bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 7 December 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 17 ክፋል


ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ቁስጥንጥንያ

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብናይ ቴዎፍሎስ መልእኽቲ ካብ ቆጵሮስ ተበጊሱ ናብ ቁስጥንጥንያ ኣተወ። ብቐጥታ ናብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ብምእታው ድማ ሓደ ዲያቆን ሾመ። ሥርዓተ ቅዳሴውን ኣካየደ። እንተኾነ ግና ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና መሠረት ኣብ ናይ ካልእ ሃገረ ስብከት ኬድካ ካህን ይኹን ዲያቆን ምሻም ሕጋዊ ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብመሠረት ሥርዓት ናይ ኣቦታት ኣኽቢሩ መታን ኪቕበሎ ምስ ካህናት ኮይኑ ናብኡ ኸደ። ኤጲፋንዮስ ግና ንቴዎፍሎስ ንኸሐጕስ ክብል “ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣይከውንን እየ፡ ምስኡ ኪራኸብውን ኣይደልይን እየ” ብምባል ኣቕበጸ።

ብድኅርዚ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከየማኸረን ከይነገረን ነቶም ኣብ ቁስጥንጥንያ ዘለዉ ጳጳሳት ብሕቡእ ብውልቁ ኣኪቡ፡ ንኦሪገን ንባዕሉ ዘይኮነስ ንመጻሕፍቱ ዘወገዙ ከም ዝኾኑ ቅዳሕ ናይቲ ውሳኔ ብምርኣይ ንሳቶም ነዚ ውሳኔ ንኽፍጸም ከጽድቕዎ ነገሮም። ሓደ ሓደ ካብኣቶም ንቕዱስ ኤጲፋንዮስ ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ክቕበሉዎ እንከለዉ፡ ዝበዝኁ ግና ንሓደ ቅድሚ ነዊኅ ዓመታት ብሃይማኖት ዝዓረፈ ሰብ ሕጂ ምርጋምን ምጽራፍን ግቡእ ኣይኮነን በልዎ። ከምኡውን እዚ ጉዳይ እዚ ንቴዎፍሎስን ንዓኻን ደስ ኣቢሉኩም  እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ውግዘት እዝን ነዚ ጉዳይ እዝን ሕጂ እንታይ ኣምጺእዎ? በልዎ።

እዚ ዅሉ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ዮሐንስ ግና ንቕዱስ ኤጲፋንዮስ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣይተለወጠን ነበረ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኃቢሮም ንኽጽልዩን ኣገልግሎት ንኽፍጽሙን ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ (ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ መንበረ ጵጵስና) ምስኡ ኃቢሩ ንኽኸውን ዓደሞ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ግና “ናይ ኦሪገን መጻሕቲ ከየወገዝካን፡ ቴዎፍሎስ ዘሳደዶም መነኰሳት ኣወጊዝካ ካብ ቁስጥንጥንያ ከይሰደድካዮምን ምሳኻ ኣይኃብርን፡ ምሳኻውን ኣይጽልይን” ብምባል ኣብ መርገጺኡ ጸንዐ። ብጉባኤ ብኣቦታት ተመኺሩ ዚተወሰነ ነገር ኣብ ዘይብሉ በዚ ትም ኢሉ ዝቐረበ ሓሳብ ጥራይ ተበጊስካ ስጉምቲ ምውሳድ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ስለ ዝኣመነ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ  ነቲ ጉዳይ ቀስ ጌሩ ብትዕግሥትን ብጥንቃቐን ንኽኅዞ ፈተነ።

በዚ ጉዳይ እዚ ጉባኤ ኪግበር እናተሓስበ ድማ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ጸላእቲ፡ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣቐድም ኣቢሉ ንበይኑ ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ንኸወግዝን ካብ ግብጺ ብቴዎፍሎስ ዚተሰደዱ መነኰሳት ኦሪገናውያን ብምዃኖም ዚተወገዙ ከም ዝኾኑን፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንዓኣቶም ስለ ዘየሳደዶም ንዕኡ ዚነቅፍ መግለጺ ንሕዝቢ ንኸቕርብ ኩነታት ኣመቻችኡሉ። በዚ ድማ ንኽልቲኦም ጽቡቕ ጌሮም ንምጽላእን፡ እቲ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዚነበሮ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ንምቕያርን የኽእለና እዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ እዮም።ንጽባሒቱ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ዝወጠኖ ውጥን ብተግባር ንምፍጻም ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኣተዉ እንከሎ፡ ነቲ ተንኮል ዚተረድአ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሴራፕዮን ንዝተባህለ ሊቀ ዲያቆን ነዚ ዝስዕብ ደብዳቤ ሂቡ ለኣኾ።

