bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 14 April 2016

ራእይ ዮሐንስ ናይ መወዳእታ ዓለምን - 4ይ ክፋል

ምዕራፍ 1
እቲ ቀልጢፉ ክኸውን  ዘለዎን ብድሕሪኡ ዘሎን (ዘሃለዎ ይኩን ፍጡነ ወዘይከውን እምድኅረ )
1ቀልጢፉ ዝተባህለ ናይ ሮማውያን ናይ መከራ ዘመን፡ ብድሕሪኡ ዝተባህለ ድማ ድሕሪ ሮማውያን ንቤተ ክርስቲያን ዝመጻ መከራ  ዘመልክት እዩ
 
2ቀልጢፉ ዝተባህለ ብኣቆጻጽራ እግዚአብሔር ኮይኑ ንቤተ ክርስቲያን  ኣብዚ ዓለም ዝረኽባ መከራ ዘመልክት ኮይኑ ብድሕሪኡ ዝተባህለ ድማ  ድሕሪ  ዳግማይ ምጽኣት ቤተ ክርስቲያን  እትረኽቦ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘመልክት እዩ
ንባሮቱ ምእንቲ ከርእዮም ኢሉ  እግዚአብሔር  ኣቐዲሙ  ንሰደሞን ጎመራን ንነነዌን ብነብያት ባሮቱ ጌሩ ከም ዘጠንቀቐ ሕጂ ድማ  ናይ ሓሳዊ መሲሕ ዘመን ቅድሚ ምምጽኡ  ደቁ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ብባርያኡ ዮሐንስ ጌሩ ነጊርና። ነቢይ ኣሞጽእግዚአብሔር ኣምላኽ ምሥጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸ ሎም ገለ እኳ ኣይገብርን እዩከም ዝበለና (ኣሞጽ 319)
ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ራእይ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹ  መላእኽቲ ኣብ ናይ እግዚአብሔር ናይ ድሕነት ስራሕ ኵሉ ጊዜ ተሳተፍቲ ኢዮም። ዓለም ክፈጥር እንከሎ መላእኽቲ ብደስታ ኣመስጊኖም (ኢዮ 386-7) ናይ ፅንሰቱ ብሥራት ሒዞም መጺኦም እዮም (ሉቃ1) ኣብ ልደቱ ንዝማሬ መጺኦም (ሉቃ28) ኣብ ጊዜ ጾሙ (ማቴ 411) ኣብ ጸሎቱ (ሉቃ 2242) ኣብ ትንሳኤ (ማቴ 28) ኣብ ዕርገቱ (. 1) ዳግም ምጽኣቱ (ማቴ 2431)  ንቤተ ክርስቲያን  ኣብ ዝበጽሓ ኵሉ መከራ (.126) ሎሚ ውን ንቤተ ክርስቲያን ዝራድእዋ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣለዉ።
ንነቢይ ዳንኤል   ራእይ ዝገለጸሉ ቅዱስ ገብርኤል ከም ዝነበረ (ዳን 816) ሕጂ ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ትንቢቱ ብመልኣኹ ኣቢሉ ንዮሐንስ ገለጸሉ።
ንባርያኡ ዮሐንስ ኣርኣዮ
1. ኣቐዲሙ ኣብ ሓሳብ እግዚአብሔር ዝነበረ እምበር ሓድሽ ሓሳብ ከም ዘይኮነ የረድኣካ። እግዚአብሔር ንዚኾነ ዚሠርሖ ሥራሕ ብሃንደበት ኣይገብሮን እዩ። ኵሉ ምዱብን ኣብ ሰሰዓቱ ዚፍጸምን ተግባራት እዩ ዘለዎ። ንሱ እንተዘይ ገሊጽሉ ግን ማንም ፍጡር መደብ እግዚአብሔር ኪፈልጥ ኣይክእልን። በቶም ዘፍቅሮም ባሮቱ እናገበረ ግን ንዓና ዚጠቅም ዘበለ ይገልጸልና።
2. ነዚ ራእይ ዝረኣዮ ዮሐንስ ምዃኑ ኣብ 4 ቦታታት ገሊጹ ኣሎ (11  49  228) ራእይ እሙን ንምዃን መን ንመን ከም ዝገለጸሉ ምግላጽ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ እዩ።
ንሱ ንቃል ኣምላኽን ንምስክር ኢየሱስ ክርስቶድን ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ኵሉ መስኪሩ ኣሎ።
ብመጀመርያ ቃል ነበረ ዮሐ11” ኢሉ መስኪሩ እዩ። ወይ ውን ብዛዕባ ቃል እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ወንጌሉን ኣብ መልእኽቱን መስኪሩ እዩ። እቲ ዘመን ቀረባ ኢዩ እቲ ነዚ ቃል ትንቢት እዚ ዘንብብን እቶም ዝሰምዕዎን ነቲ ኣብ ተጻሒፉ ዘሎ ዝሕልውዎን ብጹኣን እዮም
1ክርስቲያን  ኵሉ ጊዜ መወዳእታ ዓለም ይዝክርዎ፡ ዘጨንቖም ድማ እቲ ዕለት ዘይኮነስ ከመይ ኢሎም ክጸንሑ ከም ዘለዎም ብዛዕባ ምድላዋቶም እዩ።
