bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 11 January 2017

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 22 ክፋል

..እቲ ንድኅነቱ ኣዝዩ ጥንቁቕ ዚኾነ ቴዎፍሎስ ግና ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ምስዳድ ተግባሩ ኣብ ቁስጥንጥንያ ብኣካል ብምርካቡ ካብቲ ሕዝቢ ኪወርዶ  ተሓሲቡ ዚነበረ ሓደጋ ስለ ዝፈልጥ፡ እዚ ሓደጋ እዚ ደጊሙ ክወርዶ ኣይደለየን። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዘየስግኦ ቦታ ማለት ኣብ እስክንድርያ ኾይኑ፡ ነቲ ተንኮል ናይ ምቅንብባር መሥርሕ ኪመርሖ ጀመረ። ቴዎፍሎስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ዚሠርሖ ናይ መጀመርታ ግፍዒ ብኃይሊ እግዚአብሔር ስለ ዝፈሸሎ፡ ሕጂ ንኻልኣይ ጊዜ ዝኸሰሉ ካልእ ምኽንያት ድማ ስለ ዚሰኣነ፡ ኣብ እስክንድርያ ኾይኑ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣንጻር ናይቲ ብ341 ኣብ ኣንጾኪያ ዚተወሰነ ቀኖና ብዝኾነ መልክዑ ካብ መንበሩ ንኽስደድ ምስ ተፈረዶ ናብ መንበሩ ብምምላሱ ክስደድ ይግብኦ እዩ ኢሉ ጸሓፈ።

እቲ ኣዝዩ ዘኅዝን ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ “ኣፍሪሱዎ” ተባሂሉ ብቴዎፍሎስ ዚተጠቕሰ ቀኖናን ነቲ ቀኖና ዚወሰኖን ናይ ኣንጾኪያ “ሲኖዶስ” እቶም ኣርዮሳውያንን መንፈቀ ኣርዮሳውያንን “ጳጳሳት” ነቲ ዓቢይን ሕያዋይን ናይ ሃይማኖት ኣቦ መበል 20 ናይ እስክድንድርያ ፓትርያርክ ዚነበረ ንቕዱስ ኣትናቴዎስ ካብ መንበሩ ንምስዳድ ክብሉ ዚወሰንዎ ቀኖና እዩ።

እዚ ናይ ኣንጾኪያ ቀኖና ዓንቀጽ 20 ከምዚ ይብል፦ “ብትኽክለኛ ምኽንያት ይኹን ብግፍዒ ካብ መንበሩ ክወርድ ምስ ተወሰነሉ፡ እቲ ዘሳደዶ ሲኖዶስ ከይመለሶ ናብ መንበሩ ዚተመለሰ ዝኾነ ጳጳስ ብመሠረት እቲ ኣብ መጀመርታ ዚተወሰነሉ ስደቱ ዝጸንዐ እዩ፡ ስደቱ ክሳዕ መወዳእታ ደኣ ይጸንዕ እምበር፡ ይግባይ ናይ ምባልን ጉዳዩ ንኻልኣይ ጊዜ ክርኣየሉ ናይ ምሕታት መሰልውን የብሉን” ዝብል እዩ። እዚ ቀኖና እዚ ኣርዮሳውያን ናይ ንጉሥ ደገፍ ረኺቦምሉ ኣብ ዚነበሩ ጊዜ፡ ንቕዱስ ኣትናቴዎስ ንምስዳድ ምእንቲ ክኽእሉ ብዓቐኑ ዚሰፈይዎ ናይ መሳደዲ “ቀኖና” እዩ። እዚ ውሳኔ እዚ ዘይሕጋዊ ብምዃኑን ብኣርዮሳውያን ዚተወሰነ ብምዃኑን ካብ መጀመርታኡውን ኣይሠርሕን እዩ። ነዚ ናይ ኣርዮሳውያን ቀኖና ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት ኣብ ሳርዴቅ (ናይ ሎሚ ሶፍያ ቡልጋሪያ ብ343 ዓ.ም) ኣብ ዚገበሩዎ ሲኖዶስ ፈሪሱ እዩ። ቴዎፍሎስ ግና ጸላእቱ ንምጥቃዕ ዘይጥቀመሉ መገዲ ስለ ዘይነበረ ብሃይማኖቱ ኦርቶዶክሳዊ እንከሎስ ሰብ ንኸትቅዕ ክብል ጥራይ መገዲ ምስ ሰኣነ ናይ ኣርዮሳውያን ቀኖና ጠቐሰ።

ብርግጽ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ካብቲ መጀመርታ ዚተሰደደሉ ስደት ንኽምለስ ምስ ተጸውዐ፡ ጸላእቱ ንመጻኢ ነዚ ሃጓፍ እዚ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ስለ ዚፈልጥ፡ እቲ ካብ መንበሩ ንኽስደድ ዚወሰነ ናይ በዓል ቴዎፍሎስ “ሲኖዶስ” ምምላሱ ክሳዕ ዘይወሰነሉ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይኣቱን እየ ኢሉ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ናይ ሰይጣን መእተዊ መገዲ ንምዕጻው ኢሉ እዩ። እንተ ኾነ ግና እቲ ሕዝቢ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ግፍዒ ብዚነበሮም ናይ ቊጥዓ መንፈስ፡ ብምምላሱ ድማ ንኽትገልጾ ኣብ ዘሸግር ናይ ሓጐስ ስምዒት ኮይኑ ከም ልማዱ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ዝብል ኣባታዊ ቡራኬኡ ንኽህቦም ኣዝዮም ናፊቖም ስለ ዚነበሩ ኵነታት ናይቲ ዝርእዮ ዚነበረ ሕዝቢ ቃለ ምዕዳን ንኽህብ ኣገደዶ። 

ከምኡውን እታ ንግሥቲ ካብቲ ዚወረዳ መቕዘፍቲ ዚተላዕለ እቲ ንጉሥ ብቕልጡፍ ንኽምለስ ሃወኾ። ኣብቲ ዝሃቦ ቃለ ምዕዳን ድማ ንሱ ተመሊሱ ክኣቱ ዝገበሮ ብመሠረት እቲ ካብቲ ንጉሥ ናይ ምምላስን ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኽኣቱ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ደኣ እምበር ብናቱ ፍቓድ ስለ ዘይኮነ ዘሕትቶ ነገር ከም ዘየለ ገሊጹ እዩ። እቶም ሕዝቢ ኣብ ከምኡ ዚበለ ኵነታት ኮይኖም ምስ ረኣዮም፡ ነቲ መጓሰ ዘለዎ ክብርን ልባዊ ፍቕርን ትም ክብል ኣየኽኣሎን። በድኅርዚ ስሳ ጳጳሳት ዚተኣከቡዎ ጉባኤ ኣብ ቁስጥንጥንያ ኣኪቡ፡ ነቲ ናይ በዓል ቴዎፍሎስ ኣብ ኦክ ዚገበሩዎ ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ብምስራዝን ብምስዓርን፡ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሕጂውን ኣብ መንበሩ ከም ዘሎ ኣወጁ።

No comments:

Post a Comment