bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 27 November 2016

ማርያም ጽዮን (21 ኅዳር ጽዮን) 3ይ ክፋል

ናይ ታቦትን ድንግል ማርያምን ንጽጽራዊ ትምህርቲ

1. ታቦት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኢያ። ነታ ምሳልያዊት ታቦት ሓላዊ ኔርዋ ኢዩ፡ ነዛ ታቦት እዚኣ ንምሕላውን ንምግልጋልን ዝተሓጸየ “ኣሮን” ዝበሃል ካህን ነበረ /ዘሁ 17፡1-10/፡ ንድንግል ማርያም ነታ ኣማናዊት ታቦት ንምግልጋልውን ዮሴፍ ዝበሃል ሕጹይ ነበራ (ማቴ 1፡18)

ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ዮሴፍ ግና ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡ ካህን ዘካርያስውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ። ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡ ዮሴፍ ግና ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ኃዘ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)

2. ነታ ምሳልያዊት ታቦት ንምግልጋል ዝተመርጸ ካህን ኣሮን በትሩ ካብተን ናይ 12 ነገደ እስራኤል ኣባትር ጠጢዓን ዓምቢባን ፈርያን ምስ ተረኽበት እዩ /ዘሁ 17፡1-12/፡ ነታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርያም ንምግልጋልውን ኣረጋዊ ዮሴፍ ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ተመሪጹ። ነገሩ ከምዚ እዩ፦ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤተ መቕደስ 12 ዓመት ተቐመጠት፡ ኣብ ኢድ ወለዳ ሠለስተ ዓመት ድምር 15 ዓመት ምስ መልኣ ኣይሁድ ቤት መቕደስና ከይተርክሰልና ትውፅኣልና በሉ። ዘካርያስ ሊቀ ካህናት ከመይ ኢልኪ ክትነብሪ ትደልዪ በላ ንሳ ድማ ናብ እግዚአብሔር ኣመልክተለይ በለቶ እሞ ኣመልከተ። ካብ ነገደ ይሁዳ ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡት ኣባትሮም ኣብ ቤት መቕደስ ኣኪቡ ኣብ ቤት መቕደስ ኣእትዩ ክጽሊ ተነግሮ፡ በዚ መሠረት 1985 በትሪ ኣኪቡ ኣብ ልዕሊኡ ጸለየ እሞ ኣብ በትሪ ዮሴፍ “ዕቀባ ለማርያም” ዝብል ተጻሒፉ ተረኽበ። ርግቢ ከኣ ኣብ ርእሱ ዓለበት፡ ዕፃ እንተኣውደቑ ድማ ናብኡ በጽሐ። ትርጓሜ ወንጌል ሉቃስ 1፡27 ማቴ 1፡20 

3. ቅዱስ ደዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናባይ ክመጽእ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ በለ (2ይ ሳሙ 6፡9) ኤልሳቤጥ ድማ እታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ድንግል ማርአም ናብ ቤታ ምስ መጸት “ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ” በለት (ሉቃ 1፡43)

4. እታ ምሳልያዊት ታቦት ናብ ከተማ ዳዊት ምስ መጸት ዳዊት “ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብታሕጓስ ዘለለ ዘመረ ድማ” (2ይ ሳሙ 6 1-14) እታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ ከደት ድማ “ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዮሐንስ ብደስታ ዘለለ” (ሉቃ 1፡41)

