bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 8 October 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህሩን 7ይ ክፋል

...ብዛዕባ ምጽዋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቱ ኣዘውቲሩ ይምህር ነበረ። ሓደ ጊዜ ብዛዕባዚ ኪምህር ከሎ ከምዚ በለ፦ “ኣሕዋተይ! ኣመጻጽኣና ብወርቂ ዝተለበጠ መሠውዒ ንምቕራብ ኣይኹን፡ እንታይ ድኣስ ነዚ ብልቢ ንምቕራብ ኢልና ንምጻእ። ኵሉ ካብ ልብና ነቕርቦ ነገር፡ ካብ ወርቂ ዝበለጸ መባእ እዩ። ቤተ ክርስቲያንውን ናይቶም ንቕድስና ዝተጸውዑ ኵሎምን ናይ መላእኽትን ኅብረት ደኣ እምበር፡ ናይ ወርቂ ወይ ነሓሲ መምከኺ ቦታ ኣይኮነትን። ስለዚ ቅድሚ ህያብኩም (ቅድሚ መባእኩም) ልብኹም ሒዝኩም ምጹ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ንምጽዋትና ዝቕበል ድኻ ኾይኑ ዘይኮነስ ምእንቲ ነፍስና ኢሉ እዩ። ንክርስቶስ ከተኽብርዎ ዶ ትደልዩ ኢኹም? ትደልዩ እንተኴንኩም’ሲ ዕራቖቱ እናርኣኹምዎ ሸለል ኣይትበልዎ። ንስኻትኩም ናብ ቤተ መቕደስ ኪትመጹ ከለኹም፡ ኣዝዮም ክቡራት ብዝኾኑ ክዳውንቲ ኣጊጽኩም ኪትመጹ ኸለኹም፡ ንሱ ግን ብቑርን ኣሳሒታን ኪመውት ቀሪቡ ኣሎ እሞ፡ ቁሩብ ሕዘኑሉ (ደንግጹሉ)። ንቤተ መቕደስ ረጊጽኩም ናብ ቤተ መቕደስ ኣይትምጽኡ። ብቓሉ “እዚ ሥጋይ እዩ” ዝበሎ  ጐይታ፡ ብተመሳሳሊ ቓሉ ድማ፡ “ጠምየ ኣየብላዕኩምንን…ካብ’ዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ስለ ዘይገበርኩምሉ፡ ንዓይ ድማ ኣይገበርኩምለይን” ይብለና (ማቴ 25፡42-45)። ብሓቂ እዚ ምሥዋዕ እዚ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም እዩ ዝደሊ፡ እቶም ዝጠመዩ ግና ክዳንን መግቢን እዩ ዘድልዮም፡ ኣቐዲምካ ናይ ሓውኻ ጽምኢ ብምርዋይ ጀምር፡ ብድኅሪዚ በቲ ዚተረፈ ገንዘብ ንቤተ መቕደስን ንንዋየ ቅድሳትን ክትሽልም ትኽእል ኢኻ”

ነቶም ሰብ ጸጋ ንድኻታት ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ምሃሮም። እዚ ኩነታት እዚ ነቶም ኣብ ጎደናታትን ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኵሉ ሕዝቢ ዝእከበሉ ቦታታትን ተርመስመስ ዝብሉ ለማኖ ከም ዝበዝኁ ገበሮም። እንተ ኾነ ግና በቶም ተራ ሕዝቢ እኳ እንተ ተፈተወ፡ በቶም ብልሽው ምግባር ዚነበሮም ካህናትን ብሃብታማትን ከምኡውን ብሰበ ሥልጣናት ኣይተፈተወን። ተሸይሙ ቁስጥንጥንያ ምስ መጸ ብዝመሃሮ ሓደ ትምህርቲ “ሰባት ነቲ ሓድሽ ንምቅላል ክብሉ ንዝሓለፈ የመስግኑ” በለ።……….

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ግፍዕን ኃጢአትን ንዝገብር ዝኾነ ዓይነት ሰብ ንጉሥ ይኹን ወይስ ንግሥቲ ኺግሥፅ ከሎ ምፍራሕ ትበሃል ኣይፈልጥን እዩ። ንሱ ንሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ዝፈርሕ። ንሰብ ይፈቱን የኽብርን እዩ፡ ግፍዐኛ እንተ ኾይኑ ግና ንጉሥን ድኻን ከይበለ ንዅሉ ሰብ ይግሥፅ። ብፍላይ ንግሥቲ ኣውዶክስያ ብዛዕባ ቅጥዒ ዝሰኣነ ኣከዳድና ናይ ደቂ ኣንስትዮን ባህሉ ዝገደፈ ኣካይዳን  ከምኡውን ብዛዕባ ካብ መጠን ዝሓለፈ ተድላን ሕንቃቐን ኣብ ዝመሃረሉ ኣጋጣሚ ኵሉ ንዓይ እኳ እዩ ከምዚ ዚብለኒ ዘሎ እናበለት፡ ኣብ ክንዲ ተግባራታ ተመሓይሽ ንዑኡ ከም ጸላእን ተቓዋምን እናቖጸረቶ ኺትከይድ ጀመረት።

ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ዝመሃሮ ብዙኅ ትምህርታቱ፡ ሓደ ጊዜ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቱ ከምዚ በለ፦ “ኣብ’ዚ ዓለም እንታይ ኢና ንፈርህ? ሞት ድዩ? ብፍጹም! ንዓይ ሕይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሞትውን ከምኡ። ስደት ድዩ? ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኵሉን ናይ እግዚአብሔር እዩ። ናይ ሃብቲ ምጥፋእ ድዩ? ናብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ሒዝና ከም ዘይመጻና ዚተፈልጠ እዩ። ናይ ዓለም ሽበራን ፍርሃትን ከም ቁም ነገር ኣይቆጽሮን እየ፡ ሃብትን ንበረትን ናይዛ ዓለም ከም ኢምንት እየ ዝርእዮ። ንድኽነት ኣይፈርሕን እየ፡ ሃብቲውን ኣይምነን እየ። ንሞት ኣይፈርሕን፡ ንስኻትኩም ብሃይማኖትን ብምግባርን ንኽትብርትዑ ምናልባትውን ንእሽተይ እኳ ትኹን ንኽሕግዘኩም እንተ ዘይኮይኑ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክነብር ኢለ ናብ ፈጣርየይ ኣይጽልን እየ። ስለዚ ዚተፈተኹም ወገናተይ፡ በዚ ዚፍጸም ዘሎ ነገር ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።”

ብድኅሪዚ ኵሉ ድኻምን ንዝተበላሸወ ናይ ምስትኽኻልን ናይ ምሕዳስን ቃልሲ፡ ድኻሙ ብዙኅ ፍረ ከፍሪ ጀመረ። ቤተ ክርስቲያን ደቃ ብብዝኅን ብቕድስናን ኣዝዮም በዝኁላ። ናይታ ኸተማ መኣዛ ተለወጠ፡ እቲ ሕዝቢ ንፈጣሪኡ ዚፈቱን ንቓሉ ዚእዘዝን ኮነ፡ ነፍሶም ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ደስታ ኮነት። ኣቐዲሞም ዚፍጸሙ ዚነበሩ ኣረሜናዊ ተግባራትን ምርኢታትን ኣዝዮም ጎደሉ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብሕይወቱን ብትምህርቱን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ከም ፀሓይ ኣብርሀ። ብሕዝብን ብንጉሥን ከምኡውን ዋላ እኳ ንሓጺር ጊዜ እንተ ኾነ ብንግሥቲ ኣውዶክስያውን ከይተረፈ ክብርን ተፈታውነትን ረኸበ። ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ብዝናኡን ብተፈታውነቱን ኣብ ኣዝዩ ላዕለዋይ ደረጃ በጽሐ። ኣባታውን ሐዋርያውን ትምህርቱ ጎትስ ናብ ዝተባህሉ ሕዝቢ ከም ዝባጻሕ ገበረ። ንዓኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ተርጎመሎም። ከምኡውን ብመገዲ ተርጓሚ ኣቢሉ ብዙኅ ጊዜ ባዕሉ ይምህሮም ነበረ። ምስኡውን ኣብ ፈለግ ዳንዩብ ንዝርከቡ ናይ ጎቲክን ሲጢያን ነገዳት ዚምህሩዎም ሰባት ይልእኸሎም ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ክብርን ተፈታውነትን ጥርዚ በጽሐ።

