bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 18 May 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት መበል 16 ክፋል

  
 ኣድላይነት ተዝካር፦
  
1. ዕረፍተ ነፍስ ይረኽቡ፣ ብሞት ንዝተፈለዩ ምእመናን ብካህናት ኣቦታትና ስመ ክርስትናኡ ብጸሎት እናተጸወዐ ዝፍጸመሉ ሥርዓት ስለዝኾነ ካብ እግዚኣብሔር እታ ነፍሲ ምሕረት ትረክብ። ቅዱስ ኣቦና ሊቀ ነብያት ሙሴ "ሮቤል አይሙት ይንበር” እናበለ ምእንቲ ሮቤል ጸለየ (ዘዳ 33-6) 

2. እምነትና ዝግለጸሉ እዩ ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምውታንን ሕያውንን ብጸሎት ይራኸቡ እዮም። ከምቲ እታ ከነናዊት ሰበይቲ ስለ እታ ዝሞተት ጓላ ንጎይታ ለመነት እምነታ ተመልኪቱ ድማ ንጓላ ካብ ሞት ኣተንስኣላ። ማቴ (1521-25) እዚ ስለዝኾነ ነቲ ኩሉ ዝከኣሎ ጎይታ ብእምነት ምስ እንቐርቦ ነቲ ዝደለናዮ ይፍጸመልናብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምርዎ ኣይከኣልን እዩእቲ ናብ ኣምላኽ ዝመጽእ ኩሉ ኣምላኽ ከም ዘሎ ነቶም ዘናድይዎ ኸኣ ዓስቢ ከምዝሃቦም ክኣምን ይግባእ” (ዕብ 116)

 3. .በረኸት ቅዱሳን ንረኽበሉ ተዝካር ብምግባር ናይ ጻድቅ ነፍሲ ንዓቢይ ክብሪ ዝበቕዐት ምዃና ብእምነት እንምስክረሉ ከምዚ ብምግባር በረኸት ካብ ቅዱሳን እንረኽበሉ እዩ።ጻድቃን ብሕያውነቶም ይዝከሩምሳ 107 ከምኡውን መዝ 1121ተመልከት ትርጉም ዕለታት ተዝካር ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ሲራክ ኀዘን ናብ ልብኻ ምእታው ናብ ሞት የብጽሕ ከምዝበሎ። ኀዘንና ብሥርዓት ቤተክርስትያን ብምፍጻም ብሞት ንዝተፈለየ ሰብ ተዝካር ክግበረሉ ይግባእ። እዚ ክበሃል ከሎ ብዓቢይ ድግስ ብምግባር ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ኣቲኻ ማለት ዘይኮነ ብጸሎት ስመ ክርስትና ናይቲ ብሞት ዝትፈለየ ኣብ ቤተክርስትያን ብምዝካር ንነዳያን ብምምጽዋት ማለት እዩ። እዚ ድማ ካብ ሓዋርያት፣ ሠለስቱ ምዕት ርቱዐነ ሃይማኖት ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ።

  ዕለታት ናይ ተዝካር

1ይ ዕለተ ሞት፦ ነፍሲ ካብ ሥጋ ተፈልያ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ስለ ትቐውም ብዕለቱ ጸሎተ ፍትሐት ክበጽሕ ይግባእ።ምእንቲ ክጽልዩስ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ካህናት ዚበልኹም ኣቕርቡ።” ከም ዝብል (ዕዝ6-9)

2ይ ብሣልሳይ መዓልቲ፦ “ወግበሩ በሳልስት ዕለት ተዝካረ በእንተ እለ ሞቱ በመዝሙራት ወጸሎታት በእንተ ዘተንስኣ በሳልስት ዕለት” ከምቲ ጎይታ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ካብ ምውታን ቦኽሪ ኮይኑ ዝተንሰአ፡ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ብመዝሙርን ጸሎትን ጌርኩም ተዝካር ግበሩ”  (ፍት ነገ ኣን 22፡790)

  3ይ ሻብዓይ መዓልቲ፣  መላእኽቲ ነፍሲ ካብ ሥጋ ምስ ተፈለየት ንሸውዓተ መዓልታት ንገነትን ንሲኦልን ብምዛር የርእይዋ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቦታኣ የቐምጥዋ ይብል። (ዕዝራ ስቱኤል 6-31) ከምኡውን ጎይታ ብሽዱሽተ መዓልቲ ብምዕያይ ብሻብዓይቲ መዓልቲ ካብ ኩሉ ግብሩ አዕረፈ። በዚ መሠረት እቲ ካብ ሸውዓተ ባህርያት ዝተፈጥረ ወዲ ሰብ ካብ ዝፈጸሞ ኃጢኣት ይቕሬታ ምሕረት ዕረፍቲን ንኽረክብ ጸሎት ፍትሓት ይግበር። (ዕዝ ሱቱ 635-32)

4ይ ዓሠርተ ክልተ መዓልቲ፦በቶም ብሰማይውን ኣብ 12 መናብር ኮፍ ብምባል ክፈርዱ ሥልጣን ዝተቐበሉ ሓዋርያት ሥልጣኖም ብጸሎቶም ኣማላድነቶም ብምእማን ዝምፍጸም እዩ። (ፍት ነገ ኣን 22 ማቴ 1919)

