bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 16 November 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 14 ክፋል


ቴዎፍሎስ ሓሳቡ ከም ዝቐየረ 
እቲ ካብ 399-400 ዓ/ም ናይ ኦሪገን ደጋፊ ዚነበረ ቴዎፍሎስ ምስ ኣባ ኤስድሮስ ዝተባህለ መነኰስ ብግላዊ ጥቕሙ ስለ ዝተጻልአ፡ ነቲ ናይ ኦሪገን ኣተሓሳስባ ዝድግፍ መነኰስ (ንኣባ ኤስድሮስ) ንምጥቃዕ ክብል ኣንጻር ኦሪገናውያን ተሰለፈ። ምስ ኣባ ኤስድሮስ ዘጻልኦም ጉዳይ ጉዳይ ገንዘብ እዩ። ኣባ ኤስድሮስ ካብ ሓንቲ ካብ ክቡራት ቤተ ሰብ ዚኾነት ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ፡ ነቶም ኣብ እስክንድርያ ዝርከቡ ድኻታት ክዳውንቲ መግዝእን ንኻልእ ዘድልዮም ነገራት ክኸውን ተባሂሉ ብዙኅ ወርቂ ብማሕላን ብብዙኅ ሓደራን ተቐቢሎም ነበሩ። ኣባ ኤስድሮስ ነዚ ነገር እዚ ንቴዎፍሎስ ኣይነገሩዎን፡ ምኽንያቱ ቴዎፍሎስ እዚ ብዙኅ ገንዘብ ከም ዚተቐበልኩ እንተሰሚዑ ነቶም ዚሓንፆም ሕንፃታት መሥርሒ ኢሉ ክወስደለይ እዩ ኢሎም ብምፍራሕ እዩ። ቴዎፍሎስ ሕናፃ ምሕናፅን ቤት ምሥራሕን ኣዝዩ ይፈቱ ከም ዚነበረ ይንገረሉ። ሶዞመን ዚተባህለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣባ ኤስድሮስ ንቴዎፍሎስ “መንደቕ ካብ ምሕናፅ ኣማናዊ ናይ እግዚአብሔር ቤተ መቕደስ ንዝኾነ ናይ ድኻታት ኣካል ምሕካምን ምርዳእን ዝሓሸ እዩ” ከም ዝበሉዎ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ቴሉዚየም ዚነበረ ቅዱስ ኤስድሮስ ድማ ንቴዎፍሎስ “ናይ ወርቅን ናይ ሕንፃን ፍቕሪ ዝሓደሮን ፍቕረ ንዋይ ዝገዝኦን” ይብሎ ነበረ። ኣባ ኤስድሮስ ነቲ ዚተቐበሉዎ ሓደራ ንድኻታትን ንሽግጉራትን ዓደልዎ። ቴዎፍሎስ ግና ነዚ ነገር እዚ ብመገዲ እቶም ዝነበርዎ መገብተ ዜና ኣቢሉ ስለ ዝፈለጠ ኣዝዩ ሓረቐ።ቴዎፍሎስ ንግዚኡ ትም ዝበለ መሰል’ሞ ድኅሪ ኽልተ ወርኂ ካህናት ኣኪቡ ንኣባ ኤስድሮስ “ኦ ኤስድሮስ ሓደ ሰብ ቅድሚ 18 ዓመት ንዓኻ ዝኸሰሶ ክሲ ኂዙ መጺኡኒ ኔሩ። እንተ ኾነ ግና ሥራሕ ኣዝዩ ስለ ዝበዝኃኒ ረሲዐዮ ኔረ፡ ሕጂ ግና ካልኦት ወረቓቕቲ እናገንጸልኩ ክሲ ዝኃዘ ወረቐት ረኺበ ኣለኹ፡ ንስኻ ኸ ርእስኻ ንምክልኻል እንታይ ትብል?” በሎ። 

