2.4 ቅዱስ እግዚአብሔርን ቅዱሳንን ኣብ ናይ ኤርትራ (ኢትዮጵያ) ኦርቶዶክስ ብኸመይ ይሰኣሉ?
ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እዚ
እንርእዮ ናይ ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱሳኑን ብኸመይ ከም ዚሰኣሉ ኮይኑ፡ ብመጀመርያ ፈጣሪ ዓለማት ቅድሥት ሥላሴ፡ ብምቕጻል ድማ ጐይታና ብዘመነ ሥጋዌ ዚገበሮም ተኣምራት፡ ብምቕጻል ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት፡ ቅዱሳን ኣበው ቅዱሳን ሰማዕታት ቅዱሳን ሊቃውንት ብሥርዓት ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብኸመይ ኪሰኣሉ ከም ዚግባእ ክንርኢ ኢና።
2.4.1 ቅዱስ እግዚአብሔር
4.1.1 ቅድሥት ሥላሴ
ቅድሥት ሥላሴ ኪሳኣሉ እንከለዉ ብስም ብግብሪ ብኣካል ሠለስተ ከም ዝኾኑ፡ ብኣገዛዝኣ ብሥልጣን.. ድማ ሓደ ከም ዚኾኑ ኪገልጽ ኣለዎ። ሓድነቶም ንምምልካት ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጦም፡ ብዘይ ቅደም ተኸተል ማልት ላዕልን ታሕትን ወይ ቅድሚትን ድሕሪትን ጌርካ ዘይኮነስ፡ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያን ኣቀማምጣን ተቐሚጦም፡ ክዳውንቶም ወይ ቀሚሶም ሓደ ዓይነት ጌርካ ከይተነጻጸለ ብሓደ ኣይነት ሕብሪ ይሰኣል። መንበር ናይ ሥልጣን ናይ ኣገዛዝኣ ናይ ንግሥነት ምሳሌ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መንበር (ዙፋን) ምቕማጦም ብሥልጣን ብኣገዛዝኣ ሓደ ምዃኖም የመልክት። ኮፍ ኢሎም ምስኣሎም ድማ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነገሠ (ንጉሠ ነገሥት እግዚአ አጋእዝት) ምዃኑ ንምቅላጽ እዩ። ብዘይ ቅደም ተኸተል ምስኣሎም ድማ ብቕድምና ሓደ ከም ዚኾኑ ንምግላጽ እዩ።
ሠለስትነቶም ንምግላጽ ብጸጋማይ ኢዶም ዓለም ሒዞም ብየማናይ ኢዶም ድማ እናባረኹ (ኣመልካቲቶ ኣጻብዕቲ ንላዕሊ ትኽ ኢሉ፡ ካብ ማእከለይቲ ኣጻብዕቲ ኪሳብ ሕንቅልሕንቅሊት ኣጻብዕቲ ዘለዋ ሠለስተ ኣጻብዕቲ ድማ ተዓጺፈን) ናይ ሠለስቲኦም ገጽ ናብ ሓደ ወገን ዝርኢ ኮይኑ፡ ኣካላዊ ገጾም ውን ማዕረ ክዳውንቶም ድማ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን መጎናጸፍያኦም ብቐይሕ ይሰኣል። ኪሰኣሉ ከለዉ ድማ ብኣምሳለ ኣረጋዊ (ብግእዝ ብሉየ መዋእል) ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ዘለዓለማውነቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ምህላዎም ትዕግስቶም ፈራድነቶም ኣስተውዓልነቶም ንምግላጽ እዩ። ናይ ምድሪ ነገሥታት ሓለፍቲ እዮም ንሱ ግን ዚተፈለየ ዘይሓልፍ መጀመርያኡን መወዳእታኡን ዘይፍለጥ ምዃኑ ንምግላጽ ብኣምሳለ ኣረጋዊ ይሠኣል። ነቢይ ዳንኤል “ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ” ብምባል ዚተዛረበሉ ነዚ እዩ። (ዳን 7፡9)
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ
ዙርያ ዙፋኖም ብኣርባዕተ ማእዝናት ሽዱሽተ ክንፊ ዘለዎም ኣርባዕተ እንስሳታት ገጸ ኣንበሳን ገጸ ላሕምን ገጸ ሰብእን ገጸ ንስርን ብክለተ ኣኽናፎም ኣእዳዎም ሸፊኖም ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ሸፊኖም ክልተ ኣኽናፎም ድማ ንየማንን ጸጋምን ዘርጊሖም ይሰኣሉ። 24 ካህናት ድማ ልብሰ ተክህኖ ለቢሶም ኣብ ኣእዳዎም ዕጣን ዚመልአ ናይ ወርቂ መዕጠንቲ ሒዞም እናዓጠኑ፡ ወይ ድማ ኣኽሊሎም ካብ ርእሶም ኣውሪዶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እናሰገዱ ኪሰኣሉ ይግባእ።(ኢሳ 6፡1 ራእ 4፡8) (ብሃይለ ማርያም ሽመለስ)

No comments:
Post a Comment