bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 14 April 2016

ጾም ብቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ

ጾም
እዚ ጽሑፍ እዚ እቲናይ ሓድሽ ኪዳን ዳንኤል፡ ኣፈወርቅ፡ ኣፈ ዕንቊ፡ ልሳነ ወርቅ እናተባህለ ዝጽዋዕ ካብ 347-407 . ዚነበረ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዝጸሓፎ  ገብረ እግዚአብሔር ኪዳድማ ናብ ኣማርኛ ዚተርጎሞ ጽሑፍ እዩ። ኣነ ድማ ነበረኸት ኪኾነኒ ብዓቕመይ ናብ ትግርኛ ተርጕመ የካፍለኩም ኣለኹ። ምሉእ መጽሓፍ ገዚእና ንምጥቃምሰማዕትነት ኣያምልጣቹሁእትብል መጽሓፍ ገዚእና ነንብብ።
ሰናይ ንባብ

ጾም መድኃኒት እያ። ኣወሳስዳኣ ብዝግባእ ንዘይፈለጣ ግን ጥቕሚ የብላን። ነዛ መድኃኒት እዚኣ ዝወስድ ሰብ፡ ኣብ ክንደይ ሰዓት ኪትውሰድ ከም ዘለዋ፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን ክውሕጥ ከም ዘለዎ፡ ንምንታይ ዓይነት ሕማም ከም እትጠቅም፡ ኣበየናይ ኣዋርሕን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኣየርን ከም ትውሰድ፡ ምስኣ ዝኸዱን ዘይከዱን ዓይነት መግብታትን ካልኦት ምስኣ ዘይሰማምዑ ነገራትን ፈልዩ ኪፈልጥ ኣለዎ።  ነዚኣቶም ኣብ ግምት ከየእተና ንወስዳ እንተኴንና ግን ካብ ጥቕማ ጕድኣታ እዩ ዚዓቢ። ሓደ ብሓኪም ዝተኣዘዘልና ናይ ደዌ ዘሥጋ መድኃኒት ብትኽክል እንተወሲድናዮ፡ ካብ ሕማምና ንፍወስ፡ ናይ ነፍስና ደዌ ንምፍዋስ ኢልና መድኃኒት ኣብ ንወስደሉ ድማ ካብዚ ብዝበለጸ ኪንጥንቀቕ ይግባእ።
 
ጾም ኵለንተናና ንልውጠላ መሣርሒ እያ። ምኽንያቱ ናይ ጾም መሥዋዕት ማለት ካብ መግቢ ጥራይ ምኽልካል ማለት ዘይኮነስ ካብ ኵሉ ኃጢአት ምኽልካል ስለ ዝኾነ። ስለ ይጸውም ኣለኹ እናበለ ነብሱ ካብ መግቢ ጥራይ ዝኽልክል ሰብ እንተሎ፡ ንሱ ንጾም የቃልል ከም ዘሎ ይፍለጥ። ትጾሙ ዲኹም ዘለኹም? ከምኡ እንተኴንኩም ጾምኩም ብተግባር ኣርእዩኒ? ከመይ ጌርና ከነርእየካ? ትብሉኒ ትኾኑ። ኣነ ድማ ከም ኢለ ኪምልሰልኩም እየ። እቲ ድኻ ረድኤትኩም ምስ ዝደሊ ርህራሄ ግበርሉ። ዝጸላእኩሞ ሰብ እንተርኢኹም ጎይኹም (ቀልጢፍኩም) ተዓረቕዎ፡ ዓርክኹም ብኹሉ ነገር ዕዉት ኮይኑ ኵሉ ነገር ተደላዲልሉ እንተርኣኹም ብኡኡ ኣይትቕንኡ። ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዩ እንተረኣኹም ንዝሙት ኣይትመነዩ። ከም እናገበርኩም ጾምኩም ብትኽክል ኣርእዩኒ።
