bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 14 April 2016

ፍሉይ ቤት ፍርዲን ናይ ሕልና ዳኛን

ፍሉይ ቤት ፍርዲ
ብቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዝተጻሕፈ (ገብረ እግዚአብሔር ኪደ ናብ ኣማርኛ ካብ ዝተርጎሞ ሰማዕትነት ኣያምልጣችሁ ዝብል መጽሓፍ ዝተረኽበ)
መብዛሕትና ኣሕዋትና ንምሕማይ ቅልጡፋት ኢና። ኣብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ገዲፍና ናይ ሓውና በሰር ንምውጻእ ኢና ንህወኽ። ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ንምፍራድ፡ ንኣሓትና ውን ንምኹናን ጸደፍደፍ ኢና ንብል። ሐወይ! ፍርዲ ናይ እግዚአብሔር ድኣ እምበር ናትካ ሥልጣን ኣይኮነን እሞ ተጠንቀቐ። ሓፍተይ! ንስኺ ውን ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ንምቕማጥ ኣይትሕሰቢ።

ክቡር ሓወይ! ምፍራድ ድዩ ደስ ኢልካ? ከምኡ እንተኾይኑሰ ማንም ወቐሳ ዘይብሉ እኳ ድኣ ብዙሕ ጥቕሚ ዚርከበሉ ናይ ምፍራድ መሰል ኣለካ። ኣብ ልዕሊ ነብስኻ ኪትፈርድ ትኽእል ኢኻ እሞ ኮፍ በል። ካብ ኵሉ ኣቐዲምካ ናይ በደልካ መዝገብ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ። ነፍስኻ ዚሠርሓቶም ወንጀላት ኵላቶም ብጥንቃቐ መርምር። ብድሕሪ እዚ ነፍሰይ ስለምንታይ ኢኺ  ነዞም በዳላት እዚኣቶም ዚፈጸምኪ?” በላ። ዚበደለትሉ ምኽንያት ገዲፋ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምስባብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምፍራድ እንተ ጀሚራ፡ብናትኪ ወንጀል ድኣ እምበር ብናይ ካልኦት ወንጀል ኣይኮንክን ተኸሲስኪ ዘለኺ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ  መጺኺ ዘለኺ ውን ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ንምምስካር ኣይኮንክን። ስለ ንገርኒ! ስለ ምንታይ ኢኺ ነዚ ኵሉ በደል ዚበድለኪ? ስለምንታይ ኢኺ  ነዚ ኵሉ ጌጋ ዚፈጸምኪ?” በላ። ዘወትር ከምዚ ዚኣመሰለ ኣጨናቒ ሕቶታት ሕተታ። ሓፊራ እትምልሶ እንተዘይብላ ድማ ኣድላዪ ዚኾነ ፍርዲ (ቀኖና) ወስነላ። ዘወትር እዚ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ትጥቀም እንተኴንካ እቲ ናይ እሳት ባሕሪ፡  ስቓይ ናይ እሳቱ ዘይጠፍእ ሓሳኹኡ ዘይድቅሱ ባሕሪ (ገሃንም) ኣብ ልቦናኻ ኪቕረጽ እዩ።
ባዕሉ ናባይ ስለ ዝመጸኒ እየ፡ ንሱ ስለ ዘታለለኒ እየ፡ ንሱ ስለ ዝፈተነኒ እየእናበለት ብዲያብሎስ ንኸተማኻኒ ኣይትፍቀደላ። እኳ ድኣንስኺ ስለ ዝፈቐድኪሎም ድኣ እምበር እዞም ኵሎም እዚኣቶም ኣባኺ ሥልጣን የብሎምንእናበልካ ንገራ።ኣነ እኮ ኣብ ኃጢኣት ዚመልኦ ዓለም እየ ዚነብር ዘለኹ፡ ኣነ እኮ ሥጋ ዚለበስኩ እየእንተ በለትካ ውን እዚ ኵሉ እዚ ሰበብን ምኽንያትን እዩ። ብዙሓት ንስኺ ዚለበስክዮ ሥጋ ለቢሶም ኣብ ዓለም እናነበሩ ጻድቃንን ሰማዕታትን ኮይኖም እዮምበላ። እዚ ምስ በልካያ እንተሕሚምዋ ድማ ኢድካ ኣይተልዕለላ። ምኽንያቱ ቀኖና ካብ ሞት ዘድሕን መንፈሳዊ ልምምድ እምበር ዚቐትላ ቅጽዓት ስለ ዘይኮነ። ስለ ምኽንያት እተብዝሕ እንተኮይናተመን ኣስሒትኒኢላ ዘመኽነየት ሔዋን ካብ ተሓታትነት ከም ዘይድሓነት ኣዘኻኽራ።
