bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 24 November 2016

ናይ ኣዋጅ ጾም ኪኣቱ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ናይ ሓጋይ ኣዋርኅ ከም ዝኣተወ ነስተውዕል (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) 1ይ ክፋል

ጾም መድኃኒት እያ። ኣወሳስዳኣ ብዝግባእ ንዘይፈለጣ ግና ጥቕሚ የብላን። ነዛ መድኃኒት እዚኣ ዝወስድ ሰብ፡ ኣብ ከክንደይ ሰዓት ኪትውሰድ ከም ዘለዋ፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን ክውሕጥ ከም ዘለዎ፡ ንምንታይ ዓይነት ሕማም ከም እትጠቅም፡ ኣበየናይ ኣዋርኅን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኣየርን ከም እትውሰድ፡ ምስኣ ዝኸዱን ዘይከዱን ዓይነት መግብታትን ካልኦት ምስኣ ዘይሰማምዑ ነገራትን ፈልዩ ኪፈልጥ ኣለዎ። ነዚኣቶም ኣብ ግምት ከየእተና ንወስዳ እንተዄንና ግና ካብ ጥቕማ ጕድኣታ እዩ ዚዓቢ። ሓደ ብሓኪም ዝተኣዘዘልና ናይ ደዌ ዘሥጋ መድኃኒት ብትኽክል እንተወሲድናዮ፡ ካብ ሕማምና ንፍወስ፡ ናይ ነፍስና ደዌ ንምፍዋስ ኢልና መድኃኒት ኣብ ንወስደሉ ድማ ካብዚ ብዝበለጸ ኪንጥንቀቕ ይግባእ። 

ጾም ኵሉ መዳይና ንልውጠላ መሣርሒት እያ። ንምንታይሲ ናይ ጾም መሥዋዕቲ ማለት ካብ መግቢ ጥራይ ምኽልካል ማለት ዘይኮነስ ካብ ኵሉ ኃጢአት ምኽልካል ስለ ዝኾነ። ስለዚ ይጸውም ኣለኹ እናበለ ነብሱ ካብ መግቢ ጥራይ ዝኽልክል ሰብ እንተሎ፡ ንሱ ንጾም የቃልል ከም ዘሎ ይፍለጥ። ትጾሙ ዲኹም ዘለኹም? ከምኡ እንተዄንኩም ጾምኩም ብተግባር ኣርእዩኒ፡፡ ከመይ ጌርና ከነርእየካ? ትብሉኒ ትኾኑ። ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ ኪምልሰልኩም እየ። እቲ ድኻ ረድኤትኩም ምስ ዝደሊ ርኅራኄ ግበሩሉ። ዝጸላእኩሞ ሰብ እንተርኢኹም ጎይኹም (ቀልጢፍኩም) ተዓረቕዎ፡ ዓርክኹም ብኹሉ ነገር ዕዉት ኮይኑ ኵሉ ነገር ተደላዲልሉ እንተርኣኹም ብኡኡ ኣይትቕንኡ። ጽቡቓት ጎርዞታት እንተረኣኹም ንዝሙት ኣይትመነዩ። ከምዚ እናገበርኩም ጾምኩም ብትኽክል ኣርእዩኒ።

ብኻልእ ኣገላልጻ ኣፍኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዒንትኹም ኣእጋርኩም ኣእዳውኩምን ኵሉ ናይ ስምዒት ህዋሳትኩምን ይጹም። ኣእዳውኩም ናትኩም ዘይኮነ ነገር ካብ ምውሳድ፡ (ካብ ምስራቕ) ይጹም። ኣእጋርኩም ኃጢአት ንምፍጻም ካብ ምጉያይ ይጹሙ። ኣዒንትኹም ብምኽንያት ግዳማዊ መልክዕ ፈዘዝ ካብ ምባል ይጹሙ። ናይ ሥዕረት ኣይትበልዑን ኢኹም ዘለኹም ሓቀይ? በሉ ዝርኣዩ ነገራትውን ናይ ዓይኒ መግቢ ስለ ዝኾኑ፡ ብዓይንኹም ድማ ክፉእ ነገር ኣይትብልዑ። ኣእዛንኩምውን ይጹሙ፡ ናይ እዝኒ ጾም፡ ናይ ሓሶት ወረን ሓሜትን ዘይምስማዕ ዝኣመሰሉ እዮም። ልሳንኩምውን ካብ ከንቱ ዘረባ ይጹም። ዓሣን ካልኦት ናይ ሥዕረትን ካብ ምብላዕ ተኸልኪልና ኸለና፡ ናይ ኣኅዋትና ሥጋ ብሓሜት ኪንምጅርጥ (ኪንበልዕ) ንውዕል እንተዄንና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ? እቲ ንኃዉ ዝሓምን ዝነቅፍን ሰብ ንሱ ናይ ኃዉ ሥጋ እዩ ዘቑስል፡ ሥጋ  ኃዉ ድማ እዩ ዚበልዕ። ነዚ ኽብል ድማ እዩ እቲ ሐዋርያ ኣዝዩ ብዘፍርሕ ቃል ከምዚ እናበለ ዝተዛረበ “ነንሕድሕድኩም እናተነኻኸስኩምን እናተበላላዕኩምን ነንሕድሕድኩም ከይትጠፋፍኡ ተጠንቀቑ” (ገላ 5፡15)። ኪትሓምዩ ከለኹም ናይ ኃዉኹም ሥጋ ብስንኹም ኣይትነኽሱን ኢኹም። ንነፍሱ ግና ተቚስልዋ። ከምዚ ብምግባርኩም ድማ ንነብስኹምን ን ኃዉኹምን ንኻልኦት ብዙኃትን ኢኹም ትጎድኡ።

