bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 6 January 2017

መላእኽቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዘመሩ! ብቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ

ስለ ዅሉ ነገር ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን!

መላእኽቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዘመሩ!

እነሆ ሓድሽን ዘደንቕን ምሥጢር! ኣእዛነይ ናይ ጓሶት ዝማሬ ሰምዓ። ዝሕል ዚበለ ጣዕመ ዜማ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣስ ዓው ኢሉ ዚስማዕ ሰማያዊ ዝማሬ እዩ። መላእኽቲ ይዝምሩ! ሓለቓ መላእኽቲ ድምፆም ብሓድነት የሰማምዕዎ! ኪሩቤል ኣዕጽምቲ ዘጥልል ምስጋና የዚሙ። ንእግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ንወዲ ሰብ ድማ ኣብ ልዕልና ስለ ዝረኣይዎ ሱራፌል ንኽብሩ የወድሱ። ኵላቶም ብሓድነት ኮይኖም ነዚ በዓል የኽብሩ። ልዑለ ባህርይ ዚኾነ ንሱ (እግዚኣብሔር) ንዓና ክብል ኣብ ታሕቲ ኀደረ። ኣብ ታሕቲ ንዝነበረ መንነትናውን ብምሕረቱ ልዕል ልዕል ኣበሎ።

ሎሚ ቤተ ልሔም ናይ መላእኽቲ ዝማሬ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንዲ ፀሓይ ባዕሉ እቲ ናይ ጽድቂ ፀሓይ ኣብኣ ስለ ዚኃደረ ንገነት መሰለት። “ከመይ ኢሉ ኾይኑ?” ኢልና አይንሕተት፡ እግዚኣብሔር ስለ ዝፈቐደ ብተፈጥሮ ብርሃን ከም ዚርከብ ኮይኑ። እግዚኣብሔር ፈቐደ! ንሱ እቲ ሥልጣን ዘለዎ ወረደ ዕርቂ ገበረ፡ ዅሉ ፍጥረት ድማ ንእኡ ተኣዘዘ።

እቲ ቐዳማዊ ዝኾነ ንሱ ሎሚ ተወልደ። ካብ ጥንቲ ባህርይኡ  ብዘይኮነ ባህርይ (ባህርየ ሥጋ) ተረኽበ። መለኮታዊ ባህርይኡ ከይተለወጠ ሰብ ኮነ። እግዚኣብሔርነቱ ብምቕናስ ሰብ ኣይኮነን። ኣብ ሰብነቱ ኣምላኽነት ብምውሳኽውን ኣምላኽ ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግና ቃል እንከሎ ሥጋ ኮነ፡ ሰብ ኮነ እምበር ባህርይኡ ናብ ሰብ ኣይተለወጠን ። ነገሥታት ነቲ መላእኽቲ ይኹኑ ሊቃነ መላእኽቲ ዝፋናት ወይስ ጐይቶት ወይ ሥልጣናት ወይ ሓለቓታት ከይኃዘ ንበይኑ ካብ ንጹሕ ማኀፀን ዝተወለደ ሰማያዊ ንጉሥ ክሰግድሉ መጹ።

ከምቲ ቐዳማይ ልደቱ ዘይምርመር ዚኾነ እዚ ዳኅረዋይ ልደቱውን ኣይምርመርን እዩ። ሎሚ መዓልቲ ድንግል ከም ዝወለደት ዋላ እንተፈለጥኩ፡ ናይ ወዲ እግዚኣብሔር ኣመጻጽኣ ካብ ቀደም ጀሚሩ፡ ካብ ዘለዓለም ኣትኂዙ ከም ዝኾነ ዋላ እንተኣመንኩ፡ እቲ ናይ ሕጂ ልደት ግና ብኣርምሞ (ብስቕታ) ካብ ምድናቕ ኃሊፈ በዚ ናይዚ ዓለም ቋንቋ ኺገልጾ ኣይከኣለንን እዩ። ንምንታይሲ ንእግዚኣብሔር እንርእዮ ብሥርዓተ ተፈጥሮ ዘይኮነስ እምነትና ኣብቲ ብኃይሉ ኺገብሮ ዝኽእል ብምግባር ስለ ዝኾነ!

