bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 9 May 2016

2.4.2 ናይ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥእሊ

ናይ ወላዲተ ኣምላክ ሥእሊ ንመጀመርያ ጊዜ ዝሠኣሎ ቅዱስ ሉቃስ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቤተ ክርስቲያን ድማ ሕይወታን ዝፈጸመቶ ተኣምርን ብሥእሊ ይግለጹ እዮም። ንኣብነት ልደታ ለማርያም ናብ ቤት መቕደስ ምእታዋ (በኣታ ለማርያም) ብሥራት ስደታ ለማርያም፡ ኪዳነ ምሕረት (ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን እናተቐበለት፡ ናይ እመቤትና ዕረፍቲ ትንሣኤኣን ዕርገታን፡ በላዔ ሰብእ እናማለደትሉ ከምኡ ውን ምስለ ፍቁር ወልዳ ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እዚ እንርእዮ ድማ ናይ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ሥእሊ እዩ።

ምስለ ፍቁር ወልዳ

 
እመቤትና ምስ’ቲ ፍቱው ወዳ ክትሣኣል ከላ፡ ብወገን የማን ኮይና ጐይታና ብህፃንነቱ ብወገን ጸጋማ ኮይኑ ይሣኣል (ሥዕል 19) እዚ ድማ ኣብ መዝ 45፡9 “እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፌር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም” ዝብል ቃል መሠረት ብምግባር ናይ እመቤትና ምስለ ፍቁር ወልዳ ሥእሊ ዘወትር ንሳ ብየማን ኮይና ትሣኣል። ጐይታና ብጸጋማይ ኢዱ ወንጌል ሒዙ ብየማናይ ኢዱ ድማ እናባረኸ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ዘይብሉ ጌርካ ክሣኣል ኣለዎ። ቅዱስ ሚካኤል ብየማን ቅዱስ ገብርኤል ድማ ብጸጋም ኮይኖም ይሣኣሉ።


ናይ እመቤትና ሥእሊ ኪሳኣል ከሎ መጀመርያ ተሸፋፊና ክትሣኣል ኣለዋ። ምኽንያቱ ““እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፌር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም” ስለ ዝብል።(መዝ 45፡9 1ይ ቆሮ 11፡6) ቅዱስ ጳውሎስ ውን ኣብ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ መልእኽቱ ደቂ ኣንስትዮ ጸጕረን ተሸፊነን ክጽልያ ከም ዘለወን እዩ ዝምህር።


ብካልኣይ ደረጃ እንርእዮ ድማ ኣልባሳ “ኣልባሰ ድንግል” ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ሰማያዊ መጎናጸፍያ፡ ናይቲ መጎናጸፍያ ውሽጡ ቀጠልያ ሕብሪ ሃልይዎ፡ ብውሽጢ ድማ ብቀይሕ ሕብሪ ይሣኣል። እቲ ሰማያዊ መጎናጸፍያ ጫፍጫፉ ብዘፈርፈር ወርቂ ዘጌጸ ኪኸውን ኣለዎ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ሰማያዊ መጎናጸፍያ ሠለስተ ከዋኽብቲ ይሣኣሉ። ናይ’ዚኦምን ካልኦትን መንፈሳዊ ትርጉም ቀጺልና ክንርኢ ኢና።


እቲ መጎናጸፍያ ብላዕሊ “ሰማያዊ” ምዃኑ መንፈሳዊ ትርጉሙ “ዳግሚት ሰማይ ዲበ ምድር” ምዃና ንምግላጽ እዩ። እስራኤል ዘሥጋ ንጥሜት ሥጋኦም ካብ ሰማይ መና ከም ዝተመገቡ፡ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ እስራኤል ዘነፍስ ንዝተበሃልና ክርስቲያን ንጥሜት ነፍስና ናይ ሕይወት እንጀራ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ “ሓዳስ ሰማይ” ምዃና ንምግላጽ ሰማያዊ ልብሲ ትለብስ።(ዮሐ 6፡40-ፍጻሜ) ንጽሐ ሥጋ ምስ ንጽሐ ነፍሲ ዝተሰለመት፡ ከም ሰማያውያን መላእኽቲ ብፍጹም ቅድስና ዝተረኽበት ሓፍቶም፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎ፡ ኣብ ማህፀና ዝተሰከመት ካልኣይቲ ኣርያም (ሰማይ) ምዃና ንምግላጽ ብላዕሊ ሰማያዊ ልብሲ ትለብስ። ብተወሳኺ ውን ካብ ሰማይ ፀሓይ ከም ትወጽእ ፀሓየ ጽድቂ ዝተባህለ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብኣ ስለ ዝተወልደ ሰማያዊ ልብስ ለቢሳ ትሣኣል።


