bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 14 April 2016

ንህቢ መዓስ እያ ትመውት?

ንህቢ መዓስ እያ ትመውት?
ብቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ (ሰማዕትነት ኣያምልጣቹ ካብ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ)

መግለጺ ናይ በሊሕ ሰብ ንሱ ስለ ዝኾነ ኵሉ ጊዜ ኣመስገንቲ ኵኑ። ክፉእ ድዩ ረኺብኩም? እዚስ ንስኻትኩም እንተፈቒድኩም ክፉእ ኣይኮነን። ኵሉ ጊዜ ኣመስግኑ እቲ ክፉእ ዝበልኩሞ፡ ጽቡቕ ኪኾነልኩም እዩ። ምስ ፍቱው ኣቦና ኢዮብ ኴንኩምስም እግዚአብሔር ዝተባረኸ ይኹንእናበልኩም ኣመስግኑ።(ኢዮ 121)
እስከ ንገሩኒ! ወሪድናትብልዎ ክፉእ ነገር እንታይ እዩ? ሕማም ድዩ? እዚ ድኣ እሞ መዓስ ሓድሽ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ሥጋና መዋቲን ንሥቓይ ዝተጋለጸን እዩ።ሃብትን ንብረትን ኪንረክብ ኣለናዝብል ድሌት ድዩ? እዚ ውን እኮ ኪርከብ ዝከኣል እዩ። ምስ ረኸብካዮ ግን መሊሱ ዝጠፍእን ኣብ ዓለም እዚ ዝተርፍን እዩ። ካብ ኣሕዋት ዝመጸኩም ሓሜትን ናይ ሓሶት ክሲን ድዩ? እዚ ድኣ እቶም ዝጉድኡ እቶም ሓመይቲን ብሓሶት ዝኸሱን እምበር ንሕና መዓስ ኴንና።ኃጢአት ትሠርሕ ነፍሲኪትመውት እያከም ዝብል፡ እቶም ዝጉድኡ እቶም ነዚ ኃጢአት እዚ ዝሠርሑ ድኣ እምበር ንሕና ኣይኮንናን።(ሕዝ 184) እቲ ዝጉዳእ እቲ ክፉእ ዝገብር ሰብ ድኣ እምበር፡ እቲ ምንም በደል ከይገበረ ክፉእ ዝረኽቦ ሰብ ኣይኮነን። ስለ በዚ ምዉት ሰብ ኪትቊጥዑ ኣይግባእን። እኳ ድኣ ካብ ሞት ንኽድሕን ኪትጽልዩሉ እዩ ዝግባእ። 


ንህቢ መዓስ ድያ ትመውት? ንካልእ ምስ ነኸሰት እያ። እግዚአብሔር በዛ ፍጥረት እዚኣ ጌሩ፡ ንሓውና ኪንቁጣዕ ከም ዘይግብኣና ይምህረና። ንቑጣዕ (ንናኸስ) እንተኴንና ግን፡ ኣቐዲምና ንሕና ኢና ንመውት። ኪንቊጥዖም ከለና ዝጎዳአናዮም ይመስለና ይኸወን፡ እንኾነ ግን ከም ንህቢ ንሕና ባዕልና ኢና ንጉዳእ።

