bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 12 October 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 8ይ ክፋል

ቀዳማይ ክስተት

ኣብ መጀመርታ እቲ ኣቐዲሙ ባርያ ዚነበረ ድሒሩ ግና ሚኒስተርን ቆንስልን ዝኾነ ዩትሮጲየስ ሥልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም ኣብዝሐ። ንሓደ ሓደ ካብቶም ሰብ ጸጋ ንብረቶም ብኃይልን ብዓመጽን መንዝዖም። ነቶም ንሥልጣነይ ይፈታተኑኒ እዮም ኢሉ ዝሰግኦም ሰባት ብሰበብ እናመኻነየ ንዅሎም ኣሳደዶም። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ናብዚ ሚኒስተር እዚ ብኣካል ብምኻድ ተግባራቱ ቅኑዕ ከም ዘይኮነን፡ በቲ ዝገበሮ ተግባር ሓዚኑ ከም ዘሎን ካብዚ ክፉእ ተግባሩ ንኽምለስ፡ ናይዚ ዚገብሮ ዘሎ ክፉእ ተግባራት ውጽኢት እንታይ ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምጥንቃቕ መኸሮ። እንተ ኾነ ግና ዩትረጲየስ ንናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ምኽርን ተግሣፅን ኣይሰምዖን። ጸላእቱ ቤተ ክርስቲያን ብዘለዋ ናይ ምጽጋዕን ናብኣ ንዝመጸ ሰብ ኣሕሊፋ ናይ ዘይምሃብ መሰል ተጠቒሞም እኳ ካብ ኢዱ ንኸየምልጡ፡ ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰል ዝስዕር ኣዋጅ ኣውጽአ። ሕጂ ውን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብዚ ኣዋጅ እዚ ኃያል ዝኾነ ተቓውሞ ኣስምዐ።

ብ399 ዓ.ም ዩትረጲየስ ብሃንደበት ካብ ሥልጣኑ ተባሪሩ ሕይወቱ ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ክሳዕ ዝበጽሕ ኣብ ከቢድ ሽግር ወደቐ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ናይ ሥልጣን ዘመኑ ዚሠርሖ ክፉእ ሥራሕ ብሓፈሻ እቶም ሕዝብን ናይ ውልቂ ጸላእቱን ኣብ ርእሲኡ ዘለዎም ስምዒት ስለ ዝፈልጥ መኸድን መጸግዕን ምስ ሰኣነ ሕይወቱ ንምድኃን ናብ ቤተ ክርስቲያን ሃዲሙ ኣተወ። ነቲ ቤተ ክርስቲያን ትህቦ ናይ ዑቕባ መሰል ባዕሉ ኣብ ቀረባ ጊዜ ብዘውጽኦ ኣዋጅ ንምስዓር ዝፈተነ ሰብ ከም ዝኾነ ሕዝቢ ስለ ዝፈልጥ ግና ንዕኡ ክድኅን ዝደልዮ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ዚነበሮ ቁጥዓ ዓቢይ ነበረ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከምዚ ካብ ዝበለ ሃንደበታዊ ተርእዮ ዘሎ ትምህርቲ ንጥቕሚ ሕዝቢ ኽብል ካብ ምርኣይን ካብ ምሕባርን ድሕር ኣይበለን። በዚ ምኽንያት ብዛዕባ እቲ ካብ ሥልጣኑ ዚተባረረ ሚኒስተር ብዛዕባ ዩትሮጲየስን ብዛዕባ ከንቱነት ክብርን ሥልጣንን ናይዛ ዓለም ኣመልኪቱ ብዘደንቕ ኃይልን ብሩህ ብዝኾነ ኣገላልጻን ክልተ ኣደነቕቲ ስብከታት ሰበኸ። በዚ ድማ ነቲ ናይ ሕዝቢ ቁጥዓ ኣረጋጊኡ ነቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወ ሰብ ኣሕሊፈ ኣይህብን እየ ብምባል ካብ ሞት ከም ዝድኅን ገበሮ። እንተ ኾነ ግና ዩትሮጲየስ ድኅሪ ቁሩብ መዓልታት ብለይቲ ክሃድም እየ ኢሉ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጺኡ ስለ ዝተረኽበ ተታሒዙ ድኅሪ ቁሩብ ጊዜያት ተቐትለ።

