bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 5 January 2017

ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ (ብዲያቆን ኣስመላሽ ገብረ ሕይወት) 3ይ ክፋል

ሎሚ ብዙኃት ኣገልገልቲ ጭንቀቶም ገንዘብ እምበር ሰብ ኣይኮነን። ድኅሪ ቁሩብ ዓመታት፡ 'ገንዘብ ዘይብሉ ክሳለም ኣይፍቀደሉን እዩ' ናብ ዝብል መምርሒ ከይወስደና ብኣጉኡ ከሎ ክንነቕሓሉ ዝግባእ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ። ዝሓለፊ ዘመናት ንድኅሪት ተመሊስና ክንርእዮ ከለና፡ ገንዘቦም ዘይኮነስ ሕይወቶም መስዋዕቲ ዝገበሩ ኣገልገልቲ ኣብ ውሽጣ ስለ ዝጸንሑ፡ ፍከራ ፈከርቲ፡ ክሕደት ናይ መናፍቃን ትምህርቲ፡ ጃህራ ዘፍርሑ ዓበይቲ ነገሥታት ኣንበርኪኻ እያ። እዚ ዂሉ ዝገበረቶ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ብዝነበሮም ደቃ እምበር፡ ኃይሊ ገንዘብ ብዝነበሮ ክርስቲያን ተጠቂማ ኣይኮነትን።
ሎሚ ግና  ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ባንክ ተጣራቓሚ ሕሳባ ብሚልዮናት ዝቑጸር መሊኡ፡ ጥቃኣ ንዘላ ብሰንኪ ዓቕሚ ገንዘብ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ እኳ ቅዳሴ ክትረክብ ዘይከኣለት ቤተ ክርስቲያን፡ ክትድግፍ ዘይምኻኣላ "እግዚኦ" ዘብል እዩ። ገንዘብ ወንጌል ንምስፋሕ እምበር፡ ብዙኅ ኣዋህሊልካ ዓቕሚ ገንዘብ ምስ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክትወዳደር ተባሂሉ ዝተገብረ ከም ዘይኮነ ዝተረድኡ ኣገልገልቲ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስቲያን ዘይመሰማምዒ ጠንቂ፡ ገንዘብ ምዃኑ ዘሕዝን እዩ። ካብ ኣብ ዓለም ንርእዮ ናይ እዛ ዓመት ቢልዮነር መን እዩ ዝብል ውድድር ንላዕሊ፡ ናይ ሚልዮናት ውድድር ዘሎ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን እዩ። 

ናይ ብዙኃት ኣገልገልቲ ጭንቀቶም፡ ገንዘብ እምበር ምእመናን ዝተለወጠ ሕይወት ሒዞም ናብ መንግሥተ ሰማያት ከም ዝኣትዉ ምግባር ኣይኮነን። ሓደ ብዛዕባ ገንዘብን ክብርን ዘይሓስብ ኣገልጋሊ ከም ዓሻን ድሑርን ተገይሩ ዝረኣየሉ መድረኽ በጺሕናዮ ኢና። ናይ ብዙኃት ሕይወት ሎሚ ፈሪሱ እዩ። ወላዲ ምስ ውሉድ ተፈላልዩ፡ ወላዲት ውላድ መኻን ዝኾነትሉ፡ ውላድ ከም ዘኽታም ኮይኑ ዝነብረሉ ከም ዘመንና ክፉእ ዘመን የሎን። ናይ ብዙኃት ሓዳር ፈሪሱ እዩ። ንሓዳር ከም ፍታሕ፡ ፍትሕ ገይሮም ዝሓስቡ ዝበዝሑ ደቂ ተዋሕዶ እዮም። ብነፍሲ ቅትለት ንቤት ፍርዲ ኣጻቢቦምዎ ዝርከቡ፡ብዓመጽን ምጥፍፋእን፡ እሙን ዘይምዃንን ዝተረሓሓቑ ቆጺርካ ኣይውዳእን። 
ኣብ ናይ መሪሕነት መንበር ዝተቐመጡ፡ ናይ ብዙኅ ሕይወት እናጥፉኡ ዕድመ መሪሕነት ክናውሕ ዝኽእል፡ 'ንዝቓወመካ ብምቕታል እዩ' ብዝብል መምርሒ፡ ዘመን ንግሥነቶም ዘናውሑውን፡ "እንታይ ሃይማኖትኩም ተባሂሎም እንተ ተሓቲቶም፡ ተዋሕዶ" ኢሎም ዝምልሱ ዓለምና ከተአንግድ ከላ ተዓዚብና ኢና። ስራሕ ዝሰኣነ ፈላሲ ቆቢዑ ቀዲዱ ይሰፊ ከም ዝብልዎ። እቲ ዕዮ ብዙኅ እኳ እንተ ኾነ፡ ንሕና ግና  ኣብ ክፉእ ግብሮም ኢድና ስለ ዘእተና ብዙኅ ኣብ ንድለየሉ ብኃጢኣት ተኸዊልና ንነብር ኣሎና። 