 ብሓፈሻ ኣብ ኣመጋግባን ኣከዳድናን ዚርአ ንዚነበረ ሕንቃቐን ተድላን ንምስትኽኻል ኣበርቲዑ መሃረ። ናይ መሳፍንትን ናይ መኳንንትን ከምኡውን ናይ ካህናት ክፍኣትን ቅጥዒ ዘይብሉ ናይ ምቾት ልምዲ ኣብ ኵሉ ትምህርቱ ትኽክል ከም ዘይኮነ ኣትሪሩ ብምግላጹ ጸላእቲ ኣፍረየ። ኮይኑ ግና ካብቶም ዓበይቲ ናይ ቤተ መንግሥቲ ሰባትን ካብ ወገን ሰብ ጸጋን ዚፈትዉዎን ዘፍቅሩዎን ብዙኃት ፈተውቲ ነበሩዎ። ኣብ መንጎ እዚኣቶም ኣዝያ ሕያወይቲ ሰብኣያ ዚሞታ ዲያቆናዊት ናይ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ዘመድ ዚነበረት ኦሊምፒያ ነበረት። ኦሊምፒያ (Olomepias) ካብ ዓበይቲ ናይ መንግሥቲ ወገን ዚነበረት ኮይና፡ ትምርዕው ምሰበለት ብዙኅ ከይጸንሐ ሰብኣያ ዝሞታን ብትውልዲ ይኹን ብሃብትን ብመልክዕን ብዅሉ ዚተዓደለት ክነሳ ንናይ ካልኣይ ጊዜ መርዓ ዚሕተት ሕቶን ድፍኢትን ንዅሉ ነጺጋ ብፍጹም መንፈሳዊ ተጋድሎ ዚነበረት ቅድስቲ እያ። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ንሓደ ዘመዱ ከመርዕዋ ኢሉ ደጋጊሙ እኳ እንተ ሓተታ ንሳ ግና ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣበየቶ፦ “ኣምላኸይ ብሓዳር ኪነብር እንተ ዝደልየኒ ኔሩ ነዚ ናይ መጀመርታ ሰብኣየይ ኣይምወሰደለይን። እንተ ኾነ ግና ኣነ ንናይ ሓዳር ሕይወት ዘይሰማማዕ ምዃነይ ስለ ዝፈለጠ ቀልጢፉ ካብ ማእሰርተይ ፈትሓኒ፡ ካብቲ ኸቢድ ኣርዑትውን ነጻ ገበረኒ፡ ኣብ ሕልናይ ቀሊልን ፈኵስን ዝኾነ ናይ ንጽሕና ኣርዑት ገበረለይ።”  ነዚ ዝሰምዐ ንጉሥ ክሳዕ ጓል ሠላሳ ዓመት ትኸውን ኵሉ ንብረታ ከም ዝተሓዝ ገበረ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኸይትኸይድ እኳ ብምኽልካል ምስ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይትራኸብ ብምግባር ሐራይ ከብላ ብዙኅ ድፍኢት እኳ እንተ ገበረላ፡ ንሳ ግና ንዅሉ ዚወርዳ መከራ ብምስጋና ተቐበለት። ነቲ ንጉሥ ድማ “እቲ ኸቢድ ሸኸም ኮይኑ ዘጨንቐኒ ዚነበረ ንብረት ከም ዝተሓዝ ብምግባርካ ጽቡቕ ገበርካ፡ ሕጂውን ንድኻታትን ንኣብያተ ክርስቲያናትን ከም ዝወሃብ እንተ ትገብር ዝበለጸ ጽቡቕ ምኾነ፡ ነዚ ንብረት እዚ ኣነ ባዕለይ ንድኻታት እንተሂበዮ ካብ ዘስዕበለይ ውዳሴ ኸንቱ ንምድሓን ናይ ብዙኅ ጊዜ ጸሎተይ እዩ ኔሩ።” በለቶ። ንሱ ድማ ጽንዓታ ብምርኣይ ከም ዝደለየቶ ኪትጥቀመሉ ናጽነት ሃባ። ብድኅሪዚ ነብሳን ኵሉ ሃብታን ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣውዓለት።

እቲ ዚነበራ ብዙኅ ሃብቲ ንድኻታትን ንሕክምናን ንሕሙማት መገልገልን ከም ዝውዕል ገበረት። ንሳ ግና ኣብ ከቢድ ትሕርምትን ኣብ ፍጹም ሕይወትን ዚነበረት ኮይና  ብናይ ቅድስና ሕይወታ ብብዙኃት ኣቦታት ዚተመስገነት ነበረት። ኵሉ ጊዜኣን ኃይላን ንድኻታትን ንሕሙማትን ዘድልዮም ዘበለ ብምግባርን ናብ ቁስጥንጥንያ ዚመጹ ዚነበሩ ጳጳሳትን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታትን ንምቕባልን ሃበት። ነቶም ዚመጹ ድማ ሰፊሕ መሬት ብምሃብ ወይ ብመልክዕ ገንዘብ ጽቡቕ ዝኾነ ውሁብቶ ከይሃበት ኣይትሰዶምን ነበረት። ገዛኣ ናይ ካህናትና ካብ ዚተፈላለዩ ክፍሊ ዓለማት ናብ ቁስጥንጥንያ ናይ ዚመጹ መነኰሳትን መነኰሳይትን ቤት ነበረ። ቴዎፍሎስ ዘሳጎጎም መነኰሳት ዚተቐበለቶምን ዘዕረፈቶምን ንሳ እያ። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ቅዱስ ኣምፊሎቅዮስ ካልኦት ብዙኃት ቅዱሳንን ኣቦታትን ኣብ ገዛኣ ኣዕሪፎም እዮም።  ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት መታን ክኾኖም ንብዙኃት ኣቦታት ብዙኅ ገንዘብን ሰፊሕ መሬትን ሂባቶም እያ።

