bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 15 October 2016

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 9ይ ክፋል


ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ኤፌሶን

ብወርሒ ጥሪ 401 ዓ.ም ናይ ኤፌሶን ካህናትን ናይቲ ከባቢ ጳጳሳትን ብዝገበሩሉ ጻውዒት መሠረት ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናብ ኤፌሶን ከደ። እቶም ካህናትን ጳጳሳትን ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ብምሕጽንታ ለኣኹሉ፦“ኣብ ዝሓለፉ ጊዜያት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕግታትን፡ ንሕና ባዕልናውን ሕያዋይ ጓሳ ብምስኣንና ንሕማቕ ሽግርን ሕንፍሽፍሽን ተጋሊጽና ጸኒሕና ኢና። ብሓደ ወገን ኣርዮሳውያን ካብ ዝኾኑ ሰባት፡ ብኻልእ ወገን ድማ ካባና ንምጥቃምን ኣባና ንምሥልጣንን ክብሉ ጥራይ ሃይማኖቶም ከም ናትና ከም ዝኾነ ንምርኣይ ብዙኅ ዝዛረቡን ዘምስሉን እንተ ኾነ ግና ከም ዘድበየ ጨካን ተኹላ ዝኾኑ ኤጲስቆጶስነት ብገንዘብ ንምርካብ ብዝህንጠዩ ሰባት ኣብ ጸገም ወዲቕና ንርከብ ኣሎና። ስለዚ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህበካ ጸጋን ብዝተቐበልካዮ ሓደራን ንናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ንኽትሠርዓልና እቲ ዝግባእ ንኽትገብር ንቕድስናኻ ንልምን ኣለና።”

ኣብቲ ጊዜ እቲ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሓሚሙ እኳ እንተ ነበረ እዚ መልእኽቲዚ ምስ ተቐበለ ናይ ኤስያ ኣብያተ ክርስቲያን ኩነታት ምስ ሰምዐ ንቤተ ክርስቲያን ብዘለዎ ቅንኣት ንርእሱ አበራቲዑ ዝከኣሎ ኵሉ ንምግባር ናብ ኤፌሶን ከደ። ብፍላይ ቀንዲ ጉዳይን መበገስን ዚነበረ ኣውሳብዮስ ዝበሃል ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ኣንቶንዮ ዚተባህለ ካልእ ጳጳስ ዘቕረቦ ክሲ ነበረ። እቲ ክሲ ንኣንቶንዮስ ብሾብዓተ ዓበይቲ ገበናት ዝኸስስ ክኸውን ከሎ እቲ ሻብዓይ ክሲ “ጵጵስና ንምሃብ ከም ዕብየት ናይ ክብሩ መጠን ተመጣጣኒ ዝኾነ ገንዘብ ምቕባል ይግባእ እዩ ከም ዝብልን፡ ነዚ ድማ ከም ቀዋሚ ሕጊ ጌሩ ዝኣምነሉን ዝሠርሓሉን ምዃኑ” ዝገልጽ ነበረ። ኣብዚ መሥርሕ እቲ ጉዳይ ከይተራእየ ክልተ ዓመት ስለ ዝወሰደ እቲ ተኸሳሲ ጳጳስ ኣንቶንዮ ሞተ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኤፌሶን በጺሑ ምስቶም ሰብዓ ዝኾኑ ናይቲ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳሳት ጉባኤ ምስ ገበረ፡ እቲ ከሳሲ ጳጳስ (ኣውሳብዮስ) “ዋላ እኳ እቲ ገንዘብ ዝተቐበሎምን ዝሸሞምን ጳጳስ ኣንቶንዮ እንተ ሞተ፡ እቶም ገንዘብ ዝሃቡዎን ዝተሸሙን ጳጳሳት ብሕይወት ስለ ዘለዉ ሎሚ ምስክር ንኸቕርብ ይፈቐደለይ” በለ። እቲ ሲኖዶስ ድማ ምጽራዩ ንኽቕጽል ብምውሳን ከሰስትን ተኸሰስትን ብዘይ ናይ ዋላ ሓደ ጣልቃ ምእታው ኵሎም ፍትሓዊ ብዝኾነ ኩነታት ከም ዝከራኸሩ ተገብረ። እቶም ምስክር ከምኡውን እቶም ጉቦ ሂቦም ተሸይሞም ዝተባህሉ ሽዱሽተ ጳጳሳት በዓል መን ምዃኖም ተገልጸ። ኣብቲ መጀመርታ እቶም ተኸሰስቲ ነቲ ክሲ ከሓዱዎ። እንተ ኾነ ግና እቶም መሰኻኽር ንሳቶም ኣዝዮም ዝኣምኑዎምን ዝቐርቡዎምን ምእመናን ካህናት ከምኡውን ኣንስቲ ኵሉ ዚተዛራረቡዎ ነገር፡ መዓስ መዓልቲ ከም ዝነበረ፡ ኣበይ ቦታ ከም ዝነበረ ናይቲ ገንዘብ ብዝኂ ከይተረፈ ብግልጺ መስከሩሎም። ሽዑ ሕልናኦም ወቐሶም እሞ ብዘይ ብዙኅ ድፍኢት ብፍቓዶም ጉቦ ከም ዝሃቡ ኣመኑ፦ “እወ ካብ መንግሥታውን ምስኡ ካብ ዝተሓሓዙ ግዴታታትን ነጻ ንምውጻእ ክንብል ጉቦ ሂብና ጵጵስና ተሸይምና ኢና፡ እዚ ንኣምነሉ ነገር እዩ። ከምዚ ብምግባርና ዘስዕቦ ጉድኣት እንተ ዘየለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከነገልግል ክፍቀደልና ንልምን ኣለና። እዚ እንተ ዘይኮይኑ ድማ ዝኸፈልናዮ ገንዘብ ክምለሰልና ንልምን ኣለና፡ ምኽንያቱ ገሌና ናይ ኣንስትና ናይ ገዛ ንብረት ከይተረፈ ኢና ሂብና።”ብምባል ተዛረቡ።





No comments:

Post a Comment