ኣብዚ ዓቢይ ናይ ኣገልግሎት ወፈራ ክግበረሉ ዝግባእ ኣብያተ ክርስቲያን ነዚ ፈሪሱ ዘሎ ወለዶ ንምጽጋን ባጀት ክስልዓሉ ዝግባእ ዘመን ብዛዕባ ንዝቕመጥ ገንዘብ ምብኣስና ዘስደምም እዩ። ሎሚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ጭንቀቱ፡ ስሙ ዝጽውዓሉ(ዝኸብረሉን መን ከማይ ኢሉ ዝምክሓሉ) ነገር ገይሩ ምሕላፍ እዩ። 
ብሓዋርያ ጴጥሮስ ወይውን ብሓዋርያ ጳውሎስ ዝተሃንጸት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብዙኅ ኣይኮነን። ዝሃነጽዎን ናብ መንግሥተ ሰማያት ዘእተውዎ ሕዝቢ ግና  ብዙኅ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ምህናጽ ጽቡቕ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ዘለዓለማዊ ሕንጻ እናኣፍረስካ ግና  ኣይኮነን። እቲ ተንቀሳቓሲ ሕንጻ ኣብ ዝፈረሰሉ፡ ብዛዕባ ግዝያዊ ሕንጻ ምጭናቕ ፍርዱ ዓቢይ እዩ። ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቴንዳ ኮይናውን ኣገልግሎታ ክትፍጽም ትኽእል እያ። እቲ ቅድሚ ዂሉ እትጭነቐሉ ሕንጻ ናይ ደቂ ሰባት ሰብነት እዩ። ናይ እምኒ ሕንጻ ሃኒጽና ነቲ ዘለዓለማዊ ሕንጻ እንተ ኣፍሪስናዮ ዓስብና ውሑድ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት እቲ ዝኸበደ ሕንጻ ምሕናጽ ዘይኮነስ ሰብ ምሕናጽ እዩ። ምኽንያቱ ዝተሓንጸ ሰብ ሕንጻ ይሓንጽ፣ ንዝተሓንጸ ሕንጻ ድማ ዘይተሓንጸ ሰብ የፍርሶ። ስለዚ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ውሕስነቱ ዝተሓንጹ ተንቀሳቐስቲ ሕንጻታት(መቅደስ) ምብዛሕ እዩ።

ካብ ኣብ ዓቢይ ጾም ዘለዋ ሰናብቲ፡ እታ ሓንቲ ጎይታ ንመጻጉዕ ካብ ዓራቱ ዘተንስኣላ መዓልቲ ኢልና እኳ እንተ ዘከርናያ፡ መጻጉዕ ግና ብሥጋኡ እምበር ብነፍሱ ዘይተጠቀመላ ዘደንግጽ ፍጥረት እዩ። ብሥጋ ካብ ዝሓመሙ ንላዕሊ፡  ነፍሶም ዘሕመሙ ሰባት ኣብ ከቢድ ደዌ ዝርከቡ እዮም። ኣቐዲምና ክንድግፎም ዝግባእ፡ ነቶም ብናይ ነፍሲ ደዌ ዝተታሕዙ ከም ዝኾነ ትዝንግዕዎ ኣይመስለንን። ሥጋዊ ደዌ ግዝያዊ ስቓይ እዩ፣ ናይ ነፍሲ ደዌ ግና ዘለዓለማዊ ቃንዛ እዩ። ሰብ ብሥጋኡ ሕሙም ኮይኑ ገነት ካብ ምእታው ዝክልክሎ ነገር የለን፣ ናይ ነፍሲ ሕማም ግና  እቲ መቕጻዕቲ ብምድሪ ጀሚሩ ኣብ ሰማይውን ዝቕጽል እዩ። መጻጉዕ ኣብ ዓለም ኣሎ ኣብ ቤተ ክርስቲያንውን ኣሎ፣ ኣብ ምእመናን ኣሎ ኣብ ኣገልገልቲውን ኣሎ፣ ኣብ ደገ ኣሎ ኣብ ቤተ መቕደስውን ኣሎ!!(ዮሓ 5:1-12)። 

