ዝኸበርኩም
ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ እንጥቀመሎም ቅዱሳን ሥእላት ዶግማን ቀኖናን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ዝፈታተኑ ሓደገኛታት እናኾኑ ይኸዱ ኣለዉ። ነዚ ቤተ ክርስቲያንና ዘይትቕበሎ ግን ንኣብያተ ክርስቲያናትና ወሪርዎ ሥእልታት ብጥንቃቐ ምስ እንምርምሮ መናፍቓን ንዕኡ እናረኣዩ ሓቆም እዮም ሥእሊ ናይ ኣክተራት እናበሉ ክወራዘዩ ዝውዕሉ ዘለዉ ንምባል የድፍረካ። ሰለ’ዚ ኣብ’ዚ ቅዱሳን ሥእላት ዝብል ክፋል ናይ’ዚ ብሎግ፡ ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ብምግባር ኣብ መጽሓፍ ወሪቖም ዘቐመጡልና ጽሑፋት ስለ ዘሎ፡ ኣነ ድማ ነዚ ተወሲዱ ዘሎ ሠናይ ዝኾነ ተበግሶ ደገፈይ ንምግላጽ፡ ካብ ዘንበብኩዎ ከካፍለኩም ብምባል ንገላ ካብኡ እናተርጎምኩ ከቕርበልኩም እየ።
ኣብ
ዝሓለፈ ክፋል ብዛዕባ ናይ ቅድሥት ሥላሴ ርኢና ኔርና፡ ሕጂ ድማ ኣብ’ዚ ንኡስ ክፍሊ እዚ ጐይታና ኢየሱስ
ክርስቶስ ኣብ’ዚ ምድሪ ን33 ዓመትን 3 ወርሕን 10 መዓልትን ብእግሪ ተመላሊሱ ኣብ ዚመሃረሉ ጊዜ ዚገበሮም ዓበይቲ ተኣምራት ክንርኢ ኢና።
ሀ.
ልደት
ነቶም
ሠለስተ ነገሥታት እናመርሐ ናብ ቤተ ልሔም ዘብጽሖም ኮኾብ እናተራእየ፡ ብለይቲ ኣብ መብልዒ ማል ኮይኑ ጐይታና ብኣካለ ህጻን ኣብ ሕቚፊ ናይ እመቤትና ኣብ መብልዒ ማል ደቂሱ ይሣኣል። ቅዱስ ዮሴፍ ኣረጋዊ ኮይኑ ኪሳኣል ከሎ ሰብኣ ሰገል ድማ ህያባቶም ሒዞም እናሰገዱ፡ ጓሶት ናይ ገና ጸወታ እናተጻወቱ ) ኪሣኣሉ ይኽእሉ። ካብ መላእኽቲ ዚተረድእዎ ብምርኣዮም እናተሓጎሱ ብኣድናቐት እናመስገኑ እቶም እንስሳታት (ኣእዱግን ኣብዑርን) ኣብ’ቲ መብልዒ ማል እስትንፋሶም እናገበርሉ ይሣኣል። “ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ” ከም ዚብል (ኢሳ 1፡3 ማቴ 2፡1-12 ሉቃ 2፡15)
ለ.
ጥምቀት
ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ እናተጠመቐ፡ ኣብ ኣብ ሰማይ ብደመና ኮይኑ “እቲ ዚፈትዎ ወደይ እዚ እዩ” እናበለ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢት ኣብ ርእሱ እናዓለበ ኪርአ ኣለዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ኣብ መዓንጥኡ (ጠፍር) ዚተዓጥቀ ኣብ ሰብነቱ ድማ ጸጕሪ ዚበቖሎ ጌርካ ይሰኣል። ጐይታና ኪጥመቕ ከሎ ድማ ብለይቲ ከም ዚነበረ ዚገልጽ ኪኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓሥረይቲ ሰዓት
ናይ ለይቲ እዩ ተጠሚቑ። ኣቦታት ኪምህሩና እንከለዉ ብመዓልቲ (ብቐትሪ) ተጠሚቑ እንተዝኸውን፡ መንፈስ ቅዱስ ብቑሙ ርግቢት እዩ ኢሎም ምተጠራጠሩ ኔሮም። እንተኾነ ግን ብቑሙ ርግቢት ዘይኮነስ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ብኣምሳል ርግቢት ከም ዚወረደ ንኽፍለጥ ብለይቲ ተጠመቐ። ርግቢት ዘይምዃኑ ብምንታይ ይፍለጥ እንተበልና ብለይቲ ታህዋስያን ከካብ ቦታኦም ስለ ዘይንቀሳቐሱ እዩ። ብምባል ይምህሩና ማቴ 3፡15-17 ማር 1፡7
ሐ.ደብረ ታቦር
ደብረ
ታቦር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃነ መለኮቱ ዚገለጸሉ እምባ ኮይኑ፡ ገጹ ከም
ፀሓይ እናብርሀ ልክዕ ጻዕዳ ከም በረድ ኮይኑ፡ ሙሴን ኤልያስን ብጸጋምን ብየማንን ኮይኖም፡ ብሩህ ደማና ጋሪድዎ እግዚአብሔር ኣብ ዚፈትዎ ወደይ እዚ እዩ እናበለ፡ ሠለስቲኦም ሐዋርያ ጴጥሮስ ያዕቆብን ዮሐንስን ብግንባሮም ወዲቖም ኣብ ዓቢ እምባ ይሣኣል።(ማቴ 17፡1-8)
ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ትሕትና ንክምህረና ኣብ ኣድጊ ተሰቒሉ ናብ ቤት መቕደስ ኪኣቱ እንከሎ ሕዝቢ ክዳውንቶም ኣንጺፎም፡ ኣብ ኣእዳዎም ቆጽሊ ስየ ሒዞምን ኣንጺፎምን ደቂ መዛሙርቱን እቶም ሕዝብን ዓጂቦሞ እናዘመሩ ኪሣኣል ይግብኦ።(ማቴ 21፡4-11)
ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ ቊርባን ኣብ ዚገለጸሉ ኣብ ናይ ጸሎተ ሓሙስ ሥእሊ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ኮይኑ 12 ሐዋርያት ብጸጋምን ብየማንን ኮይኖም፡ ሓደ ሕብስትን ጽዋእን ኣብቲ ጠረጴዛ ተጌሩ ጐይታና እናባረኾ ይሣኣል። ይሁዳ ኪሰኣል ከሎ ብቁጡዕ ገጽ ኮይኑ ፍርቂ ገጹን ሓንቲ ዓይኑን ይሰኣል። ብዘይካ ኣብ ናይ ይሁዳ ኣብ ናይ ካልኦት (11) ሐዋርያት ፀዳል ብርሃን ይሰኣለሎም።
ፀሓይ እናብርሀ ልክዕ ጻዕዳ ከም በረድ ኮይኑ፡ ሙሴን ኤልያስን ብጸጋምን ብየማንን ኮይኖም፡ ብሩህ ደማና ጋሪድዎ እግዚአብሔር ኣብ ዚፈትዎ ወደይ እዚ እዩ እናበለ፡ ሠለስቲኦም ሐዋርያ ጴጥሮስ ያዕቆብን ዮሐንስን ብግንባሮም ወዲቖም ኣብ ዓቢ እምባ ይሣኣል።(ማቴ 17፡1-8)
መ.ሆሳዕና

