bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 29 November 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 16 ኽፋል



ስደተኛታት መነኰሳት ኣብ ቁስጥንጥንያ
እዞም ስደተኛታት መነኰሳት ድኅሪ ብዙኅ ምክልባት ቁስጥንጥንያ በጽሑ። ኣብ እግሪ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ወዲቖም ድማ፡ ነቶም ብግፍዐኛታት ብዙኅ ግፍዒ ዝወረዶም ነፍሳት ንኽረድኦም ተማሕጸንዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነዞም ብመከራ ዝላሕልሑ መነኰሳት ረኣየ። ከምቲ ልሙድ ርኅራኄኡ (ሕያውነቱ) ብጣዕሚ ኃዘነሎም እሞ በኸየ፡ ከዕርፉ ድማ ነገሮም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ካልኦት ጳጳሳት ንቴዎፍሎስ ፈሪሖም ዋላ ሓንቲ ዘይሓገዙና፡ ንስኻ ድማ ዋላ ሓንቲ ዘይትሕግዘና እንተዄንካ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺና ዝኾነ ናብ ንጉሥ ኪንከይድ ኢና፡ ስለዚ ንኽብሪ ቤተ ክርስቲያን ክትብል ናብ ገዳምና ናብ ግብጺ ኪንምለስ ንቴዎፍሎስ ለምነልና” በልዎ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባዚ ጉዳይ ምስ ቴዎፍሎስ ተዘራሪብካ ንምፍትሑ ቀሊል ከም ዝኾነ ሓሰበ። ንዓኣቶም ድማ ናብ ቴዎፍሎስ ደብዳቤ ልኢኹ መልሲ ክሳዕ ዚሰደሉ፡ ስለ ምንታይ ከም ዝመጹ ንዋላ ሓደ ሰብ ከይነግሩ መኸሮም። መዕረፊ ቦታ ውንሃቦም፡ ካልእ ዘድልዮም ነገራት ዝሃብዎም ግና ምእመናን እዮም ኔሮም (ብፍላይ ድማ ኦሎምፒያ ዝተባህለት ሕያወይቲ ኣደ እያ ትረድኦም ኔራ)። ኣብቲ ጊዜ እቲ ካብ ቴዎፍሎስ ናብ ቁስጥንጥንያ ዝተላእኩ ካህናት ኣብኡ ነበሩ እሞ፡ ንዓኣቶም ጸዊዑ ነዞም ተሰዲዶም ዝመጹ መነኰሳት ዝፈልጥዎም እንተኾይኖም ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ከም ዝፈልጥዎምን  ብገዳማዊ ሕይወቶም ዝተፈልጡን ዝተመስገኑን ኣቦታት ምዃኖም፡ እንተኾነ ግና ግፍዕን በደልን ዝወረዶም መኰሳት ምዃኖም ብምግላጽ፦ “ኦ ኣቦና ብዝከኣለካ ዘበለ ብርኅራኄ ተመልከቶም” በልዎ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ እዞም መነኰሳት ኣብ ውሽጢ ሕቚፉ ከም ዘለዉ ንኣሽቱ ደቁ ብምቑጻር ይቕረ ኪብለሎምን ኪቕበሎምን፡ ንሱውን ናይ ቴዎፍሎስ ውሉድን ኃውን ምዃኑ፡ ብምግላጽ ንቴዎፍሎስ ብትሕትና ጸሓፈሉ። ቴዎፍሎስ ግና ኣይተቐበሎን። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ እቲ ኹነታት ከስዕቦ ዚኽእል ሳዕቤን ብምርዳእ፡ እዞም ገዳማውያን ኣቦታት ኣብ ልዕሊ ቴዎፍሎስ ሓሲቦምዎ ዘለዉ ክሲ ንኸቋርጹዎን ንኽዕገሡን ኢሉ ንሱ ባዐሉ ለመኖም፡ ብኻልኦት ጳጳሳት ጌሩውን ለመኖም። ንሳቶም ነዚ ኸቋርጹዎ ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑ ምስ ረኣየ ግና ናብ ቴዎፍሎስ “ግልፂ ዝኾነ ክሲ ክኸሱኻ ይዳለዉ ኣለዉ፡ እዚ ነገር ብቐሊሉ ክዕጾ ዝኽእል ስለ ዝነበረ ሕጂውን ናብ ዝተሓላለኸ ደረጃ እንተ ዘይተሰጋገረ ጽቡቕ እዩ። ካብዚ ዝኃለፈ ግና ነዚ ጉዳይ ንስኻ ጽቡቕ እዩ ኢልካ ብዝኃዝካዮ መገዲ ንኽትኅዞ ናባኻ እገድፎ ኣለኹ” ብምባል ለኣኸሉ። ብድኅርዚ ንሱ ክገብሮ ዝግብኦ ስለ ዝገበረ ነቲ ጉዳይ ካብ ሕልናኡ ኣውፅኦ።

