bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 9 November 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 13 ክፋል

ኣብ ገዳማት ናይ ግብጺ ዚተላዕለ ምጉት (ዘይምርድዳእ)

ኣብቲ ጊዜ እቶም ኣብ ላዕሊ ዚተገልጹ መነኮሳት ንቴዎፍሎስ መጠቀሚ ንኽኾኑ ኣፍ ደገ ዝኸፈተ ክትዕ ነበረ። እቲ ጉዳይ “እግዚአብሔር ከም ናይ ሰብ ዝበለ ገጽታ ኣካልን ኣነባብራን ኣለዎ ዶ? ወይስ ረቂቕን ክግለጽ ዘይክእልን እዩ?” ዝብል እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ንቴዎፍሎስውን ምስቶም መነኮሳትን ምስ ቅዱስ ኤጲፋንዮስን ዘራኽብን መሠረታዊ ናይ ሃይማኖት ጉዳይን ከም ምዃኑ መጠን ብሓጺሩ እንታይነቱን ታሪኻዊ መሥርሑን ንርአ።

ኣብ መፋርቕ ናይ 4ይ ሚእቲ ዓመት  ናይ ኒጥሪያ ገዳም መነኰሳት ዚተጋነነ ኦሪገናዊ ኣድናቖት ነበሮም። ናይ ሴጢስ ገዳም መነኰሳት ድማ ንዓኣቶም ካብ ምቅዋምን ነቲ ናይ ኦሪገን ካብ መጠን ዝኃለፈ ናይ ትርጓሜ ስልቲ ካብ ምፍራሕን ዚተላዕለ ናብ ናይ ኣንትሮፖሞርፊዝም ኣተሓሳስባ ዘምበሉ። እዚ ጉዳይዚ ናብ ናይ ፍልስጤም ገዳማት በጽሐ። እቲ ጉዳይ ብእንግሊዘኛ ኣንትሮፖሞርፊዝም ይበሃል። ቀንዲ ሓሳቡ ድማ “እግዚአብሔር ናይ ሰብ ቅርጽን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ኣካላት ምስ ኣሠራርሓኦምን ብሓፈሻ ብምሉኡ ናይ ሰብ ባህሪ ኣለዎ፡ ህልውናኡውን ከምዚ እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኣብ ናይ ጥንቲ ኣምለኽቲ ጣዖት ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ግሪኽን ሮማውያንን ኣማልኽቲ ኣገላልጻ ጎሊሑ ይንጸባረቕ ነበረ። እቶም ናይ መጀመርታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠበቓታት፡ ጣዖታውያን ኣሕዛብ ነቲ ረቂቕን መንፈስን ዝኾነ እግዚአብሔር፡ ከም ሰብ ንድኻምን ውረድ ደይብን ዚተጋለጸ፡ ዝተጋነነ ሰብ ጥራይ ጌሮም ብምሕሳቦም ይነቕፉዎም ነበሩ።

ንእግዚአብሔር ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት ዝገልጹ ኣበሃህላታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተደጋጊሞም ይርከቡ እዮም። ምዝራብ ምስማዕ ምርኣይ ምስትንፋስ ንእግዚአብሔር ተነጊሮሙሉ ኣለዉ። ከምኡውን ኣብ ገነት ተመላለሰ፡ ምድሪ መርገጺ እግሩ እያ፡ ኣብ ሰማያት ይቕመጥ ተባሂሉ እዩ። እንተ ኾነ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሰብኣዊ ኣዘራርባ ንእግዚአብሔር ክዛረብ ከሎ ሰብ ብዝርድኦ ቛንቋ ብዝገልጽ ኵነታት ደኣ እምበር ከም ዘለዎ ንእግዚአብሔር ከም ናይ ሰብ ኣካልን ባሕርይን ከም ዘለዎ ጌሩ ብቐጥታ ኣይተዛረበን። ናይዚ ኣዘራርባ ምሳልያውነቱ ንጹር እዩ። ንዅሉ ዝርእዩ ኣዒንቱ - ኵሉ ዝፈልጥ ምዃኑዘለዓለማዊ ቅልጽሙ- ኵሉ ናይ ምግባር ክእለቱ፡ ቁጥዓኡን ሰይፉን - ኃጥኣን ዝቐጽዕ ምዃኑን ፈራድነቱን፡ ሰብ ብምፍጣሩ ተጣዕሰ ክበሃል ከሎ ድማ ኃጢኣት ዝጽየፍ ምዃኑ ዝገልጽ ኣጽንዖታዊ ኣበሃህላ እዩ። ሰብ ብኸምዚ ዓይነት ብዝርድኦ ቛንቋ እንተ ዘይተገሊጹሉ፡ ናይ እግዚአብሔር ፍልጠት (ኵሉ ዝፈልጥ) ምዃኑ፡ ናይ እግዚአብሔር ከሃሊነት (ኵሉ ዝኽእል) ምዃኑ ንምርዳእ ካልእ መገዲ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ደቂ ሰባት ቋንቋ ዘይኮነስ፡ ናይ እግዚአብሔር ሓሳብ ንሰባት ብሰብኣዊ ቛንቋ ዚተጻሕፈ መጽሓፍ እዩ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ባዕላቶምውን ስቕ ኢልና ብጥሬኦም ንኸይንወስዶም የጠንቅቑና እዮም። እግዚአብሔር መንፈስ፡ ኵሉ ዝኽእል፡ ዘይረአ፡ ምሉእ በኵለሄ፡ ክግለጽ ዘይክእል ምዃኑን ይምህሩና። አንትሮፖሞርፊዝም ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለዉ ምሳሌኣዊ አገላልጻታት ከም ዘለዉዎ ናይ ምውሳድ ውፅኢት እዩ። 

