bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 11 May 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት መበል 15 ክፋል

ጸሎተ ፍትሐት ፍትሓት "ፈትሐ" ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ምፍታሕ ምልቓቕ ማለት እዩ። ብመሠረት ሥርዓት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ንዝነብሩ ምእመናን ብሞት ኣብ ዝፍለይሉ ግዜ ዝፍጸም ሥርዓተ ጸሎት፣ ጸሎተ ፍትሓት ይበሃል። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ካብ ዝፍጸሙ ሃይማኖታዊ ሥርዓትፍትሓት ተዝካር ይርከቡ።
ናይ እግዚኣብግሔር ቃል " ኣዳም መሬት እንተ ወትገብእ ውስተ መሬት" (ዘፍ 319) ከም ዝብል" ሞት ብሰንኪ ኃጢኣት ናብ ዓለም መጸ።" (ሮሜ 512) ስለዝኾነ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ኩሉ ይመውት፣፣ "መኑ ሰብእ ዘየሓዮ ወኢይርእያ ለሞት።" ሞት ከይ ረአየ ብሕይወት ዚነብር፣ ንነፍሱስ ካብ መቓብር ዜናግፍ ሰብ መን እዩ። (መዝ 8948) ሰብ ኮይኑ ሞት ዘይጥዕም ስለዘየለ ነቶም ብሕግን ሥርዓትን ቤተክርስትያን ዝመላለሱ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ 40 80 መዓልቲ ካብ ማኅጸነ ማየ ዮርዳኖስ ዝተወልዱ ብሞት ኣብ ዝፍለይሉ ግዜ ዳግማይ ሞት ማለት ሞተ ነፍሲ ንኸይረኽቦም እዚ ሥርዓት ጸሎተ ፍትሓት ይፍጸመሎም። ብዛዕባ ትርጉም ሞት ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ብብዙሕ ይትርግምዎ። ብመሠረት ሒዝናዮ ዘሎና ትምህርቲ ግና ሞት ክልተ ትርጉም ኣለዎ።

1. ሞት ሥጋ ፦ማለት ነፍሲ ካብ ሥጋ ክትፍለ ከላ ማለት’ዩ። አዳም "ንግበር ሰብአ በአርኣያነ ወበኣምሳሊነ" (ዘፍ 126) ብዝብል ናይ ቅድስት ሥላሴ ቃል ዝተፈጥረ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ካብ ሠለስተ ባህርያተ ነፍሰ ዝተፈጥረ እዩ። መክ127
 

2. ሞተ ነፍሲ፦ሞተ ነፍስ ናይ ዘልዓለም ስቅያት ማለት እዩ። "ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ኪመውት፣ ብድኅሪኡ ፍርዲ ተሠሪዕሉ ዘሎ።" (ዕብ 927) ከም ዝበለ ጽቡቕ ዝገበረ ናብ ናይ ዘልዓለማዊ ሕይወት፣ ክፉእ ዝሰርሐ ድማ ናብ ናይ ዘልዓለም ጥፍኣት የምርሕ። (ዳን 123) ከምቲ "ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶም ውእቱ" ዝብል ብኣንጻሩ ካብ ፈጣሪኦም ዝረሓቑ ብቅድስና ዘይነበሩ እቲ ካልኣይ ሞት ዝኾነ ናብ ዘልዓለም ስቅያት ናይ ጥፍኣት ባሕሪ ይድርበዩ። (ራእ 217) በዚ መንጽር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሞት ንዝተፈለይዋ ምእመናን ጸሎተ ፍትሓት ምጽላይ ካብ ነብያት፣ ሓዋርያት ዝወረሰቶ ሥርዓት ኣቦታት እዩ።
 

ንኣብነት ነቢይ ኤልያስ ነቲ ሞይቱ ዝጸንሖ ሕፃን፣ ነቢይ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕፃን ብምድቃስ ዓይኑ ምስ ዓይኑ ኣፋ ምስ ኣፉ ብምጽጋዕ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢዱ ብምንባር ሥጋ(ሰብነት) ናይቲ ሕጻን ሞቐ ነቢይ ኤልያስ ተመላሊሱ ሸውዓተ ግዜ ብምድግጋም ኣብ ልዕሊ እቲ ሕፃን ተጋደመ ፣ሽዑ የዒንቲ እቲ ሕፃን ተኸፍተ። (2ነገ 432-36)
 