ካልኣይ ክስተት

ዩትሮጲየስ ካብ  ሥልጣኑ ምስ ተባረረ ሽዑ ንሽዑ ክብድ ዝበለ ዝገደደ ሓደገኛ ኩነታት ተፈጥረ። ሓደ ካብቶም ናይ ቤተ መንግሥቲ ዘብዐኛታት ዚነበረ ጋይናስ ዚተባህለ ሰብ፡ ነቲ ትሪቢጂልድ ዚተባህለ መኮንን ዘልዓሎ ዓመጽ ንኸበርዕን ተላእከ። እንተ ኾነ ግና ጋይናስ ምስቲ ብዓመጽ ዚተንሥአ ምስ ትሪቢጂልድ ብግሉጽ ሕብረት ገበረ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ሰላም ንምምጻእን ነቲ ኩነታት ንምርግጋእን ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ኣዝዮም ዘሕፍሩ ቅድመ ኩነታት ምቕባል ግዲ ኮኖ። ስለ ዝኾነ ድማ ጋይናስ ናይቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግሥቲ ዘሎ ሠራዊት ቀንዲ ኣዛዚ ተባሂሉ ተሾመ። ኣብ ልዕሊዚውን ኣብ ከተማ ቁስጥንጥንያ ዓበይቲ መዓርጋት ካብ ዚነበሮም ክልተ ሰባት ተመሓላሊፎም ከም ዝወሃቡ ተገብረ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንጋይናስ ናይ ምሽምጋል መልእኽቲ ተቐበለ። ብናቱ ሽምግልና ድማ እቶም ተመሓላሊፎም ዚተዋህቡ ክልተ ልኡላን ጋይናስ ከም ዘይቀትሎም ኮኑ። ድኂሩውን ነጻ ከም ዝኾኑን ከም ዝልቀቑን ገበረ። ብድኀሪዚ ክስተት እዚ ጋይናስ ነዚ ዓቢይ ሥልጣን ምስ ረኸበ ብዙኅ ከይጸንሐ፡ እዚ ኣርዮሳዊ ዚነበረ ጋይናስ ብድፍኢት ናይ ኣርዮሳውያን ጉጅለታት፡ ካብቶም ኣብ ቁስጥንጥንያ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ኣብየተ ክርስቲያናት ሓደ ንዕኡን ከምኡ ኣርዮሳውያን ንዝኾኑ ወተሃደራትን መገልገሊ ክኸውን ይወሃበና በለ። ሕጂውን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንዅሎም ጳጳሳት ኣኪቡ ምሳታቶም ናብ ቤተ መንግሥቲ ብምኻድ፡ በዚ ጉዳይ እዚ ኃያልን ተሪርን ዝኾነ ዘየዋላውል ተቓውሞኡ ስለ ዘቕረበ ጋይናስ ሕቶኡ ክስሕብ ተገደደ። በዚ ጉዳይዚ ናይ ቁስጥንጥንያ ሕዝበ ክርስቲያን ኣዝዩ ተቖጥዐ፡ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ብዙኃት ኣርዮሳውያን ተቐትሉ። ጋይናስ ካብ ቤተ መንግሥቲ ናይ ቁስጥንጥንያ ንግዚኡ ሃዲሙ እኳ እንተምለጠ፡ ድኂሩ ግና ተሳዒሩ ተቐትለ።

