bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 25 November 2016

ማርያም ጽዮን (21 ኅዳር ጽዮን) 2ይ ክፋል


ስለምንታይ ኢዩ 21 ኅዳር ማርያም ጽዮን እናተባህለ ዝኽበር?

በዚ ዕለት ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ ኣብ ኢድ እቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንዳጎን ዝተባህለ ጣዖት ናይ ፍልስጤማውያን ሰባቢራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣረማውያን ሰባት ብርቱዕ ሕበጥን መቕዘፍን ብምውራድ ተኣምር ከም ዝገበረትን ካብ ኢድ ፍልስጤማውያን ናብ ሃገራ ብሰላምን ብዓቢ ክብርን ከም ዝተመለሰት ንዝክር /1ይ ሳሙ 5፡1-12 6፡1-21/።

ኢትዮጵያዊ ሊቅ ኣባ ገብረ ማርያም ኣብ ሰቆቋው ድንግል መጽሓፎም:-
"ታቦተ አምላከ እስራኤል ጽዮን ዘነገደት ምድረ ኢሎፍሊ
ወቀጥቀጠቶ ለዳጎን ነፍሳተ ብዙኃን ማህጎሊ
አመ ነገደት ቊስቋመ በኀይለ ወልዳ ከሃሊ
ወድቁ አማልክተ ግብጽ መናብርተ ሰይጣን ሐባሊ
 ወተኀፍሩ ኵሎሙ ዘቦሙ አስጋሊ" ብምባል ኣብሪሆምዎ ኣለዉ።

 ትርጉሙ
“ናብ ምድሪ ኢሎፍሊ ተማሪኻ ዝኸደት ናይ ኣምላከ እስራኤል ናይ ቃል ኪዳኑ ታቦት ታቦተ ጽዮን፡ ነቲ ናይ ብዙኃት ነፍሳት ዘጥፍአ ዳጎን (ንጣዖት) ሰባበረቶ። በታ ታቦት እቲኣ ዚተመሰለት ታቦት ድንግል ማርያም ውን ምስቲ ኵሉ ምግባር ዚከኣሎ ወዳ ግብጺ ናብ ዚበሃል ሃገር ምስ ተሰደት እቶም ዝፋን ናይቲ ሓሳዊ ሰይጣን ዚኾኑ ናይ ግብጺ ጣዖታት ፈረሱ። ጠንቋልን ኣጠንቋልን ዘለዎም ኵሎምውን ኃፈሩ” ብምባል ንታቦት ምስ ድንግል ማርያም ኣመሳጢሮም ይገልጹልና።

ብርግጽ ድማ እታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚነበረት ታቦት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ። ካብ ትርጉሙ ምስ ንጅምር ታቦት ማለት “ቤተ ኀደረ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወፀ ኾይኑ ትርጉሙ “መኅደሪ” ማለት እዩ። እተን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፋ ቃላት ኣብ ታቦት ስለ ዝኃደራ ታቦት ናይ ቃለ እግዚኣብሔር መኅደሪ እዩ /ዘጸ 25፡10-16/ ቃል ዝተባህለ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ “ብመጀመርታ ቃል ነበረ እቲ ቃል ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ እቲ ቃል ድማ እግዚኣብሔር ነበረ” /ዮሐ 1፡1/ ድኅሪ ምባል “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ኃደረ” ዮሐ 1፡14 ኢሉ ብዝገለጾ መሠረት ዝኃደረሉን ዝተወሃሃደሉን ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። በዚ ድማ ኢና ድንግል ማርያም ታቦት (መኅደሪ) እግዚአብሔር ንብላ።

