bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 19 October 2016

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 10 ይ ክፋል


መተሓሳሰቢ

ብዙኃት ሰባት እዚ ጽሑፍ እዚ ካብታ “ሰማዕትነት ኣምልጥኩምን ካልእን” ትብል መጽሓፍ ዚተወስደ ድዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ክትሓቱኒ ጸኒሕኩም ኢኹም። ኣነ ውን ብውልቂ ክምልሰልኩም ጸኒሐ እየ፡ሕጂ ግና ንዅሉ ኣንባቢ መታን ክምለሰሉ ኣብዚ የቕርቦ ኣለኹ። ካብታ ሰማዕትነት ኣየምልጥኩም ትብል መጽሓፍ ብዛዕባ ሓድሽ ዓመት ዝምልከት ምስ ኣውረድኩ ካልእ ኣይወሰኽኩን። እዚኣ ብተኸታታሊ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ግና “ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱና ትምህርቱ” ትብል ካልእ መጽሓፍ ምዃና ንኹልኹም ከነጽረልኩም እፈቱ። ብዝተረፈ ከይሰልከየና ብምንባብ ካብ ገድሊ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ በረኸት ንምክፋልን ኣብ ሕይወትና ንዘጋጥሙና ሕልኽላኻት ንምፍታሕን  ብንባብን ብተመስጦን ምስዚ ቅዱስ ኣቦና ሓቢርና ንኺድ…ሰናይ ንባብ…

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነዚ ክምልስ ከሎ ካብ መንግሥታዊ ግዴታታት ነጻ ንኽኾኑ ከምኡውን ዝሃቡዎ ገንዘብ ካብ ናይ ኣንቶኒዮስ ወረስቲ ንኽቕበሉን ከም ዝእዝዘሎም፡ ብዛዕባኦም ናብ ንጉሥ ከመልክተሎም ምዃኑ ብስም እቲ ጉባኤ ቃል ኣተወሎም። ስለዚ እቲ ጉባኤ ካብ ናይ ኣንቶኒየስ ወረስቲ ገንዘቦም ንኽቕበሉን ካብ ቤተ ክርስቲያን ንኸይፍለዩን እኳ እንተ ወሰነ፡ እቲ ብገንዘብ ዝገዝኡዎ “ጵጵስና” ግና ዋጋ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ካህናት ኮይኖም ከም ዘይቁጸሩ ተወሰነ። ንሳቶም ድማ እቲ ውሳኔ በደል ኣብ ርእሲ በደል ካብ ምውሳኽ ስለ ዘድኃኖም ሕጉሳት ምዃኖም ገለጹ። ካብ ቤተ ክርስቲያን ከይረሓቑ ብዝነበሮም ዚተፈላለየ ሞያ ንቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ ድማ ነበሩ። ኣብ ክንድኦም ድማ ዘይተመርዓዉን ብጸጋ ዝበልጸጉን ካልኦት ሽዱሽተ ጳጳሳት ተሾሙ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ቁስጥንጥንያ ናብ ኤፌሶን ከይዱ ኣብኡ ዝጸንሓሎም ወርሓት ብዙኃት ለውጥታት ተፈጠሩ። ኣብዞም ኣብ ኤፌሶን ዝጸንሓሎም ጊዜያት ንናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ሴቬሪያን ንዝተባህለ ናይ ጋባላ (ኣብ ሶርያ ዘላ ኸተማ) ጳጳስ ጊዝያዊ ሓላፍነት ሂቡዎ ነበረ። እቲ ቀጣፍን ለቚማጽን ኣድመኛን ዚነበረ ሴቬሪያን ግና ተኣማኒነቱን ሓደራኡን ክሒዱ ብንግሥቲ ኣውዶክስያን ብዕልግና ብዝወረረን ናይ ቤተ መንግሥት ወይዘራዝርን ዝምራሕ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ መንበሩ ዘወግደሉን ካብቲ ሕዝቢ ዝፈላልየሉን መገዲ ተጽንዕን ተዳሉን ናይ ኣድማ ጉጅለ መሥረተ።

