8ይ ሓሶት ስለዚ ተዋሕዶ ንደቂ ሰባትን ንመላእኽትን ብብዙሕ መንገድታት ከም ኣምላኻዊ ፍልጠት ጌሮም ይፈልጥዎም።
እዚኣ ውን ካብተን ዕሹጋት ናይ ባኮ ሓሶትካ ዝፈልፈለት ሓሶት እምበር፡ ተዋህዶ ንማንም ቅዱስ ብኣምላኻዊ ፍልጠት ጌራ ኣይትፈልጥን። ከይትሓርቕ እምበር ሕጂ ውን ከምዚ ዝብል እምነት ኣበየናይ መጽሓፍ ናይ ተዋሕዶ ምረኸብካለይ ኢለ ክሓተካ ምደለኹ? ሰብ ሰብ እምበር ኣምላኽ ኺኸውን ኣይክእልን እዩ፡ መልኣኽ ውን መልኣኽ እምበር ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብኣምላኻዊ ፍልጠት እንፈልጦ ድማ ንበይኑ ነቲ "አንተ ውእቱ አምለከ አማልክት እግዚአ አጋእዝት ወንጉሠ ነሥት " ማለት "ንስኻ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ኢኻ" እንብሎ ሓደ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።
እስመ አልብነ ረዳኢ በጊዜ ምንዳቤ ወኀዘን፡ እስመ ዘእንበሌከ ባዕድ ኢነአምር" ትርጉሙ "ኣብ ጊዜ ሓዘንን ሽግርን ብዘይካኻ ረዳኢ የብልናን፡ ብዘይከኻ ካልእ ባዕድ ኣምላኽ ስለ ዘይንፈልጥ" ማለት እዩ። እሞ ኸ ድኣ እዚ እንከሎ መጻሕፍትናን እምነትናን ዚምስክሮስ ናይ እንዳ መን ባዕድ ኣምላኽ ኢኻ ኪትውስኸልና ደሊኻ?
9ይ ሓሶት ኣብ መበል (4ይ ክፋል 2ይ ካሴት 2ይ ገጽ) ውን ከምዚ ይብል
9ይ ሓሶት ኣብ መበል (4ይ ክፋል 2ይ ካሴት 2ይ ገጽ) ውን ከምዚ ይብል
"ነቶም ህዝቢ ኵሉ ሰብ ኣኣብ ሃይማኖቱ ጸኒዑ ይቑም ኢሉ ኣምላኽ ኣዚዝና እዩ ይብልዎም" እዚ ውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣይኮነን። ኵሉ ሰብ ኣኣብ ሃይማኖቱ ኪጸንዕ ጸገም ዘይብሉ እንተኾይኑ ድኣ፡ ንምንታይ ሐዋርያት ናብ ዓለም ፋሕ ኢሎም ወንጌል ዚሰበኹ? ንምንታይ ከ ኪሳብ ሰማዕትነት ዚኣክል ዋጋ ከፊሎምላ? እዚ’ስ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኪዛረቦ ዚኽእል ኣይኮነን።
መተሓሳሰቢ
ኣብ’ዚ ሕጂ ጊዜ ሓደ ሓደ እምነትና ብግቡእ ዘይተመሃርና ኦርቶዶክሳውያን ኢና በሃልቲ ውን ከይተረፍና፡ ነዚ ቃል እዚ እናተጠቐምና ንቤተ ክርስቲያን ኪፍትና ንርአ ኣለና። ብናትና ግጉይ ኣተሓሳስባ ሞስሊም ብእምነቱ መንግሥተ ሰማያት ይኣቱ፡ ካቶሊክ ብእምነቱ መንግሥተ ሰማያት ይኣቱ፡ ናይ ፕሮቴስታንት ተኸተልቲ ድማ ብእምነቶም መንግሥተ ሰማያት ይኣትዉ ዚብል ግጉይ ርድኢት ሒዝና ኣይንህለል። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣንጻሩ ኣብ ዓለም ሓንቲ ቅንዕቲ እምነት ጥራይ ከም ዘላን ካብኣ ወጻኢ ዘለዉ ድማ መንግሥተ ሰማያት ምእታው ከም ዘይከኣሎምን እዩ ዚምህረና። ነዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ መሠረት ብምግባር ኣብቲ ናይ ዘወትር ጸሎታ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት "ወንኣምን በአሐቲ ቅድሰት ቤተ ክርስቲያን" ማለት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን ትብል (ኤፌ 4፡5)
ስለ’ዚ እቲ ሕቶ "ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን" ትኣምን ዲኻ ኣይትኣምንን እዩ? ትኣምን እንተኾንካ ኣብኡ ጽናዕ! ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ እዚ እዩ። ናይ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ እዚ እዩ።
ብዛዕባ’ዚ ዝያዳ ንምርዳእ "ምፍታሕ እጸልእ ኣለኹ 1ይ ክፋል" ካብ ትብል መጽሓፈይ ዚተወስደ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት እንታይ ከም ዚኾነ ዚምስክረልካ ቃል ከስዕበልካ እየ።
ሀ. ሓንቲ እምነት
ይማኖት ወይ ድማ እምነት ሓንቲ እያ። ካብዛ ሓንትን ሐዋርያዊትን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ካልእ ቅኑዕ እምነት የለን። ብዛዕባ እዛ ሓንቲን ቅድስቲን ኣጽናፋዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣቦታትና ነቢያት ከምዚ ብምባል መስኪሮም አለዉ። "እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደዉ ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን ጽቡቕ ጐደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ" (ኤር 6፡16)። ሐዋርያት’ውን ነዚ ቃል እዚ ክደግምዎ ከለዉ ከምዚ ይብሉ "ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ ሓደ ጐይታ’ (ኤፌ 4፡5)። ሐዋርያ ይሁዳ ድማ "በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም ግዲ ኮነኒ" (ይሁ 1፡3) ይብለና። ብድሕሪኦም ናይ ሐዋርያት ፍኖት (መገዲ) ተኸቲሎም ዝሰዓቡ ሊቃውንቲ’ውን ኣብ 325 ዓ.