bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 14 October 2016

ናይ ተሃድሶ ታሪኽ መበል 12 ክፋል


1. ብዝኾነ ዓይነት መልክዕ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጺና ናብ ኣዳራሽ ኣይንኺድ። እቲ ጥፍኣት ሕጂ ኣይኮነን ዝረኣየና.... ቅዱስ ኤፍሬም ውዳሴ ማርያም ደሪሱ ንዕኡ ደጊሙ ናይ ብሓቂ ሲኦል እንተ ኾይኑ ዘሎ፡ ቅዱስ ኤፍሬም ካብ ዘይብሉ መንግስሥተ ሰማያት ኣባ ሕርያቆስ ዘለዎ ሲኦል ይሕሸኒ። ኣባ ሕርያቆስ ቅዳሴ ማርያም ጸልዩ ናይ ብሓቂ ሲኦል እንተ ኾይኑ ዘሎ፡ ኣባ ሕርያቆስ ካብ ዘይብሉ መንግሥተ ሰማያት ኣባ ሕርያቆስ ዘለዎ ሲኦል ይሕሸኒ። ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ እመቤትና አንቀጸ ብርሃን ደሪሱ ንዕኡ ደጊሙ ናይ ብሓቂ ሲኦል እንተ ኾይኑ ዘሎ ቅዱስ ያሬድ ካብ ዘይብሉ መንግሥተ ሰማያት ቅዱስ ያሬድ ዘለዎ ሲኦል ይሕሸኒ። እዞም ኩሎም ኣቦታት ነዚ ኩሉ ጸሎታት ኣብጺሖም ዘይጸደቑ እንተ ኾይኖም ንዓይ ናይ ምጽዳቐይ መረጋግጺ ድኣ እንታይ እዩ? ኣሕዋተይ እስከ ሓደ ሕቶ ክሓተኩም እዚ ኣነን ንስኻትኩምን ነንብቦ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ካብ ሰማይ ድዩ ወሪዱልና? ንሳቶም እዞም ኣቦታትና ንብሎም ዘለና ዶ ኣይኮኑን ዝሃቡና? እሞ ጌጋ መጽሓፍ ቅዱስ ዶ ሂቦሙና እዮም? እዞም ዝምህሩና ዘለዉ ተሃድሶ ብናይ መን መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዝምህሩና ዘለዉ? እዞም ኣቦታትና ብዘጽንሑዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዶ ኣይኮኑን። ወንጌል ኣይተሰበኸሎምን እናተበሃልና እኳ ካብ ዓለም ጥንታዊ ዝበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ኣቡነ ገሪማ ገዳም ኣብ ዓድዋ እዩ ተረኺቡ። ከመይ ኢሎም ደኣ እዞም ኣቦታት እዚኦም ወንጌል ኣይፈልጡን እዮም ይበሃል? ስለዚ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ካብ መገዶም ፈልከት ኣይንብልን ኢና። ሰዓታት ምስኦም ክንቀውም ኢና፡ ማህሌት ምስኦም ክንቀውም ኢና፡ ውዳሴ ማርያም ክንደገም ኢና፡ ዝተሳለሙዎ ክንሳለም ኢና፡ ዝሰተይዎ ክንሰቲ ኢና፡ ዝበልዕዎ ክንበልዕ ኢና ሽዑ ኣብ ዝኣተዉዎ ድማ ክንኣቱ ኢና።