ከምዚ ዓይነት ሕማም ከም ተመሓላላፊ ሕማም ናብ ኵሉ እናተላብዐ ዝመጽእ ዘሎ ቅልጡፍ ረድኤት ዘድልዮ እዩ። ከምቲ ሓዳሮም መጻጉዕ ዝኾኖም ዘለዉ፡ ኣገልግሎት መጻጉዕ ዝኾኖም ውን ኣለዉ። ከምቲ ሓዳሮምን ቤተሰቦምን ዘልመሱ ሰብኡት ዘለዉ፣ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልግሎታን ዘልመሱ ኣገልገልቲውን ኣለዉ። ከምቲ ሃገሮም ምምራሕ ከቢድዎም ንባዕዲ ኣሕሊፎም ዝሃቡ መራሕቲ ዘለዉ። ቤተ ክርስቲያን ምምራሕ ከቢድዎም ንተኹላ ኣሕሊፎም ዝሃቡውን ኣለዉ። ብዙኅ መድኃኒት ኣብ ዘድልየሉ፡ ኵሉና መጻጉዕ ምዃንና ዘሕዝን እዩ። 

ኵሉ ምጽንናዕ ኣብ ዝደልየሉ፡ ኵሉ መራሒ ኣብ ዝደልየሉ፡ ኵሉ ሰባኺ ኣብ ዘድልዮ፡ ኵሉ ናይ ሓዳሩን ደቁን ፈውሲ ኣብ ዝደልየሉ፡ ኵሉ ጥዑይ መገዲ ብሕትውና ኣብ ዝደልየሉ፡ ኵሉ ሥርዓቱ ዝሓለወ ኣካይዳ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝደልየሉ ነዚ ንምዕራይ ሓላፍነት ዝተዋህበና ኣገልገልቲ መጻጉዕ ምዃንና ንዂሉ በቦትኡ ንኸይሕዝ ዕንቅፋት ኮይናዮ ከም ዘሎና እንተ ዝርድኣናስ፡ ነቲ ዘፍረስናዮ ከም ብሓድሽ ንምሕናጽ ክሳብ ክንደይ ኮን ምደኸምና?

ቅዱስ ጳውሎስ ኣገልግሎት ናይ ምምሳል ሕይወት ከም ዝኾነ ገሊጽዎ እዩ። ስለዚ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ፍና ቅዱሳን ሓዋርያት ክንክተል ይግባእ። እዛ ዘለናያ ዓለም ኣብ ናይ መወዳእታ ዘመን ዋዜማ ስለ ዘላ፡ ንሓሳዊ መሲሕ ንምቕባል እትሸባሸበሉ ዘላ ግዜ እዩ። ስለዚ ዓለም ነቲ ናይ ዓመጽ ሰብ ንምቕባል ኢዳ ክትዝርግሕ ከላ፡ ደቂ እግዚአብሔር ግና  ነቲ ብግርማ መላእኽትን ደሃይ መለኸትን ተዓጂቡ ዝመጽእ ጎይታ ንምቕባል፡ ሓለፋ ዝሓለፉ ዘመናት ቤተ ክርስቲያን ነቲ መርዓዊ ንምቕባል ብቕዕቲ ከም እትኸውን ንምግባር ክንቃለስ ይግባእ። 

ንደቂ ዓለም ካብ እቲ ዝጓዝም ኣንበሳ ንምድኃን፡ ናይ ሓንቲ ነፍሲ ዋጋ ክቡር ከም ዝኾነ ብምእማን ስራሕና ብኣግኡ ንምፍጻም ክንቀላጠፍ የድሊ። ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ እምበኣር ፍና ናይዞም ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ስዒብና፡ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ውሉደ እግዚአብሔር ናብ ሃይማኖት ገጹ ከም ዝመልስ ንምግባር ንምብርባር እዩ። ከመይ ገይረ መገዶም ክኸይድ ብዝብል ሰይጣናዊ ሓሳብ ዝተኣሰርና እንተ ኣሊና፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወት ቅዱሳን ሓዋርያት ነዚ ንሕና ሎሚ ክንከዶ ዝግባእ ከም መለክዒ ኮይኑ ዝተቐመጠ ከም ዝኾነ ክገልጽ ከሎ ዝበሎ ብምስትውዓል ንመልከት፤ 
“እዞም ደቀይ እምበኣር ነዚ ነገር ኣብ ልብና ኣስፊርና ንሓዋርያት ዓበይቲ ክኾኑ ዝገበሮም ናይ ጽድቂ መገዲ ንስዓብ። ጴጥሮስ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ስምዕዎ፣ “ንሕና ዂሉ ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎና፣ እንታይ ኮን ክንረክብ ኢና? በሎ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ መልሲውን ስምዕዎ፣ “ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሠርተው ክልተ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ንዓሠርተው ክልተ ነገደ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ኣኅዋት፡ኣኃት፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሰበይቲ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ዝሓደገ ዂሉ ሚእቲ ዕጽፊ ኺረክብ እዩ። ናይ ዘለዓለም ሕይወት ውን ክወርስ እዩ፡(ማቴ 19፥27-30)። ስለዚ ከምቲ ንሱ ዝኣወጆ፡ ማዕረ ሓዋርያት ምእንቲ ክንከውን፡ ዘለዓለማዊ ሕይወትውን ክንወርስ ካብ ኵሉ ፍትወት ናይ እዛ ዓለም ንርሓቕ። ሕይወትናውን ነቲ ብደሙ ዝዓደጋ ንክርስቶስ ንወፍያ።” (ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መበል 46 ክፋል ትርጓሜ ወንጌለ ማቴዎስ)

