bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 7 October 2016

ታሪኽ ናይ ተሃድሶ 11 ክፋል

. . . .  እዚ ናይ ተሃድሶ ናይ ምርስሳዕ ሜላ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘውረዶ ሳዕቤን ቀሊል ኣይኮነን። ሎሚ እኳ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ዝሰብኽ እናጠፍአ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡  ብጣዕሚ ዘገርም እዩ! ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ኮይኑ ሰባኽያንን ዘማርያን ተኣኪቦም ብዛዕባ ሚካኤል ኣይዝመርን፡ ናይ ቅዱስ ገብርኤል በዓል ኮይኑ ብዛዕባ ገብርኤል ኣይንገር ብዛዕባ ገብርኤል ኣይዝመር። ምሉእ ለይቲ ዝቕወም ማህሌትን ቁመትን ግና ብምሉኡ ንቅድስት ድንግል ማርያም እናዘከረ ምስ እግዚአብሔር ንቅዱስ ሚካኤል እናዘከረ ምስ እግዚአብሔር ንቅዱስ ገብርኤል እናልዓለ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎም ርክብ እዩ ዝነግረና። ናይ ቅድስት ድንግለ ማርያም በዓል ኮይኑ ማርያም ዘይትለዓለሉ፡ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ኮይኑ ሚካኤል ዘይለዓለሉ ናይ ቅዱስ ገብርኤል በዓል ኮይኑ ገብርኤል ዘይለዓለሉ ዘመን እኳ ኢና በጺሕና ዘለና። 

 ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ናይ ሥራሕ ቦታ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ በዓል ከኽብር እየ ኢሉ ጸዊዑና ንኸደልኩም። ሰብ ምልእ ኢሉ ነበረ ብዙኃት ዘማርያን ነበሩ እሞ መዝሙር ዘመሩ። እቲ በዓል ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። ብዛዕባ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝገልጽ ዋላ ሓንቲ መዝሙር ግና ኣይተዘመረን። ነዚ ዘስተውዓለ ሓደ ሰብ ተንሢኡ እረ በጃኹም ሎሚ እኳ ጊዮርጊስ እዩ ናይ ጊዮርጊስ መዝሙር እባ ዘሙሩልና በለ። ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን! ካብዞም ኩሎም ተኣኪቦም ዚነበሩ ሰባት ሓንቲ ናይ ጊዮርጊስ መዝሙር ዝፈልጥ ሰብ ተሳእነ። በሉ ረኣዩ! ኣብዚ ደረጃዚ እንተ በጺሕና ኣይሞትናን ትብሉ ኣለኹም? ብዘይ ቅዱሳን ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ኢልና ኢና ክንዛረበላ? እስከ ገዛ ምስ ከድኩም ኩላትኩም መልእኽቲ ይሁዳ ቁጸሪ 3 ኣንብብዎ። "በታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት ሃይማኖት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም ናይ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ`"ይብል። 

ሃይማኖት እኳ ንቕዱሳን እያ ተዋሂባ። ቅዱሳን ዘይለዓሉላ ኣስማቶም ዘይጽውዓላ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ክትጽዋዕ ትኽእል? ወንጌል ተዘርአ ንቕዱሳን ኣብቆለ፥ ወንጌል ተበተነ ቅዱሳን ተኣከቡ፡  ወንጌል ተዘርአ ቅዱሳን ተዓጽዱ፡ ቅዱሳን እኳ ናይ ወንጌል ፍረ እዮም። ሐዋርያት ብቓሎምን ብግብሮምን ወንጌል መሃሩ፡ ቅዱሳን ድማ ናይ ሐዋርያት ናይ ወንጌል ፍረ እዮም። ብዙኃት ብዛዕባ ቅዱሳን ክንዛረብ ከለና ካልእ ጌሮም ዝሓስቡዎ ሰባት ኣለዉ። ኣነ ኣብ ገዛ ምስ ከድኩም ተንብቡዎ ሓደ ምሳሌ ክነግረኩም እየ፦ ወንጌል ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሐንስ፡ ምስ በለ ግብረ ሐዋርያት ዝበሃል መጽሓፍ ኣሎ። ግብረ ሐዋርያት ጐይታና ካብ ዝዓርግ ጀሚሩ ቅዱስ ጳውሎስ ብ62 ዓመተ ምሕረት ኣብ ሮማ ክሳዕ ዝእሰር ዚነበረ ጊዜ ዝትርኽ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ ጴጥሮስ ከምዚ ኾነ፡ ዮሕንስ ከምዚ ኾነ፡ ጴጥሮስን ዮሕንስን ተኣስሩ፡ ጳውሎስን ሲላስን ተኣስሩ፡ ጳውሎስ ተገርፈ ጐይታ ድማ ካብ ግርፋቱ ኣድሓኖ፡ ጳውሎስ ብመርከብ ክኸይድ ከሎ መርከብ ተሰብረቶ፡ ጐይታ ድማ ኣብ መከራኡ ረድኦ፡ ንጳውሎስ ተመን ነኸሶ እግዚብሔር ድማ ኣድሓኖ . . . እዩ ዝብል። እቲ መጽሓፍ ስሙ ንባዕሉ ግብረ ሐዋርያት ማለት ናይ ሐዋርያት ግብሪ፡ ናይ ሐዋርያት ስራሕ፡ ናይ ሐዋርያት ገድሊ ማለት እዩ። እሞ ቅዱስ ሉቃስ ግብረ ሐዋርያት ስለ ዝጸሓፈ ወንጌል ኣይሰበኸን ድዩ ክበሃል? ጳውሎስ ከምዚ ገበረ ጴጥሮስ ከምዚ ገበረ፡ ዮሐንስ ከምዚ ገበረ ስለ ዝበለስ ወንጌል ኣይተሰበኸን? ስንክሳር ድኣ ካብዚ ወጻኢ እንታይ ኢሉ? ገድለ ተክለ ሃይማኖት ካብዚ ወጻኢ እንታይ ኢሉ? ገድለ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብዚ ወጻኢ እንታይ ኢሉ? 