2. ካልኣይ መምሃራንኩም ፈሊኹም ፍለጡ፡ ኣቐዲመ ነጊርኩም ኔረ ኣማንን ቲፎዞን ይፈላለዩ እዮም። ምድጋፍን ምእማንን በበይኑ እዩ። ንጐይታና ሓሙሽተ ዕዳጋ ሕዝቢ ይኽተሉዎ ኔሮም ካብዞም ኵሎም እዚኣቶም ግና 120 ሰባት ጥራይ እዮም ኣሚኖም ክሳዕ መወዳእታ ዚሰዓቡዎ፡ ካብዚኣቶም ውን ሓደ ይሁዳ ጎዲሉ 119 እዮም ተሪፎም። ጽውዓት ብዙኃት እዮም ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም። ሃይማኖት ብስምዒት ወይ ብቲፎዞ ኣይኮነን። ሃይማኖት ብምስተውዓል እዩ። ስለዚ ጉዕዞና ብምስትውዓል ክኸውን ኣለዎ። ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ኣትሪሩ ዚነገረና ሓደ ዓቢይ ምሥጢር ኣሎ። ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋኡን ደሙን ምስ ነገረና እንታይ እዩ ዝብል? “ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጹሐን ብዝኾኑ ኣእዳዉ ነቲ ኅብስቲ ኣልዓለ ፈተተ ባረኸ ድማ እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉ ከኣ ሃቦም፡ ነቲ ጽዋዕውን ኣልዓሎ ባረኾ  ቀድሖ ድማ ከምዚ ድማ በሎም፦ “እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢአት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እንኩም ስተዩ ንሳቶም ድማ በልዑን ሰተዩን”። ይብል እሞ ቀጺሉ ከኣ “ንሕና ድማ ምሳታቶም በላዕናን ሰቴናን” ይብል። ኣባ ሕርያቆስ ዚነበረ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ጐይታና ሥጋኡን ደሙን ንሐዋርያት ዝሃቦም ድማ ኣብ 1ይ ክፍለ ዘመን ኣብ 34 ዓ/ም እዩ፡ ከመይ ጌሩ ምሳታቶም ተራኺቡ ደኣ እዩ ኣባ ሕርያቆስ ምሳታቶም ተረኺቡ ምሳታቶም ሓቢሩ ዚበልዕን ዚሰትይን? ምሳታቶም ሓቢርና በላዕናን ሰቴናን ዘበሎ እምበኣር ሃይማኖቱ እዩ። ናይ ኣባ ሕርያቆስ ሃይማኖት ናይ ጴጥሮስ ሃይማኖት ናይ ጳውሎስ ሃይማኖት ናይ መቴዎስ ሃይማኖት ስለ ዝኾነ እዩ ምሳታቶም ሓቢርና በላዕናን ሰቴናን ዝበለ። ኣነን ንስኻትኩምን ድማ ምስ ኣባ ሕርያቆስ ሓቢርና እንተ ዘይበሊዕናን እንተ ዘይሰቲናን፡ ምስ ቅዱስ ያሬድ ሓቢርና እንተ ዘይዘሚርና፡ ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰዐታት እንተ ዘይቌምና ናይ ምጽዳቕና መረጋገጺ ደኣ እንታይ እዩ? ናተይ ምስክረይ ኣባ ሕርያቆስ እዩ፡ ናተይ መረጋገጺ ኣባ ኤፍሬም እዩ፡ ናተይ መረጋገጺ ዮሐንስ አፈወርቅ እዩ። ንዓኣቶም ዘይጽውዕ እንተ ኾይነ ኣብ መሠረቶም ዘይህነፅ እንተ ኾይነ ኣነ መን እየ? ካብቲ ዚተሠረተ መሠረት ሓድሽ መሠረት ዚሥርት ከይህሉ ይጠንቀቕ ተባሂሉ እዩ።

3. ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ድማ ንዓኻትኩም ንምእመናን ኣይኮነን ዝምልከት። ንዓና ንኣገልገልቲ ዝምልከት እዩ። ኣቦታት ካህናት ድማ ስቕ ኣይትበሉ በጃኹም! እቲ ወንጌል ምሳኹም እዩ ዘሎ፡ ክትምህሩ ዝግብኣኩምውን ንስኻትኩም ኢኹም፡ ንሕና እኮ ሰብ ስለ ዝጠፍአ ኢና ንኸውን ቌምና ዘለና እምበር ክትምህሩ ዝግብኣኩም ዲያቆናትን ካህናትን መሪጌታታትን ሊቃውንትን ኢኹም። እቶም ዓቢይ ሃብቲ ዓቢይ ጸጋ ዚተዓደልኩም ንስኹም እንከለኹም ንሕና ዋላ ሓንቲ ሃብቲ ዘይብልና ተንሢእና እናመሃርና ስቕ ኣይትበሉ በጃኹም። ስለዚ ኣገልገልቲ ንሓቂ ብሓቂ ትቖሙሉ ጊዜ ሎሚ እዩ። ንኸብድኹም ክትብሉ ንዝናኹም ክትብሉ ካሴት ክንሸይጥ ክንብል መጽሓፍ ንምሻጥ ክንብል ንስምና ክንብል ንዝምድና ክንብል ሃይማኖትና ኣሕሊፍና ምስ ንሸይጥ እግዚአብሔር ክፈራረደና እዩ። ኣስቴር ኣብ ቤት ንጉሥ ኣብ ዚነበረትሉ ጊዜ መርዶክዮስ ናይቲ ሕዝቢ መዓት ሰሚዑ ምስ መጻ እንታይ እዩ ዝበላ? ትዝክርዎ ዶ? እስራኤላውያን ኣብ ሠለስተ መዓልቲ ንኽጠፍኡ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣብ ዚነበረሉ ጊዜ፡ መርደክዮስ ናብ ኣስቴር ብምምጻእ ከምዚ በላ፦ “ኣስቴር እግዚአብሔር ንዓኺ ኣብዚ ቤተ መንግሥቲ እዚ ዘቐመጠኪ፡ ምናልባት ነዚ ክፉእ ጊዜ ኢሉ እንተ ኾነ መን ይፈልጥ፡ ስለዚ ሐራይ እንተ በልኪ ዝግበኣኪ ግበሪ፡ ኣይገብርን ምስ እትብሊ ግና እግዚአብሔር ንእስራኤል ምድኃን ካብ ካልእ ቦታ ከምጽእ እዩ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም” ሎሚውን ንሕና ኣገልገልቲ እሺ እንተ በልና እግዚአብሔር ነዚ ክፉእ ጊዜ እዚ ኣተንሢኡና ይኸውን፡ እምቢ ምስ ንብል ግና ንሕና ክንጠፍእ ኢና፡ እግዚአብሔር ግና ነዚ ሕዝቢዚ ምድኃን ካብ ካልእ ቦታ ከምጽእ እዩ። 

ኣፍ ደገታት ሲኦል ኣይሕይልዋን እዮም! ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነትን ኣይፈለየና!!!