2. “ዘንብብኢሉ ብንጽል ተዛሪቡ ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን ኢሉ ብብዙሕ ምዝራቡ፡ ኣብ ቅዳሴ  እቲ ዘንብብ ሓደ ክኸውን እንከሎ እቶም ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን ግና ብዙሓት እዮም።ነዚ ቃል እግዚአብሔር ሰሚዖም ዝሕልውዎ ብጹኣን እዮምከም ዝተባህለ (ሉቃ 1128)
4-5 ዮሐንስ ነተን ኣብ ኤስያ ዘለዋ7 ኣብያተ ክርስቲያናት ካብቲዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን  እዚ ስም እዚ ኣቐዲሙ ንህዘቡ ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ንምውጻእ ንሙሴ ኣብ ዝተገለጸሉ ጊዜ ባዕሉ ዝገለጸሉ ስም እዩ (ዘፀ 314) እዚ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ንሙሴ ዝገለጸሉ እግዚአብሔር ንሱ እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንዮሐንስ ዝገለጸሉ ክርስቶስ ምኻኑ ዘረድእ እዩ።
ቪክቶሪያኖስ ነዚ ክትርጉም አንከሎዘሎ ማለቱ ሎሚ ንዓና ተዓጊሱ ይነብር ስለ ዘሎ እዩ፡ ዝነበረ ማለቱ ምስ ኣቡኡ ኮይኑ ዓለም ፈጢሩ ካብ ድንግል ማርያም ብፍቓዱ ሥጋ ተወሃሂዱ እዩ፡ ዝመጽእ ማለቱ ድማ ዓለም ንኽፈርድ ብክበበ ትሥብእት ብግርማ መለኮት ስለ ዝመጽእ እዩይብል።
ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ 7 መናፍስትን 
1 .  ሲፕሪያን ቄርሎስ ዘኢዮርሳሌም ቅዱስ ባስልዮስ ጎርጎርዮሰ ዘእንዚናንዙ ዮሐንስ ኣፈወርቅ  ቅዱስ ያሬድ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ 7 ማሕበረ መላእክት እዮም ብምባል ተርጉሞም ኣለዉ።
(ቅዱስ ቄርሎስ 315-386) “ብድሕሪ ሰማያውያን ነልዕል ንሳቶም ድማ መላእክት፡ ሊቃነ መላእክት፡ ኣጋእዝት መኳንንት፡  ኃይላትን መናብርትን ከምኡ ውን ብዙሕ ኣዒንቲ ዘለዎም ኪሩቤልብምባል ዘርዚርዎም ኣሎ
(ቅዱስ ባስልዮስ 330-370)  ኵሉ ንዕኡ ንዝፈጠረ ንፈጣሪ ክብርን ምስጋናን ይኹን፡ ዝረአን ዘይረአን ዝፈጠረ መኳንንት ኃይላት ሥልጣናት ሊቃናት መናብርት ኣጋእዝት  ከምኡ ውን ከልኦት ኣስማቶም ክንጽውዖም ዘይንኽእል ፍጥረታት ንዝፈጠረ
(ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ 347-407) እዚ ዝርአ ዓለም ናይ ፈጣሪ ዕብየት ንምምስካር ብቑዕ ካብ ኮነ ራኢና ናብ ሰማያውያን ናብቶም ዘይረኣዩ ፍጥረታት ናብ  መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ናብ ኣጋእዝትን መናብርትን ሊቃናትን መኳንንትን ኃይላት ኪሩቤል ሱራፌልእንተመሊስና ከመይ ክንሓስብ ንኽእል? ናይ ፈጣሪ ጥበብ በየናይ ቃል ክንገልጾ ንኽእል?” ብምባል ይገልጾቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ቆሎ 116) ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ኣብ (1 ጴጥ 322) ውን ገለ ካብዞም ማኀበረ መላእክት ጠቒሶም ኣለዉ።
ኣብ (ጦቢ 1215) “ኣነ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዘዕርጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚአብሔር ከገልግሉ ደው ዝብሉን 7 ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ እየ። ዚብል ቃል ኣሎ።  ኣብ ሄኖክ 6 10 ውን ናይቶም 7 ቅዱሳን መላእኸት ኣስማትን መዓርጋትን ተጻሒፉ ኣሎ።
 
ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብዝነበረ ኢትዮጵአዊ ሊቅ ርቱዐ ሃይማኖት መሠረት 7 ሊቃነ መላእክት ዝበሃሉ እዞም ዚስዕቡ እዮም።
ሚካኤል 2. ገብርኤል 3. ሩፋኤል 4.ኡራኤል 5. ኣፍኒን 6. ፋኑኤል 7. ራጉኤል
 