“..ሰበይቲ ፀሓይ ተወንዚፋ ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ ዝረገጸት 12 ከዋኽብቲ ኣኽሊል ዝኾኑላ” ዝተባህለት እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።(ራእ 12፡1-3) ፀሓይ ተጎናጺፋ ማለቱ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ኣማናዊ ፀሓይ (ሚል 4፡2 ማቴ 17፡2)) ኢየሱስ ክርስቶስ ፀኒሳ ማለት ኪኸውን ከሎ ሊቁ “..ፀሓየ ጽድቅ ኣርያማዊ ዘበንጽሐ መርዓዊ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ” ብምባል ኣጽኒዕዎ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ምሥጢር እዚ ብምፍላጥን ብምርዳእን “ፀሓይ ዝተረኽበልኪ ካልኣይቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ” ብምባል ሰማያዊ መጎናጸፍያ ተልብሳ።


ሰማያዊ ልብስ ካልእ መንፈሳዊ ትርጉሙ፡ ሰማያዊ ሃብቲ ናትካ ምግባር ዘመልክት ኮይኑ፡ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ሰማያዊ ሃብታት ማለት “ፍቕሪ ሓጎስ ትዕግስትቲ..” ናታ ዝገበረት ምዃና ዘረድእ እዩ።
ብተወሳኺ ውን ንምእመናን ናብ መንግሥተ ሰማያት እተእትወሉ ሃብቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህባ፡ መራሒት መንግሥተ ሰማያት ምዃና ንምግላጽ ሰማያዊ ልብሲ ለቢሳ ትሣኣል። ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴ “ተውህቦ ምሕረት ለሚካኤል፡ ወብሥራት ለገብርኤል ወሃብተ ሰማያት ለማርያም ድንግል” ከም ዝብል።


ዘለዓለማዊ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶሰ ሥጋኣ ብተዋሕዶ ከም ዝለበሰ ንምርኣይ ሰማያዊ ልብሲ ኣልቢሳ ትሥእላ። ኣብ ኦሪት ሰማያዊ ልብሲ ንሊቀ ካህናት ዝተፈለየ ልብሲ ከም ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና።( ዘፀ 28፡31) “እቲ ቀሚሱ ኵሉ ሰማያዊ ግበሮ” ከም ዝብል። ዘለዓለማዊ ሊቀ ካህናት ካብ ሥጋኺ ሥጋ ካብ ነፍስኺ ድማ ነፍሲ ወሲዱ ብተዋሕዶ ሰብ ዝኾነልኪ ኢኺ ንምባል ቤተ ክርስቲያን ሰማያዊ ልብሲ ኣልቢሳ ትሥእላ። ሊቁ “ምዕናም አንቲ ዘእምኔኪ ለብሰ አማኑኤል ልብሰተ ሥጋ ዘኢይተረጎም” ትርጉሙ “እቲ ባሪኡ ዘይርከብ ኣማኑኤል ኣምላኽና፡ ናይ ሥጋ ልብስነት ካብኺ ብተዋሕዶ ዝወሰደልኪን ገንዘቡ ዝገበረክን ፍልይቲ መሣርሒ ንስኺ ኢኺ” ከም ዝበላ። ኣብ እመቤትና ውን መለኮትን ሥጋን ብተዋሕዶ ሓደ ስለ ዝኾኑላ፡ ብተወሳኺ ውን ሰማያዊ ኣምላኽ ዝወለደት ምዃና ንምምልካት ሰማያዊ ልብሲ ኣልቢሳ ትሥእላ።


ቤተ ክርስቲያን ንእመቤትና ሰማያዊ ልብሲ እተልብሰላ ካልእ ምኽንያት ድማ ስለ ትሕትናኣ እዩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ከበሥራ ከሎ፡ “ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለን” ምስ በላ “እነሆ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፡ ከምቲ ቃልካ ይኹነለይ” ብምባል ብትሕትና እያ መሊሳትሉ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ዝደረሶ ናይ ሠሉስ ውዳሴ ማርያም “ደብረ ነባቢት በትሕትና”  “ብትሕትና እትዛረብ እምባ” ዝብል ክፍሊ ኣቦታት ከመሳጥርዎ እንከለዉ፡ መጽሓፍ ትንቢተ ኢሳይያስ ከተንብብ ከላ “እነሆ ድንግል ኪትጠንስ እያ ወዲ ውን ኪትወልድ እያ” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ምስ በጽሐት፡ ኣብ ዘመነይ እንተዝኸውን’ሲ ኣገልጋሊታ ምዃንኩ ድኣ በለት እምበር ኣነ ዶ ይኸውን ኢላ ኣይሓሰበትን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንጐይታ ንኣምላኽ ምስ ወለደት ውን ኣነ ኣደ ኣምላኽ እየ ክብሪ እዩ ዝግበኣኒ ከይበለት፡ ብትሕትና ዝነበረት ኣደ ከም ዝኾነት ንምምልካት ልብሳ ብላዕሊ ሰማያዊ ኮይኑ ይሰኣል።