እንታይ ኢለ ኺነግረኩም? ብኸመይ ገይረ ኸ ኺገልጸልኩም? ዝወለደት ድንግል እዕዘብ ኣለኹ፡ ዚተወልደ ሕፃንውን እርእይ ኣለኹ፡ ከመይ ኢሉ ከም ዚተጠንሰ ግና ኣይፈልጥን። ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ናብ ድኻም መጸ፡ ፍጥረት ድማ ካብ ድኻሙ ዓረፈ። ኪዛረብዎ ዘይክእል ጸጋ! ኣብ ልዑል ዝፋን ዝተቐመጠ እንከሎስ ኣብ መብልዒ ማል ተደርበየ! ሥጋ ብምውሓድ ተዳህሰሰ። እቲ ኃጢአት ይቕረ ዝብል ንሱ ብጨርቂ ተጠቕለለ! እቲ ምንታይሲ ዝርአን ዝድህሰስን ኮይኑ ስለ ዝመጸን ወንጌል ምሂሩ ድማ ናብቲ ኽንርእዮ ዘይንኽእል መታን ክመርሓናን ኢሉ እዩ። ሰባት ካብ ዝሰማዕናዮ ነገር ንላዕሊ ዝረኣናዮ ስለ ንኣምን ጥርጣሬና ምእንቲ ከርሕቕ ባዕሉ ብዝርአ ሥጋ ኽግለጽ ፈተወ።

ጥበበኛ ሠራሒ መሬት መሥርሒ ዝኾኖ ልዙብ ጭቃ ምስ ረኸበ፡ ካብኡ ጽቡቕ ኣቐሓ ከም ዚሠርሕ፡ ጐይታና ድማ ናይ እመቤትና ንጹሕ ሥጋን ንጹሕ ነፍስን ምስ ረኸበ፡ ነፍሲ ዘላቶ ሥጋ ንኺወሓድ ፈጠረ። ከምቲ ዝፈተወ ድማ ተዋሓዶ። በዚ መዓልቲ እዚ ድማ ተወልደ። ንባህርይና ኣይነዓቖን፡ ሥጋ ኣብ ዚተዋሓደሉ ጊዜውን ቃል ካብ ኣምላኽነቱ ኣይተለወጠን። ሥጋ ናይ ፈጣሪ ባህርይ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ፍጹም ኣምላኽነት ረኸበ። ሠራሒ ካይላ ኣቐዲሙ ኣብ ኢዱ ጭቃ ከይኃዘ ኪሠርሕ ከም ዘይክእል፡ እቲ ብፍዳ ተታኂዙ ዝነበረ ባህርይውን ብዘይ ኢድ እግዚኣብሔር ብዘርኢ ተፈጥረ ኽብሉ ኣይግባእን። ፈጣሪ መታን ኪዋሓዶ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብኢድ እግዚኣብሔር ደኣ ተፈጥረ እምበር።

እንታይ እሞ ኽብል እየ?! እንታይ ኢለ ኸ ክዛረብ?! እቲ ቕድሚ ዘመናት ዚነበረ ንሱ ንእሽተይ ሕፃን ስለ ዝኾነ፡ ኣነ ፈጺመ ተደኒቐ ኣለኹ! እቲ ልዕሊ ሰማየ ሰማያት ዝኾነ፡ ኣብ ዘለዓለማዊ ዝፋን ዚነብር ንሱ ኣብ መብልዒ ማል ተደርበየ። እቲ ቕድሚ ሥጋዌ ዘይድህሰስ ዚነበረ ሓደ ንሱ ብኢድ ምድራውያን ተዳህሰሰ! ነዚ ስለ ዝፈተወ እቲ ኃጢአት ይቕረ ዝብል ንሱ ብጨርቂ ጠቕለልዎ። እዚ ኵሉ ዝኾነ ግና ነቲ ኽብሩ ተፈልይዎ ዝነበረ ሥጋ ክቡር ኣምላኽ መታን ክገብሮ ኢሉ እዩ። ናይ ጸጋ ገዛእነት ስኢኑ ዝነበረ ሥጋ ናይ ባህርይ ገዛኢ ንኽገብሮ ስለ ዝፈተወ እዩ። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን ጐይታና ብምውራዱ ናይ ትሕትና መጠን ንኽንዕዘብውን ስለ ዚፈተወ እዩ።

ምእንትዚ ክብል ሥጋይ ተወሓደ! ወንጌል እናመሃረ ምእንቲ ክሰምዖ ንሥጋይ ብተዋሕዶ ናቱ ገበረ! ንሥጋይ ወሲዱውን መንፈሱ ሃበኒ። ሃብኩዎ ተቐበልኩ ድማ! ናተይ ወሲዱ ናቱ ስለ ዝሃበኒ ድማ ሕይወት ረኸብኩ። ንዓይ ንምቕዳስ ሥጋይ ተዋሓደ። ዘድኅነኒ መንፈስ ቅዱስውን ሃበኒ።