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ኣብ ድርሳናቶም ናይ መለኮት ባሕርይ ረቂቕነትን፡ ከምኡውን ናይ ሰብ ኣእምሮ ንናይ እግዚአብሔር ዕብየትን ሕያውነትን ወሰን ዘይብሉ ፍጹምነትን ክርዳእ ዘይክእል ምዃኑ ብጥብቂ ገሊጾም እዮም። ንእግዚአብሔር ክንርድኦ እንኽእል ካብቲ እንርእዮ ሕይወትን ህልውናን እዩ ። እንተ ኾነ ግና ዚተፈጥረ ፍጥረት ኵሉ ካብ መለኮታዊ ፍጹምነት ደረት ኣልቦ ዝኾነ ርሕቀት ስለ ዘለዎ ብዛዕባ እግዚአብሔር ዚህልወና ፍልጠትን ኣተሓሳስባን ከምቲ ንሱ ዝኾኑ ጌሩ ክስእሎን ክርድኦን ኣይክእልን እዩ። ንሱ ወሰንን ገደብን ዘይብሉ፡ ንዅሉ ደኣ ይውስን እምበር ዝውስኖ ዘይብሉ እዩ፡ ንሕና ግና ሕልናናን ኣተሓሳስባናን ውሱን እዩ። ስለዚ እቲ ውሱን ዝኾነ ነቲ ዘይውሰን ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ንእግዚአብሔር ምዝካርን ህልውናኡ ምርዳእን እምበር ባሕርይኡ መርሚርና ክንርድኦ ክንድዚ ይኸውን ነዚ ይመስል ክንብሎ ኣይከኣለናን እዩ። ንሰብን ኣብዚ ዓለም ንዘለዉ ካልኦት ነገራትን ዚንገሩ ቃላት - ኣካል፡ ህልውናን ካልኦት ነዚኦም ዝኣመሰሉን ንእግዚአብሔር ክንገሩ እንከለዉ፡ እቶም ቃላት ኵሎም ሓደ እኳ እንተ ኾኑ፡ ንሰብ ክንገሩ ኸለዉን ንእግዚአብሔር ክንገሩ ኸለዉን ዘሎ ናይ ንጽጽርን ናይ ኣገላልጻን ፍልልይ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ኣብ 4ይ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዘፍ 1፡27 ዘሎ ቃል ብጥሬኡ ብምውሳድ ኣዲየስ ዚተባህለ ሰብ “እግዚአብሔር ናይ ሰብ ቅርጺ ኣለዎ” ኢሉ ተንሢኡ ኔሩ። ኮይኑ ግና ስሕተቱ (ጌጋኡ) ኅልፍ ዝበለ ስለ ዚነበረ ብኣገላልጻ ናይ ቅዱስ ጄሮም “ደረቕን ትርጉም ዘይብሉን ስሕተት” ብምዃኑ ብዙኅ ሰዓቢ ኣይረኸበን። ንቤተ ክርስቲያንውን ኣይረበሸን። ቁሩብ ጸኒሑ ድማ ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ኣፍሪቃ ክርስቲያን ክቀላቐል ጀሚሩ ኔሩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዚተገልጸ ብዘመን ቴዎፍሎስ ኣብ ገዳማት ናይ ግብጺ ኣብ መንጎ መነኰሳት ምጉት ፈጢሩ ነበረ። ቴዎፍሎስ ኣብ ናይ ትንሣኤ መልእኽቱ እግዚአብሔር ረቂቕ እምበር፡ ከም ናይ ሰብ ገጽን ኣነባብራን ኣለዎ ዝብሉ ግጉያት እዮም ብምባል ገለጸ። ብድኅሪኡውን ኣብ ክንድኡ ዚተተክእ ቅዱስ ቄርሎስ ነዚ ጌጋ እዚ ዘረድእ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ኣዳለወ። ናይ ስሕተቶም ምኽንያት ካብ መጠን ዝኃለፈ ጎደሎ ፍልጠት ምዃኑ ድማ ገለጸ። ብዛዕባዚ ዝጸሓፉ ካልኦት ሊቃውንትውን ኵላቶም እዚ ናይ ዓያሹ ኣተሓሳስባ እዩ ብምባል ነጺጎምዎ እዮም።

 ስለዚ ናይ ክልቲኦም ዓይነት ኣተሓሳስባታትን መንነቶምን ብዙኃት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውት ትኽክል እዩ ኢሎም ዝጸሓፉሉን ዝመሃሩሉን በቲ ሓደ ወገን፡ ከምኡውን ብሓደ ሓደ ሰባት ዝንጸባረቕ ዚነበረ ኣንትሮፖሞርፊዝም ድማ በቲ ሓደ ወገን ብሓጺሩ ነዚ ይመስሉ ነበሩ።

No comments:

Post a Comment