bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 26 October 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 11 ክፋል

እንተ ኾነ ግና እዞም ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ጽልኢ ዚነበሮም ዚተፈላለዩ ወገናት፡ ነገር ንምእላምን ንዝሓሰቦ ነገር ንምፍጻም ድማ ድኅር ዘይብልን ናይ ነገር ፍሉይ ተውሁቦ ዘለዎ ካልእ ኢድ ክሳዕ ዘይረኸቡ ንበይኖም ብዙኅ ሓደገኛታት ኣይነበሩን። ነቶም ናይ ነገር ኣግማድ ካብቲ ዘለዉዎ ዝስሕብን ዝውጥርን ሽዑ ድማ ኣብ ሓደ ጌሩ ዝቐውድ ክሳዕ ዘይረኸቡ፡ ነቲ ድኂሩ ዘስዓቡዎ ውፅኢት ዝኣክል ውፅኢት ከኸትሉ ዘይክእሉ ነበሩ። ኾይኑ ግና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ርእሱ ዘዳለወን ብቑዕ ዝኾነ ክእለት ዘለዎን ዋላ ሓደ ክጽበዮ (ክግምቶ) ኣብ ዘይክእል ቅልጣፈ (ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ) ተረኽበ። ንሱ ድማ መበል 23 ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ ዚነበረ ቴዎፍሎስ እዩ። ቴዎፍሎስ ናብ ቁስጥንጥንያ መጀመርታ ክመጽእ ከሎ፡ ኣመጻጽኣኡ ከምቲ ኣብ መወዳእታ ዝኾኖ ክኸውን እዩ ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን።

ናይ ቅስጥንጥንያ መንበር ብ381 ዓ.ም ቅድሚ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ኪትሥራዕ ዚተዋህባ ቀዳምነት ናይ መዓርግ ጉዳይ፡ ቴዎፍሎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቁስጥንጥንያ ዝሽየሙ ጳጳሳት ጽቡቕ ኣመለኻኽታ ንኸይህልዋ ዓቢ ጽልዋ የኅዲሩሉ እዩ። ከምኡውን እዚ ቅዱስ ኣቦ (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ኣብ መላእ ሕዝበ ክርስቲያን ዘለዎ ተፈታውነትን ዝናን ንቴዎፍሎስ ፆር ከይኮኖ ኣይተረፈን። ብፍላይ ድማ ሊቀ ጳጳሳት ቴዎፍሎስ ከይፈለጠ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሱ ከም ዝደለየ ጌሩ ክእዝዞም ዝኽእል ሰባት እምበር፡ ተረርትን ናይ ባዕሎም ስብእናን ኣተሓሳስባን ዘለዎምን ኣይሸይምን ነበረ። ስለ ዝኾነ ድማ ቴዎፍሎስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝብቀለሉ ምቹእ ኩነታት ይጽበ ነበረ።

በዚ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ናይ ምዃን ጻዕሪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ማለት ኣብ መንጎ ቁስጥንጥንያን እስክንድርያን ጽልኢ እናፈጠረን ርክበን ድማ እናሓርፈፈን ከደ። 

እዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ሓድነትን ብዙኅ ሽግር ኣስዒቡ እዩ። ቀጺልና እንርእዮ ብቴዎፍሎስ ዚተፈጸመ ተግባር ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ ምእመናን ከቢድ በሰላ ገዲፉ ብምኅላፉ፡ ክርስቲያን ንሓድሕዶም ብሓደ መንፈስ ንኸይተሓባበሩ ዓቢይ ዕንቅፋት ፈጢሩ እዩ። እዚ ናይ ሓድሕድ ጽልእን ውድድርን ነቲ ምብራቓዊ ናይ ሮማ ግዝኣትውን ዘይጠቐመ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ምስዚ ተተሓሒዙ ሓደ ነቲ ሓደ ኣብ ትሕቲኡ ንምግባር ዝገበሮ ግብግብ ምብራቓዊ ናይ ሮማ ግዝኣት ኣብ ትሕቲ መሓመዳውያን (እስላም) ንኽወድቕ መገዲ ኣጣጢሑ እዩ።  ኣብ ዝቕጽል ብድኅሪዚ ኣብ ዝመጹ ዘመናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙኃት ሽግራት ዚተፈጥሩ ድማ በዚ ናይ ሥልጣን ፍቕርን ጽምኣትን እዮም።  እቶም ሽግራት ምስ ተፈጥሩ እኳ ብምዝርራብን ብምርድዳእን ከም ዘይፍትሑ እናኾኑን እናኸረሩን ብምኻድ ብዙኅ ሽግር ዘስዕቡ ዝነበሩ ድማ፡ ዋላ እኳ ብደጌኦም ብማስኬራ እንተ ተሸፈነ፡ ውሽጦም ግና ንናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ዚሓንፅ ዘይኮነስ ናይ ውልቂ ክብርን ዝናን ጉዳይ ስለ ዝተመልአ እዩ።

እዚ ናይ መንበር ኣነ እየ ዝበለጽኩ ዝብል ጉዳይ በዚ ብምቕጻል ብ451 ዓ.ም እቲ ናይ ሮም ጳጳስ ዚነበረ ርጉም ልዮን “ናተይ መንበር ካብ ኵሉ ዚበለጸ እዩ ኣነ ናይ ክርስቶስ እንደራሴ (ወኪል) ስለ ዝኾንኩ፡ኣነ ዝበልኩዎ ኵሉ ናይ ክርስቶስ ቃል እዩ” ብምባል ንጉሥ መርቃያን ንሓሳቡ ይድግፈሉ ስለ ዚነበረ በዚ ብምምካሕ ነታ ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ከም ትኽፈል ገበራ። እዚ ንኻልኦት ኣብ ትሕቴኻ ናይ ምግዛእ ትምኒትን ናይ ሥልጣን ፍቕርን ካብ ቤተ ክርስቲያን ጀሚሩ ኣብዚ ዓለም ካብ ውልቀ ሰባት ክሳዕ ማኅበረ ሰብ ኵሉ ዝሕመሰሉ ዚነበረን ዘሎን ንመጻኢ ናይ ምህላዉ ጉዳይውን ብዙኅ ዘየጠራጥር ክፉእ ሕማም እዩ.....ይቕጽል

No comments:

Post a Comment