bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 17 November 2016

አርባዕቱ እንስሳ 2ይ ክፋል

ብኻልእ መገዲ ድማ ጐይታና ሰብ ብምዃኑ ናይ ዘርኢ ሓረግ ዚጸሓፈ ማቴዎስ ብገጸ ሰብእ ይምሰል፡ ኣብ ግብጺ ዚነበረ ኣምልኾ ጣዖት ከም ኣንበሳ ዚሰባበረ ማርቆስ ብኣንበሳ ይምሰል፡ ከምኡውን ማርቆስ ናይ ጐይታና ናይ ኃይሊ ሥራሕ ስለ ዝጸሓፈ ብኣንበሳ ተመሲሉ እዩ። ሉቃስ ድማ ብላሕም ተመሲሉ እዩ። ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፦ “ናይ መድኃኒና መሥዋዕትነት፡ ሓዳስ ጣዕዋ ብዝወለደት ብንጽሕቲ ስብሕቲ ላም መሲሉ ስለ ዝነገረ” ይብሎ ንሥሪ ካብ ምድሪ ርሒቑ ኣብ ሰማይ ከም ዝዘውር፡ ንሱ ድማ ካብ ምድራዊ ልደቱ ንላዕሊ ብዛዕባ ሰማየዊ ልደቱ ስለ ዝዛረብ ዮሐንስ ብንሥሪ ይምሰል።

ቪክቶሪያኖስውን ብተመሳሳሊ ኣገላልጻ ናይ ኣርባዕቱ እንስሳ ዚተፈላለየ መልክዕ ይትርጉም፦  “ኣምሳል ሰብ ዝበሎ ማቴዎስ እዩ ንሱ ብዛዕባ እታ ካብኣ ክርስቶስ ዝተወልደ ድንግል ማርያም ናይ ዘርኢ ሓረግ ስለ ዝትንትን። ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ብድኅሪኡውን ክሳዕ ዮሴፍ ብምቚጻር ናይ ሰብነቱ ናይ ዘርኢ ሓረግ ነጊሩና እዩ። ሉቃስ ብዛዕባ መሥዋዕትን ኣብ መሥዋዕቲ ብዛዕባ ዝነበረ ካህን ዘካርያስን ይትርኸልና። እቲ መልኣኽውን ክህነት ብዘኽብር መልክዕ ተገሊጽሉ እዩ። ብተወሳኺ ናይ ዘካርያስ ፈተናውን ገሊጹላና እዩ። ስለዚ ብላም ምምሳሉ ግቡእ እዩ። ወንጌላዊ ዮሐንስ ክንፉ እናንገብገበ ናብ ላዕሊ ከም ዝንጠቕ ንሥሪ ብዛዕባ ወዲ እግዚአብሔር ይነግረና። ማርቆስ ወንጌላዊ ወንጌሉ ኪጅምር እንከሎ ብዛዕባ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተነግረ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ እዩ ዝጅምር። እዚ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ድምፂ ከም ናይ ኣንበሳ ገዓር እዩ ዝምሰል ስለዚ ማርቆስ ብኣንበሳ ይምሰል። እዞም ወንጌላውያን ዋላ እኳ ኣርባዕተ እንተኾኑ ሓደ እዮም። ቃሎም ሓደ ስለ ዝኾነ። ልክዕ ከምቲ ካብ ገነት ዚወፅእ ዝነበረ ፈለግ መበገሲኡ ሓደ ኾይኑ ድሓር ኣብ ኣርባዕተ ከም ዚተኸፈለ ማለት እዩ። (ዘፍ 210) 

ኣርባዕቱ እንስሳ ንኣርባዕተ ዓይነት ሕያው ፍጥረት ዝልምኑ እዮም። ገጸ ሰብ ንደቂ ሰባት፡ ገጸ ኣንበሳ ናይ ደገ እንስሳታት (እንስሳ ዘገዳም)፡ ገጸ ላሕሚ ናይ ቤት እንስሳታት (እንስሳ ዘቤት)፡ ገጸ ንሥሪ ናይ ኵለን ዓይነት ኣዕዋፍ ዝልምን እዩ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅውን፦  “ንሳቶም መንፈሳውያን ፍጥረታት እዮም፡ እግዚአብሔር ፈጠሮም ልዕል ልዕልውን ኣበሎም። ብውህበትን ብርሃንን ኣጐናጸፎም ንሱ ምእንቲ ሰባትን ምእንቲ ዅሉ ፍጥረታትን ምእንቲ ኣራዊትን ምእንቲ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ንኽልምኑ ኣዳለዎም። ንሳቶም ልዕሊ ዅሎም ሰማያውያን ፍጥረታት ንዕኡ ቀረባ እዮም” ይብል።

ኣባ ሄሮኒመስ፦ ብዛዕባ ኣርባዕተ እንስሳ ኺትርጕም ከሎ “ናይ ጐይታና ኣርባዕተ ናይ ምድኃን ሥርሑ ይምሰሉ። ገጸ ሰብእ ሰብ ምዃኑ፡ ገጸ ላሕሚ መሥዋዕትነቱ፡ ገጸ ኣንበሳ ብኃይሉ ሞት ስዒሩ ምትንሥኡ ገጸ ንሥሪ ድማ ዕርገቱ ይነግሩና” ይብል።

