bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 28 November 2016

ናይ ኣዋጅ ጾም ኪኣቱ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ናይ ሓጋይ ኣዋርኅ ከም ዝኣተወ ነስተውዕል (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) 2ይ ክፋል

...ንሓመይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክፉእ ዘረባ ንዝሰምዑ ኵላቶም ኣእዛኖም ካብዚ ርስሓትዚ ንኸርሕቁ እነግር ኣለኹ። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብምዃን ከምዚ በሉ “ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ” (መዝ 101፡5)፡፡ ካባኻትኩም ኃዉ ንምሕማይ ዝመጸ እንተሎ፡ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ “ብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገር ትዛረበሉ፡ ወይ ድማ ተመስግኖ ኃው እንተሊካ ዘረባኻ ንምስማዕ ኣእዛነይ ክፉታት እየን። ክፉእ ዘረባ ኪትዛረብ እንተዄንካ ግና ነዚ ርስሓት እዚ ናብ እዝነይ ከእቱ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን በሎ። ኃውኻ እከይ ምዃኑ እንተነገርካኒ እንታይ ይጠቕመኒ? እኳ ደኣ ከምዚ ብምግባርካ ነብሰይ ንኽጎድእን ነቲ ዝነበረኒ ንኸጥፍእን ኢኻ ትገብረኒ። ስለዚ ክቡር ኃወይ! ብዛዕባ ክፍኣት ናይ ኃውና ካብ ንዛረብ፡ ብዛዕባ ኃጢኣትና ነዕልል። እቶም ዝሠራሕናዮም ኃጢአታት ከመይ ጌርና ይቕሬታ ከም እንረኽበሎም ንሕሰብ። ብዛዕባ ኃጢአትና ጥራይ እንተ ንዘራረብ ንዓና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኃወየ! ንገረኒ እስኪ? ኣብ ዓይንና ዘሎ ጕንዲ ዘየውፃእና በቲ ኣብ ዓይኒ ኃውና ዘሎ በሰር ምዝራብና ዝግበረልና ምሕረት ይህሉ ዶ ይኸውን? ንምንታይ ከ ኣብ እዝነ ልቦናና ካልእ ኵኵዕ ንውስኽ?,..”

ስለዚ ነዚ ፈሊጥና ብዅለንትናና ንጹም። ክፉእ ካብ ምዝራብ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምስማዕ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምርኣይ ንጹም፡ ናብ ክፉእ በታ ካብ ምኻድ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምግባር ንጹም ።

ናይ ኣዋጅ ጾም ኪኣቱ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ናይ ሓጋይ ኣዋርኅ ከም ዝኣተወ ነስተውዕል። ናይ ኵናት መሣርሒና ንወልውል። ካብ ሕርሻኦም ምህርቶም ዝእክቡ ሓረስቶት ማዕጺዶም ይስሓሉ። ነጋዶውን ገንዘቦም ብኸንቱ ካብ ምብኻን ይከልከሉ። ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንምእታውውን መገዶም የቕንዑ። ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ትወስድ ጐደና ቀጣንን ጸባብን ስለ ዝኾነት ብጥንቃቐ ኣስተውዒልና ንጎዓዝ።

ኣኅዋተይ! ብሕማም ምኽንያት ካብ መግቢ ብዘይ ምኽልካልና ዝወቕሰና ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ የለን። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ለዋህን ፈታዊ ሰብን ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ሸኽሚውን ዘይጽዕነና ኣምላኽ እዩ ዘለና። ናቱ ፍቓድ ንሕና ካብ መግቢ ንኽንክልከል፡ ወይ ትም ኢልና ሰብ እንታይ ኪብለኒ ኢልና ጥራይ ንጸውም፡ ወይ ከብድና ባዶ ኾይኑ ናይ ጥሜት ስምዒት ከም ዝስምዓና ምግባር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ዝኾነ ዓይነት ክፉእ ተግባር ጸዊምና ንትሩፋተ ሥጋ ወነፍስ ንኽንተግህ እዩ። ነብስና ብዝተስተኻኸለ ሕይወት ንመርሕ፡ ክንበልዖ ዝግብኣና መጠን መጢንና ንበልዕ፡ ኵሉ ድሌትና ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ንመልስን፡ መላእ ዘመንና ጽቡቕ ጥራይ ንገብር ኔርና እንተንኸውን፡ ናይ ጾም ዋጋ ንምርካብ ኢልና ምጿም ኣይመድለየናን ኔሩ። ስለ ዝኾነ ድማ ደቂ ሰባት ኪንበሃል፡ ግዲ ዘይብልናን ምቾት ድማ ንደልን ስለ ዝኾንና፡ እቲ ካብ ምድራዊ ኣቦ ይኹን ካብ ምድራዊት ኣደ ንላዕሊ ብዛዕባና ዝጥንቀቕ ሓኪምና (እግዚኣብሔር)፡ ንሸለልትነትናን ነዚ ዘየድሊ ሕንቃቐን ምቾትን ዝተመልአ ናብራናን ፈዊስና፡ ካብ ዓለማዊ ምግባር ናብ መንፈሳዊ ምግባር መታን ክንኣቱ ጾም ዝተባህለ መድኃኒት ኣዳለወልና።

