bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 6 May 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 11 ክፋል

14 ናብ መልኣክ ማኅበር ሎዶቅያ ጽሓፍ
 

ኣውሳብዮስ ኣብ ናይ ታሪኽ መጽሓፉ፡ እዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመስገኖ ናይ ሎዶቅያ ቤተ ክርስቲያን ሓለቓ “ሳጋሪስ” ዚተባህለ ኣቦ ምዃኑ ይገልጽ። ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ግን “ኣርካቦስ” ኢሎም ይጽውዕዎ።

 
እቲ ኣሜን እሙን ሓቀኛ ምስክር ቅድሚ ፍጥረት እግዚአብሔር ዝነበረ ከምዚ ይብል ኣሎ።

 
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ለዘብተኛነት ዝፍትኖም ናይ ሎዶቅያ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኪግለጸሎም ከሎ፡ “ኣሜን ዝኾነ ዝተኣመነን ሓቀኛን ምስክር” ኮይኑ እዩ ተገሊጽሎም።

ኣሜን “ብዕብራይስጥ ሓቂ እዩ ዝተኣመነ እዩ ማለት እዩ። ኣብ ኢሳ 65፡16 “ብኣምላኽ ሓቂ” ዝብል ኣብ ዕብራይስጥ “ኣምላኽ ኣሜን ይብል” ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኡኡ እወ እዩ እምበር እወን ኣይኮነንን ኣይነበረን እሞ ኣምላክ እሙን ከም ዝኾነ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቃል እወን ኣይኮነንን ኣይነበረን” (2ቆሮ 1፡9) ይብል። “እወ” ዝብል ቃል ኩሉ “እሜን” ዝብል እዩ። እዚ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ንደቂ ሰባት ብእግዚአብሔር ዝተዋህበ ቃል ኪዳን ዝፍጽም ምዃኑ ዘረድእ እዩ
 
እሙን ሓቀኛ ምስክር “ንኣቡኡ እሙን ኣገልጋሊ ኮይኑ ብመዋእለ ሥጋዌ ናይ ኣቡኡ ፍቓድ ፈጺሙ እዩ” ንምእመናን ዝኣተወሎም ኵሉ ቃል ኣብ ምሃብ ድማ እሙን እዩ። ብቓሉ ሓቀኛ መምህር ብምግባሩ ሓቀኛ ኣርኣያ፡ ብፍቕሪ ድማ ሓቀኛ ኣፍቃሪ እዩ።
ቅድሚ ፍጥረት እግዚአብሔር ዝነበረ “ናይ ጥንቲ ኣርዮሳውያንን ናይ ሎሚ ተረፈ ኣርዮሳውያን ጂሆቫ ዊትነስን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣብ ናይ መጀመርያ ፍጥረት ኢሎም ይኣምኑ። ጐይታና ግን ቅድሚ ኵሉ ፍጥረት ዝነበረ ምዃኑ ነገሮም። ሰለስቱ ምእት ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ዘተወልደ ወአኮ ዘተፈጥረ” ዝተወልደ ድኣ እምበር ዝተፈጥረ ኣይኮንን ብምባል ዘቐመጡልና ሓቂ እዚ እዩ።
ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ ግብርኻ እፈልጥ ኣለኹ። ብኻ  ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምኾንካ። 16 ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይውዑይ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።(15-16)
 

ዝሑል ውዑይ ልቡጥ

 
ሊቃውንት ብዛዕባ እዞም ሰልስተ መግለጺታት እዚኣቶም ዝተፈላለየ ትርጓሜ ይነግሩና

1ይ ዝሑል ዘይምእማን ወዑይ ድማ ምእማን

ናይ መጀመርያ ትርጉም “ዝሑል” ዝተባህለ ዘይምእማን ኪኸውን ከሎ፥ “ውዕይ” ድማ ብእምነት ምቅጻል ማለለት እዩ ዝብል እዩ።

ቪክቶሪያነስ “ልቡጥ” ማለት ኣማኒ ወይ ዘይኣማኒ ዘይምዃን እዩ። መርገጺ ዘይብሉ ምስ ኣማኒ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ ድማ ዘይኣመኒ እናኾነ  ምስ ኵሉ ብዝሰማማዕ መልክዑ ምስ ውዑይ ውዑይ ምስ ዝሑል ድማ ዝሑል መሲሉ ዝነብር እዩ” ይብል
2ይ. “ዝሑል ቅጽዓት ፈሪሕካ ካብ ኃጢኣት ምሕላው፡ ውዑይ ድማ  ስለ ፍቕሪ እግዚአብሔር ክትብል ንኃጢኣት ምግዳፍ እዩ፡ ልቡጥ  ዝበሃል ግን ፍቕርን ፍርሓትን ዘይብሉ እዩ” ዝብል እዩ

ቃስያን ድማ “ውዑይን ዝሑልን ዋጋ ዘለዎን ዋጋ ዘይብሉን ሕይወት እዩ። ልቡጥ ድማ ነቲ ዋጋ ዘለዎ ሕይወት ዝደሊ ትግሃትን ተጋድሎን ግና ዘይብሉ እዩ”