ብካልእ ኣገላልጻ ኣፍኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዒንትኹም ኣእጋርኩም ኣእዳውኩምን ኵሉ ናይ ስምዒት ህዋሳትኩምን ይጹም። ኣእዳውኩም ናትኩም ዘይኮነ ነገር ካብ ምውሳድ፡ ካብ ምስራቕ ይጹም። ኣእጋርኩም ሥራሕ ኃጢአት ንምፍጻም ካብ ምጉያይ ይጹሙ። ኣዒንትኹም ብምኽንያት ግዳማዊ መልክዕ ካብ ምቕብዝባዝ ይጹሙ። ጥልላት ኣይትበልዑን ኢኹም ዘለኹም ሓቀይ? በሉ ዝርኣዩ ነገራት ናይ ዓይኒ መግቢ ስለ ዝኾኑ፡ ብዓይንኹም ድማ ክፉእ ነገር ኣይትብልዑ። ኣእዛንኩም ውን ይጹሙ፡ ናይ እዝኒ ጾም፡ ናይ ሓሶት ወረን ሓሜትን ዘይምስማዕ ዝኣመሰሉ እዮም። ልሳንኩም ውን ካብ ከንቱ ዘረባ ይጹም።  ዓሣን ካልኦት ጥልላትን ካብ ምብላዕ ተኸልኪልና ከለና፡ ናይ ኣሕዋትና ሥጋ ብሓሜት ኪንምጅርጥ (ኪንበልዕ) ንውዕል እንተኴንና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ? እቲ ንሓዉ ዝሓምን ዝነቅፍን ሰብ ንሱ ናይ ሓዉ ሥጋ እዩ ዘቑስል፡ ሥጋ ሓዉ ውን ይበልዕ። ነዚ ኪብል ድማ እዩ እቲ ሐዋርያ ኣዝዩ ብዘፍርሕ ነገር ከም እናበለ ዝተዛረበነንሕድሕድኩም እናተነኻኸስኩምን እናተበላላዕኩምን፡ ነንሕድሕድኩም ከይትጠፋፍኡ ተጠንቀቑ”(ገላ 515) ኪትሓምዩ ከለኹም ናይ ሓዉኹም ሥጋ ብስንኹም ኣይትነኽሱን ኢኹም። ንነፍሱ ግን ተቚስልዋ። ከም ብምግባርኩም ድማ ንነብስኹምን ንሓዉኹምን ንካልኦት ብዙሓትን ኢኹም ትጎድኡ።
ልሳንኩም ክፉእ ነገር ካብ ምዝራብ እንተዘይጾመ፡ እቲ ጉድኣት በዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕጸር። ብሓሜትኩም ንዓኻትኩም ዚሰምዕ ሓውኹም ውን ናታትኩም ተሓባባሪ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ንዕኡ ውን በደለኛ ትገብርዎ። ናይ ነብሱ ኃጢአት ከም ዘይርኢ ስለ ዝገበርኩሞ፡ ከይፈለጠ ምስ ናይ ሓመይቲ ጉጅለ ይሕወስ። ካብ ጀሚሩ ናይ ካልኦት ኣሕዋት ኃጢአት እናጸብጸበ፡ ንሱ ግን ጸዋሚ ብምዃኑ ዓቢ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ከም ዝፈጸመ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ ይኾርዕ።
 ምስ ጎኒ ንጎኒ ክርአ ዝግብኦ ካልእ ዓቢ ጉዳይ ውን ኣሎ። ንሱ ድማ ንስኻትኩም ንሓውኹም ኪትሓምዩ ከለኹም ዝሰምዑኹም ሰባት፡ ነቲ ትሓምይዎ ዘለኹም ኣውኹም ብምንቃፍ ጥራይ ደው ኣይብሉን እዮም። እንታይ ድኣ ብኣጠቓላሊ እንኮላይ ንቤተ ክርስቲያን እዮም ዚነቕፉ። ብፍላይ እቶም ዚሰምዕኹም ዘለዉ ኢኣማንያን (ዘይኣመንቲ) ምስ ዝኾኑ፡ ነቲ ዚሕመ ዘሎ ሰብ ጥራይኣመንዝራብምባል ደው ኣይብሉን እዮም። ካብኡ ሓሊፎም ቤተ ክርስቲያን ውን ናይ ኣመንዝራታት ቤት ጌሮም ይሓስብዋ፡ ሎቱ ስብሐት! ስለ ከም ኪትገብሩ ከለኹም ስም እግዚአብሔር ኢኹም ተጽርፉ። ንሕና ጽቡቕ ምግባር ኪህልወና እንከሎ ስም እግዚአብሔር ብኣና ምኽንያት ከም ዝምስገን፡ ክፉእ ነገር ክንገብር ከለና ድማ፡ ብኡ መጠን ስሙ ይዋረድን ይጽረፍን።
ብተወሳኺ ውን እዚ ትሓምይዎ ዘለኹም ሓውኹም፡ ብልቡ ንዓኹም ኪጸልእ ከም ዝጅምርን ዝገደደ ኃጢአት ንኽሠርሕን ኢኹም ትደፋፍእዎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዘይምልከተኩም ነገር ኢድኩም ብምስዳድ ኣብ ገዛእ ርእስኹም  ፍርዲ እግዚአብሔር ተምጽኡ። እሞ ከኣ ኣብ ናይ ጾም ኣዋርሕ!
