bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 13 May 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 12 ክፋል


ምዕራፍ 12

ጸሓይ ዝተጎናጸፈት ሰበይቲ


ታሪኽ ናይ’ዛ ጸሓይ ዝተወንዘፈት ሰበይትን ናይቶም 3 ጸላእታን፡ ናይቶም 7 መለኸታት መደምደምታን ናይ’ዞም 7 ጽዋኣት ድማ መጀምርያን ዝኸውን ታሪኽ እዩ። ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ተጀሚራ ብናይ ብሉይ ኪዳን ኣበው ሓሊፋ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብወግዒ ዝተገለጸት ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ቀዳማይ ጸላኢኣ ምስ ዲያብሎስ ዝገበረቶ ትገብሮ ዘላን ብሕጂ ውን ትገበሮን ውግእ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኪንርኢ ኢና።

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። 2 ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት።


እዛ ሰበይቲ እዚኣ መን እያ?




ቀደምት ኣበው ብዛዕባ እዛ ጸሓይ ዝተወንዘፈት ሰበይቲ ክልተ ነንሕድሕዶም ዘተተሓሓዙ ትርጓሜያት ገዲፎምልና ኣለዉ።


1ይ ትርጉም ቤተ ክርስቲያን፡ ንክርስቶስ ዝወለደት ናይ ምእመናን ቤተ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን እያ። ብዘመነ ብሉይ ዝራድኣ ስኢና ን5500 ዓመታት ትጸዓር ዝነበረት (ዕብ11፡39) ድሕሪ 5500 ተባዕታይ ወዲ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን እያ። ቤተ ክርስቲያን ብዘመነ ብሉይ ተሓሲባ ብሓድሽ ኪዳን ተገልጸት፡ ብዘመነ ብሉይ ተወጢና ብዘመነ ሓድሽ ተፈጸመት። ናይ ብሉይ ኣበው ክርእይዋ ዝተመነዩ ናይ ሓድሽ ኣበው ዝረኣይዋ እያ። ጎይታና ኣብ ወንጌል “ኣብርሃም መዓልታተይ ኪርኢ ተሓጎሰ ርኣየ እሞ ባህ በሎ” ብምባል ምሂሩ እዩ። (ዮሐ 8፡56)

ኣብርሃም ኣብ ሕገ ልቦና ዝተጀመረ ጽድቁ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን እዩ ምሉእ ዝኾነ። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣበው ምስ ዘርዘረ "ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኵላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን" ኢልዎም ኣሎ።(ዕብ 11:39)

ቪክቶርያነስ “ንሳ ናይ ቀደምት ኣበው ናይ ቅዱሳን ነቢያትን ናይ ሐዋርያትን ቤተ ክርስቲያን እያ።ነቲ ብምሳሌኦምን ብመከራኦምን ናይ ደቃ ፍረ ኮይኑ ብሥጋ ዝመጽእ ክርስቶስ ብምጽባይ እዮም ዝፍለጡ። ንዓኣቶም ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት  ቃል ተኣትይሎም ነበረ። ንሱ ውን ካብዞም ሕዝብታት እዚኣቶም እዩ ሥጋ ዝወሰደ። ፀሓይ ምጕንጻፋ ናይቲ ተስፋ ቃል ክብርን ተስፋ ትንሣኤ ሙታንን የመልክት። ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ ምርጋጻ ድማ ናይዞም ቅዱሳን  ሥጋ ግዴታ ብዝኾነን ብዘየቋርጽን ሞት ምውዳቑ የርኢ። ንሳቶም ኣብ ውሽጢ ጸልማት ከም ወርሒ ደሚቖም እዮም።ኣብ ርእሳ ዝረኣዩ 12 ከዋኽብቲ ንዓአቶም ክብል ጐይታ ዝተወለደሎም 12 ኣርእስተ ኣበው ምሳሌ እዮም” ብምባል ይትርጉሞ።
 