3ይ ሓደ ሓደ ሊቃውንት ድማ “ውዑይ ዝተባህሉ ከም ኤልያስ ከም ዮሐንስ መጥምቕን ፊት ንፊት ተቓዊሞም ንሓቂ ዝምስክሩ፡ ዝሑል ዝተባህሉ ድማ ከም ሙሴ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብጥበብን ብሜላን ምሂሮም ዘጽንዑ እዮም። ልቡጥ ዝተባህሉ ድማ ጥበብ ወይ ድፍረት ዘይብሎም እዮም” ብምባል ይትርጉምዎ።

4ይ ካልኦት ድማ ዝሑል ዝተባህሉ በደሎም ኣሚኖም ብውሽጦም ዘሰላስሉ እዮም፡ ከም ማርያም እንተ እፍረት ሙሴ ጸሊም፡ ማርያም ግብጻዊት፡ ከምቲ ቀራጽን (18:9) ዝኣመሰሉ እዮም። እዚኣቶም ጸኒሖም እሳት ዝኾነ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምስ ረኸቡ ውዑያት ይኾኑ። ልቡጥ ዝተባህሉ ግን ንርእሶም ኣጽዲቖም ማንም ናይ ጽድቂ ሥራሕ ከይሠርሑ ዝነብሩ እዮም።

ዮሐንስ ካስያን ካብ መነኮሳት ይኹኑ ካብ ዓለማውያን ብዙሓት ዝሑላት ሰባት ናብ መንፈሳዊ ውዑይነት ክልወጡ ርኢና ኢና፡ ልቡጣት ግና ሓደ እኳ ናብ ውዑይነት ክልወጡ ኣይረኣናን" ይብል።

ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ

 
ኣብ ሎዶቅያ ዝነበረ ልቡጥ ማይ  ምስ ሰተኻዮ ዕግርግር ከም ዘብለካ ዝገብር፡ ብዙሓት ምስ ሰተይዎ ተመሊሶም ከም ዝተፍእዎ ዝገብርን ማይ ነበረ። ሕጂ ድማ ጎይታና ካብ ኣፈይ ጡፍ ኪብለካ እየ ብሎ።“ልቡጥነት ሕይወት ዘለዎ ሰብ ብእግዚአብሔር ምጽንናዕ ኣይረክብን እዩ”

17 ሃበታምን ፈሳስን እየ ሓንቲ ዝደልያ የብለይን ብምባልካ ሕሱርን ዘደንግጽን ነዳኢን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘለኻ።
 
ሎዶቅያውያን ሃብታማት ሰብ ጸጋ እዮም ኔሮም። ካብተን ኣብ ከባቢኦም ዝነበራ ካልኦት ከተማታት ብዝሓሸ እቶም ናይ ሎዶቅያ ክርስቲያን ኣባላት ናይቶም ኣብ ዝለዓለ ቦታ ዝምደቡ ንበሩ። ብዝረኸብዎ ሃብቲ ኣምላኾም ኣብ ክንዲ ዘመስግኑ ግን ብሸለልትነት እግዚአብሔር ኣድልየናን እዩ ኢሎም ሓሰቡ። ሓደ ሓደ ሰባት እግዚአብሔር ናይ ሽግር ዓርኮም ጥራይ ጌሮም እዮም ዝርእይዎ። ዝሓትዎ ነገር እንተዘይብሎም ንእግዚእብሔር ኣይደልይዎን እዮም። ኣብ ጊዜ ሽግሮም እንተዘይኮይኑ ናብኡ ኣይጽልዩን።
 
(ነዳይ) ድኻ ስእነት ምስኪንነት  ማኅበራዊ ሕይወት ምውዳቕ ዕዉርንነት ብርሃን ምስኣን  ዕሩቕነት ናይ ልብሲ ምግፋፍ ምሳሌ እዩ።

ድኻ ኢኻ ኢልዎ ካብ ናይ መንፈስ ጸጋታት ዋላ ሓንቲ የብልካን
 
መስኪን ኢኻ ምስ ቅዱሳን ዝነበረካ ክብሪ ተዋሪድካ ማለቱ እዩ

ዕውር ኢኻ ክብሪ እግዚአብሔር እትርእየሉ መንፈሳዊ ዓይንኻ ዓይነ ልቦናኻ ዓዊሩ ማለቱ እዩ።
 
ዕሩቕ ኢኻ ማለቱ ብሃርን ብወርቅን እንተኸበርካ ካብ ናይ ጸጋ ልብሲ ግን ዕሩቕ ኢካ ማለቱ እዩ።

ናይ’ዚ መፍትሒ (መድሃኒት) ድኣ እንታይ ይኸውን?
 
ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ፡ ምእንቲ ክትርኢ ነዕይንትኻ ክትኮሓለሉ ውን ኵሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣለኹ።

 
ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ “ናይ ሎዶቅያ ኢንዳስትሪ ወርቂ ብምጽራይን ብምሻጥን ዝተመሥረተ እዩ ኔሩ። ወርቂ ሃይማኖት እዩ። ወርቂ ብእሳት ከም ዝፍተን ክርስቲያን ድማ ብዓለም ይፍተን። “ይፍትነኒ ከም ወርቂ ኮይነ ከኣ ክወጽእ እየ” ከም ዝበለ እዮብ(23፡10)
ሲራክ ውን “ከምቲ ወርቂ ብእሳት ዝፍተን ጻድቃን ሰባት ድማ ብእሳት ውርደት እዮም ዝፍተኑ”(ሲራ2)፡1-5 ምሳ 27:21) ይብል።


ናይ ሰርምኔስ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ምስ ናይ ሮማውያን ኣምልኾ ጣኦት ኣይንተሓባበርን ብምባሎም፡ ብምድራዊ ሃብቲ ድኻታት ብመንፈስ ግና ሰብ ጸጋ ኮይኖም ነበሩ። ናይ ሎዶቅያ ክርስቲያን ግን ክርስትናኦም ንናይ  ኣምልኾ ጣኦት ባህሊ ሸይጦም ምድራዊ ሃብቲ ብምርካብ ሰማያዊ ሃብቲ ግና ስኢኖም ነበሩ።

ጻዕዳ ክዳውንቲ “ናይ ዓወት ምልክት እዩ። ዕራቖትነት ሕፍረት እዩ። ዕራቖትካ ምዃን መወዳእታ ኣብ ቅድሚ እግዚእብሔር ከም ትሓፍር እዩ ዝገብረካ። ዕራቖትካ ምዃን ድማ ናይ ውርደት ምልክት እዩ፡ ዕራቖትነት ብጻዕዳ ክዳን ክሽፈን ኣለዎ ማለት፤ መንፈስ  ኣብ ልዕሊ ሥጋ፡ እምነት ኣብ ልዕሊ ጥርጥር፡ ሰማያዊ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ምድራዊ ሕይወት እንኽደኖ ናይ ዓወት ክዳን እዩ።

ክዳኖም ዘይጸየቑ ናይ ሰርዴስ ክርስቲያን፡ “ጻዕዳ ልብሲ ለቢሶም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም”(ራእ 3:4) ተባሂሎም ኣለዉ። ክዳን ምጽያቕ ዘተባህለ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ኣምላኺ ጣኦት ሕብረተ ሰብ ብባዕድ ኣምልኾ ምትሕብባር እዩ። ጻዕዳ ልብሲ ድማ ናይዞም መምለኽያነ ጣኦት መከራ ተጻዊርካ ምስዓር እዩ።

ኩሕሊ “ናይ ትንቲ ሰባት ንመጋየጽን ዓይኒ ንምጽራይን ይጥቀምሉ ነበሩ። ዓይኒ ዝበሎ ዓይነ ልቦና እዩ፡  ቅዱሳት መጻሕፍቲ ፈሊጥካ ካብ ናይ ስሕተት ጎደና ንክትምለስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እትርድኣሉ  ናይ ፍልጠት ጸጋ ካባይ ውሰድ ማለቱ እዩ። ንቢይ ሆሴእ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ጠፍአ ከም ዝበለ” (ሆሴ 4፡6)  ሕጽረት መንፈሳዊ ፍልጠት ንሰብ ናብ ጎደና ጥፍኣት ይመርሖ።

19 ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ።
 

 “ሎዶቅያውያን ተግሳጽ ስለ ዝበዝሖም፡ ስለምንታይ ተግሳጽ ከም ዘብዝሓሎም ክነግሮም  እንከሎ ካብ ጽልኢ ዝተላዕለ ዘይኮነ፡ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ እዩ በሎም” “ወደየ ከምቲ ወላዲ ንዘፍቅሮ ውሉዱ ዝቐጽዖ ከምኡ ድማ እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቅሮም ይቐጽዖም እዩ እሞ  ተግሳጽ እግዚአብሔር ኣይትንዓቕ እንተቐጽዓካ ድማ ኣይትመረር።(ምሳ 3፡12)

 
 ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። 20 እነሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ አብል ኣለኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተኸፈተለይ ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ እየ። ንሱ ውን ምሳይ ክቕመጥ እዩ።
 

እዚ ዝተዋህቦም ተግሳጽ ኣብ ሃይማኖቶም ቀናኣት መታን ኪኾኑን ንስሓ ንኺኣትዉን ዝተዋህበ ምዃኑ ነገሮም። ቅንኣት ውዑይነት እዩ። “እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ” ቅንኣት ቤትካ በሊዕኒ ከም ዝብል። ንስሓ ምእታው ድማ ብነብስኻ ምምካሕን ንርእስኻ ከም ጻድቕ ምርኣይን ገዲፍካ ነብስኻ ምውራድ እዩ።

No comments:

Post a Comment