ካባኻትኩምብዛዕባ ሓወይ ሓሶት ዘይኮነ ማለት ንሱ ብሓቂ ዝገበሮ ክፉእ ነገር (ዋላ ዝሠርሖ ኃጢኣት) እንተተዛረብኩኸ እንታይ ነውሪ ኣለዎ?” ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግዲ የብልኩምን! እቲ ተውርይዎ ነገር ዋላ እኳ ሓቂ ይኹን፡ ሕጂ ውን ዘረባኹም ካብ ነቐፌታ ኣየምልጥን እዩ። ከመይ ጌሩ? ኢልኩም ኪትሓቱኒ ስለ ትኽእሉ፡ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ኪህበኩም እሞ ዘረባኹም ከመይ ጌሩ ክፉእ ምዃኑ ኪርድኣኩም እዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ (ምዕራፍ 18) ንረኽቦ ሓደ ፈሪሳዊ ኣሎ። እዚ ፈሪሳዊ እዚ ብዛዕባ ሓዉ ዝተዛረቦ ነገር ሓቂ እዩ። ሓቂ ስለ ዝተዛረበ ግን ተጠቒሙ ወይ ተጎዲኡ? ፍጹም ኣይተጠቐመን! ከምዚ ብምባሉ (ከም ናትኩም ኣዘራርባ ሓቂ ብምዝራቡ) ጥራይ ኢዱ ኣይኮነን ዝተመለሰ? ብምጻሙን ብምጽላዩን እንታይ ጥቕሚ ረኺቡ? እስከ ሕጂ ውን ኪሓተኩም እሞ ንስኻትኩም ድማ መልሱለይ። እቲ ቀራጺ ኃጢኣተኛ ኣይኮነን ዚነበረ? ካብ ወንጌል ከም ዘንበብናዮ እቲ ቀራጺ ኃጢአተኛ ከም ዚነበረ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ናይ ጾም ጊዜኡ ናይ ርእሱ ኃጢአት ኣብ ክንዲ ዝሓስብ ንሓዉ ይሓሚ ስለ ዝነበረ ናይ ጾሙ ዋጋ ከይተቐበለ ባዶ ኢዱ ንገዝኡ ተመልሰ።
ኣሕዋተይ! “እከለ እኳ ከምዚን ከምቲን ኃጢአት ጌሩ እዩኢልኩም እትሓምይዎ ሓውኹም፡ ካብ ኃጢኣቱ ኽወጽእ ትደልይዎ ኢኹም? ትደልዩ እንተኴንኩም ስለ ኃጢአቱ ኣልቅስሉ፡ ናብ እግዚአብሔር ጸልይሉ፡ ንበይኑ ወሲድኩም ምኸርዎ እምበር ኣይትሕመይዎ። ሐዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም እዩ። ክመጽእ ከሎኹ፡ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዅሽዅ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጕሂ፡ እፈርህ ኣሎኹኢልዎም ኔሩ(2 ቆሮ 1219-21) ስለ ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ብዓቢኡ ድማ ከም ናይ ጐይታና፡ ኃጢአተኛ እዩ ንትብልዎ ሓውኹም ሕዘኑሉ ኣፍቅርዎ ድማ።
 ንበይኑ ጌርኩም ኪትመኽርዎ ከለኹም ድማ፡ ንዕኡ ንምምካርን ንምግሳጽን ካብ ኃጢአቱ ንምምላሰን እምበር፡ ንዕኡ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ከም ዘይኮንኩም ኣረድእዎ። ስለ ብትኽክል ንዕኡ ካብ ሕማሙ ኪትፍውስዎ ምስ ትደልዩ፡ ናብኡ ንምኻድ ኣይትፍርሑ፡ ጌጋኡ ንምንጋር ውን ኣይትፍርሑ፡ ሓካይም ርኢኹም እንተኾንኩም፡ ንሓደ ኣሸጋሪ ሕሙም ንምሕካም፡ መጀመርያ ቀስ ኢሎም ጊዜ ወሲዶም ነቲ ሕሙም የእምንዎ። ብድሕሪኡ ነቲ መሪር መድኃኒት ይህብዎ። እቲ ሕሙም ሕማሙ ዝፍወስ ሕማም እንተኔሩ ይፍወስ። ነቲ ሓኪም ዘመስግኖ ግና ምስ ደሓነ እዩ። ንስኻትኩም ውን ከም ሓኪም ኪትኮኑ ኣለኩም። ኣብ ክንዲ ትሓምይዎ ናይ ሓውኹም ቊስሊ ብዝገደደ ከይረክስ ቀልጢፍኩም ናብ ሕክምና (ናብ ቤተ ክርስቲያን) ውሰድዎ። ሓኪም (ካህን) ከም ዝርእዮ ድማ ግበሩ። ከም እንተጌርኩም ንስኻትኩምን ሓውኹምን ኣዚኹም ኪትጥቀሙ ኢኹም። ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ማለት ድማ እዚን ከምዚ ዚኣመሰለ ሰናይ ምግባርን ምስ ትገብሩ እዩ።
ንሓመይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክፉእ ዘረባ ንዝሰምዑ ኵላቶም ኣእዛኖም ካብ ርስሓት ንኸርሕቁ እነግር ኣለኹ። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብምዃን ከም በሉነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ” (መዝ 1015) ካባኻትኩም ሓዉ ንምሕማይ ዝመጸ እንተሎ፡ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገር ትዛረበሉ፡ ወይ ድማ ተመስግኖ ሓው እንተሊካ ዘረባኻ ንምስማዕ ኣእዛነይ ክፉታት እየን። ክፉእ ዘረባ ክትዛረብ እንተኾንካ ግን ነዚ ርሥሓት እዚ ናብ እዝነይ ከእቱ ፍቓደና ኣይኮንኩን። ሓውኻ እከይ ምዃኑ እንተነገርካኒ እንታይ ይጠቕመኒ? እኳ ድኣ ከም ብምግባርካ ነብሰይ ንኽጎድእን ነቲ ዝነበረኒ ንኸጥፍእን ኢኻ ትገብረኒ። ስለ ክቡር ሓወይ! ብዛዕባ ክፍኣት ናይ ሓውና ካብ ንዛረብ፡ ብዛዕባ ኃጢኣትና ነዕልል። እቶም ዝሠራሕናዮም ኃጢአታት ከመይ ጌርና ይቕሬታ ከም እንረኽበሎም ንሕሰብ። ብዛዕባ ኃጢአትና ጥራይ እንተ ንዘራረብ ንዓና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ሓወየ! ንገረኒ እስኪ? ኣብ ዓይንና ዘሎ ጕንዲ ዘየውጻእና በቲ ኣብ ዓይኒ ሓውና ዘሎ በሰር ምዝራብና ዝግበረልና ምሕረት ይህሉ ይኸውን? ንምንታይ ኣብ እዝነ ልቦናና ካልእ ኵኵዕ ንውስኽ?,..”
ስለ ነዚ ፈሊጥና ብኵለንትናና ንጹም። ክፉእ ካብ ምዝራብ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምስማዕ ንጹም፡ ክፍእ ካብ ምርኣይ ንጹም፡ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምግባር ንጹም።
ናይ ኣዋጅ ጾም ኪኣቱ ከሎ፡ መንፈሳዊ ናይ ሓጋይ ኣዋርሕ ከም ዝኣተወ ነስተውዕል። ናይ ኵናት መሣርሒና ንወልውል። ካብ ሕርሻኦም ምህርቶም ዝእክቡ ሓረስቶት ማዕጺዶም ይስሓሉ። ነጋዶ ውን ገንዘቦም ብከንቱ ካብ ምብኻን ይከልከሉ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምእታው ውን መንገዶም የቕንዑ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ትወስድ ጎደና ቀጣንን ጸባብን ስለ ዝኾነት ብጥንቃቐ ኣስተውዒልና ንጎዓዝ።
ኣሕዋተይ! ብሕማም ምኽንያት ካብ መግቢ ብዘይ ምኽልካልና ዝወቕሰና ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ የለን። ካብ ብተወሳኺ ድማ ለዋህን ፈታዊ ሰብን ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ሸኸም ዘይጽዕነና ኣምላኽ እዩ ዘለና።  