ከም ሓዋርያት ክትከውን እንተ ደሊኻ ዝክልክለካ ነገር ከም ዘየለን ናብቲ ንሳቶም ዝበጽሕዎ ልዕልና ንኽትሰጋገርውን ዝገትኣካ ኃይሊ የለን። ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ቅዱሳን ሓዋርያትን ዘሎ ፍልልይ፡ ንሕና ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ኣጽኒዕና ዘይምሓዝ ክኸውን ከሎ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ግና  ንዂሉ ብፍቕሪ ፈጺሞምዎ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ተኣምር ንምግባር ኣይጸበ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ክወጽእ ከሎ ይጉሂ እዩ። ሓለፋ ኵሉ ግና ሓንቲ ነፍሲ ካብ ኃጢኣት ሓራ ክትወጽእ ከላ እንተ ርእዩ፡ ኣዝዩ ይቑጣዕን ይጉህን፡(ሓዋ 8፥10)። 

ምኽንያቱ፡ ኃጢኣት ናይ ሰይጣን ግዝኣት እያ። እዚ ኃይሊ እዚ ድማ ንዘመናት ሞት የምጽእ ነበረ። ክርስቶስ ከኣ ናይ ኃጢኣት መግዛእቲ ምእንቲ ክስዕሮ ሞተ። ድኅሪዚ ዂሉ ነገር ስለ ዝቐየሮ፡ ኣብ ልዕሊ ሞት ምልኪ ተዋህበና። ስለዚ  ንሰይጣን ክንጻረሮ ንኃጢኣት ከኣ ከነርሕቖ ይግባእ። ከምዚ እንተ ገይርና፡ ንዂሉ ፍሕሶ ሰይጣን ቆሪጽና ንምድርባይ፡ ርእሱ ንቕጥቅጠሉ ኃይሊ፡ ንሠራዊት ሰይጣን ናይ ምስጓግ ዓቕሚ ክወሃበና እዩ። እዚ ከኣ ካብ ኵሉ ዓይነት ተኣምራት ዝበልጽ ተኣምር እዩ። ነቶም ኣጋንንቲ ከውጽኡ ስለ ዝኸኣሉ ዝተሓጎሱ ደቀ መዛሙርቱ፡ እንታይ ከም ዝበሎም ዘክር። “ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጻሕፈ ደኣ ተሓጎሱ እምበር መናፍስቲ ስለ ዝተመልኩልኩም ኣይትተሓጎሱ።”(ሉቃ 10፥17-20)። ኣብ ዓለም ንጸንሓሉ ዕድመ ዝተወሰነልና ነቲ ናይ ዓወት ሕንጻጽ ክሳዕ ንረግጻ እዩ። ክንረግጻ ግድን እኳ እንተ ኾነ፡ ከም ዝተዓወተ ኴይና እንተ ዘይረገጽናያ ግና  ዓስቢ የብልናን። ጉያና ከም ናይ ቅዱሳን ክኸውን እንተ ዘይክኢሉ፡ ናይ ዓወት ናፈቕቲ እምበር ተሸለምቲ  ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ጎያዪ ጥራይ ምዃንውን ዓወት ኣየውህብን እዩ። ነቲ ጉያና ናብ ዓወት ንበጽሓሉ መገዲውን ፈሊና ክንፈልጦ ይግባእ። ፍና ጴጥሮስን ጳውሎስን ናይ ዓወት መስመር ዝርከበሉ ከም ዝኾነ ርግጸኛታት ኢና እሞ፡ በቲ ንሶም ዝሓለፍዎን ዝነበሩሉን ናይ ዓወት ሃይማኖት ተመላሊስና፡ ናይ ወንጌል ፍረ ክንዓጽድ ይግባእ። 

No comments:

Post a Comment