bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 17 November 2016

አርባዕቱ እንስሳ 1ይ ክፋል

ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝኑ፡ ብቕድሚኦምን ብድኅሪኦምን ኣዕይንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳ ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ኸኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ኣለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ ዚነፍር ንስሪ ይመስል። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዕይንቲ ዚመልኦም እዮም። ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ፡ ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን” ይብሉ /ራእይ ዮሐንስ 7-8/

 
 አርባዕቱ እንስሳን ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ  ሰማይን (ብሪቲሽ ሙዝየም ካብ ዚርከብ ናይ እቴጌ ምንትዋብ ራእይ ዮሐንስ ዚተወሰደ)

አርባዕቱ እንስሳ

ኣርባዕቱ እንስሳ ናይ ሥላሴ መንበር ብፍቓድ ናይ ሥላሴ ዚሽከሙ  መላእኽቲ እዮም። ስማቶም ኪሩቤል ይበሃሉ። ኪሩቤል ዝብል ቃል ናይ ኣካድ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ኣማላዲ ኃያል ዓቢ ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ስማቶም ዚተገልጸ ኣዳም ካብ ገነት ምስ ወፀ እተንበልብል ሰይፊ ኂዞም ንገነት እናሓለዉ እዩ /ዘፍ 3፡24/። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኪሩቤል ኣብ ዚተፈላለየ ቦታ ይዛረብ እዩ። ሕዝቅኤል ብራእይ ርእይዎም እዩ /ሕዝ 1፡ ሕዝ 9፡3-4 10፡1-2/። “ሰማይ ጋሊሁ ወረደ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ፡ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ነፈረ../2ሳሙ 22፡110-12/። “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር ጐይታ ሠራዊት../2ይ ሳሙ 6፡2/ “ነቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር….”/1ይ ሳሙ 4፡4/ “ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚአብሔር..”/2ነገ 19፡15/  “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ነፈረ../…”/መዝ 17፡10/ “ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘለኻ ኣምላኽ..”/ኢሳ 37፡16/ ““ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ..”/መዝ 80፡1/ “ንሱ ኣብ ዝፋኑ ኣብ ኪሩቤል ይቕመጥ..”/መዝ 99፡1/ ዝብሉ ቃላት ብብዝኂ ኢና ንረክብ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ መዝሙረ ዳዊት ኣብ ዚተርጎመሉ ድርሳኑ ብዛዕባ ኪሩቤል ክዛረብ ከሎ፦ “ኦ ዚፈትወኩም ደቀይ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ብኽብሪ ዚወዳደሮም ከም ዘየለ እነግረኩም ኣለኹ፡ ምኽንያቱ ጸወርተ መንበር ናይ እግዚአብሔር ስለ ዚኾኑ። ናይ እግዚአብሔር ገጹ ኪርእዩ ግና ኣይከኣሎምን፡ ንሳቶም ካብ እሳትን ካብ ብርሃንን ዚተፈጠሩ እዮም። ብርቱዓትን ኃያላትን እዮም። እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ይቕረ ንኺብልን ምኅረቱ ንኸውርድን ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ። ነቢይ ኢሳይያስ ክብሮም ረኣየ ብዛዕባኦም ድማ ተዛረበ (ኢሳ 6፡1) ነቢይ ሕዝቅኤል ክብሮም ርእዩ ብዛዕባኦም ተዛረበ፡(ሕዝ 14፡28) ናይ ነቢያት ኣቦ ናይ ጐይታናውን ኣቦ ዚኾነ ዳዊትውን ናይዞም ፍጥረታት ክብሮም ተመልኪቱ ኣብ መዝምሩ ከምዚ በለ “ንሰማያት ጋሊሁ ወረደ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ነፈረ፡ በኽናፍ ንፋስ ከኣ ተወንጨፈ /መዝ 18፡9” ይብል።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ  ድማ “ካብ ኪሩቤል ዚቐረበ መን ኣሎ? እንተኾነ ግና ኪርእይዎ ኾነ ኣብ ቅድሚኡ ኪቖምን ኣይክእሉን። እንተኾነ ግና ገጾም ይሽፍኑ። ምስጋናኦም ከኣ ይሥውዑ፡ ከናፍሮም ንዕኡ ምምስጋንን ምሥላስን እንተዘይኮይኑ ካልእ ሥራሕ የብለንን፡ ንሥላሴ ብሓድነትን ብሠለስትነትን ይውድሱን የመስግኑን የኽብሩን ብዘይ ምዝብርራቕ (ብዘይ ምትሕውዋስ) ሓደ እዮም፡ ብዘይ ምፍልላይውን ሠለስተ እዮም። እዚኦም ሕያዋን ፍጥረታት ሠለስተ ጊዜ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኢሎም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ፍሉይ ዚኾነ ፍጹም ሠለስትነት ኣለዎም፡ “ጐይታ” ከም ዚበሉ ውን ብህልውና ሓደ እዮም” ይብል።