ኣብ ዮሐ 14:12 ጐይታ ንሐዋርያት እንታይ ድዩ ኢሉዎም? “እቲ ብኣይ ዝኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ከም ዝገብር ካብኡ ዝዓቢውን ከም ዝገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ብሓቂ ካብ ጐይታ ንላዕሊ ዝገብሩ ኾይኖም ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግና ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ሥልጣን እዩ ሂቡዎም። እንታይ ማለቱ እዩ? ኣነ ንኣርኣያነት ካብ ዝገበርኩዎ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ካብ ዝተጻሕፈ ንላዕሊ ክትገብሩ ኢኹም ማለት እዩ። እምበር ዮሐንስ “ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙኅ ካልእ ኣሎ፡ ዅሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዝኸውንሲ ነቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኵሉ እዚ ዓለም እኳ ኣይምኣኸሎን” ብምባል ጐይታና ብዙኅ ተኣምራት ከም ዝገበረ ነጊሩና እዩ። ስለ`ዚ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ካብ ዚተጻሕፈ ንላዕሊ ኪትገብሩ ኢኹም ማለቱ እዩ። እዚ ድማ ሓቂ እዩ ጐይታ ኣብ ወንጌል ሓሙሽተ ዕዳጋ ሕዝቢ መገበ፡ ገድለ ዜና ማርቆስ ምስ ተንብቡ ድማ ኣቦና ዜና ማርቆስ 7000 ሕዝቢ መገቡ ይብል። እዚ ብዝተዋህቦም ቃል ኪዳን መሠረት ዝኾነ እዩ። እሞ ከመይ ኢሉ ድኣ እዩ ብዛዕባ ገድሊ ምስባኽ ወንጌል ዘይምስባኽ ዝኾነ? ከመይ ኢሉ እዩ ደኣ ቅዳሴ ማርያም ምትርጓም ወንጌል ኣይኮነን ዝበሃል? ኣብ ምጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፈ ሩት ዝበሃል ናይ ሩት ታሪኽ ዝትርኽ መጽሓፍ ኣሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ገድለ ክርስቶስ ሰምራ ዝበሃል ናይ ቅድስት ክርስቶስ ሰምራ ዝትርኽ መጽሓፍ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ኣስቴር ዚተባህለት ኣይሁዳዊት ካብ እግዚአብሔር ብዝተቕበለቶ ጸጋ ዝሠርሓቶ ታሪኽ ዝነግር መጽሓፈ ኣስቴር ዝበሃል መጽሓፍ ኣሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ገድለ ኣርሴማ ዚበሃል ኣርሴማ ዝገበረቶ ተኣምር ዝነግር መጽሓፍ ኣሎ። እንታይ ድኣ እዩ እቲ ጸገም? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ኢዮብ ዝበሃል ኢዮብ ዚተባህለ ሰብ እግዚአብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ከመይ ጌሩ ናይ ዲያብሎስ ፈተና ከም ዝሰዓረ ዚነግር መጽሓፍ ኣሎ፡  ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ገድለ ጊዮርጊስ ዝበሃል ቅዱስ ጊዮርጊስ ከመይ ዝበለ ፈተና ከም ዝገጠሞን ብስም ክርስቶስ ተጋዲሉ ከም ዝተዓወተን ዝገለጽ መጽሓፍ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙር ዝሓዘ መዝሙረ ዳዊት ዝበሃል መጽሓፍ ኣሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ድጓ ዚበሃል ያሬድ ዝዘመሮ ዝማሬ ዝመዝገበ መጽሓፍ ኣሎ።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለሞን ዝዘመሮ መሃልየ መሃልይ ዝበሃል ካብ ኩሉ መዝሙር ዝበለጸ መዝሙር ዝብል መዝሙር ኣሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ድማ አንቀጸ ብርሃን ዝበሃል፡ ውዳሴ ማርያም መልክአ መልክእ ዝበሃል መዝሙር ኣሎ። እሞ እንታይ ደኣ እዩ እቲ ሸግር? እንታይ ዘይገበርናዮ ነገር ኣሎ? እንታይ ክንከውን እዩ ተደልዩ ዘሎ? እዚ ኩሉ እዚ እምበኣር ተሃድሶ ነዘን ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ንምጥፋእ ናይ ዝኣለሙዎ ተንኮል ኣካል እዩ። ሰለዚ ምእመናን ነዘን ዝስዕባ ነገራት ኣስተውዒልኩም ሓዝወን፦ . . . . ይቕጽል

No comments:

Post a Comment