bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 18 November 2016

ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

 ወዲ ሰብ ኣብ ገነት ከም ቅዱሳን መላእክት ኣምላኹ እናመስገነ ይነብር ነበረ፡ እንተ ኾነ ግና “ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ዕፀ በለስ ከይትበልዕ” ተባሂሉ ዚተዋህቦ ትእዛዝ ብምጥሓሱ ምኽንያት ካብ ኣምላኹ ተፈልየ {ዘፍ 3፡6}። እግዚኣብሔር ብኣርኣያን ብኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ክብሩ ኣጥፍአ፡ ጸጋኡ ተገፈ፡ ኣምላኹ ኣኅዘነ። ቅዱሳን መላእክትውን፡ ብናይ እግዚኣብሔር መልክዕን ምሳሌን ዚተፈጥረ ሰብ ካብ ክብሩ ተዋሪዱ ምስ ረኣዩ ተከዙ።

ወዲ ሰብ ብዝጠፍኦ ንኽተርፍ ዘይፈተወ እግዚኣብሔር ወልድ ሰብ ንምድኃን ርእሱ ኣትሒቱ፡ ካብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍስ ወሲዱ ተወልደ። ቅዱሳን መላእክትውን ካብ ላዕሊ ካብ ኣርያም ካብ ኣቡኡ ከይተፈልየ እግዚኣብሔር ወልድ ሰብ ንምድኃን ክብል በግዕዘ ሕፃናት ተወሊዱ፡ ኣብ ሕቐፎ ኣዲኡ ኮይኑ እንስሳታት ብእስትንፋሶም ከሟምቚዎ ብምርኣዮም ተደነቑ። ሰብ ንምድኃን ክብል ርእሱ ትሕት ኣቢሉ፡ መልክዕ ባርያ ከም ዝወሰደ ኣስተብሂሎም “ ስብሐት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ” {ሉቃ 2፡14} ኢሎም ኣመስገኑ።

ጐይታና ውን ኣብ መስቀል ናይ ምድኃን ሥርሑ ምስ ፈጸመ፡ ተጎሳቝሉ ዝነበረ ባህሪ ወዲ ሰብ ናብ ዝቐደመ ክብሩ መለሶ። ስለዚ ከም ቅዱሳን መላእክት ኣምላኹ ንምምስጋን ዕድል ረኸበ። {ዮሐ 4፡23} እንተኾ ግና ምሳታቶም ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ብምስጋና ዝሳተፎም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ ምውታን ኣብ ዚትንሥኡሉ ጊዜ ኣብ ሰማያት ከም መላእክተ እግዚኣብሔር ኮይኖም እዮም ዝነብሩ” /ማቴ 22፡30/ ከም ዝበሎ ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ። ክሳዕ ሽዕኡ ግና ኣብ ምድሪ እንከለና ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓል ዝመሃረና፡ ብምሥራሕ ዘርኣየናን ተግባር እናፈጸምና፡ ከም ቅዱሳን መላእክት ብመንፈስን ብሓቅን ብምዃን ኣምልኾትና ንምፍጻም ናታቶም ተራዳእነት ኣዝዩ የድልየና እዩ።

 ስለዚ ድማ  እዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ መላእኽትስ ነቶም ምድኃን ኪወርሱ ዘለውም ደቂ ሰባት ኪኅግዙ ዝለኣኹ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ መናፍስቲ እዮም” ዝበሎም። “ምድኃን ኪወርሱ” ተባሂልና ዘለና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሳቶም ብሓቂ ንኽቕደሱ ምእንታኦም ርእሰይ እቕድስ ኣለኹ፡ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዝኣምኑ ድማ እምበር፡ ምእንቲ እዚኦም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ” ከም ዝበሎ ምእንቲ እዞም ብክርስቶስ ኣሚንና ዚተጠመቕና ክርስቲያን እዩ።

ከምቲ ኣደ ንደቃ ትንከባኸብን ተገልግልን ከምኡ ድማ ቅዱሳን መላእክት ናይ ዘለዓለም ሕይወት ንኽንወርስ ይራድኡና /ሉቃ 13፡6-9/። ብዘይ ናታቶም ድጋፍን ረድኤትን ግና፡ ብቕድስና ሕይወት ዓቢና ናይ መንግሥቱ ተኻፈልቲ ኪንከውን ኣይንኽእልን። ከምዚ ብዃኑ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ናይ ውሉድነት ጸጋ ከም ዚተዋሃብና ብተወሳኺውን ቅዱሳን መላእክት ተራዳእትና ኾይኖም ንኽሕልዉና ተዋሂቦምና እዮም /ማቴ 18፡10/

ቅዱስ ጳውሎስ "ንስኻትኩም’ሲ ናብቲ እምባ ጽዮን፡ ናብታ ከተማ ሕያው ኣምላኽ ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ናብቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእክትን…….. በጺሕኩም ኣለኹም”  /ዕብ 12፤22/።  ከም ዝበለና ብናይ ክርስቶስ ናይ ምድኃን ሥራሕ፡ ምስ ቅዱሳን መላእክት ሓደ ቤተ ሰብ ኪንከውን ክኢልና ኢና። ስለዚ ጉዕዞና ፈጺምና ገድልና ወዲእና ንኽብሪ ንኽንበቅዕ ይረድኡና እዮም።

