bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 23 December 2016

ፍና ጴጥሮስ ወጳውሎስ (ብዲያቆን ኣስመላሽ ገብረ ሕይወት) 2ይ ክፋል

ሎሚ ብዙኃት ካብ ሃይማኖት ዝወጹሉ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ እምነት ዘለዉውን ንዝኣምንዎ ዝኸውን ናይ ግብሪ ምስክርነት ዘጥፍኡሉ ናይ ምስሉይነት ዘመን እዩ። ንዘይኮንዎ ነገር ባህርያቶም ቀይሮም ምንባር ንናይ ዘመንና ትውልዲ ቀሊል እዩ። ሃይማኖት ምስ ምዕባለ ዘይከይድ ጸረ ምዕባለ ጌሮም ዝገልጽዎ ውን ምቑጻሮም ዘጸግም እኳ እንተ ኾነ ብዘይ ሰባኺ ኅልንኦም መምህር ኮይኑ ከም ዘየደቅሶም ግና ርግጸኛታት ኢና። ኵሉ ንሃይማኖት ንምንቃፍ ከም ምኽንያት ጌሩ ዝገልጾ ብዙኅ እኳ እንተ ኾነ እቲ ዝዓበየ ምኽንያቱ ግና  ዘይተለወጠ ሕይወት ኣገልገልቲን ምእመናንን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኃለፉ ዘመናት ብዙኃት ከተእምን ካብ ዝኸኣለትሎም ምሥጢር እቲ ናይ መጀመርታ ንክርስቶስ መሲሎም ከገልግሉን ክምስክሩን ዝኽእሉ ብቑዓት ኣገልገልቲን ምእመናንን ከተፍሪ ስለ ዝኸኣለት እዩ። ብኣካይዳና ንእምነትና ክንገልጾ እንተ ዘይክኢልና ብቓልና ብዙኃት እኳ እንተ ሰበኽና ብግብርና ግና  እልፊ ከነጥፍእ ንኸእል ኢና። ዝተለወጠ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያን ምስፋሕ ዝኅግዝ መሠረት ናይ ወንጌል እዩ። 

ይኹን እምበር ኣብ ዝተለወጠ ሕይወት መሠረት ዝገበረ፡ ኣገልግሎት ንምኃዝ መብዛኅትና ግዱሳት ኣይኮናን። ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ንምዃን ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ግብሪውን ከም ዘድሊ ብቓልና እምበር ብግብርና ክንገልጾ ኣይከኣልናን። ቃልና ኦርቶዶክሳዊ ግብርና ግና  ኣረሜናዊ (መናፍቕ) ኮይኑ ዘሸገረና ስለ ዝኾንና፡ ንጐረቤትና ዘይኮነስ ንስድራና ዝተርፍ ግብሪ ኣይተረኽበናን። ናይ መዓልታዊ ጭንቅናን ጻዕርናን ፍልጠት እምበር ንዝተበላሸወ ክርስቲያናዊ ግብርና ንምምዕርራይ ኣይኮነን። 

ካብ ማዕርግ ኂዞም ሓደራ ቤተ ክርስቲያን ተሰኪሞም ዝድቕሱ መራሕቲ፡ ካብ ኣብ መቕደስ ኣትዮም ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ መምሰልቲ፡ ካብ ወንጌል ተሰኪሞም ቅዱስ ቃል ዝጠዋውዩ ሰበኽቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ተቐሚጦም ካብ ሰብ ንላዕሊ ገንዘብ ዝቖጽሩ ኣሳሰይቲ፡ ብዙኅ ናይ እምነት ገድሊ፡ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ደሊና ክንረክብ ስለ ዘይከኣልና፡ ንእምነት በዚኦም ስለ ዝመዘንናያ፡ 'ሃይማኖት ዝጸላእና፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቕና' ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣዝዩ ብዙኅ ናይ ኣገልገልቲ ውድቀት ዝረኣየሉ እኳ እንተ ኾነ እግዚአብሔር ግና  ብሰባት ኣይምዘንን እዩ። 

ልክዕ እዩ ኣብ ባህልና፡ “ቀሺ ዝበለካ ግበር። ቀሺ ዝገብሮ ኣይትግበር።” ዝብል ምስላ፡ ከም መምርሒ እምነት ጌርና ክንከዶ  ስለ ዝፈተንና፡ ኣገልገልቲ ኣብ ብዙኅ ምስ ክብሮም ምስ ማዕርጎም ምስቲ ዝተጸውዑሉ ናይ እምነት ጻውዒት ዘይሰማማዕ፡ ርኹስ ብዝኾነ ሥነ ምግባር ንኽኸዱ ኣተባቢዕናዮምን ሠናይ ግብሪ ንምእመናን እምበር ንዕኦም ከም ዘይምልከቶም ገይሮም ከም ዝርድእዎ ጌርናዮም ኢና። ናይ እዚ ውፅኢቱ ድማ፡ ሰኺሮም ስምዒቶም ዘይቆጻጻሩ ብዙኃት ኣገልገልቲ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ባራትን እንዳ ስዋን መውዓሊኦም ከም ዝቖጽርዎ ጌርዎም እዩ። 