ድንግል ማርያም ኣማናዊት ናይ ሓድሽ ኪዳን ታቦተ ጽዮን ከም ዝኾነት ንምግላጽ ውን ሰማያዊ ልብሲ ለቢሳ ትሣኣል። ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ብሰማያዊ ይሽፈን ከም ዝነበረ፡ ኣብ ዘኁ 4፡6-12 ተጻሒፉ ይርከብ። ኣበው እመቤትና በአማን ታቦተ ጽዮን ምዃና ከረድኡ ከለዉ ከምዚ ይብሉ “ንጽሕተ ንጹሓን ከዊና ከመ ታቦት ዘዶር ዘሲና፡ ውስተ ቤተ መቅደስ ነበረት በቅድስና። ሲሳያ ኀብስተ መና ወስቴሃኒ ስቴ ጽሙና” ብተወሳኺ ውን ታቦተ ጽዮን ናይ ቃለ እግዚአብሔር መሕደሪት ከም ዝኾነት ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ኣካላዊ ቃል ንእግዚአብሔር ወልድ መሕደሪኡ ስለ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰማያዊ ልብሲ ኣልቢሳ ትሥእላ።


ካብ’ዚ ብተወሳኺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት በአማን ናይ ሓድሽ ኪዳን ታቦት ምዃና ብዝበለጸ ንምምስካር ምስ’ቲ ሰማያዊ መጎናጸግያ (Maphorion) ዙርያኡ ብዘፈር ወርቂ ኣጊጾም ይሥእልዎ።


ታቦተ ጽዮን ብወርቂ ምልባጣ፡ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ብንጽሐ ሥጋ ንጽሐ ነፍሲ ንጽሐ ልቡና ዝተሸለመት ዘጌጸት ምዃና ዘረድእ ምሥጢር እዩ። ብተወሳኺ ውን እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘይነቅዝ ዕንጨት ብዝተሠርሐ ታቦት ምምሳላ፡ ንጽሐ ጠባይዕ ከየርስሓ ማለት  በራእይ (ብምርኣይ) በሰሚዕ (ብምስማዕ) በገሢሥ (ብምድህሳስ) በአጼንዎ (ብምሽታት) ምኽንያት ዋላ ሓንቲ ነጥቢ ውን ትኹን በደል ከይረኸባ ብንጽህናን ቅድስናን ጸኒዓ ናይ ምንባራ ምሳሌ ኪኸውን ከሎ፡ ነዚ ንምርዳእ ድማ ብናይ ወርቂ መጎናጸፍያ ኣጊጻ ትሥኣል።


መጎናጸፍያኣ ብወርቂ ዘጊጸሉ ካልእ ምኽንያት ድማ ኣብ መዝ 45፡9 “እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም” ከም ዝብል፡ ወርቂ ናይ ንጽሕናኣ ምልክት ኮይኑ፡ ብንጽሐ ሥጋ ንጽሐ ነፍስ ንጽሐ ልቦና በቲ ዝተዋህባ ክብሪ ጸኒዓ ትነብር ንምባል ዙርያኣ ብናይ ወርቂ መጎናጸፍያ ይስለም።


ኣብ ትሕቲ እቲ ሰማያዊ ናይ እመቤትና መጎናጸፊ ዝርአ ድማ ቀጠልያ ልብሲ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ጽላለተ ሞት ዝነበረ ዓለም ናይ ድሕነት ናይ ነፃነት ተስፋ ንሳ ምዃና የረድእ። ቀጠልያ ሕብሪ ናይ ምሕዳስን ሓድሽ ሕይወትን ምሳሌ ብምዃኑ ኢና ድማ ብወሽጢ ሰማያዊ ልብሲ ናይ እመቤትና ንርእዮ። እመቤትና ናይ ዓለም ተስፋ ምዃና ኪምስክር ከሎ ሊቁ (ቅዱስ ያሬድ) ከም’ዚ ይብል “ወብኪ ተሓደሰ ቀዳሜ ኵሉ ፍጥረት፡ አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለኣዳም ኣመ ይሰደድ እምገነት፡ እቲ ዘርኢ ናይ ኵሉ ሰብ ዝኾነ ኣዳም ዝተሓደሰልኪ ንስኺ ኢኺ፡ ካብ ገነት ምስ ተሰደደ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝበሎ ናይ ኣዳም ተስፋ ድሕነት ንስኺ ኢኺ” ማለት እዩ።


ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ድማ ነዚ ቃል ከጽንዖ እንከሎ ከም’ዚ ይብል “ብሰንኪ ሔዋን ኣዳም ሞት ረኸቦ፡ ብሳላ እመቤትና ግን ገነት ዳግማይ ተዋህበቶ”። ኣብ መወዳእታ ሊቃውንት ነዚ ዓቢ ናይ ድሕነት ሥራሕ ብምድናቕ “ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል ወበቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል፡ ብድንግል ማርያም ናይ ኣቦታት ተስፋ ተፈጸመ፡ ኣብ ቀራንዮ መድኃኒት መስቀል ተተኽለ” ብምባል ብያሬዳዊ ዜማ የመሳጥርዎ። እመቤትና ናይ ኣዳምን ናይ ቀዳሞት ኣቦታትን ጥራይ ተስፋ ዘይኮነት ንዓና ነዞም ናይ ሕጂ ክርስቲያንን ንመጻኢ ኪሳብ መወዳእታ ዓለም ንዝትንሥኡ ክርስቲያንን ተስፋኦም ብምዃና፡ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ እቲ ሰማያዊ መጎናጸፍያ ቀጠልያ ሕብሪ ጌራ ትሥእላ።


ካብ’ዚ ብተወሳኺ ቀጠልያ ሕብሪ ናይ ልምላሜ ምሳሌ ኮይኑ፡ ከምታ ከይተኸልዋን ማይ ከየስተይዋን ለምሊማ ዝተረኽበት ናይ ኣሮን በትሪ፡ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ንጐይታ ፀኒሳ ናይ ምውላዳ ምሳሌ እዩ። ቅዱስ ኤፍሬም ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰንበት “ከይተኸልዋን ማይ ከየስተይዋን ዝለምለመት ናይ ኣሮን በትሪ ነበረት…ንስኺ ውን ከምኣ ኢኺ” ኪብል ገሊጽዋ ኣሎ።
ብውሽጢ ቀይሕ ልብሲ ምዃኑ ድማ፡ ኣረጋዊ ስምዖን “ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኪኣቱ እዩ” ከም ዝበላ ንጐይታ ሒዛ ዝተሰደደት፡ ክሳዕ ቀራንዮ ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ዝተቐበለት፡ ሰማዕትነት ምስ ወዳ ኮይና ባሪኻ ዝሃበት “እሞሙ ለሰማዕት” ወይ ናይ ሰማዕታት ኣደ ዝተባህለት ንሳ ምዃና ንምግላጽ ብቐይሕ ይሣኣል።(ሉቃ 2፡35) ብተወሳኺ ውን ኣብ መልዕልተ መስቀል ሓቀኛ መሥዋዕት ኮይኑ ብወርቂ ደሙ ፈሳስነት ንዓለም ካብ ናይ ሞት መርገም ነጻ ዘውጽእን ብማኀየዊት (መሕወይት) ሞት ዘድሕንን መሲሕ ዝወለደት ናይ በረኸት ኣደ ምዃና ይገልጽ። ብተወሳኺ ውን መለኮት ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ሰብ ናይ ምዃኑ ምሳሌ እዩ።

 
ኣብ ናይ እመቤትና ሥእሊ ካልእ ፍልይ ዝበለ መንፈሳዊ ምሥጢር ዘለዎም ሠለስተ ወርቃውያን ብሩሃት ከዋኽብቲ እዮም። ንሳቶም ድማ ሓደ ኣብ ላዕሊ ኣብ ከባቢ ግንባራ፡እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ የማናይ መንኩባ እቲ ሣልሳይ ድማ ኣብ ጸጋማይ ምንኩባ። ነዚ ሣልሳይ ግን መብዛሕትኡ ጊዜ ጐይታና ብጸጋማ ሓቚፋ ስለ ትሣኣል እቲ ኮኾብ ይሽፈን እዩ። ናይዞም ብሩሃን ከዋኽብቲ ትርጉም ድማ;-
 
ቀዳማይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሰለስቲኡ ጊዜያት ብነፍሳን ብስጋኣን ንጽሕት ጽንዕት ድንግል ምዃና ዘረድእ እዩ።
 
