bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 25 November 2016

ማርያም ጽዮን (21 ኅዳር ጽዮን) 1ይ ክፋል

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምለክ አሜን

ማርያም ጽዮን (ኅዳር ጽዮን)

ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት“ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ /መዝ 87፡5/ ብምባል ከም ዝዘመሮ ልሳን ደቂ እግዚአብሔር (ደቂ ተዋሕዶ) ነዚ መዝሙር እዚ ካብ ምዝማር ኣየቋርጽን እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ወርኂ ኅዳር ዕለት ፳፩ ማርያም ጽዮን (ኅዳር ጽዮን) እናበልና ብዓቢይ ድምቀት ነብዓሎ በዓል ኣሎና። 

ንምዃኑ ማርያም ጽዮን (ኅዳር ጽዮን) ማለት እንታይ ማለት እዩ?
እስኪ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ነዘን ሠለስተ ቓላት በበይነን ጌርና ፈላሊና ትርጉመን ንርአ፦
1. ማርያም፦ ኣብ 20-50ነ ዓ.ም ዚነበረ ፈላስፋ እስክንድርያዊ ኣይሁዳዊ ፊሎ ነቲ ኣብ ዘፀ 2፡4 ዘሎ ቃል ብዛዕባ ማርያም ሓፍቲ ሙሴ ኪትርጉሞ እንከሎ ማርያም ማለት ተስፋ ማለት እዩ ይብል። ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ማርያም ከም ኣኅዋታ ከም ሙሴን ኣሮንን ግብጻዊ ስም ተዋሂቡዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ ብምባል፤ ዚተፈተወት ንዝብል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ካብቲ  “Mri ከምኡውን mrwty” ዝብል ናይ ግብጺ ግሳዊ ቃል መሠረት ብምግባር “ማር” ማለት ዚተፈተወት “ያም” ማለት ድማ ናይ ዕብራይስጥ መለኮታዊ ስም “ያህዌ” ንዝብል ቃል ዘመልክት ብምዃኑ ማርያም ማለት “ኣምላኽ እትፈቱ” (one loving Yahweh) ወይ ድማ “ብኣምላኽ ዚተፈትወት” (one beloved by Yahweh) ማለት እዩ ዝብል ትንታኔ ይህቡ።

ጥንታውያን ሊቃውንት ድማ “ማርያም” ማለት እመቤት (እግዝእት) ማለት እዩ ምኽንያቱ ብኣራማይክ ማሬ ማለት ጐይታ ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ንኣንስተይቲ ድማ እመቤት ማለት እዩ ብምባል ይትርጉምዎ። ካብ 406-450 ዓ.ም ዚነበረ ሊቅ ጴጥሮስ ክሪሶሎጎስ ብዛዕባዚ ምሥጢር እዚ ኪትንትን ከሎ፡ “ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ናይ ድኅነት ሓሳብ (መደብ) ቅድሚ ምእዋጁ፡ ናይ ድንግል ክብሪ ብስማ ተፈልጠ፡ ምኽንያቱ ማርያም ዝብል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ብላቲን እመቤት ዝብል ትርጉም ስለ ዘለዎ። ስለዚ እቲ መልኣኽ እመቤት ኢሉ ጸውዓ…” ይብል።

ብተወሳኺ ተመራመርቲ ከም ዚተንተኑዎ ብቛንቋ ኣካድ ሪሙ ማለት “ምሃብ” ማለት ኪኸውን ከሎ ቅድሚ ስም ዚመጽእ ባዕድ ቃል ኪውሰኽ ከሎ “ውህበት ህያብ” ማለት ስለ ዝኾነ፡ ማርያም ዝብል ስም “ውህበት ህያብ” ማለት እዩ። ናትና ሊቃውንትውን “ማርያም ብሂል ጸጋ ወሀብት” ማርያም ማለት ጸጋን ሃብትን ማለት እዩ ብምባል ንጊዜኡ ነቶም ውላድ ስኢኖም ዚነበሩ ወለዳ “ውህበት ህያብ” ኪትከውን ከላ ድኂሩ ግና ንዓለም ምሉእ ዚተዋህበት “ውህበት ህያብ” እያ ብምባል ኣስፊሖም ይምህሩና። ካልኦት ተመራመርቲውን ማርያም ማለት ልዕልቲ ማለት እዩ ብምባል ተርጕሞምዎ ኣለዉ፡ ከምኡውን ብጸሎታን ብቓል ኪዳናን ንዝእመኑ ምስ ወዳ እናተዓረቐት ናብ መንግሥተ ሰማያት ስለ ተብጽሕ ማርያም ማለት መራሒት መንግሥተ ሰማያት ማለት እዩ።

