bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 13 January 2017

ሕይወተ ወራዙት ምዕራፍ ሓደ 1ይ ክፋል


ናይ ኵሉ ፍጥረት በዓል ቤት ዝኾነ እግዚአብሔር ዓለም ከይተፈጥረ ካብ ጥንቱ ንሓድነቱ ሠለስትነቱ ከይጠቕለሎ፡ ሠለስትነቱ ኸኣ ንሓድነቱ ከይፈላለዮ ብሓድነትን ብሠለስትነተን ይምስገን ነበረ። ዓለም ከይተፈጥረ ደኣ መን የመስግኖ ነይሩ ንዝብል ባህርይኡ የመስግኖ ነይሩ ይብሎ።

“እምቅድመ ይፍጥር መላእክት ለቅዳሴ ኣኮ ዘተጸርዓ ስብሐተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ማለት “መላእኽቲ ንምስጋና ከይፈተረ እንከሎ፡ ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምስጋና ኣይጐደለን” ዝብል ቃል ተጻሒፉ ይርከብ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “አንተ አባ ሰብሐኒ በስብሐትየ ዘሀሎ ምስሌከ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም” በለ። ትርጉሙ “ኦ ኣቦይ! ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረ ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ” ማለት እዩ /ዮሐ 17፡5/። ነዚ ናይ ሥላሴ ክብርን ምስጋናን ዓለም ከይተፈጠረ ከም ዚነበረ ከረድእ፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅውን ነዚ ኂዙ ኣብ ቅዳሴኡ “ስብሐቲሁ ዘእምኀቤሁ ወውዳሴሁ እምዚአሁ” ብምባል እቲ ዝምስገኖ ምስጋና ካብኡ ዚተረኽበ ናይ ባህርይኡ ከም ዝኾነ ይገልጽ /ቅዳ.ዮሐ.አፈ ምዕ 1፡13/።

እግዚአ ዓለም ሥላሴ ዕለተ ዓርቢ ንግሆ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” ማለት “ሰብ ብመልክዕና ከም ምስልና ንፍጠር” ኢሎም ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋን ኃምሳይ ባህርየ ነፍሲ ኣዋሒዶም ንኣዳም ናይ ሠላሳ ዓመት በጽሒ ገይሮም ኣብ ማእከላይ ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ፈጠርዎ።

ፈጣሬ ፍጥረታት ኣምጻኤ ዓለማት ልዑል እግዚአብሔር “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ እተሰማማዕ ደጋፊት ኪገብረሉ እየ” ብምባል ንኣዳም ድቃስ ኣምጽኣሉ። ብድኅርዚ ኣዳም ፈጺሙ ከይደቀሰ ፈጺሙ ድማ ከይነቕሐ ማእከለ ነቂሕ ወነዊም እንከሎ፡ ካብ ጐኑ ሓንቲ መሰንገለ ወሲዱ ንኣኣ ሥጋ ኣልቢሱ ናይ 15 ዓመት ቆንጆ ገይሩ ንሔዋን ፈጠራ /ዘፍ 2፡18/።

“ዘበጸጋሁ ተፈጥሩ ኵሉ” ማለት ኵሉ ብሕያውነቱ ተፈጥረ፡ ከም ዚተባህለ፡ ኣዳምን ሔዋንን ካብ ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይ ሕያውነት ዚተላዕለ፡ ንኣኡ ንምምስጋንን ክብሩ ንምውራስን ተፈጥሩ /ቅዳ.ሠለ.ምዕት 1፡7/። ኣዳምን ሔዋንን ብቐጥታ ብኢድ እግዚአብሔር ደኣ ተፈትሩ እምበር፡ ምጥናስን ምውላድን ኣየድለዮምን። ብዘይካኦም ብዘይ ጥንሲ ብቐጥታ ብኢድ እግዚአብሔር ዚተፈጥረ ካብ ወገን ደቂ ሰባት የልቦን። ኵሉ ሰብ ንምርካብ ምውላድ ንምውላድ ድማ ምጥናስ የድልዮ። ምኽንያቱ ናይ ኵሉ ሰብ ሕይወት ናይ መጀመርታ መገዲ እዚ ስለ ዝኾነ። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ኣዳም ዘርኢ ብምሉኡ ዚተረኽበ ወድን ጓልን (ሰብኣይን ሰበይትን) ብዝፍጽምዎ ርክብ ብጥንሲ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ናይ ኣዳም ዘርኢ እኳ እንተ ኾነ፡ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ዘርእን ብዘይ ሩካቤን ብኅቱም ድንግልና ተወልደ።

እግዚአብሔር ዘርኢ ደቂ ሰባት ብምውላድ ንኽበዝኅ ኣብ መንጎ ኣዳምን ሔዋንን ናይ መውስቦ መሠረት ኣቐመጠ። ብመገዲ ሩካቤ ኪባዝኁ ፍቓዱ ከም ዝኾነ ንምግላጽ ከኣ “ብዝኁ ተባዝኁ” ብምባል ባረኾም። ተባዝኁ ዝብል ቃል ንምብዛኅ ኢሎም ሰባት ኣብ ሓድሕዶም ዘከናውንዎ ተግባር ከም ዘሎ የረድእ። ንሱ ኸኣ ሩካቤ ሥጋ እዩ። ደቂ ሰባት ዚፍጽምዎ ሕጋዊ ሩካቤ እግዚአብሔር ዘይቅበሎ ኾኢኑ ንሱ ዚደልዮ ምብዝኆም ጥራይ እንተ ዝኸውን ነይሩ “ብዝኁ” ዝብል ቃል ንበይኑ ምኣኸለ ነይሩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብዝኁ እንተ ደኣ ኢሉ፡ እሳት ይኹን ዕንጨት ወይስ እምኒ ኵሉ ስለ ዝበዝኅ።

No comments:

Post a Comment