ንጽሕት እያ፥ ካልኦት ኣንስቲ ንጹሃት ካብ ነቢብን ካብ ገቢረን እንተ ነጽሃ፡ ካብ ሐልዮ ግን ኣይነጽሓን። ንሳ ግን ካብ ነቢብ ካብ ገቢር ካብ ሐልዮ ንጽሕት እያ። “ወኢረኩሰት በኢምንተኒ እምዘፈጠራ ድንግል በሕሊናሃ ወድንግል በስጋሃ” ከም ዝብላ።

ጽንዕቲ ዝበላ ድማ፥ካልኦት ኣንስቲ እንተጸንዓ ንጊዜኡ እየን፡ ጸኒሐን ግን ተፈትሖ ኣለወን። ንሳ ግን ቅድመ ጸኒስ፡ ጊዜ ጸኒስ፡ ድሕረ ጸኒስ፡ ከምኡ ውን ቅድመ ወሊድ ጊዜ ወሊድ ድሕረ ወሊድ ጽንዕቲ እያ።

ድንግል ኢልዋ፥ ኣብ ሰለስቲኡ ጊዜያት ማለት ቅድመ ጸኒስ ንጎይታና ቅድሚ ምጽናሳ፡ ጊዜ ጸኒስ ንጎይታና ኣብ ዝጸነሰትሉ ጊዜ፡ ድሕረ ጸኒስ ንጎይታና ድሕሪ ምጽናሳ፡ ከምኡ ውን ቅድመ ወሊድ (ንጎይታና ቅድሚ ምውላዳ)፡ ጊዜ ወሊደ (ንጎይታና ኣብ ዝወለደትሉ ጊዜ) ድሕረ ወሊደ (ንጎይታና ድሕሪ ምውላዳን)
ካልኣይ ትርጉም፥ ንዙፋንነት ናይቲ ሰማያዊ ንጉስ ምምራጻ ንምግላጽ እዩ። “ሰማይ ዳግሚት ዲበ ምድር፡ ኣብ ምድሪ ዘላ ካልእይቲ ሰማይ ምዃና” ንምግላጽ እዩ። ኣብቲ ኣሳእል ቅድስት ድንግል ማርያም ሰማያዊ መጎናጸፍያ ተጎናጺፋ ምርኣያ ውን ካልኣይቲ ሰማይ ምዃና ዘረድእ እዩ። ብተወሳኺ እስራኤል ዘስጋ ንናይ ስጋኦም ጥሜት፡ ካብ ሰማይ መና ከም ዝተመቡ፡ እመቤትና እስራኤል ዘነፍስ ንዝተበሃልና ክርስቲያን ንጥሜት ነፍስና ዝዕንግል ሓቀኛ ናይ ሕይወት እንጀራ ዝኾነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚተረኽበላ “ሓዳስ ሰማይ” ብምዃና እዩ።


ሳልሳይ ትርጉም ድማ፥ እቶም ሰለስተ ከዋኽብቲ፡ እመቤትና ንሰለስተ ኣካላት ማለት ንአብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዙፋንነት ከም ዝተመረጸት ይገልጹ። ነዚ ድማ "እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ" (ሉቃ 1:35) ብምባል ቅዱስ ገብርኤል መስኪርላ እዩ።

ኣባ ሕርያቆስ ውን ኣብ ቅዳሴ ማርያም፡ "ኣብ ጎሕ እዩ፥ ወልድ ጎሕ እዩ፡ መነፈስ ቅዱስ ውን ጎሕ እዩ፡ ብስልጣኑ ኦሪት ዝሓለፈትሉ ሓጢአት ድንቁርና ዝጠፍኣትሉ ብርሃንነት ዘለዎ ጎሕ እዩ" ብምባል ከም ዝተዛረበ ኣብ ናይ እመቤትና ኣልባሳት ንርእዮ እቲ ሓቀኛ ብርሃንነት ዘለዎ ጎሕ ብምዃኑ ንሰለስተ ኣካላት ዙፋንነት ኮይና ከም ዘተመረጸት የረጋግጸልና።(ዮሐ 14-9 1 ዮሐ 15 1 ጢሞ 6160

ብኣጠቓላሊ ቤተ ክርስቲያን ናይ እመቤትና ስእሊ ትምህርተ ሃይማኖት መሰረት ጌራ ስለ ትስእሎ፡ ስእሊ ናይ እመቤትና ኪንርኢ ከለና ይኹን ኪንሳለም ከለና ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሓቅታት ብምግንዛብን ብምእማንን ኪኸውን ይግባእ።



 

No comments:

Post a Comment