ዘማራይ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊትውን “ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል” እቲ ልዑል መኅደሪኡ ቀደሰ ክብል ዝገለጻውን ነዚኣ እዩ። ቀጺሉውን ኣብ መዝ 132፡13 “እግዚአብሔር ንጽዮን ሓረያ መኅደሪኡ ኺትከውን ድማ በሃጋ” ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት (መኅደሪት) ኣምላኽ ከም ዝኾነት የነጽረልና። ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታን መኅደሪኡ ዝኾነት ኣዲኡን ኣብ ዝተነበየሉ ድማ ቅዱስ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ ውስተ እረፍትከ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኦ ጐይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንሥእ ብምባል ድንግል ማርያም ታቦት ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ደጊሙ ኣነጺርዎ ኣሎ። ምኽንያቱ ንስኻ ዝበሎ ንጐይታ ከም ዝኾነ ንጹር ኪኸውን ከሎ፡ “ናይ መቕደስካ ታቦት” ዚተባህለት ድማ ድንግል ማርያም እያ። መቕደስ ዚተባህለ ክርስቶስ እዩ /ዮሐ 2፡20-22/ ስለዚ ናይ መቕደስካ ታቦት (መኅደሪት) ዚተባህለት ድማ ንድኅነተ ዓለም ኣብ ማኅፀና 9 ወርኅን 5 መዓልትን ስለ ዝኃደረ እዩ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠ “ታቦት” ብዘይ ምፍላይን ምልዋጥን ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ይምሰለልና እዚውን ምልዋጥ ዘይብሉ ንጹሕ መለኮት እዩ….” ክብል ጽሒፍልና እዩ። በዚ ድማ ታቦተ ጽዮን ኣሕዛብ ንዘምልኽዎ ሰይጣን ዝኃደሮ (ዳጎን) ጣዖት ሰባቢራ ከም ዘጥፍኣቶ እዛ ኣማናዊት ታቦት ዝዀነት ድንግል ማርያም ድማ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ “መድኃኒት ካብ ጽዮን ክወፅእ እዩ፡ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ ከርሕቕ እዩ” ኢሳ 59፡20 ሮሜ 11፡26 ዝበሎ ንጐይታ ብምውላድ ኣምልዀተ ጣዖት ካብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዝንቀል ጌራ እያ‘ሞ ምስ ቅዱስ ዳዊት ኴንና “ይብል ሰብእ እምነ ጽዮን፡ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ” ሰብ ኵሉ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ፡ ሰብ ካብኣ ተወለደ መዝ 87፡5 እናበልና ዓመት መጸ በዚ ዕለት’ዚ ንዝክራ።…ይቕጽል

ናይ ዕለቱ መዝሙር

1. ሙሴኒ ርእያ(2) ሃገር ቅድስት(2)
    እዝራኒ ተናገራ ተናገራ ዘመራ ዳዊት(2)

2. እዝራኒ ተናገራ(2)
     ተናገራ ዳዊት ዘመራ (2)

3. በትፍስህት ወበሐሴት(2)
    ንዑ ንትቀበላ ለታቦት(2)

4. ታቦተ ህጉ ለእግዚአብሔር(2)
     በመላእክት ህጽርት ወበካህናት ክልልት(2)

5. ለቢሶ ዳዊት ልበሰ ክብር ዘይሃይድ ዐይነ(2)
    ቅድመ ታቦተ ህግ ሃለየ ወዐዲ ዘፈነ(2)

6. ታቦተ ህጉ ለእግዚአብሔር(2)
     በካህናት ህጽርት(2) ታቦተ ህጉ(2)

7. ኣብርሂ (2) ኣብርሂ ጽዮን (2) 
ዘሓረየኪ ሰሎሞን ንጉሥ (2)

8. ተንሥኢ(3) ጽዮን(2)
         ወሙእዮም ለጸላእትኪ(2) እህ

9. ነቢያተ እስኤል ጸሓፉ  በመጽሓፎሙ እሙነ (2)
          ሶበ ተዘከርነሃ ለጽዮን እምነ(2)

10. ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ(2)
        እምነ ጽዮን(2) ሃሌ ሉያ እምነ ጽዮን(2)

11. ኵሎም ይብልዋ በአህብሮ(2)
        ዕፀ ጳጦስ ይእቲ(2) እንተ በኣማን(2)

No comments:

Post a Comment