እዚ ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ መከራ ንዝወደቑ ናይ ምልዓልን ናይ ሕያውነት ሥርሑን ኣብዞም ኵሎም ናይ ውረድ ደይብ ፍጻሜታት ዘርኣዮ ጽኑዕ መርገጽን ዘየወላውል ናይ መንፈስ ብርትዐን ነቲ ኣብቶም ሕዝቢ ዚነበሮ ክብርን ተሰማዕነትን ብዝበለጸ ከም ዘደልድሎ ብሩህ እዩ። ብድኅሪ ውድቀት ናይ ዩትረጲየስ ናይ ሮማ ምብራቓዊ ግዝኣት ብተግባር ዝመርሑ (ንግሥቲ ኣውዶክስያን ብመሪሕነታ ብኣኣ ዚተኣከቡን) ንቕንኣቶም ብዝበለጸ ዘጋደዶ ድማ እዚ ኸይኮነ ኣይተርፍን። ዩትሮጲየስ ካብ ናይ ሥልጣን ጥርዚ ብሓንቲ ጊዜ ናብ መዓሙቕ ብምውዳቑ ምኽንያት ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ናይዚ ዓለም ሥልጣን ክብሪ ሃብቲ ከንቱ ከም ዝኾነ ኣትሪሩ ስለ ዝመሃረ፡ በቶም ነዚ ሕይወት እዚ ከም ቁም ነገር ጌሮም ዝሓዝዎ ገዛእትን ሃብታማትን ኣይተፈተወን። ብፍላይ ድማ ብምኽንያት እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰል ንኸይድፈር ዘርኣዮ ፍጻሜታትን ብዝነበሮ ጽኑዕ መርገጽን ስግኣትን ጽልእን ሓደሮም። እዚኣቶም ድማ ቀንዲ ጸላእቱ እናኾኑ መጹ። ናብ ማኅበሮም ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢና ዝብሉ ውሑዳት ጽምኢ ናይ ሥልጣን ዚነበሮምን መሲልካ ንበር በሃልትን ጳጳሳት ተሓወሱዎም።

ሓቀኛ ጓሶት ዘይኮኑ ካህናትውን ቅንኣት ከቃጽሎም ጀመረ። ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ ዚተፈላለዩ ሓሜታት ከውርዩን ከም ዝውረዩ ክገብሩን ጀመሩ። ካብቶም ዝምህሮም ትምህርቲ እናለቓቐሙ ንንግሥትን ንቤተ መንግሥትን ከም ዝጻረፍ እናምሰሉ ነገር ምምልላስ ጀመሩ። ናይዚ ናይ ነገር ምምልላስ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዚነበሩ እቶም ብምግባር ዚተባለሸዉ ካህናትን ከምኡ ድማ ቅንኣት ከም ሓዊ ዘቃጸሎምን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝወድቀሉ ጉድጓድ ዝዅዕቱ ዝነበሩ ጳጳሳት ኢና በሃልትን እዮም። ንግሥቲ ኣውዶክስያውን ብንጉሥ ኣርቃድዮስን ብሕዝብን ብዘለዎ ተፈታውነት ብምቕናእን ከምኡውን ንሳ ባዕላ ፈትያ ብምርጫኣ ሕይወት ጌራ ኣብ ዝሓዘቶ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ዝነበሮ ዘየወላውል መርገጺኡ ሕጉስቲ ብዘይምዃና ቀንዲ ጸላኢቱ ኮይና ተላዕለት።

ንግሥቲ ኣውዶክስያ ንሓንቲ ካሊትሮጳ ዚተባህለት ሰብኣያ ዝሞታ መሬታ መንዚዓ ወሰድትላ። እታ ሰበይቲ ድማ ናብቲ ናይ ድኻታት ጠበቓ ዝኾነ ናብ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ መጺኣ እቲ ዝበጽሓ ነገረቶ። ንሱ ድማ ነታ ንግሥቲ ናይታ መበለት መሬት ክትመልስ ከም ዝግብኣ ኣትሪሩ ኣተሓሳሰባ። ከምኡውን ኣብ ካልእ ጊዜ ናይ ካልእ መበለት መሬት ብምውሳዳ ሕጂውን ከምኡ ምስናይ ተግሣፁ ስለ ዘጠንቀቓ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሽግር እናተፈጠረ ከደ። ንሱ ናይ ድኻታት ጠበቓን ተሓላቕን ናይ ቀረባ ጸግዖምን መጋቢኦምን ነበረ....ይቕጽል

No comments:

Post a Comment