ቅዱስ ሲራክ ወልደ ኢያሱ ንዝሞተ ሰብ ጸሎተ ፍትሐት ጥራይ ዘይኮነ ተዝካር ክግበር ከምዘለዎ ጽሒፍልና ኣሎ። "ወደየ፣ ንምውት ብኸየሉ ኣዝዩ ከም ዝጎሃየ ኬንካ ኣልቅሰሉ ንእኡ ብዝግባእ ግነዞ ብዛዕባ ሥነ ስርዓት ቀብሪ እውን ሸለል ኣይትበሎ" (ሲራ 3816) ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን እንተኾነ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብሞተ ሥጋ ንዝተፈለዩ ሄኔሲፎሩ ጸልዩ "እግዚኣብሔር ንቤት ሄኒሲፎሩ ምሕረት ይሃባ" 2ጢሞ 116-18 ብምባል ጸልዩ ንሞት ንዝተፈልዩ ምእመናን ምጽላይ ከምዝግባእ ምሂሩና። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ኣነ ንክርስቶስ መሲለዮ ኣሎኹ ንስኻትኩም ድማ ንዓይ ምሰሉ" (1ቆሮ 111) ዝበለና ቅድስቲ ቤተክርስትያን ኣሰር ኣቦታት ብምስዓብ ነዚ ካብኦም ዝወሰደቶ ሥርዓት ትፍጽሞ ኣላ።
 

እዚ ስለዝኾነ ናይ ሐዋርያት ትምህርትን ውሳኔን ዝኾነ ኣብ ዲድስቅልያ ከምዚ ይብል "ንዝሞቱ ብትግሃት ጸልዩ" (ዲድ 34) ኢሎም ቅዱሳን አቦው ዝእዘዝዎ ትእዛዝ ብምዃኑ ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ናብ ሰብአ ቆሮንቶስ መሠረት ብምግባር ኣብ መበል 41 ስብከቱ "ንዝሞተ ሰብ ብጸሎት ኢና ንረድኦ" ብምባል ገሊጽዎ ንረኽቦ። (ዲድ 34) ከምኡ ውን ቅዱስ ዲዮናስዮስ "ወዲ ሰብ ብሰንኪ ሰብ ብምዃኑ ንዝፈጸሞም ኃጢኣት ብጸሎት ካህን እቲ ዝሞተ ሰብ ይቕሬታ ረኺቡ ናብ ብርሃን ሕይወት ይኣቱ።" ይብል። ኣገልግሎት ጸሎት ፍትሓት ካህናት ኣቦታትና መጽሓፍ ግንዘት እናኣንበቡ ጸሎተ ፍትሐት ምፍጻም ሃይማኖታዊ ተግባር ዘለዎ ሥርዓት ቤተክርስቲያን እዩ። እዚ ዝፍጽምሉ ምኽንያት፣-
 

. ብነፍሲ ዝሞተ መእመን ካብ ፈጣሪ ምሕረት ንምርካብ ጸሎተ ፍትሐት ዘብጽሑ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎም ኣበው ካህናት እዮም። "መሓራ እግዚኦ ለነፍሰ ገብርከ ኣመትከ….እገሌ" ብምባል እታ ነፍሲ ምሕረት ንኽትረክብ ይጽልዩ። ብሃይማኖት ጸኒዐ ብምግባር ተሰንያ ንዝነበረት ናይ ክርስትያን ነፍሲ ንንስሓ ከይበቀዐት ዝዘንግዐት ሞተ ነፍስ ንኸይረኽባ ምሕረት ንኽትረክብ ዝተፈትሐት ትኹን" ብምባል ይጽልዩ። እዚ ሥልጣን ጎይታ ባዕሉ ዝሃቦም ሰማያዊ ሥልጣን እዩ። "ብሓቂ እብለኩም አለኹ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርክምዎ ዘበለ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።"(ማቴ18-18) ብዝበሎም ኣምላኻዊ ቃል መሠረት ብምግባር ኣቦታትና ካህናት ንስም ክርስትና ብሥጋ ናይ ዚተፈለየ ሰብ (ዝሞተ ሰብ) ብምልዓል ሸውዓተ ግዜ ጸሎተ ፍትሐት የብጽሕሉ። ናይዚ ምኽንያት ከምቲ ብዘመነ ነቢይ ኢያሱ ነቲ ግምቢ ኢያሪኮ ንምፍራስ ሸውዓተ ግዜ ዘይሮም ብሓይሊ ኣምላኽ ዝፈረሰ በዚ መሠረት ኣቦታትና ክህናት ጽንሓ ዕጣን ሒዞም እናዓጠኑ "በከመ አንሀልከ ቅድመ ጥቅማ ለኢያሪኮ ብእደ ኣያሱ ገብርከ ከማሁ ኣንህል ጥቅመ ኃጢኣትየ ወይኃጢአተ ኩሉ ሕዝበከ" ከምቲ ግምቢ ኢያሪኮ ዘፍረስካሎም ሎሚ ንኃጢኣተይን ኃጢኣት ኩሉ ሕዝቢኻን ካባና ኣርሕቐልና ብምባል ጸሎተ ፍትሐት የብጽሑ።


