bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 2 November 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 12 ክፋል

ቴዎፍሎስ  መን እዩ?

ቴዎፍሎስ ካብ 381-412 ዓ/ም ዚነበረ ናይ (እስክንድርያ) ግብጺ ቤተ ክርስቲያን መበል 23 ፓትርያርክ እዩ። ቴዎፍሎስ ተውህቦን ክእለትን ከም ዚነበሮ ይንገረሉ። ምስዚ ግና ቴዎፍሎስ ብጣዕሚ ጨካንን ዝደለዮ ነገር ንምፍጻም ከኣ ዝኾነ ዓይነት መገዲ ካብ ምጥቃም ድኅር ዘይብል፡ ነቲ ውፅኢት ደኣ እምበር ነቲ ውፅኢት ንምርካብ ዚጥቀመሉ ሜላ ክፉእ ይኹን ጽቡቕ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ነበረ። እዚ መበል 23 ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዚነበረ ቴዎፍሎስ ኣብ ብዙኃት ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ከም ዚተጻሕፈ ሥርሑውን ከም ዝምስክሮ፡ ንኻልኦት ኣብ ትሕቲኡ ኺገብር ዝደሊ ክርክርን ነገርን ዝፈቱ፡ ንሰብ ዘጥቅዓሉ መገዲ እንተረኺቡ ሰብ እንታይ ክብለኒ ዘይብልን ርኅራኄ ዘይፈልጥን ጨካን ሰብ ነበረ።

ቴዎፍሎስ ብዘይካ እቶም ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ብምዃኑ ዘመኃላልፎም ዚነበረ ናይ ትንሣኤ መልእኽታት ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል ሥራሕ ኣይገደፈን። ሓደ ዓቢይ “ፀረ ኦሪገን”  ጠራዝ ከም ዝጸሓፈ ይንገር። ሓደ ሓደ ክፍልታት ናይዚ መጽሓውን ተሓልዮም ይርከቡ እዮም። እቲ ቐንዲ ንቴዎፍሎስ ኣብ ታሪኽ ዘዘክሮ ዓቢይ ጉዳይ ግና ምስ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ስደትን መከራን ዘለዎ መሠረታዊ ምትእስሳር እዩ። 

ቴዎፍሎስ ክሳዕ 399 ዓ/ም ናይ ኦሪገን (ኣርጌንስ) ኣድናቒን፡ ናይ ኦሪገናውያን ኣተሓሳስባ ደገፍትን ተኸተልትን ናይ ዝነበሩ ሰባት ፈታዊ ነበረ። ኦሪገናውያን ካብ ዝበሃሉ መነኰሳት መብዛኅትኦም ካብቶም ኣዝዮም ዝቐርብዎ ፈተውቱ ነበሩ። ንሓደ ሓደ ካብኣቶምውን ኣብ ዚተፈላለየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት መዲብዎም ነበረ። ንኣብነት ንኣባ ኤስድሮስ ሊቀ ካህናትን ናይ መንበረ ፓትርያርኩ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ኃላፍን ጌሩዎም ኔሩ። ካልኦት ኤጲስቆጶስነት ዚሸሞምውን ነበሩ።

ብምኽንያት ናይ ኦሪገን (ኣርጌንስ) ትምህርቲ ዮሐንስ ጳጳስ ዘኢየሩሳሌምን ሩፊኖስን ናይ ኦሪገን ኣተሓሳስባ ብምድጋፍ ብሓደ ወገን፡ ቅዱስ ኤጲፋንዮስን ጄሮምን ድማ በቲ ኻልእ ወገን (ኣንጻር ኦሪገናዊ ኣተሓሳስባ) ኮይኖም ብዝፈጠርዎ ዘይምርድዳእ፡ ቴዎፍሎስ ምስቶም ቀዳሞት ጉጅለ ብምዃን ጄሮም ንጳጳስ ዮሕንስ ኪሰምዖን ከኽብሮን ከም ዝግብኦ ነገሮ። ብምቕጻል ንቅዱስ ኤጲፋንዮስውን ብዛዕባ ህልውና እግዚአብሔር ብዘለዎ ኣተሓሳስባኡ፡ “እግዚአብሔር ከም መዋቲ ሰብ ዝኾነ ኣካልን ህላወን ኣለዎ” ኢሉ እዩ ዝሓስብ ብምባል ኪነቕፎ ጀመረ። ንሓደ ናይ ኦሪገናውያን ተቓዋሚ ዝነበረ ጳውሎስ ዝበሃል ናይ ግብጺ ጳጳስውን ካብ ግብጺ ኣባረሮ..... ይቕጽል

No comments:

Post a Comment