ሠ.
ምሴተ ሓሙስ (ጸሎተ ሓሙስ)

ኣብ
ናይ ሓደ ሓደ መናፍቓን ዚሣእሉ ሥእላት ዘርእዮ ግን፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሕብስትን ጽዋእን፡ ሐዋርያት ፍርቂ ገጽ ኮይኖም፡ ኣብቲ ጽዋእ ዘሎ ደም እናፈሰሰ ይሠኣል። እዚ ድማ ናይ ኦሪት በዓል ቅጫ ድኣ እምበር ናይ ሓደሽ ኪዳን ሥርዓተ ቊርባን ኣየመልክትን እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎተ ሓሙስ ሥእሊ ሓደ ሕብስትን ሓደ ጽዋእን ኪህሉ ይግባእ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ብዘይካ ይሁዳ ኵሎም ሐዋርያት ምሉእ ገጾም እናተራእየ ኪሰኣል ይግባእ።
ረ. ስቕለት

Details of Ethiopian religious painting representing the Crucifixion of Jesus Christ
ናይ
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤ ሥእሊ ኪሠኣል ከሎ፡ እቲ መቓብር ብሕቱሙ ምስ መፍትሑ(ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሥእሊ ተመልከት) ኮይኑ፡ ናይ ኣይሁድ ጭፍራ ኣብ ዙርያኡ ወዲቖም፡ ጐይታና ኣብ ኢዱ በትረ መስቀል ሒዙ፡ ጻዕዳ ልብሲ ለቢሱ፡ ብርሃን ተጎናጺፉ ቅዱሳን መላእክት ድማ ብየማንን ብጸጋሙን ኮይኖም ይሣኣሉ። (ማቴ 28፡1..) ሓደ ሓደ ናይ ምዕራባውያን ሥእላት ጐይታና ብዚተኸፈተ መቓብር እናወጸ፡ ወይ ውን መላእኽቲ ከፊቶምሉ እናወጸ ይርአ እዩ። እዚ ድማ ፈጺሙ ክሕደት እዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ብዕጹው መቓብር መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ እዩ ዚተንሥአ። እዚ ድማ ብመለኮታዊ ኃይሉን ሥልጣኑን ከም ዚተንሥአ የርኢ።

