ ማለት እዩ /ኢሳ 2፡3/። ምኽንያቱ ኣደ ንውላዳ ቐጺዓ ከም ተዕቢ፡ ሕጊ ድማ ንሰብ ትቐጽዕን ትመርሕን እያ።

 ጻድቕን ለዋህን ንጉሥኪ ማለቱ ድማ ከምቲ ነቢይ ዘካርያስ “ኣነ ኸኣ ሠረገላ ካብ ኤፍሬም፡ ፈረስ ድማ ካብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ፡ ቀስቲ ውግእ ከጥፍእ እዩ፡ ንሱ ንኣሕዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ” ኢሉ ዝተነበዮ /ዘካ 9፡9-11/ ጐይታ ኢየሱስ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሦም ዝነበሩ ምድራውያን ነገሥታት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ትሑትን ሰለማውን ንጉሥ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።

/6/ ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። 
/7/ ነታ ኣድግን ነታ ገልገል ኣድግን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ኣብኣቶም ተወጥሐ። 

ሓተታ መግለጺ፦ ካብ ደብረ ዘይቲ ክሳዕ ቤት መቕደስ 16 ምዕራፍ እዩ /ዮሓ 11፡18/። 14 ምዕራፍ ብእግሩ ተጓዒዙ ክልተ ምዕራፍ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ፡ ንቤት መቕደስ ሠለስተ ጊዜ ዞራ። ሠለስተ ጊዜ ምዛሩ፡ ናይ ሠለስትነት፡ ናይ ዓሠርተ ምዕራፍ ምዛሩ ናይ ዓሠርተ ትእዛዝ፡ እቲ ናይ ኣርባዕተ ምዕራፍ ጕዕዞ፡ ናይ ኣርባዕተ ኪዳናት ምሳሌ፡ ማለት ኪዳነ ኖኅ፡ ክህነተ መልከጸዴቅ፡ ግዝረተ ኣብርሃም፡ ጥምቀት ዮሓንስ እዩ።

 ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ተወጢሑ፡ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ዝተራእየ፡ እቲ ነቢያት ኣቐዲሞም ዘርእይዎ ዚነበሩ ምሳሌ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ነቢያት ዘመነ መከራ እንተ ኾነ ጸሊም ተኸዲኖም ኣብ ፈረስ ተወጢሖም፡ ዘመነ ሰላም እንተኾነ ግና ፃዕዳ ተኸዲኖም ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ኪዞሩ ይርኣዩ ነበሩ።

 ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ዘመነ ሰላም ኪኾነልኩም እዩ፡ ኪብል ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተራእየ። ከምኡውን ኣብ ኣድጊ ዝተወጥሐ ሰብ በሪሩ ካብ ሰብ ከም ዘየምልጥ፡ ጐይታ ድማ ኣብ ኣድጊ ምቕማጡ ብእምነት ብጸሎት፡ እንተ ደሊኹምኒ ክትረኽቡኒ ኢኹም ማለቱ እዩ /ኢሳ 55፡6/።

ምሳሌ፦

1/ ዕድግት ናይ ኦሪት ምሳሌ፡ ዕድግት ጽዕነት ዝለመደት እያ። ኦሪት ከኣ ዝተለምደት ሕጊ እያ። ገልገል ናይ ወንጌል ምሳሌ፡ ገልገል ጽዕነት ዘይለመደት እያ፡ ወንጌል ከኣ ዘይተለምደት ሕጊ እያ።

2/ኣድጊ ናይ እስራኤል ምሳሌ እያ፡ ኣድጊ ጽዕነት ዝለመደት እያ፡ እስራኤል ከኣ ምሕላው ሕጊ ዝለመዱ እዮም። ገልገል ናይ ኣሕዛብ ምሳሌ እያ፡ ገልገል ጽዕነት ዘይለመደት እያ፡ ኣሕዛብ ከኣ ምሕላው ሕጊ ዘይለመዱ እዮም።

/8/ እቶም ሕዝቢ ብምሉኦም ከኣ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ።

መግለጺ፦ ይትረፍ ንስኻ እዛ ዝተቐመጥካያ እንስሳ መሬት ክትረግጽ ኣይግባእን ክብሉ፡ ንኽብሩ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። ከምኡውን ንእዩ (የሁ) ንጉሥ ብዝተገብረሉ ልማድ እዩ።

ታሪኽ፦ እዩ ዝተባህለ እስራኤላዊ ኣብ እስራኤል ኪነግሥ ምስ ተቐብአ፡ እቶም ብጾቱ ኣሕሉቕ፡ ንኽብሩ ክዳውንቶም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ከም ዘንጸፍሉ ተገሊጹ ኣሎ /2ይ ነገ 9፡1-13/። 

/9/ እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ሕዝቢ ኸኣ ዓው ኢሎም፡ ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት (ንወዲ ዳዊት መድኃኒ ኣድኅን ምባል ይግብኦ)፡ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ማለት መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዜርሕቕ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍሰን ዚዕድል እዩ። ሆሣዕና ኣብ ኣርያም፡ ማለት ኣብ ኣርያም ዘሎ መድኃኒ እዩ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ።

/10/ ጐይታ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተዉ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተናወጸት። 

/11/ እቶም ሕዝቢ ድማ፡ እዚ እቲ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝዓበየ ኢየሱስ እዩ በለ። 

ኢየሱስ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዝሸጡ ከም ዝሰጐጐም።
ማር 11፡15-19 ሉቃ 19፡45-48 ዮሓ 2፡13-21

/12/ ጐይታ ኢየሱስ  ኣብ መቕደስ ኣትዩ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ዚሸጡን ዚሻየጡን ንዝነበሩ ዅሎም ሰጐጐም፡ ነቶም ወርቅን ብሩርን ዝልውጡ መሽረፍቲ ጠረጴዛኦም ገልበጠ፡ መናብር ሸየጥቲ ርግብውን ገልበጠ። 

/13/ ቤተይሲ ቤት ጸሎት ይብሃል ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉትን ሰረቕትን ገበርኩምዋ፡ በሎም። 

መግለጺ፦ ዝተሰርቀን ዝተኸትረን ኣብኡ ይሽየጥ ስለ ዝነበረ እዩ ከምዚ ዝበለ።

ዕዉራትን ሓንካሳትን ከም ዘሕወየ

/14/ ኣብ ቤት መቕደስ ከኣ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 

/15/ ሊቃውነ ኻህናትን መምህራን ሕግን ግና ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ሕፃናት ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት (ማለት ንወዲ ዳዊት መድኃኒ በልዎ)፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ሓረቑ እምበር ደስ ኣይበሎምን።

/16/ እዞም ሕፃናት ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧ በልዎ። ጐይታ ኢየሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕፃናት ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ማለት ተቐበልካ ዚብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ በሎም። 

መግለጺ፦ ደቂቅ ዚተባህሉ ደቂ ዓመትን መንፈቕን፡ ሕፃናት ዝተባህሉ ድማ ደቂ ክልተ ዓመት እዮም።

/17/ ኃዲግዎም ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወፀ፡ ኣብኣውን ኃደረ

No comments:

Post a Comment