እንታይ ፍረ ኣፍሪና?
እዞም ደቀይ! እስከ ፍቐዱለይ እሞ ሓንቲ ሕቶ ኪሓተኩም። ብዙሕ ጊዜ ቤተ ክርስቲያን ትመላለሱ ኢኹም። ጽቡቕ እዩ። ግን እንታይ ለውጢ ኣምጺእኩም? እሞ ካብ ኣገልግሎትኩም ድኣ እንታይ ረብሓ ረኺብኩም። ጥቕሚ እንተረኺብኩም ግን ምምልላስኩም ናይ በሊሕ ሰብ ምምልላስ ኔሩ ማለት እዩ።
ነብያት ሐዋርያት ወንጌላውያን ከም እናመሃሩና ዘይንልወጥ እንተኴንና ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዝነበረ ምምልላስና ናይ ኣይሁድ ምምልላስ ኔሩ ማለት እዩ። ኣይሁዳውያን ሕጊ ኦሪት ዝተዋህበቶም፡ ብናታ መስትያት ኣቢሎም ኃጢአቶም ርእዮም ንስሓ መታን ኪኣትውላ እዩ። ንሳቶም ግን እታ ንሕይወት ዝተዋህበቶም ሕጊ ሞት ኮይና ረኸብዋ። ንሕና ውን ነዛ ንጽድቂ እምበር ንኵነኔ ዘይተዋህበትና ወንጌል፡ ፍሬ ዘይነፍርየላ እንተኴንና፡ ካብ ኣይሁዳውያን ብዝበኣሰ ቅጽዓት ኪትቀጽዓና እያ።
እስከ ምሳሌ መሲለ ከረድኣኩም። ሓደ ዝቃለስ ሰብ፡ ነቲ መጋጥምቱ መታን ኪስዕሮ፡ ተደጋጋሚ ልምምድ ዝገብር እንተኾይኑ ሓይሉን ክእለቱን ይብርትዕ። ንመጋጥምቱ ብቐሊሉ ኪስዕሮ ድማ ይከኣሎ እዩ። ተደጋጋሚ ዘንብብን፡ ነብሱ ዘመሓይሽ ሓኪም ንፉዕ ፈላጥን ንሕሙማት ብኣገባብ ዝረድእን ይኸውን።  ብተደጋጋሚ ቃሉ ዝንገረና ንሕና እንታይ ለውጢ ኣምጺእና? እንታይ ፍረ ኣፍሪና?
ነቶም ሓደ ዓመት ጥራይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጸንሑ ምእመናን ጥራይ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ነቶም ካብ ቊልዕነትና ኣትሒዝና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንመላለስ ዘለና እየ። ክንድ ዝኣክል ዘመን ናብ ቤቱ እናተመላለስና ፍረ እንተዘይፈረና፡ ቤተ ክርስቲያን በጺሕና እንተመጻና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ። ንምንታይ እዮም ኣቦታትና ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሃነጹልና? ትም ኢልና ንኽንእከብ ድዩ? ምእካብ እሞ ኣብ ፈቐዶ ዕዳጋታት ውን ኪንእከብ ንኽእል ኢና። ኣቦታትና ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሃነጹልና ቃለ እግዚአብሔር ኪንመሃረሉ፡ ሥጋኡን ደሙን ኪንቅበለሉ፡ ነንሕድሕድና ኪንተኣራረመሉ እምበር ንካልእ ዕላማ ኣይኮነን። እሞ እንታይ ፍረ ኣፍሪና?
ካብኻትኩምእሞ ኣነ እኮ ንሓወይ ኣይቀተልኩንዝብል ይህሉ ይኸውን እዩ። ግዲ የብልኩምን። ንሓውኹም ምስንኻል፡ ንኣምላኽ ደስ ንከየብሎን ጽቡቕ ነገር ከይገብርን ዕንቅፋት ትኾንዎ እንተኴንኩም፡ እዚ ካብ ምቕታል ዝገደደ እዩ። ደጊምኩም ውን ነዚ ኣስተውዕሉ፡ ብቅንኣት ተላዒልኩም ንሓውኹም ንምጕዳእ ኪትሓስቡ ከለኹም፡ ጽልእኹም ምስ  ሰብ እቲ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ጽልእኹም ምስ ጐይታኡ (ምስ ክርስቶስ) እዩ። ንሓውኹም ብቅንኣት ተላዒልኩም ኪትቀትልዎ ምስ ትሓስቡ፡ ካብቶም ብቅንኣት ተላዒሎም ንጐይታና ዝቐተልዎ ኣይሁድ ኣይትሕሹን ኢኹም። ንሓውኹም ብቅንኣት ተላዒልኩም ምስ ትጸርፍዎ፡ ካብቶም ብቀንኣት ተላዒሎም ንጐይታና ካብ ዝጸረፍዎን ምራቖም ካብ ዝተፍኡሉን ኣይሁድ ኣይትሕሹን ኢኹም።
ኣሕዋተይ! ቅንኣት ካብ ኵሉ ነገር ዝኸፍአ ኪነሱ፡ ከም ቀሊል  ኪንርእዮ ዝግብኣና ኃጢአት ኣይኮነን። ሽሕ ጊዜ ፍቕሪ እንተሃለወና፡ እልፊ ጊዜ እንተጾምናን እንተ ጸለናን ግን ከኣ ቅንኣት እንተ ድኣ ኣለና፡ ኵሉ ከንቱ ናይ ከንቱ ከንቱ እዩ።
እስከ ምሳሌ መሲለ ከረድኣኩም ኪፍትን። ኣብ ናይ ቆሮንቶስ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ብዝሙት ዝወደቐ ሰብ ነበረ። ምስ ተመኸረ ግን ካብ ኃጢኣቱ ተመሊሱ ቅዱስ ኮይኑ እዩ። እቲ ብቅንኣት ዝወደቐ ቃኤል ግን እግዚአብሔር ኪምለስ ኢሉ እንተተዛረቦ ውን ኣይተመለሰን። ካብ ናይ ቅንኣት ቊስሉ ፈጺሙ ኪፍወስ ኣይከኣለን። ቅንኣቱስ ሓዉ ናብ ምቕታል ድኣ ኣብጽሖ። ስለ ቅንኣት ካብ ኵሉ ኃጢአት ዝኸፍአ እዩ ንብል።
ስለ ኣሕዋተይ! ዝለበስናዮ ናይ ቅንኣት ልብሲ ቀዲድና ንደርብዮ። ኣብ ነፍስና ዘብቆልናዮ ናይ ቅንኢ ገረብ ካብ ሱሩ ሞንቊስና ንደርብዮ። ብበረኸት ናይ ኣሕዋትና ካብ ንቐንእ፡ ደስ ይበለና። ነዚ ምስ ንገብር ንእግዚአብሔር ከነሕጎሶ ኢና። በረኸት ምሳና ኪትከውን እያ። ቅንኣት ካብ ልብና ነቒልና፡ ፈልሲ ፍቕሪ ኣብ ልብና ንትከል እናበልኩ እመኽረኩም።

No comments:

Post a Comment