ሄሬኔዎስ:- ነዚ ትምህርቲዚ ብኻልእ መገዲ ምሂሩዎ ኔሩ። “ገጸ ሰብእ ሥጋዌኡ ገጸ ላሕሚ ክህነቱን መሥዋዕትነቱን ገጸ ኣንበሳ ኃያል ሥርሑ ንግሥነቱን ሓለቓነቱን፡ ገጸ ንሥሪ ንቤተ ክርስቲያን ዝምግብ መንፈስ ቅዱስ ምልኣኹ የርእየና” ይብል። 

ኵለንትናኦም ብዓይኒ ዝተመልኡ ነበሩ

 ኵለንትናኦም ብዓይኒ ዝተመልኡ ምዃኖም ድማ “እግዚአብሔር ኵሉ ዝርኢ ዋላ ሓንቲ ካብኡ ዚሥወር ከም ዘየለ የርኢ። ናይ ቤተ ክርስቲያንና መተርጉማንውን “ንኅሉፍን ንመጻእን ይፈልጡ እዮም እሞ” ብምባል ይትርጉሙዎ።

“ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኵሉ ዚኽእል እግዚአብሔር ኣምላኽ ዚነበረን ዘሎን ዝመጽእን” ይብሉ ነበሩ። እቶም እንስሳ ነቲ ዝፋን ዚተቐመጠ ንዘለዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ /8-9/
“ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” ኢሳይያስ ነዚ ምስጋናዚ ሱራፌል ከመስግኑ ኸለዉ ሰሚዑ እዩ /ኢሳ 6፡3/።እዚ ምስጋና እዚ ናይ እግዚአብሔር ናይ ባሕርይ ቅድስና እንገልጸሉ ምስጋና እዩ። እቲ ቃል ሓደ ምዃኑ ናይ እግዚአብሔር ሓድነት ሠለስተ ጊዜ ምድግጋሙ ድማ ሠለስትነቶም የመልክት። ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ  “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ አግዚአብሔር” ይብል። እግዚአብሔር ዝብል ስም ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ናይ ሓድነት ስሞም እዩ። “አንሰ ሶበ እቤ እግዚአብሔር በእንተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ - ኣነስ እግዚአብሔር ክብል ከለኹ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ማለተይ እየ” ከም ዝብል ቅዱስ ባስልዮስ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው። ሎሚውን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ነዚ ናይ መላእኽቲ ቅዳሴ ንሰምዖ ኢና። 

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፦ ኣብ ናይ ጌና ድርሰቱ ነዚ ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ዘሎ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” ዝብል ናይ መላእኽቲ ምስጋና ክትርጉም ከሎ፦ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ምባሎም ሓደ ገጽ እንተዝኸውን ኔሩ ሓደ ጊዜ ጥራይ ቅዱስ ኢሎም ምኣኸሎም ኔሩ። ብዙኃት እንተ ዝኾኑ ድማ ካብኡ ምበዝኀ ኔሩ። እንተኾነ ግና ሥላሴ ብገጽ ሠለስተ ምዃኖም ንምግላጽ ሠለስተ ጊዜ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ በሉ። ሓደ ጊዜ ጥራይ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ምባሎም ድማ እግዚአብሔር ብመለኮት ሓደ ምዃኑ የመልክት” ኪብል ተርጕምዎ ኣሎ። 

ለይትን መዓልትን ኣየዕርፉን፦  “ምስጋናኦም ዕረፍቶም ዕረፍቶም ምስጋናኦም” ክብሉ ኢትዮጵያውያን ሊቃውንት ይትርጕምዎ። ንሕናውን ምሳታቶም ኃቢርና ንቕዳሴን ንውዳሴን ክንቀውም ብናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ተጸዊዕና ኢና፦ “ኣቱም ቃሉ እትሰምዑ ትእዛዛቱ እትፍጽሙ ኃያላትን ብርቱዓትን መላእኽቱ ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ። ኣቱም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እትነብሩ ኵሉኹም ፍጡራቱ ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ..” ብምባል /መዝ 104፡20-22/።

 ኣብ ራእይ ዮሐንስ ዕሥራ ዝኾኑ ሰማያውያን ምስጋናታት ተገሊጾም ኣለዉ። እዚ ድማ ሰማያዊ ሕይወት ናይ ምስጋና ሕይወት ምዃኑ የመልክት። ነቢይ ዳዊት “ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዐ” /78፡25/ ብምባል ከም ዚተዛረበ ንመላእኽቲ መግቦም ዝኾነ ምስጋና ሰብ ክበልዕ እዩ። ሎሚውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ናይ መላእኽቲ ምስጋና ንሳተፍ ኢና። ኣብ ዝመጽእ ድማ ብዝበለጸ ናትና ክንገብሮ ኢና።

ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣንቢሮም ከኣ “ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንስኻ ክብርን ስብሓትን ሥልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ። ከመይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ ህላወ ረኺቡን ተፈጢሩን ኣሎ” በሉ /10-11/።

ወዲቖም፦  ማለቱ “ንመላእኽቲ ምውዳቕን ምትንሣእን ሃልይዎም ዘይኮነ፡ ንእግዚአብሔር ምግዝኦም ዘመልክት እዩ። ኣኽሊሎም ምውራዶም ንስኻ ኣኽሊልና ኢኻ እዚ ዝሃብካና ክብሪውን ናትካ እዩ ንምባል እዮም። 

No comments:

Post a Comment