ቅዱስ ኣምብሮስ ነዚ ናይ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦት ምዝላል ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ “ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ዘለለ፡ እዛ ታቦት እዚኣ ቅድስት ድንግል ማርያም እንተዘይኮይና መን ክንብላ ንኽእል? ታቦተ ጽዮን ኣብ ውሽጣ ናይ ጽላት ኪዳን ኃዘትቅድስት ድንግል ማርያም ግና ነቲ ናይቲ ኪዳን ሠራሒ ዝኾነ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣብ ማሕጸና ተሰከመቶዝቐደመት ታቦት ኣብ ውሽጣ ሕገ ኦሪት ኃዘት፡ እታ ዳኅረወይቲ ግና ሕገ ወንጌል ተሰከመት፡ እታ ሓንቲ ናይ እግዚኣብሔር ድምፂ ኃዘት፡ እታ ካልኣይቲ ግና ንኣካላዊ ቃል ባዕሉ ተሸከመቶ።(ዮሐ 1፡14) እታ ቐዳመይቲ ታቦት ብውሽጥን ብደገን ብዝተለበጠ ታቦት ዘጌጸት ነበረት(ዘፀ 25፡11) ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍሥን ኣጌጸትእታ ቐዳመይቲ ምድራዊ ብዝኾነ ወርቂ ዘብረቕረቐት ነበረት፡ ድንግል ማርያም ግና ብሰማያዊ ንጽሕና ዘጌጸት ነበረት። 

5. ኣብ ቅድሚ ታቦት ንዝዘመረ ዳዊት ዝነዓቐቶ ሜልኮል እግዚአብሔር ማሕጸና ዓጸዋ (2ይ ሳሙ 6፡23) ንታቦት ተደፋፊሩ ዝተንከፈ ዖዛ እግዚአብሔር ቀዘፎ (2ይ ሳሙ 6፡6-7) ነታ ኣማናዊት ታቦት ንድንግል ማርያም ሬሳኣ ከቃጽሉ ንዝፈተኑ ኣይሁድ ንሬሳኣ ብድፍረት ንዝኃዘ ተውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ክልተ ኣእዳዉ ቆረጾ። ሎሚውን እንተ ኾነ ንድንግል ማርያም ዝጸርፍ ንኽብራ ዘቃልልን ዝንዕቕን አብ ርእሲኣ ናይ ትዕቢት ቃላት ዝዛረብን ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ። “እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዝዛረባ ሓሰውቲ ከናፍር ይተዓበሳ ድኣ” (መዝ 31፡18) ዝብል ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ከነዘኻኽሮ ድማ ግድን እዩ።

ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ዝተሰመየ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫውን “ዘየኽብረኪ ንልዕልናኺ ዘይሰግድን ንዘለዓለም ርጉም ኢዩ። ብፍጹም ልቦናኡ ዘይፈትወኪ ብዓቢ ሓሳቡ ዘየኽብረኪ ርጉም ኢዩ። ብኸናፍሩ ዘየመስግነኪ ብልሳኑ ውን ዘይምርቐኪ ርጉም ኢዩ። ንኽብርኺ ዘይሰግድ ንልዕልናኺ ዘይግዛእ ዕድል ፈንታኡ ጽዋእ ተርታኡ ገሃንመ እሳት ኢዩ” ብምባል ነዚ መስኪሩ እዩ /ኣር.ዘሠሉ ገጽ 122 ቊ11-12/

ኣቐዲሙ እዚ ቃል እዚ ብኣብርሃምን ካልኦት ቅዱሳንን ኣቢሉ እግዚአብሔር ገሊጽልና እዩ። ንኣቦና ኣብርሃም “ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ” ክብል እግዚአብሔር ተዛሪብዎ ኔሩ /ዘፍ 12፡3/። ስለዚ ንኣብርሃም ዝባረኸ ዝባረኽ ካብ ኮነ ንድንግል ማርያም ዝባረኸ ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ይባረኽ ይኸውን? ንኣብርሃም ዝረገመ ዝርገም ካብ ኮነስ ንድንግል ማርያም ዝረግም ማዕረ ኽንደይ ይርገም ይኸውን? እቲ ዓቢይ ሊቅ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ውን “ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጐይታ ዘኽብር ኵሉ ንናይ ጐይታ ዝተቐደሰ መኅደሪኡ የኽብር። መኅደሪኡ ዘየኽብር (ዘቃልል) ግና ንጐይታኡ የቃልል (ንጐይታውን ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰት መኅደሪኡ ኢያ። ክብል ገሊጽዎ ኣሎ (ቅዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403).....ይቐጽል

No comments:

Post a Comment