ናቱ ፍቓድ ንሕና ካብ መግቢ ንኽንክልከል፡ ወይ ትም ኢልና ሰብ እንታይ ኪብለኒ ኢልና ጥራይ ንጸውም፡ ወይ ከብድና ባዶ ኮይኑ ናይ ጥሜት ስምዒት ከም ዝስምዓና ምግባር ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ካብ ማንም ዓይነት ክፉእ ተግባር ጸዊምና ንትሩፋተ ሥጋ ወነፍስ ንኽንተግህ  እዩ። ነብስና ብዝተስተኻኸለ ሕይወት ንመርሕ፡ ክንበልዖ ዝግብኣና መጠን መጢንና ንበልዕ፡ ኵሉ ድሌትና ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ንመልስን፡ መላእ ዘመንና ጽቡቕ ጥራይ ንገብር ኔርና እንተንኸውን፡ ናይ ጾም ዋጋ ንምርካብ ኢልና ምጿም ኣይመድለየናን ኔሩ። ስለዝኾነ ድማ ደቂ ሰባት ኪንበሃል፡ ግዲ ዘይብልናን ምቾት ድማ ንደልን ስለ ዝኾንና፡ እቲ ካብ ምድራዊ ኣቦ ይኹን ካብ ምድራዊት ኣደ ንላዕሊ ብዛዕባና ዝጥንቀቕ ሓኪምና (እግዚአብሔር) እዚ ሸለልትነትናን ዘይድሊ ሕንቃቐን ምቾትን ዝተመልአ ናብራናን ፈዊስና ካብ ዓለማዊ ምግባር፡ ናብ መንፈሳዊ ምግባር መታን ክንኣቱ ጾም ዝተባህለ መድኃኒት ኣዳለወልና።
ሰለ ብምኽንያት ሕማም ርእሶም ካብ መግቢ ኪኽልክሉ ዘይከኣሉ ሰባት ንኽበልዑ ግን ከኣ ካብ ክፉእ ምግባር ንኽጾሙ ንመኽሮም ኣለና። ብዘይካ ካብ መግቢ ምኽልካል ብካልእ መንፈሳዊ ነገር ኣብሊጾም ንኽተግሁ ንመኽሮም ኣለና። ሕሙማት ካብ መግቢ ኺኽልከሉ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ብሓቂ ንመንግሥተ ሰማያት ዘኽፍት ካልእ ብዙሓት ናይ ድሕነት መንገድታት ኣለውዎም። ስለ ብሰንኪ ሕማም ካብ መግቢ ምኽልካል እንተዘይተኻእለኩም (ምስ ኣበ ነፍስኹም ብምምኻር) ኣብዚሕኩም ምጽዋት ሃቡ። ካብ መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ኣብዚሕኩም ጸልዩ። መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ቃል እግዚአብሔር ንምምሃር ትጉሃት ኵኑ። ምኽንያቱ ሕማምኩም ነዚ ንምግባር ኣይክልክለኩምን እዩ።  ከም እንተድኣ ትገብሩ ኴንኩም እቲ ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ኣለኹም። እግዚአብሔር ውን ካብ ብዝበለጸ ካባኻትኩም ዝደልዮ ነገር የለን። ምኽንያቱ ሓኪምና ካብ ጥልላት ከም እንኽልከል ዝእዝዘና፡ ፍቓደ ሥጋና ደኺሙ ፍቓደ ነፍስና ንኽብርትዕን ትእዛዙ መታን ክንሕሉን ኢሉ እዩ።
ብኣጠቓላሊ ኣብ ጊዜ ጾምኩም ይኹን ኣብ ካልእ ጊዜ ሠለስተ ነገራት ኪትሕዙ ንመኽረኩም ኣለና። ንሳቶም ድማ ክፉእ ካብ ምዝራብ ምኽልካል፡ ንዝኾነ ሰብ ከም ጸላኢኻ ካብ ምርኣይ ምቑጣብን፡ ካብ ከም ልምዲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ማሕላ ንኽትርሕቁን እዩ።
ኣብ ዓጺድ ዘሎ ሰብ ነቲ እኽሊ ናብ ቆፎኡ ብሓደ ጊዜ ከም ዘይእክቦ፡ እንታይ ድኣ በብቑሩብ ከም ዝእክቦ፡ ንሕና ውን ነዞም ዝተዛረብናሎም ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ናይ ጾም ጊዜ ኪንለማመዶምን፡ ናትና ጸቡቕ ልምድታት ጌርና ኪንሕዞምን ይግብኣና። ከም ብምግባርና ድማ መንፈሳዊ ጥበብ ብቐሊሉ ገንዘብና ኪንገብር ይከኣለና እዩ። ኣብ ዓለም ከለና ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ኣዝመራ ነፍሪ። ኣብ ዝመጽእ ዓለም ድማ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዘይፍርሒ ብሓጎስ ተመሊእና ንኽንቀውም ይረድኡና። ንዕኡ ዝበቅዕ ጸጋ ረኺብና ናይ ክብሩ ወረስቲ ይግበረና።
ኣሜን!

No comments:

Post a Comment