ኣብ
መወዳእታ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥእሊ፡ ብመሠረት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቤተ ክርስቲያን
ኪሠኣል ከሎ፡ ጸጕሩ ተሸፊኑ እናሰሓቐ ኣይሣኣልን እዩ። ጸጕሩ ጸሊምን ነዊሕን ኮይኑ ድኣ ኪሣኣል ኣለዎ
እምበር ብጫ ቡናዊ ወይ ቀይሕ ጌርካ ኪሣኣል ኣይግባእን። ኣብ መኃ 5፡11” ጐተናኡ ..ከም ኳዂ ዝምጽላሙ እዩ” ከም ዝብሎ።
ረ. ስቕለት
ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ዓለም ኪብል ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ከለሜዳ ለቢሱ፡ እሾኽ ኣኽሊል ደፊኡ፡ ለንጊኖስ እናወግኦን ብቅርጺ “ለ” ማይን ደምን እናወጸ፡ ኣይሁድ ብዘንጊ ጌሮም መጺጽ እናስተይዎ፡ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ የማኑ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ድማ ኣብ ጸጋሙ ቆይሞም፡ ናብ ኣዲኡ ርእሱ ኣዝብል ኣቢሉ ይሰኣል። ኣብ ልዕሊ እቲ መስቀል ድማ ኢ.ና.ን.አ (ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ ኣይሁድ) ዚብል ጽሑፍ፡ ኣብ እግሪ መስቀል ድማ ዓጽሚ ኣዳም ከም ዘሎ ኰይኑ ኪሣኣል ኣለዎ።

Details of Ethiopian religious painting representing the Crucifixion of Jesus Christ
Details of Ethiopian religious painting representing the
Crucifixion of Jesus Christ
ሰ.
ትንሣኤ

ሸ.
ዕርገት
ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማያት ኪዓርግ ከሎ፡ ዓሠርተ ሓደ ሐዋርያት ኣብ ዙርያኡ ኮይኖም መላእኽቲ እናዘመሩ ብዓቢ ምስጋና ናብ ሰማይ እናዓረገ፡ ብሩህ ደማና እናተቐበለቶ ኮይኑ ኪሰኣል ኣለዎ።(መዝ 47፡4-5 ግ.ሐ 1፡9)
ቀ.
ዳግም ምጽኣት
ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ናብ’ዚ ዓለም ብኽብሪ ኪመጽእ እንከሎ ዚገልጽ ሥእሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዚሠአል፡ ጻድቃን ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጎናጺፎም፡ ቅዱሳን መላእኽቲ መለኸት እናነፍሑ መስቀል ሒዞም፡ ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ንጐይታ ከቢቦም እግዚአብሔር ኣብ ብኣካል እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ኮይኖም ተቐሚጦም እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እናተራእየት ይሣኣል።


ብካልእ
መንገዲ ጐይታና ኪሣኣል ከሎ ኣብ ልቡ ናይ ሓዊ ምልክት ኣይግበርን እዩ። ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ ናይ ምዕራባውያን
ትምህርተ መለኮት ስለ ዘመሓላልፍ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ግን ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብተዋሕዶ ኢላ እያ እትምህር። ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ጐይታና ኢሱስ ክርስቶስ ሥእሊ ዘውዲ ምግባር ውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ዚሸይምን ዚስዕርን፡ ዘጽድቕን ንኃጢኣተኛታት ፍዳኦም ዚኸፍልን መጀመርያ ዘይብሉ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ክነሱ ከም ምድራውያን ነገሥታት ዘውዲ ስለ ዘይግበረሉ እዩ።
ብካልእ
ኣዘራርባ ንሱ ንካልኦት ዘውዲ ይገብረሎም፡ ንዕኡ ግና መን ይገብረሉ? ዘውዲ ምሥራሕ ዚተጀመረ ውን በቲ ንእግዚአብሔር ሃዲነ ኪቐትል እየ ኢሉ ዚተንሥአ ናይ ባቢሎን ንጉሥ ብናምሩድ ኮይኑ፡ ዘውዲ ዚሠርሓሉ ሠኣሊ ድማ ስንጣል(ሱስን) ዚበሃል ነበረ። እዚ ንጉሥ እዚ ኪገዝእ ከሎ “እዚ ዘውዲ ካብ ሰማይ ዚወረደ እዩ” ኢሉ ኣብ ርእሱ ብምግባር
እዩ። ነዚ ንጉሥ እዚ ዚፈጠሮ ጐይታ ድማ ካብ’ዚ ንጉሥ ይቕድም።(ዮሐ 1፡1-14 ራእ 1፡8) ቅድሚ ንጉሥ ናምሩድ ዘውዲ ካብ ዘይነበረ፡ ኣብ ናይ
ጐይታና ሥእሊ ዘውዲ ኣይግበርን እዩ። ብድጋሜ ውን ጐይታና ናብ’ዚ ዓለም ርእሱ ኣትሕት ኣቢሉ ብትሕትና ሰባት ንምኽባር እምበር ንኽኽበር ኣይኮነን ዚመጸ። ስለ’ዚ ንሰማያውን ዘለዓለማውን ኣምላኽ ከምቶም ዚሽየሙን ዚሰዓሩን ናይ ምድሪ ነገሥታት፡ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ጌርካ ምስኣል ቤተ ክርስቲያንና ኣይትቕበሎን እያ። ብምዃኑ ድማ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ናይ ምድራውያን ነገሥታት ናይ ንግሥና ምልክት ዚኾነ ዘውዲ ንፈጣሪ ጌራ ኣይትሥእሎን እያ።
No comments:
Post a Comment