bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 23 November 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል15 ክፋል



ናይ ቴዎፍሎስን ናይ መነኰሳትን ምጉት

ኣብ ላዕሊ ዚተገልጸ ኣብ መንጎ መነኰሳት ተፈጢሩ ዚነበረ ምጉት ቴዎፍሎስ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ብምልዕኣል ንዓኣቶም ጽቡቕ ጌሩ ዘጥቅዓሉ መሣርሒ ኾይኑ ረኸቦ። ምስቶም መነኰሳት ስለ ዝተጻልአ ከመይ ጌሩ ከም ዘጥቅዖም እዩ ዝሓስብ ኔሩ። እንተ ኾነ ግና መናንያን ስለ ዝኾኑን ንዋላ ሓንቲ ነገር ስለ ዘይጭነቑን ዘጥቅዓሎም መገዲ ኣይረኸበን ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር ካብ መነኰሳት ዚተወሰኑ እግዚአብሔር ረቂቕ ደኣ እምበር ሰብአዊ ገጽታ የብሉን ኢሎም ዝኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ነዚኣቶም ምስቶም  ነዚ ዝቃወሙ ኣጋጨዎም። እቶም መነኰሳት ድማ ርግእ ኢሎም ኣብ ክንዲ ዚዘራረቡን ነቲ ጉዳይ ብምርድዳእ ኣብ ክንዲ ምፍታሕን ነዚ ገዲፎም ናብ ህውከትን ነንሕድሕዶም ናብ ምጽርራፍን ከዱ። እቶም ናይ መለኮታዊ ባሕርይ ረቂቕነት ዝኣምኑ ነቶም ካልኦት “ኦሪገናውያን” ክብልዎም ከለዉ፡ እቶም ኣንጻሮም ዘለዉ ድማ ነዚኣቶም “ኣንትሮሞርፊስታውያን” በሉዎም። እዚ ናይ መነኰሳት ምምቕቓል ንቴዎፍሎስ ምቹእ ኩነታት ፈጠረ።

ምስጓግ ናይ መነኰሳት

ቴዎፍሎስ በዚ ከይተወሰነ ነዞም መነኰሳት ንምውጋዝ ነናብ ሃገረ ስብከቶም ጉባኤ ጸውዐ። ንሳቶም ቀሪቦም ኪማጎቱ ግና ዕድል ኣይሃቦምን። ሓንቲ ቃል ከተንፍሱውን ኣይከኣሉን። ኣቐዲሙ ብዓቢይ መምህርነቶምን ቅድስናኦምን ዘኽብሮም ዚነበረ ኣረጋውያን መነኰሳት ንኣባ ኤስድሮስ ከም ናቱ ጌሮም ስለ ዘየባረርዎን፡ ንዕኡ ብዘርኣይዎ ምድንጋጽን ብሓንሳብ ኣወገዞም። ብሓንሳብ ንዅላቶም ምስጓግ ስለ ዘፍርሖ ግና ሓንሳብ 2 ሓንሳብ ድማ 3 እናገበረ በብተራ ኣሳደዶም። ቴዎፍሎስ ናይ ኃይሊ ስጉምቲ ንምውሳድን ንህውከትን ድኅር ዘይብል ነበረ፡ ንነብሱ ድማ ዳግማዊ ሙሴ ይብላ ነበረ ይበሃል። ስለ ዝኾነ ድማ መጀመርታ ነቶም ጸረ ኦሪገናዊ ኣተሓሳስባ ዚነበሮም መነኰሳት ዋላ እኳ ንኣተሓሳስባኦም ዚነቅፍ ዚነበረ እንተ ኾነ፡ ኣብ ልዕሊ በዓል ኤስድሮስን ንናይ ኦሪገናዊ ኣተሓሳስባ ዝድግፉ ዚነበሩን (ረቂቕነት ናይ መለኮታዊ ባሕርይ ዘይኣምኑ) ብምውፋር ንዕላማኡ መጠቀሚ ገበሮም። ምስ ተጠቀመሎም ድማ ተገልቢጡ ጸላኢኦም ብምዃን ብ401 ዓ.ም ንኦሪገናውነት ኣወገዘ።

ቀጺሉ ድማ ናብ ገዳሞም ናብ ኒጥርያ ብወተሃደራት ተዓጂቡ ብምኻድ ነቶም ኽኅዞም ዚደለየ ሠለስተ ጳጳሳትን ካልኦት መነኰሳትን ስለ ዘይረኸቦም፡ ነቲ ኣብ በዓቶም ዝጸንሖ ንኣሽቱ ነገራት ነቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ መንእሰያት ኣካፊሉ፡ ነቲ ገዳሞም ምስ ኵሉ መጻሕፍቶምን ንዋየ ቅድሳቶምን ብሓዊ ኣቃጺሉ ናብ እስክንድርያ ተመልሰ። ኣብዚ ጊዜዚ ሓደ ሕፃንውን ኣብቲ ሓዊ ከም ዝተቓጸለ ይንገር። እቶም 300 ዝኣኽሉ መነኰሳት ድማ ነጸላኦም ጠቕሊሎም ናብ ፊልስጤም ቀጺሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተሰዱ። ካልኦት ድማ ናብ ካልእ ቦታ ተበታተኑ። ቴዎፍሎስ ግና ሕጂውን ንናይ ፍልስጤም ጳጳስ ነዞም ስደተኛታት መነኰሳት ኣብ ናይ ውልቂ ይኹን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዕረፊ ንኸይቅበሎም ደብዳቤ ሰደደሉ።

No comments:

Post a Comment