 5ይ ሠላሳ መዓልቲ ከምቲ ህዝቢ እስራኤል ዘሥጋ ሙሴን አሮን ብሞት ሥጋ ምስተፈለዩ 30 መዓልቲ ብኀዘን ዝዘከርዎም ምሳሌ ብምግባር ሎሚ እስራኤል ዘነፍሰ ክርስትያን ድማ ኣብ 30 መዓልቲ ብጸሎት ይዝክርዎ። (ዘኁ 2029 ዘዳ 308 ፍት ኣን 22)

6ይ ኣርብዓ መዓልቲ 40 መዓልቲ ብዙሕ ምሳሌ ስለዘለዉ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ 

 . ኣዳም ምስ ተፈጥረ ድሕሪ 40 መዓልቲ ናብ ገነት ኣተወ። ስለዚ ነዛ ዝሞተት ነፍሲ ናብ ገነት (ዘልዓለማዊ ሕይወት) ኣብቅዓያ ብምባል ብጸሎት ንዝክራ። (ኩፋ 49)
. ሰብ ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ክህነጽ ከሎ ኣብ መበል 40 መዓልቲተሥዕሎተ መልክዕይፍጸመሉ። ቅዳሴ አትናቴዎስ ስለዚ ፈጣሬ ነዛ ነፍሲ ንኽምሕራ ንምሕጽን።
. ጎይታ ካብ ምውታን ምስ ተንሥአ ድሕሪ 40 መዓልቲ ናብ ሰማይ ዓረገ። ስለዚ ዕርገተ ነፍሲ (ናይ ነፍሲ ክብሪ) ሃባ ብምባል ንምኅጸን። (ሉቃ2449 ፍን ገነአን 22)

7ይ ሰማንያ መዓልቲ ኣዴና ቅድስቲ ሔዋን ምስ ተፈጥረት ኣብ 80 መዓልቲ ናብ ገነት ኣተወት በዚ መሠረት ብጸሎት ምጽዋት ብምግባር ነቲ ዝሞተ ሰብ ንዝክር። (ኩፋ 49)

8ይ ኣብ መንፈቕ (ሽዱሽተ ወርሒ) ኅያዋን (ኣካል ሥጋ ዘለዎም) ማለት ብሕይወቶም ዘለዉ ሰባት ነቶም ብሞት ዝተፈልዩ ነፍሳት ካብ ልቦም ከምዘይረስዕዎም ብሥርዓተ ጸሎት ዘለዎም እምነት ንምግላጽ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ብጸሎት ምጽዋት ክንዝከሮም ተሓጊጉልና ንረኽቦ። (ፍት ነገ ኣን 22) 

 9ይ ኣብ ዓመት ካብ ዕለተ ልደቱ ዕለተ ሞቱ ከምዝበልጽ ከምዝበለ ጥበበኛ ሰለሞን (መክ 7-2) ኣብ ዓመቱ ብጸሎት ብምጽዋት ክንዝክሮም ይግባእ። ስለዚ ነቶም ብሃይማኖትን ምግባር ጸኒዖም ዝነብሩ ሰባት ምዝካር መንፈሳዊ ሥርዓት እዩ።  ከምቲ እግዚኣብሔር ኣብ (ሕዝ 2011) “ሕግጋተይ ሃብክዎም፣ እወ ንዝፍጸሞ ዘበለ ሰብ ኩሉ ሕይወት ዝህብ ትእዛዘይ ኣፍልጥክዎምብምባል ዝተዛረበ ኣብ ቅድስተ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸም ጸሎተ ፍትሐት ኮነ ተዝካር ብእምነት ከምኡውን ብኣፍልጦ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ሎሚ ብዙሓት ካብ ሥርዓት ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝኾኑ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዓቢ ድግስ ብምግባር ዘይተደለየ ጸገም፣ ሽግር ዝፍጠር ብምእመን ይፍጸም ብምህላው፣ እዩ። ስለዚ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎኩሉ ኣትገብርዎ ብሥርዓት ይኹን” 1ቆሮ 1440 ዝበሎ ምስጢር ትርጉምን ጸሎተ ፍትሐት ኮነ ተዝካር ብምፍላጥ ብሥርዓት ቤተክርስትያን ክፍጸም ይግባእ። እዚ ድማ ናይ ሞዋቲ ብጸሎት ብምዝካር ንጽጉማትን ሽጉራትን ዘኽታማትን ብምሕጋዝ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ክንፍጽሞ ይግባእ። ከምኡውን ጸሎት ፍትሓት ነቶም ብሃይማኖትን ምግባርን ሒዞም ዝነብሩ ዝፍጸም ሥርዓት ካብ ኮነ ሎሚ ኩላትና ሃይማኖትን ምግባርን ሒዝና ክንርከብ ይግባእ። ንኹሉ እግዚኣብሄር ይሓግዘና። 

No comments:

Post a Comment