ሰለዚ ብምኽንያት ሕማም ርእሶም ካብ መግቢ ኪኽልክሉ ዘይከኣሉ ሰባት ንኽበልዑ ግን ከኣ ካብ ክፉእ ምግባር ንኽጾሙ ንመኽሮም ኣለና። ብዘይካ ካብ መግቢ ምኽልካል ብኻልእ መንፈሳዊ ነገር ኣብሊጾም ንኽተግሁ ንመኽሮም ኣለና። ሕሙማት ካብ መግቢ ኺኽልከሉ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ብሓቂ ንመንግሥተ ሰማያት ዘኽፍቱ ካልኦት ብዙኃት ናይ ድኅነት መገድታት ኣለውዎም። ስለዚ ብሰንኪ ሕማም ካብ መግቢ ምኽልካል እንተዘይተኻእለኩም (ምስ ኣበ ነፍስኹም ብምምኻር) ኣብዚኅኩም ምጽዋት ሃቡ። ካብ መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ኣብዚኅኩም ጸልዩ። መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ቃል እግዚኣብሔር ንምምሃር ትጉሃት ኵኑ። ምኽንያቱ ሕማምኩም ነዚ ንምግባር ኣይክልክለኩምን እዩ።  ከምዚ እንተድኣ ትገብሩ ዄንኩም እቲ ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ኣለኹም። እግዚኣብሔርውን ካብዚ ብዝበለጸ ካባኻትኩም ዝደልዮ ነገር የለን። ምኽንያቱ ሓኪምና ካብ ናይ ስዕረት መግቢ ከም እንኽልከል ዝእዝዘና፡ ፍቓደ ሥጋና ደኺሙ ፍቓደ ነፍስና ንኽብርትዕን ትእዛዙ መታን ክንሕሉን ኢሉ እዩ።

ብኣጠቓላሊ ኣብ ጊዜ ጾምኩም ይኹን ኣብ ካልእ ጊዜ ሠለስተ ነገራት ኪትኅዙ ንመኽረኩም ኣለና። ንሳቶም ድማ ክፉእ ካብ ምዝራብ ምኽልካል፡ ንዝኾነ ሰብ ከም ጸላኢኻ ካብ ምርኣይ ምቑጣብን፡ ካብቲ ከም ልምዲ ኂዝኩሞ ዘለኹም ማሕላ ንኽትርሕቁን እዩ።

ኣብ ዓጺድ ዘሎ ሰብ ነቲ እኽሊ ናብ ቆፎኡ ብሓደ ጊዜ ከም ዘይእክቦ፡ እንታይ ደኣ በብቑሩብ ከም ዝእክቦ፡ ንሕናውን ነዞም ዝተዛረብናሎም ተግባራዊ ብምግባር ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኪንለማመዶምን፡ ናትና ጸቡቕ ልምድታት ጌርና ኪንኅዞምን ይግብኣና። ከምዚ ብምግባርና ድማ መንፈሳዊ ጥበብ ብቐሊሉ ገንዘብና ኪንገብር ይከኣለና እዩ። ኣብዚ ዓለም ከለና ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ኣዝመራ ነፍሪ። ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ድማ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዘይፍርሒ ብሓጐስ ተመሊእና ንኽንቀውም ይረድኡና። ንዕኡ ዝበቅዕ ጸጋ ረኺብና ናይ ክብሩ ወረስቲ ይግበረና። ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment