bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 5 December 2016

ቅንኣት ካብ ልብና ነቒልና ናይ ፍቕሪ ፈልሲ ንትከል (ብቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ)



ክብርን ምስጋናን ንስሙ ይኹን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ መጻጕዕ ፈወሶ። ድኅሪ 38 ዓመት ዓራቱ ተሰኪሙ ከም ዝኸይድ ገበሮ። ኣይሁድ ግና መጻጕዕ ብምድኃኑ ተበሳጨዉ። ካብቲ 38 ዓመት ምሉእ ሓሚሙ ዝነበረ ድዉይ ንላዕሊ ንሳቶም ሕሙማት ኮኑ፡ ቅንኣት ብዝበሃል ሕማም ተወቕዑ።

እዞም ደቀይ! ቅንኣት ከመይ ዝበለት ዓባይ ኃጢኣት ከም ዝኾነት ነስተውዕል። ቅንኣት ከመይ ገይራ ዓይነ ልቦና ከም ተዕውርን ናይ ሓደ ሰብ ምድኃን ድማ ከም እተጠፍእን ነስተውዕል። ከምቲ ሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ሰብ ብሰይፍን ብኻራን ብኻልኦት በላሕቲ ነገራትን ገይሩ ንሰብነቱ ዝጎድእ፡ ቀናእ ሰብ ድማ ካብዚ ብዝኸፍአ ኩነታት ነብሱ ይጎድእ። ቀናኣት ሰባት ካብ ናይ በረኻ ኣራዊት ዝኸፍኡ እዮም። “ብኸመይ” ትብሉኒ እንተዄንኩም “ናይ በረኻ ኣራዊት ዝብላዕ ነገር እንተዘይደልዩ፡ ወይ ድማ ንሕና ባዕልና ከይተናኸናዮ ኣይጓዳእን እዩ። ቀናእ ሰብ ግና ምሕረትን ሕያውነትን ንዝገብሩሉ ሰባት ከይተረፈ እኳ ይጓዳእ። ንዝመኽርዎውን የሳድድ። ንፈተውቱ መጻወድያ የዳሉ። ኣብ ልቡ ካብ ናይ በረኻ ኣራዊት ዝገደደ ጽልኢ ስለ ዝኅዝ ንሱ ካብ ናይ በረኻ ኣራዊት ይገድድ” ኢለ እምልሰልኩም።

ንኣይሁድ ኪንምልከት ንኽእል ኢና። ነቲ ኼድኅኖም ዝመጸ ጐይታ ብቕንኣት ተንሢኦም ኣሳደድዎ። “ብናይ ኣጋንንቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅእ” በልዎ (ሎቱ ስብሐት)። ቀናእ ሰብ ቅድሚ ንኻልእ ሰብ ምጕድኡ መጀመርታ ነብሱ እዩ ዝጎድእ። ኦ! ወዲ ሰብ ስለምንታይ ብጎረቤትካ ትቐንእ? ጐረቤትካ ጽቡቕ ነገር ስለ ዝረኸበ ካብ ትቐንእሲ ብናትካ ኃጢአት ዘይተልቅስ?

ጐይታና ንጸላእትና እኳ ከይተረፈ ከነፍቅር ነጊሩና ከብቅዕ፡ ንሕና ግና ብጭራሽ ንፈተውትና ብቕንኣት ተላዒልና ንጸልኦም እንተዄንና፡ ከመይ ዝበለ ይቕሬታ ኪግበረልና ይኽእል? ንዝፈትውዎ ጥራይ ዝፈቱኸ እንታይ ብልጫ ኣለዎ? ነዚ ደኣ ኣሕዛብሲ ይገብርዎ ዶ ኣይኮኑን?

እስከ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለና ንስምዓዮ “ሥጋይውን ንምንዳድ ኣኅሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ካብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ” (1ይ ቆሮ 13፡3)። እዚ ማለት ድማ ቅንኣት ዝኃዞ ሰብ ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ እዩ ማለቱ እዩ። 

ኣኅዋተይ! ቅንኣት ካብ ዝሙትን ሥጋዊ ስምዒታውነትን ንላዕሊ ክፍእቲ እያ። ምኽንያቱ ዝሙት ነቲ ዘማዊ ጥራይ እያ ትጎድኦ። ቅንኣት ግና ኣብያተ ክርስቲያንን ምሉእ ዓለምን እያ ተጥፍእ።