ብዙኃት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንት በዚ ማርያም ዝብል ስም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚተጸውዓ ኣንስቲ ክሳዕ 8 ኣቢለን ከም ዝበጽሓ ይነግሩና። እዚ ድማ ታሪኽ ናይተን ካልኦት ምስ ናይ ድንግል ማርያም ታሪኽ እናሓዋወስና ከም መናፍቓን ዘይናታ ስምን ዘይ ናታ ደቅን ከይንህባ ኪሕግዘና ስለ ዝኽእል ብሓጺሩ ኣስማተንን ታሪኸንን ኣብዚ ክንዝርዝሮ ኢና፦ 
1.ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሉቃ 1፡49.... 
2 ማርያም እህተ ሙሴ ዘፀ 2፡4-8 ዘፀ 15፡20-21 ዘሁ 12 ዘሁ 20 ዘዳ 24 
3. ማርያም ጓል ወዲ እዝራ 1 ዜና 4፡16-17 
4.ማርያም እህተ ኣልዓዛር (ማርያም እንተ እፍረት) ዮሐ 12፡1-8 ዮሐ 11፡1-2 ጽቡቕ ግደ ዝሓረየት ሉቃ 10፡39-42 
5. ማርያም መግደላዊት ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወፅኡላ ናይ ጐይታ ትንሳኤ ዘበሰረት። ሉቃ 8፡2 ማር 16፡9 ማቴ 27፡55-56 ዮሐ 19፡25 
6. ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳ ኣደ ንእሽቶ ያዕቆብን ይሁዳን ዮሴን ስምዖንን ኣደ። ማቴ 13፡55-56 ማር 6፡3 ማር 15፡40 ማር 15፡47 ማር 16፡1 ሉቃ 24፡10
7. ማርያም ኣደ ማርቆስ ግ.ሐ 12፡12 
8. ማርያም ባውፍልያ (ማርያም ኣደ ሓዋርያ ዮሐንስን ያዕቆብን) ማቴ 20፡20 ማቴ 27፡55 

2. ኀዳር፦ ወርኂ ኅዳር ብኣቆጻጽራ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ዓመት ንወርኃ ጳጕሜን ወሲኽካ13 ኣዋርኅ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቲ ሣልሳይ ወርኂ ድማ ወርኂ ኅዳር ይበሃል። ኅዳር ማለት ኀደረ ሓደረ ካብ ዝብል ግሲ ዝወፀ ኾይኑ፡ ሓረስታይ ምህርቱ ኽሕሉ ኣብ በረኻ ስለ ዝኃድር ዚተዋህበ ስያመ እዩ። ኣብዚ ወርኂ እዚ ኣብ መበል ፳፩ (21) መዓልቲ ዓመታዊ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለ ዝኽበር ድማ እዩ ኅዳር ጽዮን ተባሂሉ ዝፍለጥ።

3. ጽዮን፦ ዝብል ቃል ”ፀወነ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወፀ ኾይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እምባ መጸግዒ መኸወሊ ማለት እዩ። እምባ ጽዮን እዚ ቓል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን 155 ጊዜ ተተቒሱ ኣሎ። ኣብ 2ይ ሳሙ 5፡7 “እምባ ጽዮን” ይብላ፡ ድኂራውን ናይ ዳዊት ከተማ ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። መዝ 14፡10 48፡2 50፡2። ቅዱስ ጳውሎስ እምባ ጽዮን “ናይ ፍጹማን መለክዕን ናይ ዓቢ እምነት መርኣያን ጌርዋ ኣሎ። “ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ከተማ ሕያው አምላኽ ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም” ይብል /ዕብ 12፡22/።

ብሓፈሻ ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንብዙኅ ነገራት ወኪሉ ዝርከብ ኮይኑ  ንሕጂ ነዞም ዚስዕቡ ከነቕርብ ኢና።

3.1.ናይዳዊትከተማ፦ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ሰብዓን ሽዱሽተን ጊዜ ብተደጋጋሚ ጽዮን ተባሂላ ዝተጸውዐት ናይ ዳዊት ከተማ እያ። እዛ ኸተማ እዚኣ ቅዱስ ዳዊት ብነቢይ ሳሙኤል ንንግሥና ድኅሪ ምቕብኡ፡ ሠራዊቱ ዘስፍረላ ዝነበረ ከተማ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና “ዳዊት ግና ነታ ድኃር ከተማ ዳዊት ዝተሰመየት እምባ ጽዮን ኃዛ” 2ይ ሳሙ 5፡7። ብምባል ነዛ ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ምችእቲ ዝኾነት እምባ “ጽዮን” እናበለ ይጽውዓ።