ብተወሳኺውን ቀንዲ ናይ ፖለቲካ ልኡኻት ኮይኖም፡ መስቀል ኣቐሚጦም ሽጉጥ ዝኃዙ፣ ናብ ቤተ መቕደስ ሽጉጥ፡ ናብ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ድማ ዕጣን ወይ መስቀል ከም ዝኣቱ ዝገበሩ፡ ንዅሉ ኣብ ዘይቦትኡ ንኽርከብ ምኽንያት ዝኾኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ንዘኽብሮም ምስ ክፉእ ግብሩ፡ 'ጸዲቕካ ኢኻ' እናበሉ ዘይቅኑዕ ዝኾነ ተስፋ ዝህቡ፡ ንዝቃወሞም ዝብቀሉ፡ ክብሮም እምበር ክብሪ ወንጌል ዘይተረድኡ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መልክዕ ምስሎም ከም ዝሰኣላ ስለ ዝገበሩ፡ 'እንዳ ቐሺ እገለ  እዩ እዚ ቤተ ክርስቲያን' ኢሎም ብመልክዕ ድኹማት ኣገልገልቲ ክርእይዎ ዝኸኣሉ ድኹማት ምእመናን፡ ካብ እግዚአብሔር ርሒቖም ብሰይጣን ዝተማረኹ ቆጺርና ኣይንውድኦምን ኢና። 
እንተ ኾነ ግና  ኣገልጋሊ ናይ ክርስቶስ መልክዕ ዝንበበሉን ብግብሪ ዝገልጽን ክኸውን ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ ግና፡ መስቀሉ ኣቐሚጡ ልብሰ ተክህንኡ ኣውፂኡ ነቶም ብሕይወት ዘገልግልዋ ቦታ ክለቀሎም የድሊ። ምኽንያቱ፤ “ኣብ ኵሉ ዘመናት ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ ዝተጠቀሙሉ መምርሒ፡ “ንዓይ ምሰሉ” ዝብል እዩ። ድምፂ ጓስኦም ዘይፈልጡ ኣገልገልቲ፡ ነተን መጓሰ ናብ ተዅላ ዘረክቡ ናይ ሓሳዊ መሲሕ መገዲ ጸረግቲ እዮም። 'ዝተዛረብናዮ እምበር፡ ዝገበረናዮ ኣይትግበሩ' ዝብሉ ኣገልገልቲ ኣብ ኵሉ ዘመናት ቤተ ክርስቲያን ኣአንጊዳ ኣይትፈልጥን እያ። ካብ ቃል ንላዕሊ ግብሪ እትግደስ ነይራ እንተ ዘይትኸውን፡ ንኃያላት መሊኻ ንነገሥታት ገሢፃ፡ንመናፍቓን ኣሕፊራ፡ ኣብ ዘመናት ንዘጋጠማ ፈተናን ስቓይን ስዒራ ኣብዚ ዘመን ክትበጽሕ ኣይምኸኣለትን። ካብ ናይዛ ዓለም ገዛእቲ ንላዕሊ ብሥልጣን ልዕል ኢላ ከም እትረአውን ክትከውን ኣይምኸኣለትን። ስለዚ፡ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ንወንጌል ብግብሪ ገሊጻ ንብዙኃት ዘይኣምኑ ኣብ መዓልታዊ ትእክብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፡ ሕጂ ግና ዝዛረብ እምበር ዝገብር ወለዶ እናሰኣነት ክትመጽእ ምስ ጀመረት፡ ነቶም ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ሓደ ገይራቶም ክትከይድ ኣይከኣለትን። ቀዳሞት ኣቦታት ዝተጠቀሙሉ መምርሒ ምጥቃም፡ ናይ እቲ ዓወት ምሥጢር እዩ'ሞ፡ ከም ቀዳሞት ወንጌል ኣብ ኢድናን ኣብ ኣፍናን ዘይኮነስ ኣብ ሕይወትና ገሊጽና ተንቀሳቐስቲ ወንጌል ክንከውን ይግባእ። ክርስቲያን ማለት፡ ምዃን እምበር ቆርበት ምኽዳን ማለት ኣይኮነን።


No comments:

Post a Comment