በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን
ትርጓሜ ራእ ዮሐንስ
እዚ መጽሓፍ እዚ “ራእይ ዮሐንስ የዓለም የመጨረሻ ” ካብ ዚብል ብዲያቆን ዳኒኤል ኪብረት ዚተዳለወ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ብኸፊል ዚተርጐምኩዎ እዩ። ንዚተጋገኽዎ እናአረምኩም ንዘጕደልኩዎ እናመላእኩም ከተንብብዎ ድማ ብትሕትና ይላቦ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ተግሳጽ መጽሓፉ ኣንቀጽ
8 ይደልዎ ለዘያነብብ ቅድመ ይዝከር ስሞ ለበዓለ መጽሓፍ (ገጽ 99)
ብዚበሎ መሠረት ኣቐዲምና መንነት ናይዚ ናይ ራእይ ዮሐንስ ዚተሰመየ መጽሓፍን ጸሓፊኡን ኪንዛረብ ኢና።
1.ዮሐንስ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?
1.1. ዮሐንስ ማለት
ብቋንቋ ኢብራይስጥ እግዚአብሔር ርህሩህ ኢዩ ማለት ኢዩ።
1.2 ብካልእ መንደገዲ
ድማ ምስቲ ሓጎስን ደስታን ኪኾነልካ እዩ ዚብል ብዛዕባ ዮሐንስ መጥምቕ ብምትሕሓዝ፡ ዮሐንስ ማለት ሓሴት ወይ ከኣ ደስታ ማለት ኢዩ(ሉቃ 1፡14)
2 ናይ ቅጽል ኣስማቱ?
2.1 ጐይታ ዘፍቅሮ
ዝነበረ(ፍቁረ እግዚእ) ኣብ ሕይወቱን ኣብ ናብራኡን ንጐይታ ክመስል ይጽዕር ስለ ዝነበረ ጐይታና የፍቅሮ ነበረ። ብናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ከም ዝንገረና ሓደ ካብ ዕለታት ጐይታና ዝዕጠቐላ ዝነበረ ፈቲሑ ምስ ኣቐመጣ ዮሐንስ ኣልዒሉ ስለ ዝተዓጠቐላ ፍትወተ ሥጋውን ደማውን ጠፊእሉ ናብርኡ ከም መላእኽቲ ኮነሉ(ዮሓ 21፡20)
2.2 ወልደ ዘብዴዎስ ውን ይብሃል እዩ። ናይቲ ንእሽተይ ያዕቆብ ሓው ስለ ዝኾነ ኣቡኦም ዘብዴዎስ ይበሃል ስለዚ ድማ ዮሐንስ ወልደ ዘብዴዎስ ማለት ዮሐንስ ወዲ ዘብዴዎስ ተባሂሉ ይጽዋዕ(ማቴ 20፡20)
2.3 ወልደ ነጐድጓድ
ንጐይታና ካብ ዝነበሮ ሓያል ቅንኣትን ምስ ሓው ኮይኖም ዘርኣይዎ ናይ ሓይሊ ሥራሕን ጐይታና ወልደ ነጎድጓድ (ቦኤርኔጌስ) ኢልዎም እዩ። (ማር 3፡17ሉቃ 9፡49-54) ብተወሳኺ ውን ናይ ትምህርቱ ዕምቆትን ሓይልን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነት ብምግላጹ ወልደ ነጎድጓድ ተባህለ።
2.4 ነባቤ መለኮት (ታኦሎጎስ) ነገረ መለኮት ኣስፊሑን ኣብሊጹን ኣዕሚቚን ብምምሃሩ ነባቤ መለኮት ተባህለ (ዮሐ 1፡1)
2.5 ኣቡ ቀለምሲስ እዚ ቃል ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ(በዓል ራእይ) ማለት እዩ። ብዛዕባ ዝሓለፈን ዝመጽእን ብራእይ ስለ ዝገለጸ ዮሐንስ ኣቡቀለምሲስ ተባህለ (ራእ 1፡10)
2.6 ቊጽረ ገጽ (ገጹ ብሓዘን ዝተቖጸረ) ብዕለተ ዓርቢ ስቕለት ኣብ እግሪ መስቀል ተረኺቡ ናይ ጎይታና መከራ መስቀል ብምርኣዩ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ገጹ ብሓዘን ተቛጺሩ ይነብር ስለ ዝነበረ እዚ ስም ተዋህቦ።
ቅዱስ ዮሓንስ ሃገሩ ኣብ ናይ ገሊላ ኣውራጃ እዩ፡ ምስ ሓዉ ያዕቆብ ምስ ኣቦኡ ዘብዴዎስን ዓሳ እናገፈፉ ይነብር ነበረ፡፤ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትውፊት ኣዲኡ ማርያም ከም እትበሃልን ሓንቲ ካብተን 36 ቅድሳት ኣንስቲ ከም ዝኾነትን ይነግረና።(ማቴ 27፡55)ዮሐንስ ብ4 መስከረም
ካብ ኣቡኡ ዘብዴዎስን ኣዲኡ ማርያምን ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ተወሊዱ። ምስ ሓዉ የዕቆብን ኣቡኡ ዘብዴዎስን ዓሳ እናገፈፈ ብ30 መስከረም
ወዲ 26 ዓመት እንከሎ ንሐዋርያነት ተጸዊዑ ።
ዮሓንስ ኣእማደ ሐዋርያት ተባሂሎም ካብ ዝጽውዕሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብዋናነት የሕብርዋን የመሓድረዋን ካብ ዝነበሩ ሠለስተ ሐዋርያት ሓደ እዩ። ንሳቶም ድማ ጴጥሮስ ያዕቆብ ዮሓንስ እዮም። (ገላ 2፡9)
እዞም ሐዋርያት እዚኣቶም ናይ ምሥጢር ሐዋርያት ተባሂሎም ውን ይፍለጡ እዮም። ኣብ ደብረ ታቦር ግርማ መለኮቱ ኪገልጽ ከሎ ምስኡ ዚተማልኦም ነዚኦም እዩ። ኣብ ጌተ ሰማኒ ኪጽሊ እንከሎ ምስኡ ዚነበሩ ውን እዚኦም ሠለስቲኦም እዮም። ኣብ እንዳ ኢያኢሮስ ጓሉ ክፍውሰሉ እንከሎን ምስኡ ዚነበሩ ውን እዞም ሠለስተ ናይ ምሥጢር ሓዋርያት እዮም።
3.ሃገረ ስብከቱ?
ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ሐዋርያ ሃገረ ስብከቱ ኤፌሶን ኢዩ። 29 መስከረም ንመጀመርያ ጊዜ ኤፌሶን ኣትዩ ዝመሃረሉ ይኽበር።
4.ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ?
ቅዱስ ዮሐንስ ብስሙ ዚጽዋዕ ሓደ ወንጌል 3 መልእኽትን ሓደ ራእይን ብጠቕላላ 5 መጻሕፍቲ ጽሒፍልና እዩ። ብተወሳኺ ውን መጽሓፈ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ዚብል መጽሓፍ ገዲፍልና እዩ።
5.ስም ናይዚ መጽሓፍ
ብግእዝ ራእዩ ለዮሐንስ አቡቀለምሲስ” “ብተግርኛ ራእይ ዮሐንስ “ ብግሪኽ “ኣፖካሊፕሲስ” ብእንግሊዘኛ ሪቬሌሽን
ማለት ኮይኑ ትርጉሙ ንዝተሰወረ ነገር
ምግላጽ ማለት እዩ።
6.ጥቕሚ
6.1 ናይ እግዚአብሔር ፍቕሪ ዝተገለጸሉ መጽሓፍ እዩ
6.2 ናይ ዓወት መጽሓፍ እዩ
6.3. ናይ ሰማያዊ ቅዳሴን ምስጋናን መጽሓፍ እዩ
6.4 ብተስፋ ዝተመልአ መጽሓፍ እዩ
6.5 ብመንፈስ ዝፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ ዘርኢ መጽሓፍ እዩ
6.6 ናይ መንግሥተ ሰማያት መጽሓፍ እዩ
6.7 ናይ ሰብ ፍጹም ድሕነት ዘርኢ መጽሓፍ እዩ
7.መን ጽሒፍዎ
ቅዱስ ዮሐንስ ከም ዝጸሓፎ ብዘይካ እቲ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ዝኾነ ዮሐንስ እዩ ዝበለ ዲዮናስዮስ ዘእስክንድርያ ካልኦት ከም
ዮስጢኖስ ሰማእት፡ ሜሊጦስ ፡ኣርጌንስ ኣግናጤዎስ ምጥዊ ለአንበሳ ቪክቶሪያነስ፡ ቀሌሜንጦስ ዘእስክንድርያ ፡ ጠርጡሎስ
፡ ኣቡሊድስ ዘሮም ዝኣመሰሉ ኵሎም ግን ወንጌላዊ ዮሐንስ ምዃኑ የረድኡ።
7.1 ዮሐንስ ከም ዝጸሓፎ ብሊቃውንቲ ዝቐረበ መረዳእታ
7.1.1 እዚ መጽሓፍ
ጸሓፊኡ ኣብ ንእሽተይ ኤስያ ዘገልገልን ነዘን ኣብኡ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝፈልጥ ምዃኑን የረድእ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ዝመሃረን ዘገልገልን ድማ ቅዱስ ዮሐንስ እዩ
7.1.2 ምስ ወንጌሉ
ዘመሳስሉ ቃል፡ በጊዕ፡ ዓወት፡ ሓቂ ዝብሉ ቃላት ብተደጋጋሚ ኣብዚ መጽሓፍ ምጥቃሶም
7.1.3 እቲ ንትሕትና ኢሉ ኣብ 3 መልእኽቱን ኣብ ወንጌሉን ስሙ ዘይጠቐሰ ዮሐንስ ኣብዚ ግን ራእይ ስለ ዝኾነ መን ንመን ዝገለጸሉ ራኢ ምዃኑ ንምርዳእን ተቐባልነት ንኽረክብን ስሙ ጠቒሱ ኣሎ። እንተኾነ ግን ኣብ ዚ ውን ስሙ
ክገልጽ እንከሎ ብዓቢ ትሕትና “ንባርያኡ ንዮሐንስ” (ራእ 1፡1) ኣነ ሐውኹም ዝኾንኩ ምሳኻትኩም ሓቢረ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትዕግሥቲ ዝካፈል (ራእ 1፡9) እናበለ እዩ ጽሒፍልና።
7.1.4 ዮሐንስ ናብ
ደሴት ፍጥሞ ክእሰር እንከሎ ኣብሮኮሮስ ዝተባህለ ወደ መዝሙሩ ምስኡ ሓቢሩ
ተኣሲሩ ስለ ዝነበረ ዮሐንስ እናነገሮ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ ኣብሮኮሮስ እዩ።
8.ኣበይ ተጻሒፉ