እዚ ብምዃኑውን ናትና ሕይወት ብኃጢኣት ወዲቑ ብምርኣዮም ከኅዝኖም እንከሎ፡ ብንስሓ ናብ ኣቦና ክንምለስ ከለና ድማ ኣዝዩ ደስ የብሎም /ሉቃ 15፡7/። ንሕና ናታቶም ቤተ ስበ ኴንና ኢና፡ በዚ ድማ ቤተሰባዊ ግዴታኦም ንፍጻም ክብሉውን ነቲ ድኹም ብርቱዕ ከም ዝረድኦ፡ ቅዱሳን መላእክት ንዓና ንምርዳእ ይተግሁ። እንተኾነ ግና ናታቶም ረዲኤት ንዓና ዝፍጸመልና፡ ተራዳእነቶምን ምኽሮምን ምስ እንቕበል ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶምውን ከም ኣምላኾም ኣብ ናትና ነጻ ፍቓድ ጣልቃ ኣይኣትውን እዮም።

እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ሰበይቲ ሎጥ ምንም እኳ ብኢድ መልኣኽ ተታኂዛ ኪትወፅእ በቒዓ እንተ ነበረት፡ ናይቲ መልኣኽ ቃል ብዘይ ምስማዓን ኪትድኅን ብዘይ ምድላያን ናይ ጨው ሓወልቲ ኮይና ተሪፋ እያ /ዘፍ 19፡26/። ብርግጽ ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ብመላእኽቲ ዚተነግረ ቓል ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ካብ ኮነ” ብምባል ከምዝገለጸልና፡ እግዚኣብሔር ዝለኣኾ መልኣኽ ዘይምእዛዝ ዓቢይ ቅጽዓት ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ መላእክት ተራዳእነት ፈሊጦም ንኽጥቀሙን፡ ናይ መንግሥቱ ወረስቲ ንምዃን ንኽበቐዑን ኢላ፡ ንቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ብምሃብ ብኣኣቶም እንረኽቦ ረድኤታት ከም ዝዝከሩ ትገብር።

በዚ መሠረት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መበል ዓሠርተው ክልተ መዓልቲ ናይ ወርኂ ኅዳር፡ ናይቲ ዓቢይ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ባዓለ ሲመት ብዓቢይ ድምቀት ተኽብሮ። ከም ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ትምህርቲ 12 ኅዳር እዚ ዓቢይ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኢዮር ኣብ እትርከብ ራብዓይቲ ኸተማ ንዝነብሩ ኃይላትን ኣብ ዓሠርተ ነገደ መላእኽትን ሓለቓ ኾይኑ ዝተሾመላ መዓልቲ እያ። እግዚኣብሔር ንሳጥናኤል ብትዕቢቱ ምኽንያት ካብ ሥልጣኑ ገፊፉ ናብ ምድሪ ምስ ደርበዮ፡ ኣብ ክንድኡ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዓሠርቲኡ ከተማታት ኣብ ሚእቲ ነገደ መላእክት ሓለቓ ኾይኑ ተሸይሙ እዩ። እዚ ኻልኣይ ሹመት ዝረኸቦ ብ 2 ሚያዝያ ከም ዝኾነ፡ ኣብ መጽሓፈ ኣክሲማሮስ ዝተባህለ ናይ ቤተክርስቲያንና መጽሓፍ ሰፊሩ ንረኽቦ።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሽመት ኣብ ነገደ መላእክት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ሕዝቢ እንኮላይ እዩ። እዚ ከም ዝኾነ ንኽንርዳእ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕዝቢ ዝተባህሉ እስራኤል ዘሥጋ ይረድኦምን ይሕልዎምን ከም ዝነበረ ተጻሒፍልና ኣሎ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ንኢያሱ ኣብ ናይ ኢያሪኮ ምድረ በዳ ከም ዝተገለጸሉ “ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮ እንከሎ ዝተመልሐ ሰይፊ ዝኃዘ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ረኣየ። ኢያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ “ ንስኻ ናትና ዲኻ ወይስ ናይ ጸላእትና” በሎ። ንሱ ድማ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሠራዊት እግዚኣብሔር ኮይነ ድኣ ሕጂ መጺአ ኣለኹ በሎ” /ኢያ 5፡13-14/ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤላውያን ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ነጻ ከውጽኦም እንከሎ፡ ዝመርሖም ዝነበረ መላኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ነበረ። ሹመቱ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሕዝቢ ውን ስለ ዝኾነ፡ ስሊኦም ንዲያብሎስ ይዋግኦን ብጸሎትውን ይሕግዞም ነበረ። ኃጢኣት ሠሪሖም ምስ ዝረኽቦም ግና፡ ንእግዚኣብሔር ብምቕናእ ኃጢኣተኛታት ስለ ዝቐጽዕ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ “ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቑ፡ ድምፁ ከኣ ስምዑ፡ እምቢ ኣይትበልዎ፡ ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ ንኃጢኣትኩም ኣይኃድገልኩምን እዩ” ዘፀ 23፡20 ብምባል ኣጠንቂቕዎም እዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ውን ከም ዝተሽመ የረድኣና። እንተ ኾነ ግና ኣብ ላዕሊ ብዝጠቐስናዮም ጥቕስታት ሕዝበ እስራኤል ዝመርሖም ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ኣየረጋግጽን እዩ ዝብል እንተሎ “መልኣኽ” ዝተባህለ ቅዱስ ሚካኤል ከም ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ናብ ነቢይ ዳኒኤል ኣብ ዝተላእከሉ ጊዜ ገሊጽልና ኣሎ። ቅዱስ ገብርኤል ስለ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ምሻሙ ክምስክር እንከሎ “መጀመርታ ግና እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ ዚተጻሕፈ እነግረካ ኣለኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብዘይካ ሚካኤል እቲ  መስፍን እስራኤል ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን “ /ዳን 10፡21/ ኢልና ኣሎ። በዚ ድማ ንኢያሱ ዝተገልጸሉን ንእስራኤል ዝመርሖምን ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ንርዳእ።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሓለቓነት ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ከም ዝቕጽል እዚ ነቢይ ብትንቢቱ “በቲ ዘመን እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ  ሕዝብኻ ዝከላኸል ዓቢ መስፍን ኪትንሥእ እዩ” /ዳን 12፡1/ ይብለና። ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ናይ ሰይጣን መጻወድያታት ንኽሕልወናን ብጸሎቱ  ኣብ ቅደሚ እግዚኣሔር ክቖመልናን ኣባናውን ዝተሾመ እዩ። ምኽንያቱ ንሕናውን ናይ እግዚኣብሔር ሕዝብን ናይ መንግሥቱ ወረስትን ኢና።