ኣንቶኒየስ ዚተባህለ ሓደ ናይ ፕቶለሚያስ ጳጳስ ናብ ቁስጥንጥንያ መጺኡ ምስ መሃረ ብትምህርቱ ብዙኅ ሰብ ስለ ዝፈተዎ፡ ብዝኅ ዝበለ ገንዘብ ኣኪቡ ናብ ሃገረ ስብከቱ ተመልሰ። ሴቬሪያን እዚ ናይ ኣንቶኒየስ ጉዳይ ምስ ሰምዐ ናቱ መገዲ ብምስዓብ ናብ ቁስጥንጥንያ ከደ። ኣብኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክምህር ከሎ ኣድናቖት ረኸበ። ጥዑይ ሰብ መሲሉ ብምቕራቡን ብስብከቱን ድማ ቅዱስ ዮሐንስ ኣቕረቦ። ምስ ኣውዶክስያን ምስ ቤተ መንግሥትን ድማ ተቐራረበ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ኤፌሶን ከሎ፡ ሴቬሪያን ነቲ ሕዝብን ነታ ንግሥትን ምስ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ በቲ መታለሊ ዝኾነ ጥበቡ ንምጽላእን ንርእሱ ተፈታዊ ንምግባርን ዝከኣሎ ዘበለ ኵሉ ክገብር ጸንሐ።

ብሓደ ኣጋጣሚ ሴቬሪያን ክሓልፍ ከሎ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሊቀ ዲያቆን ዚነበረ ሴራፒዮን ተንሢኡ ከምቲ ንጳጳሳት ዝግባእ ኢድ ከይነስኣሉ ትም በለ። ሴቬሪያን ድማ በዚ ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ ንሴራፒያን ብናቱ ውሳኔ ካብ ዲቁናኡ ኣውሪዱ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝስጎግ ገበረ። እቲ ጉዳይ ብጉባኤ ምስ ተመርመረ ሴራፒዮን “ኣነስ ስለ ዘይረኣኹዎ እየ ዘይተንሣእኹ” ብምባል ነገሩ ብምስክር ኣረድአ። ዚተኣከቡ ጳጳሳት ናይ ሴራፒዮን ይቕሬታ ተቐቢሉ ይቕረ ንኽገብረሉ ንሴቬሪያን እኳ እንተ ለምኑዎ፡ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅውን ንናይ ሴቬሪያን ቁጥዐ መዝሓሊ እንተ ኾነ ብምባል ንሴራፒዮን ንሓደ ሰሙን ካብ ዲቁናኡ ከልከሎ። ሴቬሪያን ግና “ኣብ ልዕሊ ሴራፒዮን ዘሕለፎ ውግዘት ጸኒዑ ካብ ቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይተሰጒጉ ካልእ ነገር ኣይቅበልን እየ” ብምባል ነዚ ንምግባር ኵሉ ዝኽእሎ ነገር ክጥቀም ጀመረ። ሴቬሪያን ጽልኡ እናገደዶ ስለ ዝኸደ “ሴራፒዮን ኣብ ክህነቱ እንከሎ እንተ ሞይቱ ክርስቶስ ሰብ ኣይኮነን” በለ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ ነዚ ምስ ሰምዐ “ሴራፒዮን ኣብ ክህነቱ እንከሎ እንተ ዘይሞይቱ ክርስቶስ ሰብ ኣይኮነን ክበሃል ድዩ?” ብምባል ገሠፆ። ሴቬሪያን ድማ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝነበሮ ቅንእን ጽልእን ዘመኽንየሉ ሰበብ ረኸበ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ኤፌሶን ምስ ተመልሰ ብዛዕባ ናይ ኤልያስን ናይ ኤልዛቤልን ርክብ ብዝምልከት ክምህር ከሎ ኣውዶክስያ እዚ ንዓይ ንምጽራፍ ዝንገር ዘሎ እዩ በለት። ነቲ ድኹም ሕይወቶምን ንዝተዋረደ ሞራሎምን ምስምማዕ ዝኣበዮም ካህናትውን ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዘወግዱሉ መገዲ ከናድዩ ጀመሩ። ካብዚኣቶም እቲ ቐንዲ ዚነበረ ድማ ሴቬሪያን እዩ። ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ትምህርቲ ናብኣ ዘነጻጸረን ዘተኮረን ከም ዝኾነ ጌሩ ድማ ንኣውዶክስያ ይነግራ ነበረ።

No comments:

Post a Comment