ቅንኣት ንቐታሊት ነፍሲ ኣዲኣ እያ። ቃኤል ብቕንኢ ተላዒሉ ንኣቤል ኃዉ ቀተሎ። ኤሳው ብቕንኣት ተላዒሉ ንያዕቆብ ኃዉ ኣሳደዶ። ደቂ ያዕቆብ ብቕንኣት ተላዒሎም ንገዛእ ኃዎም ናብ ኣማሌቃውያን ኣኅሊፎም ሸጥዎ። ናይ ቀደም ሰማልያል ናይ ሕጂ ዲያብሎስ፡ ብቕንኣት ተላዒሉ ንደቂ ሰብ (ንኣዳምን ሔዋንን) ካብ ገነት ኣውፅኦም።

ካብኻትኩም “እሞ ኣነ እኮ ንኃወይ ኣይቀተልኩን” ዝብል ይህሉ ይኸውን እዩ። ግዲ የብልኩምን፡ ንኃውኹም ምስንኻልን ንኣምላኽ ደስ ንኸየብሎን ጽቡቕ ነገር ንኸይገብርን ዕንቅፋት ትኾንዎ እንተዄንኩም፡ እዚ ካብ ምቕታል ዝገደደ እዩ። ደጊምኩምውን ነዚ ኣስተውዕሉ፡ ብቕንኣት ተላዒልኩም ንኃውኹም ንምጕዳእ ኪትሓስቡ ኸለኹም፡ ጽልእኹም ምስቲ  ሰብ እቲ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣስ ጽልእኹም ምስቲ ጐይታኡ (ምስ ክርስቶስ) እዩ! ንኃውኹም ብቕንኣት ተላዒልኩም ኪትቀትልዎ ምስ ትሓስቡ፡ ካብቶም ብቕንኣት ተላዒሎም ንጐይታና ዝቐተልዎ ኣይሁድ ኣይትሕሹን ኢኹም። ንኃውኹም ብቕንኣት ተላዒልኩም ምስ ትጸርፍዎ፡ ካብቶም ብቕንኣት ተላዒሎም ንጐይታና ዝጸረፍዎን ምራቖም ካብ ዝተፍኡሉን ኣይሁድ ኣይትሕሹን ኢኹም።

ኣኅዋተይ! ቅንኣት ካብ ኵሉ ነገር ዝኸፍአ ክነሱ፡ ከም ቀሊል  ኪንርእዮ ዝግብኣና ኃጢአት ኣይኮነን። ሽሕ ጊዜ ፍቕሪ እንተሃለወና፡ እልፊ ጊዜ እንተጾምናን እንተ ጸለናን ግና ኸኣ ቅንኣት እንተ ደኣ ኣለና፡ ኵሉ ከንቱን ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ።

እስከ ምሳሌ መሲለ ከረድኣኩም ኪፍትን። ኣብ ናይ ቆሮንቶስ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ብዝሙት ዝወደቐ ሰብ ነበረ። ምስ ተመኸረ ግና ካብ ኃጢኣቱ ተመሊሱ ቅዱስ ኮይኑ እዩ። እቲ ብቕንኣት ዝወደቐ ቃኤል ግና እግዚኣብሔር ኪምለስ ኢሉ እንተተዛረቦውን ኣይተመለሰን። ካብቲ ናይ ቅንኣት ቊስሉ ፈጺሙ ኪፍወስ ኣይከኣለን። ቅንኣቱስ ኃዉ ናብ ምቕታል ደኣ ኣብጽሖ እምበር! ስለዚ ቅንኣት ካብ ኵሉ ኃጢአት ዝኸፍአ እዩ ንብል።

ስለዚ ኣኅዋተይ! ዝለበስናዮ ናይ ቅንኣት ክዳን ቀዲድና ንደርብዮ። ኣብ ነፍስና ዘብቆልናዮ ናይ ቅንኢ ገረብ ካብ ሱሩ ሞንቊስና ንደርብዮ። ብበረኸት ናይ ኣኅዋትና ኣብ ክንዲ ንቐንእ፡ ደስ ይበለና። ነዚ ምስ እንገብር ንእግዚኣብሔር ከነሕጉሶ ኢና። በረኸት ምሳና ኪትከውን እያ። ስለዚ ቅንኣት ካብ ልብና ነቒልና፡ ፈልሲ ፍቕሪ ኣብ ልብና ንትከል እናበልኩ እመኽረኩም። ( ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦትን ካብ ትብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 83 ዚተወስደ)

No comments:

Post a Comment