እግዚኣብሔር ነቢይ ሙሴ ናይ ሕዝቡ መራሒ ጌሩ ምሻሙ፡ ኣዝዩ ትሑትን ስለ ሕዝቡ ነፍሱ ክሳዕ ሞት የኅሊፉ ክሳዕ ዝህብ ስለ ዝፈትዎምን ነበረ /ዘኁ 12፡3 ዘፀ 32፡32/። ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ዝተሾመ ክገዝኦምን ኣብ ልዕሊኦም ክሥልጥንን ዘይኮነ፡ ብትምህርቱን ብጸሎቱን ንኽብጀዎም እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነውን ቅዱስ እስጢፋኖስ ስለ ሙሴ ክምስክር ከሎ፡ “እግዚኣብሔር ሹምን በጃን ጌሩ ለኣኾ” ኢልዎ ኣሎ /ግሐ 7፡35/ ቅዱስ ሚካኤልውን ከምኡ እዩ።ቅዱስ ሚካኤልውን ኣዝዩ ትሑትን ንሠራዊቱ ዝሕለቕን መልኣኽ ብምዃኑ ኣብ መላእኽትን ናይ እግዚኣብሔር ሕዝብን ተሾመ። ኣብ ልዕሊ መላእኽትን ናይ እግዚኣብሔር ሕዝብን ምሻሙ፡ ልክዕ ከም ሙሴ ኣብ ልዕሊኦም ክሥልጥን ወይ ክገዝኦም ዘይኮነ፡ ንመላእኽቲ ክመርሖም ንዓና ድማ ካብ ናይ ሰይጣን ተጻብኦታት ክሕልወናን ብጸሎቱ ክረድኣናን እዩ /ይሁ 12/።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንዓና ከም ዝሕልዉናን ከም ዝራድኡናን ከምኡ ውን ስሌና ኣብ ቅድሚኡ ከም ዝቖሙ ክምህረና እንከሎ “ መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ እሞ ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ከይተንዕቁ ተጠንቀቑ” /ማቴ 18፡10/ ኢሉና ኣሎ። ንዓና ንኽሕልዉ ዝተዋህቡና ቅዱሳን መላእክት ስሌና ከምዚ ጌሮም ዝሕለቑን ንምድኃንና ዝተግሁን ካብ ኮነ፡ ብቕድስናኡ ዝዓበየ ሓለቓ ናይ መላእኽቲ ኮይኑ ዝተሾመ ቅዱስ ሚካኤል ድኣ ማዕረ ኽንደይ ብዝበለጸ ስሌና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘይቀውም ? ሉቃ 13፡6-9 ከመይሲ ደኣ ብዝተዋህቦ ሥልጣንን ኃይልን ኣይራድኣናን ? መዝ 34፡7 “ስለ ደቂ ሕዝብኻ ዝቐውም" ምባሉ ንዓና ብጸሎቱን ብተራዳእነቱን ናይ ጽድቂ ሕይወትና ብዝግባእ ንኽንፍጽም ከም ዝራድኣና ዘረድእ ኃይለ ቃል እዩ።

“ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረኸቱን ንዘለዓለም ኣባና ጸኒዑ ይንበር ኣሜን “

No comments:

Post a Comment