bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 30 November 2016

ማርያም ጽዮን (21 ኅዳር ጽዮን) 4ይ ክፋል

6. እታ ምሳልያዊት ታቦት ነቲ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ ዝኾነ ዳጎን ሰባቢራ ኣጥፍኣቶ (1ይ ሳሙ 5፡1-12) እዛ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ግና ነቲ ኃያል ጐይታ ብምውላድ ንዲያብሎስ ኣብ መስቀል ተሳዒሩ ከም ዝእሰር ገበረት።

ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ዝተባህለ ሊቅውን ብምሥጢር ብምርቓቕ ነዛ ዮሐንስ ክብራ ኣብ ሰማይ ዝረኣየላ /ራእ 12፡1፡ ዳዊት ድማ ዕርገታ ዝመስከረላ /መዝ 132፡8/ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም፦ “ብምሥጢር ዝተመልአት ታቦት፡ ኣማናዊት ታቦት፡ እሳት ዝተመልአት ታቦት፡ ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት” ብምባል እናብርሀ ተዛሪቡ ኢዩ።

እዚ ቅዱስ ኣቦ ንድንግል “ምሥጢር ዝተመልአት ታቦት” ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡  ብምሳሌነት ናይዛ ታቦት ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምሥጢር ብሓቂ ዝተፈልጠላ ስለ ዝኾነት ኢዩ። ብተወሳኺውን ብምሥጢር ዝተመልአት ማለቱ ኣደነት ምስ ድንግልና ድንግልና ምስ ኣደነት ኣጣሚራ ዝኃዘት፡ ዘርኢ ሰብኣይ ዘይወደቓ፡ ኢድ ሰብ ዘይዳህሰሳ፡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎ ጐይታ ብዘይምርመር ድንግልና ኣብ ማሕጸና ኪትስከም ዝኸኣለት ፍሉይ ምሥጢር ዝተረድአትን ብምሥጢር ዝተኸበበት ምሥጢረ ዕርገታ ዝንገረላ ናይ ምሥጢር ታቦት ስለ ዝኾነትን ኢዩ። 

ቅዱስ ያዕቆብ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “....” (ድንግል ብምሥጢር ዝተመልአ ታቦት ኮይና ትነብር ኣላ፡ ናይ ካህናት ወገን ደስ ይብሎም የኽብርዋ ድማ” ብምባል ምሥጢራዊ ታቦትነታ ኣጕሊሑ ተዛሪቡ ኢዩ)።

ደጊሙውን እዚ ሊቅ ነቲ እሳተ መለኮት ዝኾነ ጐይታ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ኣብ ማሕጸና ዝተሰከመት ብምዃና “እሳት ዝተመልአት ታቦት” ብምባል ገሊጽዋ ኢዩ። እዚ ውን ኪሩቤልን ሱራፌልን ንዕኡ ካብ ምፍራህ ዝተላዕለ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ሸፊኖም ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ሸፊኖም ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምሉ እሳተ መለኮት ዝኾነ ጐይታ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ኣብ ማሕጸና ዝጾረት ናይታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ንብዙኃት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ኣደኒቑ እዩ።

 ኣባ ሕርያቆስ ውን ኣብ ቅዳሴኡ ኣብ ቊ 74-75 “ሾብዓተ መጋረጃ ሓዊ ኣብ ከርስኺ ኣበይ ተዘርግሐ ኣበይ ከ ተዳለዉ? ኣብ የማናይ ጐንኺ ድዩ ወይስ ኣብ ጸጋማይ? ብሠለስተ እመትን ሥድርን ቊመት ዝተወሰንኪ ክነስኺ፡ ጓል 15 ዓመት ቆንጆ ክነስኺ ነደ እሳት ዝኸበቦ ንዓይኒ ዘንጸባርቕ ኪሩቤል ዝስከምዎ መብረቕ ኣብ ከርስኺ ኣበይ ተዘርግሐ? ኣበይ ከ ተተኽለ? ብምባል እሳተ መለኮት ናይ ዝተሰከመት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ኣድኒቑ እዩ።

ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ውን ብሥልጣን ናይ ወዳ ካብ ሞት ተንሢኣ ናይ ዝዓረገት ታቦት ኣምላኽ ናይ ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ክገልጽ እንከሎ “They looked on her...” (ናይ እግዚአብሔር መንበሪ ኢሎም ይምልከትዋ፡ ኣባታቶም እሳት ዝተሰከመት ታቦት ጌሮም የኽብርዋ) ብምባል ምሂሩ እዩ። ብሣልሳይ ደረጃ እዚ ሊቅ ብምሥጢር ብምርቓቕ “ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት” ክብል ዘመስገነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፉ ዓሠርተ ቃላት ዘለዎም ጽላት ኣብታ ታቦት ይቕመጡ ነበሩ። (ዕብ 9፡3-5) ኣብ ዘመነ ሓድሽውን እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኣብ ማሕጸና ዝተሰከመት ማኅደረ ቃለ ኣብ ኣማናዊት ታቦት ብምዃና እዚ ስያሜ እዚ ክህባ ክኢሉ። 

ፍቊረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ናይ ክርስቶስ ነገረ ተዋሕዶ ክገልጽ እንከሎ “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ኃደረ” (ዮሐ 1፡14) ኢሉ ከም ዝመስከረ ኣካላዊ ቃል ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ብምዃኑ፡ ካብታ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኣብ ልዕሊኣ ዝተቐመጣ ታቦት (ካብ ታቦተ ኦሪት) ንላዕሊ ነቲ ኣካላዊ ቃል (ንጐይታ) ኣዲኡ ዝኾነት ናይ ኣማናዊት ታቦት (ናይ ድንግል ማርያም) ክብሪ ኣዝዩ ከም ዝዓቢ ክገልጽ እንከሎ “she was carried as an ark full of scriptur...” (ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት (መኅደሪት) ኮነት፡ ናይ ምሥጢራት ትርጉም ነቢያት ዝተዛረብሉ ኣብኣ ስለ ዝኃደረ በዚ ድማ ክብራ ካብቲ ናይ ጠረጴዛ ክብሪ ንላዕሊ እዩ። ብዘደንቕ ክብሪ ኣኽቢርዋ እዩ” ብምባል ዮሐንስ ኣብ ሰማይ ዝረኣያ ናይ ኣማናዊት ታቦት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብሪ ተዛሪቡ እዩ።...

No comments:

Post a Comment