ብተወሳኺውን ኣብ /2ይ ዜና 5፡2/ ከምዚ ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ “ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ሓላቑ ነገዳትን እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፡ ንታቦት እግዚኣብሔር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ‘ጽዮን’ ከደይብዎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም። ኣብዚውን እዛ “ጽዮን” ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ ናይ ዳዊት ከተማ ምዃና ብንጹር ተጻሒፍልና ኣሎ።

3.2. ሰማያዊ ዝፋን እግዚአብሔር፦ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ “ጽዮን” ንዝብል ቃል ወኪሉ ዝርከብ ድማ እቲ ናይ እግዚአብሔር ዝፋን ተባሂሉ ዚፍለጥ ሰማይ እዩ። ብናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ መሠረት እግዚኣብሔር በታ መጀመርታ መዓልቲ ሰንበት ካብ ዝፈጠሮም ሸሞንተ ሥነ ፍጥረታት፡ እዞም ዝስዕቡ ሾብዓተ ሰማያት እዮም ። ብታሕቲ ጀሚርና ምስ ንቖጽር 1ይ ኤረር፡ 2ይ ራማ፡ 3ይ ኢዮር 4ይ ሰማያዊት ኢዮርሳሌም፡ 5ይ ሰማይ ውዱድ፡ 6ይ መንበረ መንግሥት፡ 7ይ ጽርሐ ኣርያም ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።(መጽሓፈ ኣክሲማሮስ ናይ ሰንበት ሥነ ፍጥረት ተመልከት)

ካብዞም ሾብዓተ ሰማያት እቶም ሠለስተ ማለት ኤረር ራማ ኢዮር ናይ መላእኽቲ ዓለማት እዮም፡ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ድማ ኣቐዲሙ ዲያብሎስ ዚተፈጥረላ ኣብ መወዳእታ ዓለም ፍርዲ ምስ ተዋህበ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ዚፈጸሙ ብሩኻትን ቅዱሳትን ሰባት ዚወርስዋ መንግሥተ ሰማያት እያ። ሰማይ ውዱድ ድማ ነቲ ዝፋን እግዚአብሔር ዚኾነ 6ይ ሰማይ ማለት ንመንበረ መንግሥት ከም መሠረት እያ። መንበረ መንግሥት ድማ ዝፋን እግዚአብሔር እያ። ኣብዚ እግዚአብሔር ንቕዱሳኑ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይግለጸሎም። ንኢሳይያስ ዘፈር ልብሱ ነቲ መቕደስ ከም ዚመልኦ ኾይኑ ተራእይዎ። ንሕዝቅኤልን ዮሐንስን ድማ ከም ንጉሥ ኮይኑ ተራእይዎም። ልዕሊ ዅሎም ዝርከብ ሻብዓይ ሰማይ ጽርሐ ኣርያም ድማ ንመንበረ መንግሥት ከም ሰንቀ ኾይኑ የገልግል። ስለዚ እዚ እግዚአብሔር ብጸጋ ንቕዱሳኑ ዚግለጸሎም ሰማይ ‘ጽዮን’ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ። ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ጽዮን ካብታ ብጽባቔኣ እተንጸባርቕ ከተማ፡ እግዚኣብሔር በሪሁ ይግለጽ ኣሎ” መዝ 50፡2። ኣብዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ብሥጋ ማርያም ናብዚ ምድሪ ከም ዝግለጽን ካብ ጽዮን ማለት ካብታ ሰማያዊት ዝፋኑ ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ኽመጽእ ምዃኑን እዩ ዘረድኣና።

ቅዱስ ዮሐንስውን ኣብ ራእይ “ ብድኅርዚ እቲ ገንሸል ኣብቲ ጽዮን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እምባ ደው ኢሉ ረኣኹ፡ ስሙን ስም ኣቡኡን ኣብ ግምባሮም ዝተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ነበሩ” ራእ 14፡1 ብምባል ስለ ክርስቶስ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ሰማይ ዝረኣዮ ራእይ ይነግረና።

3.3. ቤተ እስራኤል፦ ብሣልሳይ ደረጃ ጽዮን ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ፡ እቶም ብሥጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ ኣይሁድ ወይ እስራኤላውያን እዮም። ኦ ኢዮርሳሌም ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ ዕልል በሊ” መዝ 147፡1። ኣብዚ ድማ “ኦ ጽዮን” ማለት ኦ ኣብ ጽዮን ዝተባህለ ቦታ እትነብሩ ማለቱ እዩ። ደጊሙውን “ንስኻ ክትንሥእ ኢኻ ንጽዮንውን ክትርህርኃላ ኢኻ ምሕረት እትገብረሉ ጊዜ በጺሑ እዩ። ሽሕ እኳ ጽዮን እንተ ፈረሰት የፍቅርዋ እዮም፡ ሽሕ እኳ ዑና እንተኾነት ይድንግጹላ እዮም” መዝ 102፡13። ኣብዚ ድማ ደጊሙ “ንጽዮን ክትርህርሃላ ኢኻ” ማለቱ ንደቂ ጽዮን (እስራኤላውያን) ክትርህርሃሎም ኢኻ ማለቱ እዩ።