. ቤተ ክርስትያን ኀዘና ትገልጸሉ ሥርዓት እዩ፣ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ከምቲ 40 80 ጥምቀት ክርስትና ብምሃብ ብዓቢይ ክብርን ሓጎስን ትቕበሎም አባላ ትገብሮም፣ ብሞት ኣብ ዝፍለዩ ድማ ኀዘና ብምግላጽ ጸሎተ ፍትሐት ብምድጋም ተፋንዎም። ሓዋርያት ነታ ብሠናይ ተግባር እትልለ ዝነበረት ጣቢታ ብሞት ምስ ተፈለየት ነቲ ሬሳ ሓጺቦም ብኽብሪ ኣብ ደርቢ አንበርዋ። በዚ መሠረት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ነቲ ሬሳ ብጸሎት ፍትሐት ክብሩ ትገልጸሉ። (ግብ 937) ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መዋዕለ ሥጋዌ ብሞት ኣልኣዛር መሪር ብኽያት ከምዝበኸየ አብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ቅድስት ቤተክርስትያን ድማ ነቲ ብሞት ዝተፈለየ ሰብ (ምእመን) ብጸሎተ ፍትሐት ኀዘና ትገልጽ። (ዮሓ 1135) ክብራን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብዚ ከነስተብህሎ ዝግበኣና ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ፣ ሓደ ፈታዊና ሰብ (ወለድና ደቅና ) ብሞት ኣብ ዝፍለይሉ ግዜ ኀዘና ብመጠን ክኸውን ከምዘለዎ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ትነግረና። "መልቀስካ ድማ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይኹን…..ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ይጽናሕ ሽዑ ኀዘንካ ወዲእካ ተጸናናዕ፣ ከመይ ጓሂ ልቢ ኃይሃልኻ የድከም፣ ብርቱዕ ኀዘን ከኣ ሞት የስዕብ እዩ።" (ሲራ 3817-18) ከምዝበለ በዚ መንጽር እዚ ኅዘና ሰለስተ ግዜ ክኸውን ከምዘለዎ ትገልጽ ካብዚ ንላዕሊ ግና ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ በደል ምፍጻም እዩ።
1ይ፦ ንሳተን ድማ ነፍሲ ካብ ሥጋ ምስ ተፈለየት፣
2ይ፦ሬሳ ካብ ገዛ ክወጽእ ከሎ፣
3ይ፦ግብአተ መሬት(ቀብሪ) ክፍጸም ከሎ።

. እምነትና ንገልጸሉ እዩ፦ ጸሎተ ፍትሓት ዝበጽሕ ምእመናን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዘለዎም መርኣያ እምነቶም እዩ። ብጸሎተ ፍትሓት ነፍሲ ምሕረት ከምትረክብ ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ምኽንያቱ "ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተለመናንዮ ከምዝሰማዓና ስለእንፈልጥ ኣብ ቅድሚ አምላኽ ትብዓት ኣሎና።" (1ዮሃ 514-15) ብእምነት ነቲ ኩሉ ዚከአሎ ፈጣሪ እንተለመናዮ ድልየትናን ትምኒትናን ተስፋናን ከም ዝፍጽመልና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ምስክርና። ስለዚ ንሕና ካብ ቀቢጸ ተስፋን መሪር ኀዘንን ተኣሊና ነታ ብሞት ዝተፈለየት ነፍሲ ብጸሎተ ፍትሐት ክንዝክራ ይግባእ። ከመይ ብሥርዓት ኀዘና ክንገልጽ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንጸሎተ ፍትሐት ዓቢይ ትኹረት ብምሃብ ክርስትያናዊ ሕይወትና አብ ኀዘን ግዜ ብተግባር ከነርኢ ይግባእ። "ግናኸ ኣኅዋተየ፣ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ከይትሓዝኑ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ንክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ።" (1ተሰ 413-15)
 
ጸሎት ፍትሓት ንመን ይፍጸመሉ?