ነዚ ኵሉ ኪትገብር ከለኻ ድማ ኣብ ጎንኻ ማንም ሰብ ኣይሃሉ። ዚርብሸካ ሰብ ኣብ ጥቓኻ ኣይሃሉ። ከምቲ ዳኛ ኣብ ናይ ፍርዲ ወንበሩ ዚቕመጥ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ፍርዲ ወንበር፡ ኣብ ምቹእ ጊዜን ምቹእ ቦታን ብጽሞና ተቐመጥ። ነቢይ ዳዊትኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉንከም ዚበሎ፡(መዝ 44) እዚ ቦታ እዚን እዚ ጊዜዚን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዚሰማማዕ ጊዜን ቦታን ስለ ዚኾነ ድራርካ ድሕሪ ምብላዕካ፡ ዘወትር ነዚ ናይ ፍርዲ ወንበር ናብ መደቀሲኻ ሒዝካዮ ኪድ። ዕለት ዕለት ከምዚ እንተጌርካ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርናከም ዚብል(1 ቆሮ 1131) ኣብቲ ዘፍርሕ ናይ ፍርዲ ወንበር ብዘይ ፍርሓት ኪትቀውም ኢኻ።
ናይ ሕልና ዳኛ
ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ኣብ ሕልና ናይ ነፍሲ ወከፍና ንቑሕን ትጉህን ዚኾነ ዳኛ ዘቐመጠልና? ኢልካ እንተሓቲትካካብ ወገን ደቂ ሰባት ነዚ ድቃስ ዘይብሉ ናይ ሕልና ዳኛ (ዚመስል) ዚወዳደር ዳኛ ስለ ዘየለ እዩኢለ እየ ዚምልሰልካ።  ብተወሳኺ ውን ናይ ደገ ደያኑ ብገንዘብ፡ ብሓሱት፡ ብምትላል ናይ ሓሶት ፍርዲ ንኽፈርዱ ብምፍርራሕ ከምኡ ውን ብካልኦት ዚተፈላለዩ ምኽንያታት ነቲ ርቱዕ ዚኾነ (ዘይተመዛብዐ) ውሳኔኦም ኪጠዋውዩ ይኽእሉ እዮም። ናይ ሕልና ዳኛ ግን በዞም ዚገለጽናዮም ምኽንያታት፡ ብማንም መንገዲ ዚታለል ኣይኮነን። ጉቦ እንተሃብናዮ ኪንሕስዎ ምስ እንፍትን፡ እንተፈራራሕናዮ፡ ካልእ እንተገበርና እዚ ናይ ሕልና ዳኛ ነቲ እንሓስቦን እንሰርሖን ኃጢአት ከይጠዋወየ ሓቀኛ ፍርዲ እዩ ዚህብ። ኃጢአት ዚሠርሐ ሰብ ዋላ እኳ ካልእ ሰብ እንተዘይወቐሶ፡ ንሱ ባዕሉ ንርእሱ ይወቕሳ። ሓደ ጊዜ ወይ ክልተ ጊዜ ጥራይ ኣይኮነን መላእ ዘመኑ እናደጋገመ ሕልናኡ ይወቕሶ። ኃጢኣት ዚገበርና ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሕልናና ዳኛ ግን ነዚ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዚፈጸምናዮ ኃጢአት ውን ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ።
ናይ ሕልና ዳኛ ቅድሚ ኃጢኣት ምሥራሕና ይኹን ድሕሪ ምሥራሕና ከይሸፈነ ብግልጺ ይወቕሰና። ብፍላይ ድማ ኃጢኣት ምስ ገበርና። ኃጢአት ኪንሠርሕ ከለና ግን ነዚ ዳኛ እዚ ኣይንሰምዖን ኢና። እዚ ድማ በቲ ንሠርሖ ዘለና ክፉእ ሥራሕ ስለ ንሰክር እዩ። ኃጢአት ሠሪሕና ምስ ወዳእና ግን ብቕጽበት ናይ ጣዕሳ ሰይፍ ይመዘልና። እዚ ድማ ምስታ ጻዕሪ ዚሓዛ ሰበይቲ ብኣንጻሩ ማለት እዩ። ጥንስቲ ሰበይቲ ጻዕረ ወሊድ ኪጅምራ እንከሎ ኣዝዩ ዘጨንቕ ሕማም እዩ ዚስምዓ። ምስ ሓረሰት ግን ብቃላት ኪግለጽ ዘይክእል ሓጎስ ይስምዓ። በቲ ዚወለደቶ ውላድ ትሕጎስ። ኃጢአት ኪንሠርሕ ከለና ግን ናይ ብተቓራኒ እዩ። ብሓሳብ ዚጠነስናዮ ኃጢአት ብግብሪ ኪሳብ እንገብሮ፡ሓጎስይስመዓና። ነቲ ክፉእ ውላድና (ንኃጢአትና) ብግብሪ ምስ ወለድናዮ ግን ኣብ ቅድሚ ወድና (ኃጢአትና) ከቢድ ሕፍረት ይስመዓና። ጻዕረ ወሊድ ካብ ዚሓዛ ሰበይቲንላዕሊ ድማ የሳቕየና።
ስለ እዞም ደቀይ! ካብ ክፉእ ትምኒት ካብ መጀመርያ ጀሚርና ንከልከል። እንተተቐቢልናዮ ድማ ገና ፍረ ቅድሚ ምፍራዩ ኣብ ውሽጥና (ዚሓሰብናዮ ብተግባር ከይፈጸምና) ንቕተሎ። ነዚ ምግባር ተሳኢንና ውላድና ብግብሪ እንተወሊድናዮ ግን፡ ብንስሓን ብንብዓትን ነብስና ብምውቃስ ንቕተሎ።

No comments:

Post a Comment