ነቢይ ኢሳይያስውን “እግዚኣብሔር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኵዖ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። ክሳውደን ገቲረን በዒንትን ቅምጽ እንዳበላ ብግንትእ ዝብል ኣራግጻአን፡ ብሽውሕዋሕ ዝብል ስልማት እግረን ይኸዳ ኣለዋ እሞ..” ኢሳ 4፡16 ይብል። ኣብዚውን ብዘየማትእ መረዳእታ ኣዋልድ “ጽዮን” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ጽዮን ዝቕመጣ ኣከዳድናአንን ኣራግጸአንን፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወፃኢ ዝኾነ ዝሙታዊ ምንቅስቓስ ዘርእያ ዝነበራ እስራኤላውያን እየን።

3.4. ድንግልማርያም፦ ኣብ መወዳእታ ድማ ጸዮን ዝተባህለት እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወፅእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” እዚ መድኃኒት እዚ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ ዚወፀላ (ዚተወልደላ) ጽዮን ዚተባህለት እምባና ድማ ድንግል ማርያም እያ /ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26/ ዳዊት ውን “ ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ” ብንባል ገሊጽዎ ኣሎ። /መዝ 87፡5/ 

ኢሳይያስውን ኣብ ካልእ ቦታ ከምዚ ይብል፦“ኣነ ውን ንስፍራ መርገጺ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ክመጽኡ እዮም፡ ዝነዓቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ክብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር “ጽዮን” ክሰምዩኺ እዮም። ኢሳ 60፡14 ኣብዚ ውን ኢሳይያስ ጽዮን እናበለ ዝጽውዓ ንድንግል ማርያም እዩ።

“ኣብተን ዳኅሮት መዓልታት ክኸውን እዩ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም ኣብ ልዕሊ ኮራቢት ድማ ልዕል ክብል ኵሎም ሕዝቢውን ናብኡ ክእከቡ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኢዮርሳሌም ክወፅእ እዩ” ኢሳ 2፡2-3።

ዳኅረዎት መዓልታት ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበረ ናይ ሲኦል መከራ ዘብቅዓሉ ዘመን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚኣብሔር ወልደ ወተወልደ እምብእሲት” ማለት “ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ሰደደ ካብ ሰበይቲ “ድንግል ማርያም” ውን ተወልደ ከም ዝበሎ /ገላ 4፡4/። “ናይ እግዚኣብሔር ቤት ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራናት ጸኒዑ ክቐውም እዩ” ማለት ናይ መለኮት ቤት መኅደሪ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኵሉ ፍጥረታት ንላዕሊ ብንጽሓ ሥጋ ንጽሓ ነፍስ ንጽሓ ልቦናን ንዘልዓለም ጸኒዓ ምንባራ ዘርኢ እዩ። ኵሎም ሕዝቢ ድማ ናብ ፍትው ወድኺ ለምንልና ኣማልድልና እናበሉ ናብኣ ክመጽኡ እዮም። ካብ ጽዮን ሕጊ ካብ ኢዮርሳሌም ድማ ቃል እግዚኣብሔር ክወፅእ እዩ ዝተባህለ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሕጊ ዝሰርዐ ዋና ሕጊ ንሱ ስለ ዝኾነ ሕጊ ይብሎ። ከምኡውን ናይ ኣብን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ባዕሉን ቃል ስለ ዝኾነ ቃል ይብሎ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ወንጌሉ ክጅምር ከሎ “ብመጀመርታ ቃል ነበረ እቲ ቃልውን ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ” ብምባል እቲ ብመጀመርታ ዝነበረን ሕጊ ዝሰርዐን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ ዮሐ 1፡1።

“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳት” መሠረታ ካብቶም ቅዱሳን ኣኽራንእዩ፡ እግዚኣብሔር ካብ ኵሎም ማኅደራት ያዕቆብ’ሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ እግዚኣብሔር ብኣኺ ክቡር ነገር ክበሃል እዩ /መዝ 87፡1/።

“እግዚኣብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ.ሞ መኅደሪኡ ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ኣብዚኣ ክነብር እየ” /መዝ 132፡13/። “ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን” ኣብ ጽዮን ሰማያዊት ኣብ ጽዮን ምድራዊት ንዝኃድር እግዚኣብሔር ኣመስግኑ። ንትሽዓተ ወርኅን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማሕጸን ማርያም ዝኃደረ እግዚኣብሔር ኣመስግኑ ማለቱ እዩ።...ይቕጽል

No comments:

Post a Comment