ቴዎፍሎስን ቅዱስ ኤጲፋንዮስን

ቴዎፍሎስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዝሓሰቦ ተንኮል ብምሥጢር ኂዙ ብሽፋን ኦሪገናውነት ሰበብ ክጥቀም ሓሰበ። ነዚ ንኽሕግዞ ድማ ነቲ ኣንጻር ኦሪገናውነት ኣትሪሩ ዝቃለስ ዝነበረ ብቕድስና ሕይወቱ ኣዝዩ ዝተመስገነን ዝተኸበረን ኣብ ቆጵሮስ ናይ ዘላ ናይ ሳላሚስ ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ዝነበረ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ጐድኑ ምስላፍ ከም ዘዋጽኦ ተረድአ። ኣቐዲሙ ኣንትሮፖሞርፊስት ኢኻ ኢሉ ይነቕፎ ከም ዘይነበረ፡ ሕጂ ግና ኣተሓሓሳስባኡ ከም ናቱ ከም ዝኾነን ነዚ ዅሉ ናይ ምፍልላዮም ጠንቂ ዝኾኑ ድማ ናይ ኦሪገን ጽሑፋት ከም ዝኾኑን፡ ሕጂ ግና ነዞም ጽሑፋት እዚኣቶም ከወግዞም እየ ዝብል ናይ ተነሳሒ ዓይነት መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ለኣኸ። ምስኡ ድማ ዕርክነት መሥረተ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ካብ ቀደሙውን ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ብጽቡቕ ኣረኣእያ ይርእዮም ስለ ዘይነበረ ነቲ ናይ ቴዎፍሎስ መልእኽቲ ደስ ኢልዎ ብቕልጡፍ ተቐበሎ። ተቐላጢፉውን ነቶም ናይ ቆጵሮስ ጳጳሳት ኣኪቡ ንናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ንኽቑጠቡ ኣዘዘ። ንሱ ቅዱስን ንጹሕ ናይ ቅድስና ሰብን ደኣ እምበር ናይ ነገር ሰብ ስለ ዘይነበረ ንነገራት ኣቕሊሉ በዚ ዓይኒ እዚ ደኣ ረኣዮም እምበር፡ ናብ ናይ ቴዎፍሎስ ዝረቐቐ መጻወድያ ይኣቱ ከም ዘሎን ናይ ካልኦት መሣርሒ ይኸውን ከም ዘሎን ገና ኣይተረድኦን ነበረ።

ቴዎፍሎስውን ኣረኣእያኡን ውሳኔኡን ዝኾነ ይኹን፡ ናይቲ ብቕድስና ሕይወቱ ዚተፈልጠን ዝተኸበረን ናይ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ መገዲ እንተ ተኸተለ ሓደጋ ከም ዘይብሉ ብምሕሳብ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ጳጳሳት ኣኪቡ ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ኣወገዘ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ግና “ሕጂ ነዚ ጉዳይ ዘልዕል ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከይሃለወ፡ ከምኡ ድማ ብዙኃት ሊቃነ ጳጳሳት ዚተኣከቡዎ ዓቢይ ጉባኤ ተጌሩ ከይተመኽረሉ ብጉያ ጉያ ንዝኾነ ምውጋዝ ግቡእ ኣይኮነን" ብምባል ነቲ ጉዳይ ኣደናጎዮ። በዚ ምኽንያት ቴዎፍሎስ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ናብ ቁስጥንጥንያ (ናብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሃገረ ስብከት) ከይዱ ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ከወግዝ ከም ዘለዎ ለኣኸሉ።....ይቕጽል


No comments:

Post a Comment