ሓደ ሓደ ሊቃውንት ካብ 4 ዘለዉ ሱርያል ሰደቅያል ሰራትያልን ኣናንያልን ኢሎም ይዝርዝርዎም። ሱርያል ዝብል ስም ኣብ ሓደ ሓደ ድርሳናት እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ። ከም ናይ ሊቃውንት ትርጓሜሱርያልማለት እግዚአብሔር ከውሐይ እዩ ማለት ክኸውን ከሎ ሱርያል ናይ ኡራኤል ካልእ ስም እዩ። 
መንፈስ ቅዱስ ብመንገዲ እቶም 7 ምሥጢራት ኣቢሉ ንቤ/ ዝዕድሎም 7 ሃብታት እዮም።
1.ብምሥጢረ ጥምቀት ዝርከብ ውልድነት
2.ብምሥጢረ ሜሮን ዝርከብ ሃብተ መንፈስ ቅዱስ
3.ብምሥጢረ ክህነት ዝርከብ ሃብተ ክህነት
4.ብምሥጢረ ተኽሊል ዝርከብ ሓድነት ሰብኣይን ሰበይትን
5.ብምሥጢረ ቊርባን ዝርከብ ምስ ክርስቶስ ናይ ምውህሃድ ሃብቲ
6.ብምሥጢረ ቀንዴል ዝርከብ ሃብተ ፈውሲ
7.ብምሥጢረ ንስሐ ዝርከብ ይቕረ ናይ ምባል ሃብቲ
 
ካብቲ እሙን ምስክርን  ንእግዚአብሔር ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን…. ምስክርነቱ ውን ዝተኣመነ እዩ” (ዮሐ 118) “ኣነ ንሓቂ ክምስክር ምእንቲ እዚ ተወለድኩ” (ዮሐ 1837) ምስክርነቱ ድማ ሥጉው ቃል ብምዃን ብምምሃር፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሥጋኡ ብምቚራስን ደሙ ብምፍሳስን እቲ ዘይመውት ብሙማትን ካብ ሞት ብምትንሳእን ብዕርገትን ገሊጽዎ እዩ።
ቪክቶርያኖስንሱ ሥጋ ብምልባስ ንሰባት ምስክርነቱ ገሊጹ፡  ሥጋ ብምልባሱ መከራ ተቐቢሉ ብደሙ ውን ካብ ናይ ኃጢኣት ባርነት ነጻ ኣውጺእና እዩ። ሙስና መቓብር ስዒሩ በዅሪ ምውታን ኮይኑ ተንሥአ፡ ብድሕሪ ሞት ኣብኡ ሥልጣን የብሉን ብትንሣኤኡ ውን ኵሉ ናይ ሥጋ ግዝኣት ስዒሩ እዩብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።
በዅሪ ምዉታትን  ክርስቶስ ከም በኹሪ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ 1ቆሮ 1523”
ቅዱስ ኣትናቴዎስበኹሪ ዝተባህለ ካባና ኣቐዲሙ ስለ ዝሞተ ዘይኮነስ ንዓና ስለ ዝሞተ እዩ፡ ንሞት ድማ ስሌና ክብል ሰዓሮ። ሰብ ኰይኑ  ካብ ማእከል ደቂ ሰባት ንሞት ስዒሩ ዝተንሥአ ናይ መጀመርያ ንሱ እዩ። ንሱ ብምትንሥኡ ድማ  ብኡኡ ኣቢልና ካብ ሞት ክንትንሥእ ኢና። ክብል ተርጕምዎ ኣሎ።
ርእሲ ነገሥታት ምድርንዝኾነ   ናይዚ ዓለም ነገሥታት ዝሽየሙን ዝሠዓሩን እዮም፡ ንሱ ግን ኣቐዲሙ ዘይተሾመ ፈጺሙ ውን ዘይሰዓር ዘለዓለማዊ ንጉሥ እዩ።  ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ (ኢሳ 61) ነቲ ሕጊ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ እንከሎ ንግሥነቱ ፈሪሑ ነቢይ ኢሳይያስ ዘይገሰጾ ንጉሥ ዖዝያ ምስ ሞተ፡ እግዚአብሔር ተገልጸሎ። ስለምንታይ እዩ ንጉሥ ዖዝያ ምስ ሞተ ተገሊጽሉ ንዚብል። እቲ እትፈርሖን ትንቅጥቀጠሉን ዚነበርካ ንጉሥ ጊዝያዊ መዋቲ ንጉሥ እዩ ኣነ ዘይሰዓር ዘለዓለማዊ ንጉሥ እየ። ምፍራህ ዚግበኣካ ንዓይ ድኣ እምበር ንከማኻ ፍጡር ሰብ ኣይኮነን ኢሉ ከረድኦ ስለ ዚደለየ እዩ። (ስብሐት ለከ ኢየሱስ ዘኢተሰዐር ንጉሥ)
 
  ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

No comments:

Post a Comment