ልሳንኩም ክፉእ ነገር ካብ ምዝራብ እንተዘይጾመ፡ እቲ ጉድኣት በዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕጸር። ብሓሜትኩም ንዓኻትኩም ዚሰምዕ ኃውኹምውን ናታትኩም ተኃባባሪ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ንዕኡውን በደለኛ ትገብርዎ። ናይ ነብሱ ኃጢአት ከም ዘይርኢ ስለ ዝገበርኩሞ፡ ከይፈለጠ ምስ ናይ ሓመይቲ ጉጅለ ይሕወስ። ካብዚ ጀሚሩ ናይ ካልኦት ኣኅዋት ኃጢአት እናጸብጸበ፡ ንሱ ግና ጸዋሚ ብምዃኑ ዓቢ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ከም ዝፈጸመ ኾይኑ ስለ ዝስምዖ ይኾርዕ።

ምስዚ ጐኒ ንጐኒ ክርአ ዝግብኦ ካልእ ዓቢይ ጉዳይውን ኣሎ። ንሱ ድማ ንስኻትኩም ንኃውኹም ኪትሓምዩ ከለኹም ዝሰምዑኹም ሰባት፡ ነቲ ትሓምይዎ ዘለኹም ውኹም ብምንቃፍ ጥራይ ደው ኣይብሉን እዮም። እንታይ ደኣ ብኣጠቓላሊ እንኮላይ ንቤተ ክርስቲያን እዮም ዚነቕፉ። ብፍላይ እቶም ዚሰምዕኹም ዘለዉ ኢኣማንያን (ዘይኣመንቲ) ምስ ዝኾኑ፡ ነቲ ዚሕመ ዘሎ ሰብ ጥራይ “ኣመንዝራ” ብምባል ደው ኣይብሉን እዮም። ካብኡ ኃሊፎም ቤተ ክርስቲያንውን ናይ ኣመንዝራታት ቤት ጌሮም ይሓስቡዋ፡ ሎቱ ስብሐት! ስለዚ ከምዚ ኪትገብሩ ከለኹም ስም እግዚአብሔር ኢኹም ተጽርፉ። ንሕና ጽቡቕ ምግባር ኪህልወና እንከሎ ስም እግዚኣብሔር ብኣና ምኽንያት ከም ዝምስገን፡ ክፉእ ነገር ክንገብር ከለና ድማ፡ ብኡ መጠን ስሙ ይዋረድን ይጽረፍን።

ብተወሳኺውን እዚ ትሓምይዎ ዘለኹም ኃውኹም፡ ብልቡ ንዓኹም ኪጸልእ ከም ዝጅምርን ዝገደደ ኃጢአት ንኽሠርሕን ኢኹም ትደፋፍእዎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዘይምልከተኩም ነገር ኢድኩም ብምስዳድ ኣብ ገዛእ ርእስኹም  ፍርዲ እግዚኣብሔር ተምጽኡ። እሞ ኸኣ ኣብ ናይ ጾም ኣዋርኅ!