ኣቡሊድስ ዘሮም ነዚ ኪትንትን ከሎ “ፀሓይ ዝተጐናጸፈት ሰበይቲ ኣቦ ንቃሉ ዝለኣኸላ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ግልጺ እዩ። ስለ’ዚ መልክዓ ካብ ብርሃን ፀሓይ ይበልጽ። ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ ብምባል ንሳ ሰማያዊ ክብሪ ከም ዘለዋ ገለጸ። ካብ ወርሒ ንሳ ትበልጽ እያ’ሞ፡ ኣብ ርእሳ 12 ኣኽሊል ምርኣዩ ቤተ ክርስቲያን ዝመሥረቱ 12 ሐዋርያት እዮም። ወዲ ንምውላድ ጻዕሪ ምትሓዛ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ህሞት ንኣካላዊ ቃል ብልባ ካብ ምዝካር ከም ዘይተቋርጽን ብኣህዛብ ካብ ዝወርዳ መከራ ውን ከም ዘይተቋርጽን ዘመልክት እዩ”
2ይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ቤተ ክርስትያን መራኸቢት ድንግል ማርያም እያ። ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን አበው ተረኺባ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጀማሪትን ናይ ብሉይ ኪዳን ፈጻሚትን ኣደ ክርስቶስ ኮይና እያ። ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ዝወለደቶ ብመንገዲ ድንግል ማርያም ስለ ዝኾነ ድንግል ማርያም ናይ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እያ። ንሳ እስራኤላዊት እያ ፡ናይ መጀመርያ ክርስቲያን ድማ ንሳ እያ፡ ሓቀኛ እስራኤላዊት ንሳ እያ፡ ኣንጻር ናይታ ኣብ ምዕራፍ 17 ተገሊጻ ዘላ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቓዋሚት ዝኾነት ዘማዊት ሰበይቲ፡ ንቤተ ክርስቲያን ብኣማላድነታ እትድግፍ ኣደ እያ።

ድንግል ማርያም ጸሓይ ተጎናጺፋ ተራእየት፡ ጸሓይ ዝተባህለ ጸልማትና ብብርሃኑ ዘርሓቐ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸኒሳ ስለ ዝነበረት እዩ። ንሱ ሓቀኛ ጸሓይ ምዃኑ "ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ" (ዮሐ 8:12) ኢልና ኣሎ። ነቢይ ሚልክያስ ውን "ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጻሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ" ብምባል ብዛዕባ እዚ ኣማናዊ ጸሓይ ተነብዩ ኔሩ።(ሚል 4:2)
 
ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡
 
ወርሒ ዝተባህሉ ቅዱሳን እዮም። ወርሒ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን የብላን፡ ብርሃና ካብ ጸሓይ እያ ትወስዶ። ቅዱሳን ድማ ብርሃኖምን ቅድስናኦምን ካብቲ ምንጪ ኩሉ ብርሃን ዝኾነ ሓቅኛ ብርሃን ድኣ ይወስድዎ እምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ብርሃን የብሎምን። ናይ ጸጋ ብርሃን እምበር ናይ ባህሪ ብርሃን የብሎምን።
 
ነዚ ኣብነት ኪኾነና ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ንውሰድ። ብዛዕባኡ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኪጽሕፍ ከሎ "ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን" ኢልዎ ኣሎ" (ዮሐ 18) ግን ብሓቂ ዮሐንስ መጥምቕ ብርሃን ኣይነበረን ድዩ? ክርስቶስ ብዛዕባ ዮሐንስ መጥምቕ ኪምስክር ከሎ ድማ "ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም" ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ።(ዮሐ 5:35)


ኣብ’ዚ እዚ ቃላት ዝጋጮ ይመስል፡ ዝጋጮ ኮይኑ ግን ኣይኮነን። ዮሐንስ ወንጌላዊ ንዮሐንስ መጥምቕ "ብርሃን ኣይነበረን" ማለቱ ዮሐንስ እቲ ሓቀኛ ብርሃን ኣይነበረን ማለቱ እዩ። ጎይታና "ዮሓንስ ዝነድድን ዝብርህን መብራህቲ ነበረ" ዝበሎ ድማ ዮሐንስ ናይ ጸጋ ብርሃን ከም ዝኾነ ንምግላጽ እዩ። ከም’ቲ ወርሒ ብርሃና ካብ ጸሓይ ትወስድ፡ ቅዱሳን ድማ ካብ’ቲ ናይ ባህሪ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ብርሃኖም ይወስዱ። ስለ’ዚ ድማ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ ምስ በለ "ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም" ብምባል ካብ ብርሃኑ ንቅዱሳን ብጸጋ ዓደሎም።(ማቴ 5:14-15)

ስለ’ዚ ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ ማለቱ፡ ቅዱሳን ኣብ ትሕቲ እግሪ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወዲቖም ናይ ጸጋ ስግደት ይሰግዱላ ማለት እዩ። እዚ ወርሒ ዝተባህለ ዮሐንስ ገና ኣብ ምህጸን ኣዲኡ ከሎ ድምጺ ናይ’ዛ ንጸሓይ ጸኒሳ፡ጸሓይ ተወንዚፋ ናብ ኣዲኡ ዝመጸት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሰምዕ፡ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ኮይኑ ሰገደ ብምባል ሐዋርያት ኣብ ሲኖዶሶም ቅዱስ ያሬድ ውን ኣብ ድርሳኑ ተርጉመሞ ኣለዉ። (ሉቃ 141) "በከመ ሰገደ ዮሐንስ በከርስ" ከም ዝብል።


ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ዝተባህሉ ድማ እስራኤል ብ12 ነገድ ከም ዘተመስረተት፡ ሓድሽ ኪዳን ድማ ብ12 ሐዋርያት ጎይታ መስሪትዋ እዩ። ስለ’ዚ ቀደምት ኣበው ይኹኑ ሐዋርያት ንድንግል ማርያም ኣኽሊልና ንስኺ ኢኺ እናበሉ ኣብ ዙርያኣ ከቢቦም የመስግንዋ ማለት እዩ። “አክሊሎሙ ለሰማዕት” ከም ዝብላ።


 2 ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት
ጥንስቲ እያ ዝበለ ነቲ ጸሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸኒሳ ሰለ ዘነበረት እዩ።

 
ጻዕሪ ዝብል ግን

1ይ ብልማደ ኣንስት እዩ። ማለት ንካልኦት ኣንስቲ ኣብ ጊዜ ወሊድ ጻዕሪ ከም ዘጋጥመን ብልማደን ድኣ ተዛረበ እምበር ንሳስ ብዘይ ጻዕሪን ቅልውላውን እያ ውሊዳ። ነቢይ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “ቅልውላው ከይሓዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት” ብምባል መስኪርላ ኔሩ።(ኢሳ 66፡7)
ናይ ሓድሽ ኪዳን ሊቃውንት ውን ነዚ ብዝምልከት ኣዝዩ ጥንቃቐ ብዝመልኦ ኣዘራርባ እዮም ዝጽሕፉልና። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ኣብ ራብዓይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዱስ ኣቦ ናይ ድንግል ማርያም ንጎይታ ምጥናሳን ምዉላዳን ምስ ናይ ካልኦት ኣንስቲ ኣይተመሳስልዎ። ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከምዚ ክንነግር ኣይግባእን እዩ። ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብዘይ ዘርኢ ጠኒሳ ከይተጻዕረት ወለደቶ እቲ ኣብ ግዜ ወሊድ ዘጋጥም ጻዕርን ሕማምን ፈጺሙ ኣይረኸባን። ናይ ኣምላኽ ስራሕ ስለ ዝኾነ ምጥናሳ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ናይ ምዉላዳ ምስጢር ሓይሊ ዉን ኣይምርመርን እዩ። ነቲ ማንም ባህሪኡ ክፈልጦ ዘይክእል ወለደቶ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ዉን ኣይተለወጠን “ ሃይማኖተ ኣበው ዘጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ 60፡14-15 ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።
 
ካብ 426-446 ዓ።ም ዝነብረ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ቅዱስ ኤራቅሊስ ድማ ከም’ዚ ይብል ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ድንግል ኣደ ኮነት ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ውን ነበረት” ሃይማኖተ ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48
 
እቲ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ዝዘርአ  ኣብ 1483-1546 ዝነበረ ናይ ፕሮቴስታንት መሥራቲ ማርቲን ሉተር ውን ድንግል ማርያም ኣብ ጊዜ ሕርሲ ጻዕሪ ከም ዘይነበራ ኪገልጽ ከሎ “It is a sweet and pious belief  that the infusion of mary’s soul was effected without original sin.........(ናይ ማርያም ነፍሲ ምስ ሥጋኣ ኣብ ዝተወዋሃደትሉ ጊዜ ካብ ኃጢኣት ፍጹም ዝነጽሐትን ጥንተ ኣብሶ ዘይብላ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዘጋየጸት ንጽሕት ነፍሲ ኮይና ኢያ ምስ አግዚአብሔር ዝተወሃሃደት፡ ንጽሕት ነፍሲ ተቐቢላ ኔራ በዚ ውን ድንግል ምንባር ካብ ዝጀመረትሉ ጊዜ (ካብ ፅንሰታ) ጀሚራ ካብ ኵሉ ኃጢኣት ዝነጽሐት ኮነት ነዚ ምእማን ምቁር ኢዩ...... ማርያም ናይ ብሓቂ ኣዲኡ ኢያ ንሱ ውን ናይ ብሓቂ ወዳ ኢዩ፡ ስለ ሰብነታ ንባህሪኡ ዝሰማማዕ ናይ ኣደነት ተራኡ ተዋጺኡ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን ክትወልዶ እንከላ ብዘይ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ ክትወልዶ እንከላ ውን ብዘይ ጻዕሪ ብዘይ ሕማም ብዘይ ምፍታሕ ማህጸን ኢዩ። እግዚአብሔርብጻዕርን ቅልውላውንክትወልዲ ኢኺ ኢሉ ዝተዛረቦ መርገም ንዓኣ ኣይተንከፋን (ዘፍ 317) ብምባል ብግልጺ ምሂሩን ጽሒፉን ኔሩ (Sermon on the Day of the Conception of Mary, Mother of God, 1527)፡፡
2ይ ብካልእ መንገዲ ድማ እዚ ጻዕሪ ዝብል ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ውን ከም ዝኾነ ኣብ ላዕሊ ርኢናዮ ኣለና።

No comments:

Post a Comment