ኣባ ኤስድሮስ ግና “ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ቅድሚ 18 ዓመት ቀሪቡ ዚነበረ እንተ ኾነ ግና ዚተረስዐ እዩ ዝብል ዘረባ ሓቂ እዩ ኢልና እኳ እንተ ሓሰብና፡ እቲ ክሲ ዘቕረበ ሰብ ንኻልኣይ ጊዜ መጺኡ ክሱ ኣይምተኸታተለን ኢልካ ዶ ትሓስብ?” በሎ። ቴዎፍሎስ ድማ “እቲ ሰብ ባሕረኛ ስለ ዚነበረ ካልእ ጊዜ ተመሊሱ ኣይመጸን” በለ። ኣባ ኤስድሮስ ድማ “ኦ ፓትርያርክ ዋላ እኳ ሽዑ ንሽዑ ተመሊሱ ኣይቕረብ ድኅሪ ጉዕዞኡ ኸ ኣይተመለሰን ድዩ? ስዒቡ ኣብ ዚነበረ ዓመት ወይ ድኅሪኡ ኣብ ዚነበረ ብዙኅ ዓመታት ተመሊሱ ኣይቀረበን? ሕጂውን እንተ ኾነ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት እኳ እንተ ጸንሐ ትም ካብ ምባል ስለ ዝሓይሽ ኣሎ እንተ ደኣ ኾይኑስ ባዕሉ ቐሪቡ ነገሩ ንኸረድእን ንኽማጎትን ንገሮ” በሉዎ።

ሽዑ ቴዎፍሎስ  ኣብ ቅድሚ እቶም ዝኣከቦም ካህናት ንዕኡ ብዘሕፍር ሕቶታት  ጌሮም ስለ ዘዋጠርዎ፡ ከም ዘይተዋጽኦ ፈሊጡ ነቲ ነገር ናብ ካልእ መዓልቲ ብቖጸራ ኣመኃላለፎ።ቴዎፍሎስ ንኣባ ኤስድሮስ ንምኽሳስ፡ ገንዘብ ብምሃብ ናይ ሓሶት ምስክር ንምግዛእ ንሓደ ቖልዓ ብመገዲ ሓፍቱ ጌሩ ብዙኅ ገንዘብ ሓቦ። ኣደ ናይቲ ቖልዓ ግና “ነዚ ናይ ዓመጽ ገንዘብ ኣይቅበልን እየ” ብምባል፡ ንኣባ ኤስድሮስ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ሓሶት ምስክር ንምምስካር ካብ ሓፍቲ ቴዎፍሎስ ገንዘብ ከም ዝተቐበለት ኣርኣየቶ። ነቲ ገንዘብ ድማ ኣይቅበልን እየ ኢላ መለሰቶ። ሓፍቲ ቴዎፍሎስ ድማ ብሕማም ተሳቕያ ሞተት።ቴዎፍሎስ ብሞት ናይ ሓፍቱ እኳ ኣይተማህረን። በዚ ዘይቀንዓሉ ምዃኑ ምስፈለጠ “ኤስድሮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣለየ እዩ” ብምባል ኣወገዞም። ሽዑ ኣባ ኤስድሮስ ንሕይወቶምውን ስለ ዝፈርሑ ናብ ናይ ቀደም ገዳሞም ናብ ኒጥሪያ ብምህዳም ኣብ በዓቶም ተቐሚጦም ነገሮም ንፈጣሪ ኣኅሊፎም ሃቡ።

 ቴዎፍሎስ ኣብ ልዕሊ ኣባ ኤስድሮስ ዝረኸቦ ዓወት ዘተኣማምን ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖ፡ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከይገለጸ ሽዑ ንሽዑ ካብ ዓበይቲ ናይ ገዳም ኣበምኔታትን ኣቦታትን ዝተወሰኑ ጳጳሳት ከይተረፉ ካብ ገገዳማቶምን ካብ በረኻታትን ክስደዱ ከም ዘለዎም ዝእዝዝ ደብዳቤ ንጳጳሳት ናይቲ ኸባቢ ለኣኸ። እቶም መነኰሳት ድማ ምስ ካህናቶም ኮይኖም ብምንታይ ምኽንያት ናብ እስክንድርያ ይስደዱ ከም ዘለዉ ብለመና ሓተቱዎ። ንሱ ግና ካብ ሓደ ፓትርያርክ’ሲ ይትረፍ፡ ካብ ማንም ሰብ ብዘይትጽበዮ መልክዕ ብጽፍዒት ሃረሞም። ብድኅሪ እዚ እቲ ዚነበረ ጉዳይ ምስ ኤስድሮስን ምስኡ ዚተተኃኃዘን ኩነታት ንምልማን ዝመጹ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካልእ መልሲ ስለ ዘይነበሮ ግና ብቑጥዐን ብምጉብዕባዕን “ንስኻትኩም መናፍቓን ኢኹም፡ ኦሪገናውያን ኢኹም” በሎም።

No comments:

Post a Comment