እምበኣርከስ እቲ ናይ ልደቱ ዜና ብሓቂ ኣደናቒ እዩ እሞ ንዑ በዓሉ ብሓድነት ነኽብሮ። በዚ ዕለት እዚ ዝነበረ ባርነት ኣብቅዐ፡ ዲያብሎስ ተረትዐ፡ ኣጋንንቲ ሃደሙ፡ ናይ ሞት ኃይሊ ተሰብረ፡ ገነት ተኸፍተት መርገም ተወገደ፡ ኃጢአት ካባና ርሓቐ፡ ስሕተት ተባረረ፡ ሓቂ ተመልሰት ናይ ርኅራኄ ዜና ተሰምዐ፡ ኣብ ኵሉ ወገን ተባጽሐ። ሰማያዊት ናይ ሕይወት መገዲ ኣብ ምድሪ ተተኽለት፡ መላእኽቲ ብዘይምፍርራህ ምስ ደቂ ኣዳም ተራኸቡ፡ ሰብውን ምስ መላእኽቲ ተዘራረበ።

እዚ ዅሉ እዚ ዝኾነ ስለምንታይ እዩ! እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ሰብ ድማ ኣብ ላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ ብዅሉ ወገን ኵሎም ስለ ዝተራኸቡ። ንሱ ሥጋ ኮነ፡ እግዚኣብሔር ኣይኮነን፡ ካብ ጥንቲ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ። ስለዚ ንሱ ሥጋ ኮነ። ገነት ዘይኃዘቶ መብልዒ ማል ንኽትኅዞ ሥጋ ኮነ። እቲ ንዓለም ዝምግብ ጐይታ፡ ካብ ድንግል ናይ ሕፃናት መግቢ ንኽቕበል ኣብ መብልዒ ማል ደቀሰ። ስለዚ እቲ ናይ ዘመናት ኣቦ ዝኾነ ንሱ፡ ሰብኣ ሰገል ብግልጺ ምእንቲ ኽርእይዎ፡ መኅደሪ ከይረኸበ ኣብ ትሕቲ ኣጥባት ድንግል ኣብ ኣእዳዋ ተሓቚፈ። ኣብዚ ዕለት እዚ ሰብኣ ሰገል መጺኦም ናይ መጀመርታ ስግደት ነቲ ሥጋዌኡ ኣቕረብሉ። ብኮኾብ ስለ ዝተገልጸሎም ሰማያትውን ክብሪ ሃቡ።

እንታይ እሞ ኽብል! እንታይ ከ ኺዛረብ! እነሆ ኣብ ኣይሁዳውያን ድንግል ከም እትጠንስ ተነግረ፡ ኣባና ግና ብስም ኣጸዋውዓኡ ኣማኑኤል ተባህለ። ኣብ ኣይሁድ ድንግል ከም እትጠንስ ተነግረ፡ ኣባና ግና ሓቂ ኾነ። ሰብኣ ሰገል ናይ ሓደ ናቶም ነቢይ ናይ በልዓም ቃል ሰሚዖም ኣመኑ፡ ኣይሁድ ግና ንብዙኃት ነቢያት ካብ ምእማን ደንጎዩ። ሰብአ ሰገል ክርስቶስ ብምምጽኡ ናይ ጣዖት ኣምልኾኦም ከም ዘብቅዐ ፈለጡ፡ ኣይሁድ ግና ናይ መለኮታዊ  ቃል ኪዳን ምሥጢር ካብ ምቕባል ረሓቑ። ሰብኣ ሰገል ነቲ ባዕዲ ኣመንዎ፡ ኣይሁድ ግና ንገዛእ ወገኖም ከይተቐበልዎ ተረፉ። 

ናብቶም ናቱ መጸ ንሳቶም ግና ኣይተቐበልዎን። ኵላቶም ነቲ ኮኾብ ርእየምዎ ኔሮም፡ ኵላቶም ግና ኣይተረድእዎን። ብሓቂ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሉ ሰብ ተወልደ፡ ሰብ ኮይኑ ንዅሉ ሰብ መጸ፡ ኮይኑ ግና ኣብ ኵላቶም ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኵላቶም ኣይተረድእዎን። ኣብ ኣሕዛብ ተፈልጠ፡ ኣብ ኣይሁድ ግና ኣይተፈልጠን። ቤተ ክርስቲያን ተቐበለቶ ምኵራብ ግና ከሓደቶ። ምኵራብ ነቲ ትንቢት ጥራይ ብምሰላ ኂዛ ተረፈት፡ ቤተ ክርስቲያን ግና ብሃይማኖት ጸንዓትሉ፡ ተጠቕመትሉውን። ኣብ ምኵራብ ናይ ወይኒ ሓረግ ተተኽለ ኣባና ግና ናይ ጽድቂ ፍረ ረኸበ። ምኵራብ ነቲ ወይኒ ኣብ ዓውዲ ወሆ በለቶ፡ ኣሕዛብ ድማ ናይቲ ምሥጢር ድቋ ሰተዩ።  ምኵራብ ፍረ ሥርናይ ዘርአት፡ ኣሕዛብ ድማ ኣከብዎ (ሓፈስዎ)። እወ ኣሕዛብ ጽጌሬዳ ብምሕረቱ ኣከቡ (ንሃይማኖት ገንዘቦም ገበርዎ) እቲ እሾኹ ግና ኣብ ኣይሁድ ተረፈ። እዚ ድማ ክሕደትን ምንፍቕናን እዩ።