ሊቀ ጳጳስ ኔክታርዮስ ኣብ ቁስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆናዊት ገበራ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብቕድስናአን ኣዝዩ ካብ ዘመስግነን ኣንስቲ እታ ቐንዲ ድማ ንሳ እያ። ኣብኡ (ኣብ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ብዝወረደ ስደት ንሳውን ብዙኅ መከራ ተቐቢላ እያ። ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ስደት ግቡእ ከም ዝኾነ ኣሚና ነቶም ሓደስቲ ዝተሸሙ ጳጳሳት ኣፍልጦ ክትህቦም ንምግዳድ ብዙኅ ክስን  ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን እኳ እንተ ረኸባ፡ ምስቶም ብናይ ዓመጽ መገዲ ዝተሸሙ ጳጳሳት ኅብረትን ሓድነትን ኣይገብርን እየ ብምባል ብዙኅ መከራ ተቐበለት። እዚ ምስ ሰምዕ እቲ ስደተኛ ኣቦ (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ) ኣዝዩ ተሓጎሰ። ንሱ ድማ ኣብ ስደት ከሎ ንዓኣ ዘጸናንዑ 17 መልእኽታት ልኢኹላ እዩ። እዞም መልእኽታት እዚኣቶም “ማንም ሰብ ርእሱ ባዕሉ እንተ ዘይጎዲኡ ካልእ ዋላ ሓደ ኽጎድኦ ዝኽእል የለን” ብዘብልን ነዚ ብዝመስልን ኣርእስታት ጌሩ ዚተቐበለቶ መከራን ትገብሮ ዘላ ተጋድሎን ዘበራትዑን ንናይ ቅድስና ሕይወታ ዘመስግኑ፡ እቲ መከራ ዘብጽሕ ሰብ እምበር መከራ ዝበጽሖ ሰብ ከም ዘይጉዳእ ዘረድኡ ዓሞቕቲ ትምህርታት ዝሓዙ እዮም።

ካልኦትውን ናይ ብሓቂ ፈተውቲውን  ነበሩዎ፡ ብዙኃት ሓቀኛታት ሰባትውን ኣብቲ ቤተ መንግሥቲ ነበሩ። ኣብቲ መጀመርታ ባዕላ ንግሥቲ ኣውዶክስያውን ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ትፈትዎ ነበረት። ሃይማኖታዊ ሥነ ሥርዓት ሓቢራ ትከታተል፡ ኣብ ክብረ በዓል ትርከብን ክምህር ከሎውን ትመሃር ነበረት። ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን  ዝውዕሉ ናይ ብሩር ቀንዴላት ውን ሂባ እያ።

እንተ ኾነ ግና እዚ ናይ ስምዒታ እዚ ብዙኅ ኣይቀጸለን። ኣብ ላዕሊ ዚተገልጻን ነታ ንግሥቲ ዝኸባኣ ዚነበራን ወይዘራዝር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝነበረን ጽልኢ የንጸባርቓ  ነበራ። ኣብ ልዕሊ እዚውን ኣውዶክስያ ናይ ሓንቲ ብእሲተ ማውታ (ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ) ናይ ኣታኽልቲ ወይኒ ቦታኣ ወሰደትላ። ንሱ ድማ ንኽትመልሰላ ንኣውዶክስያ ለመና። ንሳ ግና ናይ ምድፋር ስምዒት ተሰሚዑዋ ተበሳጨወት። እዚ ኩነታት እዚ ነቲ ኣብ ቤተ መንግሥትን ኣብ መንበረ ጵጵስናን ዚነበረ ርክብ ኣሐርፈፎ፡ ቀስ ብቐስውን እቲ ሽግር ውሽጢ ውሽጢ እናዓበየ ከደ። እንተ ኾነ ግና እዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብቲ ሕዝቢ ብዕሊ ቅድሚ ምፍላጦም፡  ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከይደለየ እንተ ኾነ ግና ኮፍ ኢሉ ብተዓዛብነት ክርእዮም ዘይክእል ምትንኻፋት ናይ ግድን ዝብሉ ልዑል ፖለቲካዊ ፋይዳ ዘለዎም ክልተ ክስተታት ተፈጥሩ።....ይቕጽል


No comments:

Post a Comment