“ኦ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ፡ ምስ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝጻረሩ ብዙኃት ነገራት ገበርካ። ብመጀመርታ ኣብተን ኣብ ትሕተይ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣነ ኸይፈለጥኩ ክህነት ሂብካ። ኣቲኻውን ኣገልጊልካ። ጉባኤውን ጌርካ። እዚ ዅሉ ፈጺምካ ከለኻ ኪቕበለካ እንተበልኩውን ኣቢኻ። ናባና ኪትመጽእ እንተ ተጋበዝካውን ኣይተቐበልካዮን። ኵሉ ነገር ብናትካ ውሳኔ ትገብር ኣለኻ። ሕጂውን ዝገበርካዮን ኪትገብሮ ሓሲብካ ዘለኻን፡ ነገር ከስዕቦ ዝኽእል ሕዝባዊ ቊጥዓን ሁከትን ካልእ ከስዕቦ ንዝኽእል ነገራትን ተሓታቲ ንኸይትኸውንን፡ ነብሰኻ ኣብ ሓደጋ ንኸይትወድቕ ተጠንቀቕ”

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ወቐሳን ተግሣፅን ምስ ሰምዐ ብቕጽበት ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ወፂኡ ናብ ቆጵሮስ (ናብ ሃገረ ስብከቱ) ንምምላስ ጕዕዞ ጀመረ።ቴዎፍሎስ ዘሳደዶም መነኰሳት ናብኡ መጺኦም “ኦ ኣቦና ናትና ወይ ናይ ደቀ መዛሙርትና ጽሑፍ ኣንቢብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ብኣኽብሮት ክንሓተካ መጺና ኣሎና” በልዎ። ንሱ ድማ መጻሕፍቶም ከም ዘየንበበን ንዓቶምውን ከም ዘይፈልጦምን ምስ ነገሮም “ናትና ኣተሓሳስባ ከይፈለጥካ ደኣ ከመይ ጌርካ መናፍቓን እዮም ክትብለና ክኢልካ?” በልዎ። ንሱ ድማ ብዛዕባኦም ካብ ካልኦት ሰባት ኣብ ዚነገሩዎ ተመርኵሱ ከም ዝተዛረበ ምስ ነገሮም፡ ንሳቶም ግና ናቱ ጽሑፍ ከም ዘንብቡን ነቶም ንትምህርቱ ዝነቕፉ ሰባት ድማ ከም ዝቃወሙን ብምግላጽ “ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ፡ እሞ ኸኣ ዋላ ሓደ ርጉጽ መረዳእታ ከይሓዝካ ከተወግዝ ይግባኣካ ድዩ?” ኢሎም ሓተቱዎ። ንሱ ድማ እቲ ኣዘራርባኦም ስለ ዘእመኖ፡ ናይቲ ጉዳይ እንታይነት (መንነት) ተረድኦ።

ሓደ ሓደ ሰባት ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ንኽምለስ ጕዕዞኡ ክጅምር ከሎ፡ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ "ኣብ መንበርካ ከለኻ ኣይትመውትን ኢኻ" ከም ዝበሎን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ "ንስኻውን ኣብ መንበረ ጵጵስናኻ ኣይትበጽሕን ኢኻ" ከም ዝበሎ ይዛረቡ። ብርግጽ ክልቲኦም ዝበልዎ ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ታሪኹ ኣብ ዝቕጽል ከም ንርእዮ ካብ መንበሩ ተሰዲዱ እዩ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ድማ ንሃገረ ስብከቱ ኪኸይድ ከሎ ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ከይበጽሐ ኣብ ባሕሪ ዓረፈ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብቕድስና ሕይወቱ ዚተኸበረ፡ ኦርቶዶክሳዊ እምነቱን ጠበቓነቱን ዚተመስገነ ዓቢይ ኣቦ እዩ። እንተ ኾነ ግና መናፍቕነት ካብ ምጽያፍን ንሃይማኖት ካብ ዘለዎ ቀናኢነትን ዚተላዕለ ኅልፍ ኅልፍ ኢሉ ናይ ናግራማትን ናይ ተንኮለኛታትን መጠቀሚ ናይ ምዃን ሓደጋ ገጢሙዎ እዩ። ካብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ውፅእ ዝበለ ተግባር ንምፍጻም ዘለዓዕሎ ዚነበረ ድማ እዚ ጠባዩ እዚ እዩ። ድኂሩ ነቲ ኩነታት ተረዲኡ እቲ ሓቂ እናተጋህደሉ ክሳዕ ዝኸይድ፡ ቴዎፍሎስ ዚነገሮ ከም ዘለዎ ይቕበሎ ስለ ዝነበረ ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብትኽክል ከይተረድኦ (ከይፈለጦ) ጸንሐ። ድኂሩ ግና ነቶም ኩነታት ምስ ተረድኦምን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ ነቶም ዝገበሮም ጌጋታት ዘርዚሩ ምስ ኣረድኦን፡ ቴዎፍሎስን ኣውዶክስያን መሣርሒ ይገብሩዎ ከም ዘለዉ ተረድአ። በዚ ድማ ብቕጽበት ንቁስጥንጥንያ ገዲፉ ንምምላስ ጕዕዞ ጀመረ።

No comments:

Post a Comment