ንእሽተይ ዑፍ ሰነፋት ኮፍ ኢሎም ከለዉ ጽላሎታ ኣውዲቓትሎም ትኃልፍ። ኣይሁድ ኣብ ብራና ዚተጻሕፈ መጽሓፍ ተርጉምዎ፡ ኣሕዛብ ግና ምሥጢሩ ተረድኡ። ኣንታ ኣይሁዳዊ በጃኻ ንገረኒ! ከምቲ ንሄሮድስ ድንግል ከም እትወልድ ዘረዳእካዮ፡ እስከ ንዓይ ድማ ኣረድኣኒ! ከምቲ ንእኡ ምእንቲ ክቐትሎ ኢልካ ዝነገርካዮ፡ እስከ ንዓይ ድማ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገረኒ! ኣንታ ኣይሁዳዊ! እዚ ድንግል ዝወለደቶ መን’ዩ? እስከ ንገረኒ!

ንስኻ እኳ እንተዘይነገርካኒ ኵሉ ፍጥረት ይነግረኒ እዩ እሞ፡ ንሱ ንዅሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ጐይታ እዩ። እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ወልድ እነሆ ባዕሉ ከም ዝፈተወ ተወልደ። ባዕሉ ሰብ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኸረድእ፡ እነሆ እቲ ልደቱ ድንቂ ዝኾነ ንሱ ተወልደ። እንተ ኾነ ግና ኣምላኽ እንከሎ ደኣ ሰብ ኮነ እምበር ከም ሰብ ብዘርኢ ሰብኣይ ኣይተወልደን። ኣቐዲሙ ንኣዳም ካብታ ዘይተሓረሰት ምድሪ ዝፈጠሮ፡ ንሔዋንውን ካብ ኣዳም ብዘይ ኣደ ዝፈጠረ እነሆ ሎሚ ብዘይ ኣቦ ካብ ድንግል ተወልደ። ኣቐዲሙ ንደቂ ተባዕትዮ ዝኽፈል ዕዳ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ነበረ። ሔዋን ብዘይ ኣደ ካብ ኣዳም ስለ ዝተረኽበት፡ ኣዳም ሔዋን ብዘይ ኣደ ካብኡ ብምርካባ ምእንቲ ኸይምካሕ። ሕጂ ግና ነቲ ናይ ሔዋን ዕዳ ንኣዳም ምእንቲ ክትከፍል ድንግል ብዘይ ኣቦ ወለደቶ። ድንቂ ብዝኾነ ልደቱ ድማ ናይ ኣካል ማዕርነት ኣፍለጠና። ካብ ጐድኒ ኣዳም ሓንቲ ዓጽሚ ብምውሳዱ ኣዳም ኣካል ከም ዘይጐደሎ፡ ካብ ድንግል ፍልጠት ዘለዎ ሥጋ ምስ ወሰደውን ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይለወጦን። ኣዳም ናይ ጐድኑ ዓጽሚ ምስ ተወሰደ ኣካል ከይጐደሎ ፍጹም ኮይኑ ከም ዝነበረ፡ ድንግልውን ሕፃን ክርስቶስ ድኅሪ ምውላዳ ብዘይ ምልዋጥ ብድንግልና ጸኒዓ ነበረት።...

ሰባት ገዲፎምዎ ነበሩ እሞ፡ ብኣምሰል ሰብ ከኣ ጣዖት ሠሪሖም የምልኹ ስለ ዝነበሩ፡ ንፈጣሪኦም ኣኅዚነሞ ስለ ዝነበሩ ጣዖት ህልም ኢሉ ምእንቲ ኽጠፍእ፡ ምምላኽ ንእኡ ንበይኑ ጥራይ ንኽኸውን እግዚኣብሔር ብባህርይ ሰብ ተገልጸ። ነቲ ንሰብአ ሰገል መገዲ ከይጋገዩ ዝመርሖም ንክርስቶስ ምስ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ምስ ኣብ፡ ምስ ናይ ባህርይ ሕይወቱ ምስ መንፈስ ቅዱስ፡ ሎምን ንሓዋሩን ምስጋና ነቕርበሉ ንዘለዓለመ ዓለም ኣሜን። ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና በብዘለናዮ...(ሰማዕትነት ኣየምልትኩምን ካልኦትን ካብ ትብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 37 ዚተወስደ)

No comments:

Post a Comment