ቊጽሮም

ንቚጽሮም ብዝምልከት ዮሐንስ ኣርባዕተ ክብል እንከሎ ሕዝቅኤል ግና ዓሠርተ ሽዱሽተ እዮም  ይብል። ካብ ርእሶም ክሳዕ መዓንጣኦም ዘሎ ኣርባዕተ ብኣርባዕተ ብድምር ዓሠርተ ሽዱሽተ እዮም።  ካብ መዓንጣኦም ንታሕቲ ዘሎ ድማ  ኣርባዕተ እዮም። ስለዚ ሕዝቅኤል ካብ መዓንጣኦም ንላዕሊ ዘሎ ኂዙ ዓሠርተ ሽዱሽተ  ክብል እንከሎ ዮሐንስ ድማ ካብ መዓንጣኦም ንታሕቲ ዘሎ ኂዙ ኣርባዕተ ይብል።

ሕዝቅኤል ነፍሲ ወከፎም ገጸ ሰብ ገጸ ኣንበሳ ገጸ ላሕም ገጸ ንስር ኢዮም ይብል፡ ዮሐንስ ግና ኣርባዕተ መልክዖም ጥራይ ይነግረና።

ዮሐንስ ኣኽናፎም ሽዱሽተ እዩ ክብል እንከሎ ሕዝቅኤል ግና ኣርባዕተ ይገብሮ፡ ናይ ትንቢተ ሕዝቅኤል መተርጉማን ዮሐንስ ሽዱሽተ ዚበለ ኣእዳዎም ቆጺሩ እዩ ይብሉ። ሕዝቅኤል 4 ኽንፊ 2 ድማ ኣእዳው ይብል።(ሕዝ1፡8) 

ሽዱሽተ ኣኽናፍ 

“ናይ ትንቢተ ሕዝቅኤል መተርጕማን ንነፍሲ ወከፎም ዓሠርተ ሽዱሽተ  ኣኽናፍ ብጠቕላላ 64 ኣኽናፍ ኣለዎም ይብሉ። ቅዳሴ ጐርጎርዮስ ዘኑሲስ “አልቦ ዘይበውእ ወአልቦ ዘይወፅእ እንበለ ውእቶሙ ግሩማነ ራእይ እንስሳ እለ ስድስተ ክነፊሆሙ ወእንተ ኵለንታሁ ምሉዓነ አዕይንት” ይብል።

ኣገልግሎቶም 

ርቱዐ ሃይማኖት ንአርባዕቱ እንስሳ ኣብ ዝደረሶ ድርሳኑ ናይ መላእኽቲ ነገድ ትሽዓተ ይገብሮ እሞ “ ነቶም ሾብዓተ ሓለቓታት ኣለውዎም እቶም ክልተ ግና ሓለቓታት የብሎምን። ካብቶም ክልተ እቶም ሓደ ድማ ጸወርተ መንበር ኪሩቤል እዮም” ይብል።ርቱዐ ሃይማኖት ሓተታኡ ክቕጽል ከሎ፦ “ወእሙንቱሰ ይበውኡ ውስተ ቅድስተ ቅዱሳን ወውስተ ሰብዐተ መንጦላእት ዘእሳት ወይሰምዑ ቃሎ ለሕያው ዘለዓለም- “ንሳቶም ሾብዓተ ናይ እሳት መጋረጃ ናብ ዘለዎ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣትዉ፡ ናይቲ ሕያው ቃል ድማ ንዘለዓለም ይሰምዑ” ይብል። ክትርጉሞ እንከሎ ድማ “እሉ እምንቱ አምሳለ ሊቃነ ጳጳሳት አልቦኬ ዘየዐቢ መዓርገ እምኔሆሙ በሰማያትኒ እም አርባዕቱ እንስሳ ወበምድርኒ እም ሊቃነ ጳጳሳት - “ንሳቶም ናይ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳሌ እዮም። ከምቲ ኣብዚ ምድሪ ንሊቃነ ጳጳሳት ብመዓርግ ዚዓብዮም ዘየለ፡ ኣብ ሰማያት ድማ ብመዓርግ ካብ ኪሩቤል ዝዓቢ የለን” ማለት እዩ።