ካብ ንእሽተይ ኤስያ ናይ ሎሚ ቱርኪ ብወገን ምዕራብ 40 ማይልስ ካብ ከተማ ኤፌሶን ድማ ብወገን ደቡብ 50 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ደሴት ፍጥሞ ኮይኑ ጽሒፍዎ።(ዮሐ 1፡9)ስፍሓታ 34 ስኩዌር ሜተር ኮይኑ 3000 ዝኣክል ህዝቢ ድማ ይቕመጣ ኣሎ።
ድምጥያኖስ ብ 81 ናብ ንግሥነት ክመጽእ እንከሎ ትምህርቲ ዝፈቱ ጥበበኛ ሰብ ብምንባሩ ክርስቲያን ቁሩብ ትንፋስ ረኺቦም ኔሮም። ድሕሪ 13 ዓመት ግን ኣንጦኒዎስ ዝተባህለ እሙን ሓለቓ ወተሃደራት ብምኽድዑ ጠባዩ ተለወጠ። ናይ ጭካኔ ስራሕ ክሰርሕ ድማ ጀመረ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ኣረማውያን ክርስቲያን ንምጥፋእ ኣውዓልዎ። በዚ ድማ ዮሐንስ ተኸሲሱ ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረብዎ ንሱ ድማ ፍሉሕ ማይ ኣብ ዝመልአ በርሚን ኣእትዩ ኣሳቐዮ። ናብ ፍጥሞ ደሴት ድማ ደርበዮ
9.መዓስ ተጻሒፉ
እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ካብ 95-96 ዓ.ም ኣቢሉ
ተጻሕፈ።
10.ናይ ራእይ ዮሐንስ ትርጓሜ ታሪኽ
ከም በዓል መርቅያን ዝኣመሰሉ መናፍቓን
ነዚ መጽሓፍ እዚ ኣይተቐበልዎን። ሰማዕት ዮስጠስ ሄሬኔዎስ ኣቡሊድስ ዘሮም ባስልዮስ ዓቢ ጐርጐርዮስ ዘእንዚናንዙ ሜሊጢዮስ ቪክቶሪያኑስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ዝኣመሰሉ ግን ቀኖናዊ ኢሎም ተቐቢሎም ትርጓሜ ውን ካብ ዘዳለዉሉ ኢዮም።
ቅዱስ ሄሮኒመስ ኣብ ራእይ ዮሐንስ ዘለዉ ምሥጢራት ከም ቃላቱ ብዙሓት እዮም። ነፍሲ ወከፍ ቃል ዕሙቕ ዝበለ ምሥጢር ኣብ ውሽጡ ሓዚሉ ኣሎ። እዚ ውን ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ክንህቦ ካብ ዝግበኣና ናይ ክብሪ ቦታ ንእሽተይ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቃል ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ምሥጢር ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ንዕኡ ነቕርበሉ ምስጋና ካብቲ ዝግበኦ ንታሕቲ እዩ። ኣነ ንዝርድኦ ኮነ ንዘይርድኦ ንነፍሲ ወከፍ ቃል ምስጋናይ ኣቕርብ” ይብል።
ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዲዮናሲስ ድማ “ ካብቲ ኣነ ዝሓስቦ ንላዕሊ ብዙሕ ቃላት ኣዕሚቑ ዝሓዘ እኳ እንተዀነ፡ ብብዙሕ መልክዑ ዓበይቲ ምሥጢራት ከም ዝሓዘ ተረዲአ ኣለኹ። ንምርዳእ ዘለኒ ዓቐሚ ንእሽተይ እኳ እንተኾነ፡ ክንዮ እቲ ቃሉ ዝሓለፈ ሰፊሕ ምሥጢር ከም ዝሓዘ ግን ተረዲአ እኣምን። ኣነ ብዝርድኦ መጠን ኣረፍተ ነገራት ንምትርጓም ወይ ውን እዚ ኢዩ ኢለ ንምዝራብ ኣይክእልን። ብየዋህነትን ብእምነትን ግን ትም ኢለ ይቕበሎ።ንኣእምሮይ ዝተደላደለን ዝሰማማዕን ኮይንለይ ኣሎ፡ ስለ’ዚ ንዘይተረዳእኩዎ ነገር የድንቖ
ድኣ እምበር ኣይቃወሞን” ክብል መስኪሩ እዩ።
No comments:
Post a Comment