ካባኻትኩም “ብዛዕባ ኃወይ ሓሶት ዘይኮነ ማለት ንሱ ብሓቂ ዝገበሮ ክፉእ ነገር (ዋላ ዝሠርሖ ኃጢኣት) እንተተዛረብኩኸ እንታይ ነውሪ ኣለዎ?” ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግዲ የብልኩምን! እቲ ተውርይዎ ነገር ዋላ እኳ ሓቂ ይኹን ሕጂውን ዘረባኹም ካብ ነቐፌታ ኣየምልጥን እዩ። ከመይ ጌሩ? ኢልኩም ኪትሓቱኒ ስለ ትኽእሉ፡ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ኪህበኩም እሞ ዘረባኹም ከመይ ጌሩ ክፉእ ምዃኑ ኪርድኣኩም እዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ (ምዕራፍ 18) ንረኽቦ ሓደ ፈሪሳዊ ኣሎ። እዚ ፈሪሳዊ እዚ ብዛዕባ  ዝተዛረቦ ነገር ሓቂ እዩ። ሓቂ ስለ ዝተዛረበ ግና ተጠቒሙ ዶ ወይስ ተጎዲኡ? ፍጹም ኣይተጠቐመን! ከምዚ ብምባሉ (ከም ናትኩም ኣዘራርባ ሓቂ ብምዝራቡ) ጥራይ ኢዱ ዶ ኣይኮነን ዝተመለሰ? ብምጻሙን ብምጽላዩን ከ እንታይ ጥቕሚ ረኺቡ? እስከ ሕጂውን ኪሓተኩም እሞ ንስኻትኩም ድማ መልሱለይ፡ እቲ ቐራጺ (ቀረጽ ዚቕበል) ኃጢኣተኛ ዶ ኣይኮነን ዚነበረ? ካብ ወንጌል ከም ዘንበብናዮ እቲ ቐራጺ ኃጢአተኛ ከም ዚነበረ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ናይ ጾም ጊዜኡ ናይ ርእሱ ኃጢአት ኣብ ክንዲ ዝሓስብ ን ይሓሚ ስለ ዝነበረ ናይ ጾሙ ዋጋ ከይተቐበለ ባዶ ኢዱ ንገዝኡ ተመልሰ።

ኣኅዋተይ! “እከለ እኳ ከምዝን ከምትን ኃጢአት ጌሩ እዩ” ኢልኩም እትሓምይዎ ኃውኹም፡ ካብቲ ኃጢኣቱ ኽወፅእ ዶ ትደልይዎ ኢኹም? ትደልዩ እንተዄንኩምሲ ስለ ኃጢአቱ ኣልቅስሉ፡ ናብ እግዚኣብሔር ጸልይሉ፡ ንበይኑ ወሲድኩም ምኸሩዎ እምበር ኣይትሕመይዎ። ሐዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ “ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ኂዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ ኣቱም ፍቑራተይ፡ ኵሉ ንምሕናጽፅኩም እዩ። ክመጽእ ከሎኹ ምናልባት ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንዓይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባት ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዅሽዅ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ኃጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙኃት ከይጕሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ” ኢልዎም ኔሩ (2ይ ቆሮ 12፡19-21)፡፡ ስለዚ ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ብዓቢኡ ድማ ከም ናይ ጐይታና፡ ኃጢአተኛ እዩ ንትብልዎ ኃውኹም ኅዘኑሉ፤ ኣፍቅርዎ ድማ። ንበይኑ ጌርኩም ኪትመኽርዎ ከለኹም ድማ፡ ንዕኡ ንምምካርን ንምግሣጽን ካብ ኃጢአቱ ንምምላሰን እምበር፡ ንዕኡ ካብ ምጽላእ ዚተላዕለ ከም ዘይኮንኩም ኣረድእዎ። ስለዚ ብትኽክል ንዕኡ ካብ ሕማሙ ኪትፍውስዎ ምስ ትደልዩ፡ ናብኡ ንምኻድ ኣይትፍርሑ፡ ጌጋኡ ንምንጋርውን ኣይትፍርሑ፡ ሓካይም ርኢኹም እንተዄንኩም፡ ንሓደ ኣሸጋሪ ሕሙም ንምሕካም፡ መጀመርታ ቀስ ኢሎም ጊዜ ወሲዶም ነቲ ሕሙም የእምንዎ። ብድኅሪኡ ነቲ መሪር መድኃኒት ይህቡዎ። እቲ ሕሙም ሕማሙ ዝፍወስ ሕማም እንተኔሩ ይፍወስ። ነቲ ሓኪም ዘመስግኖ ግና ምስ ደኃነ እዩ። ንስኻትኩምውን ከምዚ ሓኪም ኪትኮኑ ኣለኩም። ኣብ ክንዲ ትሓምይዎ ናይ ሓውኹም ቊስሊ ብዝገደደ ከይረክስ ቀልጢፍኩም ናብ ሕክምና (ናብ ቤተ ክርስቲያን) ውሰድዎ። ሓኪም (ካህን) ከም ዝርእዮ ድማ ግበሩ። ከምዚ እንተጌርኩም ንስኻትኩምን ኃውኹምን ኣዚኹም ኪትጥቀሙ ኢኹም። ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ዚበሃል ድማ እዚን ከምዚ ዚኣመሰለ ሰናይ ምግባርን ምስ ትገብሩ እዩ። .....ይቕጽል

ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦት ካብ ትብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 46 ዚተወስደ እዩ።

No comments:

Post a Comment