ካልእ ሰባኺውን ብዛዕባ ናይ ተሃድሶ ሰፊሕ ትምህርቲ ንምእመናን ምስ መሃረ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ትምህርቱ ብለበዋ ይዓጹ፦ 
1. ሥራሕ ብሥራሕ እዩ ዚፈርስ። ነቲ ረሳሕ ትምህርቶም ብጽሩይ ትምህርቲ ጌርና ነፍርሶ ማለቱ እዩ። ንመዝሙር ብመዝሙር ንስብከት ብሰብከት ንቃለሶ ይብል።
2. ኩልና ብጽሒትና ንዋጻእ ሲኖዶስ ከይበሎ ከመይ ጌርና ንዛረብ ምባል ግና ሰራቒ ክሰርቕ እናረኣና ቤት ፍርዲ ኣይወሰኖን ኢልካ ትም ከም ምባል እዩ ዝቑጸር። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዲያቆን እዩ ኔሩ ኣብ ቅድሚ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣርዮስ ተኸራኺሩ ዚረትዖ ግና ንሱ እዩ። ነዚ ኣብነት ክኾናን ዝኽእላ ኤርትራውያን ኣዴታት እየን፡ ይብል እቲ ሰባኺ። ብምቕጻል ኤርትራውያን ኣዴታት ነቲ ብተሃድሶ ኣብ ልዕሌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ደቀንን ዚወርድ ዚነበረ ዕንወት ምስ ተገንዘባ ንሳተን ክገብራኦ ዘለወን ነገራት ደኣ ፈጸማ እምበር ሲኖዶስ ይሥራሓዮ ኢለን ኢደን ኣጣሚረን ኣይረኣያን። ንኣብነት ብዓቕመን ካብ ዚገበራኦ ሓደ፡ ደቀን ናብቲ ብስም ተዋሕዶ ናይ መናፍቓን ስብከት ዝስበኸሉ ቤት ትምህርቲ ሰንበታትን ጉባኤታትን ንኸይከዱ ከልከላ። ነቲ ብስም ተዋሕዶ እናበለ ንተዋሕዶ ሃይማኖተን ውሽጢ ውሽጢ ዘዕኑ ሕማቕ ዘርኢ ዝዘርኡሉ ዚነበረ ቦታት ብሓዊ ኣቃጸላ…እዚ ድማ ከምቲ እስራኤላውያን ብተንኮል ናይ በልዓም ኣብ ዝሙት ዝወደቑ እሞ ብሰንኪ እዚ ብዙኃት ሰባት ክቕዘፉ ምስ ጀመሩ ፊንሃስ ተንሢኡ ንሓደ ምስ ሞኣባዊት ደቂሱ ዚጸንሖ እስራኤላዊ ምስታ ሰበይቲ ንኽልቲኦም ኣጣቢቑ ዝቐተሎም እሞ እቲ መቕዘፍቲ ድማ ደው ዝበለ ማለት እዩ። እዚ ንፊንሓስ ንጽድቂ ኮይኑ ተቖጽረሉ ይብል መጽሓፍ ቅዱስ።

ካልእ ንመናፍቓን ክብለኩም ዚደሊውን ኣሎኒ ይብል እቲ ሰባኺ
1. ፐሮቴስታንት ብመልክዕ ተሃድሶ ኦርቶዶክስ ክመጽእ ምፍታኑ ማስኬራ ብምግባር ብምድንጋር እንተ ዘይኮይኑ ሰብ ኣሚኑ ክቕበሎ ዝኽእል ኣይማኖት ከም ዘይኮነ ኢኹም ተረጋግጹ ዘለኹም።
2. ናይ ብሓቂ ሰብ ንምድኃን እንተ ኾይኑ ዕላማኹም ናብቶም ወንጌል ዘይበጽሖም ሰባት ዘይትኸዱ?፡ንዘይ ኣመኑ ኣስላምን ካልኦትን ገዲፍኩም ናብቲ ብወንጌል ዝዓበየን ብወንጌል ዚነብርን ሕዝቢ ተዋሕዶ ዘምጽኣኩም መንፈስ እምበኣር ተረድኡዎ! 
3. ገንዘብ ከፊልኩም ዝወስድኩምዎም ሊቃውንት ከም ዘይጠቕምኹም ፈሊጥኩም እንተ ተቋርጽዎውን ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ነታ ሓብሒባ ዘዕበየቶም ቤተ ክርስቲያን ገዲፊኦም ብገንዘብ ዝኾብለሉ ሰባት፡ ጽባሕውን በዓል ጂሆቫ ዝሓሸ ገንዘብ እንተ ኸፊሎምዎም ኪገድፉኹም ምዃኖም ርዱእ እዩ።

“ ኦ ጐይታ ነታ ብገዛእ ደምካ ዘጥረኻያ ቤተ ክርስቲያንካ ሓሉ”
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!!!

No comments:

Post a Comment