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመዋእለ ስብከቱ "ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸርፈ በዚኣ ይኹን በታ ትመጽእ ኣይሕኣደገሉን።" (ማቴ 1231) ብዝበሎ ኣምላኻዊ ቃል መሠረት በታ ትመጽእ ዓለም ማለት ብአጸደ ነፍስ ዝበሎ ሥርየት ኃጢኣት ከምዝወሃብን ከምዘይውሃብን ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ከምኡ’ውን ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ "ናብ ሞት ዘብጽሕ ኃጢኣት ኣሎ ብኣንጻሩ ድማ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት እውን ኣሎ ኢሉ እዩ። (1ዮሃ 516-17) ስለዚ እቲ
1 ብሥነ ምግባር ሕይወቱ ዘይኣለየ
2 ካብ ሃይማኖት ዝርሓቐ (ዝኸሓደ)

3 ንገዛእ ርእሱ ብኢዱ ዘጥፍእ ከምዚ ዝበለ ሰብ ሥርየት ከምዘይብሉ የነጽረሉ። እንተኾነ ግና ሃይማኖትን ሥነ ምግባር ሒዙ ዝነበረ ምእመን ከምቲ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኣሎ ዝበሎ ቀኖና ከይፈጸመ ብሞት ንዚተፈለየ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነቲ ኣምላኻዊ ቃል መሠረት ብምግባር ሥርየት ንኽረክብ ጸሎት ፍትሐት ድማ ትፍጽመሉ። ስለዚ ነቲ ብገዛእ ርእሱ ዘጥፍእ ልክዕ ከምቲ ይሁዳ ንገዛእ ርእሱ ዘጥፍአ ስለዝቕጸር ጸሎተ ፍትሃት አይፍጸመሉን። ነቲ ብሃይማኖትን ምግባርን ዝነበረ ክርስቲያን ግና ጸሎት ፍትሓት ክፍጸምሉ ከምዘለዎ ብሓዋርያት ሲኖዶስ ውሳኔ ተሓጊጉ ንረኽቦ። ፍት ነገ 23-22
 
ተዝካር፦

ተዝካር "ዘከረ" ሓሰበ" ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኸበ ቃል እዩ። ትርጉሙ ድማ ምዝካር ምሕስብ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ብሞት ዝተፈለዩ ሰባት እንዝክረሉ ብጸሎት፣ብመሥዋዕት፣ብመብራህቲ ብምጽዋት እዩ። ንአብነት ቅዱስ ይሁዳ ብኩናት ንዝሞቱ ወተሃደራት ንምዝካር 2000 ድራህማ ዝኣክል ገንዘብ ብምጥርቓም መሥዋዕት ንኽግበረሎም ናብ ኢዮርሳሌም ላአኾ። "ካብ ነፍስ ወከፍ ሰብ ክሳዕ ክልተ ኪሎ ግራም ቅርሺ ብሩር አከበ እሞ ምእንቲ ኅድገት ኃጢአት መሥዋዕቲ ምእንቲ ኬዕርጉ ናብ ኢየርሳሌም ሰደዶ። ብትንሣኤ ምውታን ይአምን ስለ ዝነበረ ነዚ ክቡር ተግባር ፈጸሞ። ንሱ ምውታት ከም ዚትንሥኡ እንተ ዘይአምን ነይሩ ምእንቲ ምውታት ምጽላይ ከንቱን ዕሽነትን ነይሩ።ይሁዳ ግና ብእምነት ዝሞቱ ዜደንቕ ዓስቢ ተነቢርሎም ከም ዘሎ ስለዝተገንዘበ ነቲ ቅዱስ መንፈሳውን ተግባር ፈጸሞ ምእንቲዚ እቶም ዚሞቱ ሓራ ምእንቲ ኪኾኑ ኅድገት ኃጢአት ዚረክብሉ መሥዋዕት አዕረገ።"( 2መቃ38-45) ስለዚ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ሥርዓት አበው መሠረት ብምግባር ብዛዕባ ተዝካር ትምህረና።

No comments:

Post a Comment