ኣገልግሎቶም ብዝምልከት ድማ “ሚ መጠን ኂሩቱ ለፈጣሪ ዘሠርዐ እሎንተ አርባዕቱ ነገደ መላእክት ከመ ይስእልዎ በእንተ ኵሉ ፍጥረት ለዘኢይረስእ ወለዘኢይገድፍ ከመ ያዘክርዎ መነሂ ወዘያንቅሕዎ በስእለት ለዘኢይዴቅስ ወዘኢይነውም። ወያውኅዙ ሣኅለ ለለነገዶሙ ኵሉ በኂሩቱ ወአምለክ ለለኩሉ በእኂዞቱ “ምእንቲ ኵሉ ፍጥረት ክብሉ ናብቲ ዘይርስዕን ዘይገድፍን ፈጣሪ ንኺልምኑ ነዞም ኣርባዕተ ነገደ መላእክኽቲ ዚፈጠረ ናይ እግዚአብሔር ምኅረትን ሕያውነትን ክንደይ ይበዝኅ፡ ንኸዘኻኽርዎ ነቲ ዘይታኸስን ዘይድቅስን ብልመናኦም ንኺቕስቅስዎ” ይብል 

ኣብ ቅዳሴ ባስልዮስ “አርባዕቱ እንስሳ ሰባሕያን ወመዘምራን እለ ይጸውሩ መንበሮ”  ማለት ኣመስገንትን ዘመርትን ዚኾኑ ኣርባዕተ እንስሳ ብምባል ሥርሖም ምምስጋንን መንበሩ ምሽካምን ምዃኑ ይገልጽ። መተርጕማን ድማ “ንሱ ይስከሞም እምበር ንሳቶም ዶ ይሽከምዎ? ኢሎም ይሓቱ እሞ ብዚፈቐዶ ይግለጸሎም እሞ መንበሩ ተሰኪሞም ይረኣዩ ወይውን ብጸጋ ይኃድሮም ኢሎም ይትርጕምዎ።

ናይ ቅዳሴ ማርያም ተርጓሚ ግና “ካብ ኪሩቤል 2 ገጸ ላሕምን ገጸ ብእስን ካብ ሱራፌል ድማ 2 ገጸ ኣንበሳን ገጸ ንሥርን መሪጹ መንበሩ ኣሸኪምዎም ይብል። 

ቊፅሪ 4

ዕብራውያን ንቑጽሪ ኣርባዕተ ቅዱስ ቊጽሪ ይብልዎ። ምኽንያቱ ብዕብራይስጥ “ያህዌህ” ዝብል ስም ኪጸሓፍ ከሎ ኣርባዕተ ፊደላት ጥራይ እዮም ዝውክልዎ። ንገነት ዘስትዩ ኣፍላጋት ኣርባዕተ እዮም /ዘፍ 2፡10/ መኣዝናት ዓለም ኣርባዕተ እዮም /ኢሳ 11፡12/ ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ነፋሳት ኣለዉ /ኤር 49፡36/ ነቢይ ዳንኤል ናይ ዓለም ታሪኽ ካብ ዘመን ባቢሎን ጀሚሩ ኣብ ኣርባዕተ ከፊልዎ ኣሎ /ዳን 2፡7/ ኣርባዕተ ኣቕርንትን ኣርባዕተ ጸረብትን /ዘካ 1፡18-21/ ኣርባዕተ ሠረገላታት /ዘካ 6፡1-8/ ንቕዱስ ጴጥሮስ ዚተገልጸሉ በዓል ኣርባዕተ ማእዝን መጋረጃ /ግ.ሐ 10፡11/ 

ኣርባዕቱ እንስሳ፦  እግዚአብሔር ናይ ኵሉ ዓለማት ጐይታ ምዃኑ የመልክቱ። ሓደ መንበር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣርባዕተ ተራእዮ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓለም ብዘይካ እግዚአብሔር ካልእ ጐይታ ከም ዘየለ የመልክት። ገጸ ሰብእ ንሥጋዌኡ፡ ገጸ ንሥር ዚሰኣኖ ዘይብሉ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ገጸ ኣንበሳ ናይ ኃያልነቱ /ራእ 5፡5/ ገጸ ላሕም ናይ መግቦቱ/ ምሳሌ እዮም።

ርቱዐ ሃይማኖት፦ ኣርባዕተነቶም ኪትርጕሞ እንከሎ “አሐደ ነገደ አንበረ መንገለ ምሥራቅ ዘውእቱ ገጸ ሰብእ ማቴዎሳዊ፡ ወካልዐ ነገደ አንበረ ምዕራበ ገጸ አንበሳ ማርቆሳዊ፡ ወሣልሰ አንበረ በየማን ዘውእቱ ኣዜብ ወውእቱ ገጸ ላሕም እስመ በየማን ነበረ ዲቤሁ ዘለብሶ ለሰብእ ዝውእቱ ሉቃሳዊ ወበጸጋም አንበረ አሐደ ነገደ በውስተ መስዕ ዘውእቱ ገጸ ንሥር ወውእቱ ዮሐንሳዊ” ትርጉሙ “ሓደ ነገድ ኣብ ሸነኽ ምብራቕ ኣንበሮ፡ ንሱ ድማ ገጸ ሰብእ ዚተባህለ ማቴዎሳዊ (ማቴዎስ) እዩ። ነቲ ሓደ ነገድ ድማ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ኣንበሮ፡ ንሱ ድማ  ገጸ ኣንበሳ ዚተባህለ ማርቆሳዊ (ማርቆስ) እዩ። ነቲ ሣልሳይ ነገድ ድማ ኣዜብ ኣብ ዝበሃል ሸነኽ የማን ኣቐመጦ፡ ንሱ ድማ ገጸ ላሕም እዩ፡ ኣብ ሸነኽ የማን ኮይኑ ሰብነት ለቢሱ ዚተራእየ ሉቃሳዊ (ሉቃስ) እዩ። ብሸነኽ ጸጋም ማለት ብመስዕ ድማ ሓደ ነገድ ኣንበረ ንሱ ድማ ገጸ ንሥሪ ዚተባህለ ዮሐንሳዊ  (ዮሐንስ) እዩ” ይብል። 

ኣብ ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ ድማ፦  “ኦ እግዚኦ በእንተ እሉ አርባዕቱ ወንጌላውያን አምሳሊሆሙ ለእለ በሰማያት ሠረገላት መናብርት “ኦ ጐይታ ኣብ ሰማይ ብዝርከቡ ሠረገላተ መናብርት ብዚምሰሉ ብኣርባዕተ ወንጌላውያን ንልምነካ ኣሎና” ይብል ቀጺሉውን “ኣብዛ ቅንዕቲ ሃይማኖት ኮይኑ ኣብ ግብጺ ወንጌል ዝመሃረ ማርቆስ ብኣንበሳ ይምሰል፡ ኣብ ማእከል ኣሓ ከም ዝተወለድካ ትሕትናኻ ዝሰበኸ ምስ ኣዴኻ ምስ ድንግል ማርያም ብጨርቂ ተጠቕሊልካ ኣብ መብልዕ ማል ምውላድካ ዝተናገረ ሉቃስ ብላም ይምሰል። ኣካል ምስ ህልውና ተገሊጹሉ ብዛዕባ ሓድነትን ሠለስትነትን ዝተዛረበ ዮሐንስ ድማ ብንሥሪ ይምሰል” ይብል 


No comments:

Post a Comment