ም ንናይ ኣርዮስ መናፍቕነት ምስ ኣወገዙ ኣብቲ ዝጸለይዎ ናይ እምነቶም ጸሎት (ጸሎተ ሃይማኖት) "ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት" ትርጉም "ልዕሊ ኵሉ ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን" ብምባል ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ምዃና ደጊሞም ደጋጊሞም ኣረጋጊጾም እዮም።
ብድሕሪ’ዚ ንዝተላዕሉ ኣንጻር ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ መናፍቓን ግን፡ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዘይኮኑ ብትዕቢት ተንሲኦም ባዕሎም ኣብ ዝመሥረትዎ ጉጅለታት ህዝቢ ዘታልሉ ተዃሉ ምዃኖምን፡ ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሔር ዝኸሓድዎ እግዚኣብሔር ድማ ንዕኦም ከም ዘይፈልጦም፡ ሐዋርያት ከምዚ እናበሉ ጽሒፎም ኣለዉ "ወይኩን መክፈልቶሙ ዕሩየ ምስለ እሉ ከሐድያን እለ ይሔልዩ ድካመ ወሕፀፀ ለወልደ እግዚኣብሔር ቃል ወይሬስይዎ ፪ኤ ህላዌ" (ሃይማኖት ኣበዉ ዘኣግናጤዎስ 12፡5) (ዮሐ 3፡36)። ትርጉም "ወልደ እግዚኣብሔር ድኻም፡ ጉድለት ኣለዎ ዝብሉን ክልተ ኣካል፡ ክልተ ባህሪ፡ ኣለዎ ዝብሉን ሰባት ዕድሎም ምስ ከሐድያን ኣይሁድ ሓደ እዩ"።
ቅዱስ ኣውጉስጢን ድማ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ 5፡4 እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ" ዚብል ቃል ኪትርጉም ከሎ "ሓደ ሰብ ጥራይ ይድሕን ማለት ናይ ሕብረት ምልክት ኢዩ። ድሕሪኡ ዝመጸአ ኣይድሕንን። ምኽንያቱ ካብዛ ሓድነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝድሕን ሰብ የለን’ ይብል ቅዱስ ኣውግስጢን ። እቲ ኣቐዲሙ ማይ ዚተንከየ ጥራይ ከም ዚድሕን፡ እታ ናይ ቀደም እምነት ኣጽኒዓ ዚሓዘት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ እያ ትድሕን። ከምቲ ሓደ ሰብ ጥራይ ዚድሕን ዚነበረ ሓንቲ ናብ ድሕነት እተእቱ ምንገዲ ጥራይ ድኣ እምበር ብኩሉ እምነታት ኣቢልካ ድሕነት ኣይርከብን እዩ።
ጠቢብ ሰሎሞን ከኣ ኣብቲ ካብ መዝሙራት ዝበለጸ መዝሙር ዝተሰየመ መጽሓፉ ስለ እዛ ሓንትን ቅንዕትን እምነት እዚኣ ከምዚ ብምባል ዘሚሩላ እዩ "ስሳ ነገሥታት፡ ሰማንያ ዕቁባት፡ ቊጽሪ ዘይብለን ኣዋልድ ኣለዋ፡ ግናኸ ርግበይ ፍጽምተይ’ሲ ሓንቲ እያ" (መኃ 6፡8-9)። ኣብዛ ዝረኣናያ ጥቕሲ ዘሎ ትርጉም ኣቦታት ሊቃውንቲ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ብብዙሕ መንገዲ ተርጕሞምልና ኣለው። ገለ ካብኡ ምስ እንምልከት ድማ ነዚ ዝስዕብ ትርጉም ንረክብ "ስሳ ነገስታት ሰማንያ ዕቁባት ብዙሓት ኣዋልድን ዝተባህላ ካብዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዘለዋ ንርእሰን ብስም ክርስቲያን ዝሰየማ ናይ እምነት ጉጅለታት እየን። "ግናኸ ርግበይ ፍጽምተይ’ሲ ሓንቲ እያ" ዝበላ ድማ እዛ ሐዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ኦርቶዶስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እያ። ስለዚ ከምቲ ሓደ ሓደ ሰባት ብዘይ ርድኢት ዝዛረብዎ፡ ንኵሎም ክርስቲያን ኢና ዝብሉ በብሃይማኖቶም እግዚኣብሔር ክቕበሎም እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ካባና ደርቢና፡ ከምዛ ሰሎሞን ዝነግረና ዘሎ ንሳተን ብዙሓት እየን ጐይታ ግን ንዅለን ኣይፈልጠክንን እየ ብምባል ርግበይ ፍጽምተይ ሓንቲ እያ ኢሉ ምስ ዝመረጻ ሓንቲ እምነት ክንጸንዕ ይግበኣና።
ነዞም ጐይታ ንዅለን ናይ ክርስቲያን ጉጅለታት ምስታ "ርግበይ ፍጽምተይ ሓንቲ እያ" ዝበላ ቤተ ክርስቲያን ንዕአን’ውን ክቕበለን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለና ሰባት፡ ነዚ ጌጋ ኣተሓሳስባ እዚ ከተወግደልና እትኽእል ሓንቲ ጠቓሚት ምኽሪ ክልግሰልኩም ደስ ይብለኒ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ "ንክርስቶስ ብሰብኣይ፡ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ብሰበይቲ" ጌሩ ብምሳሌ ኣቕሪብዎም ኣሎ (ኤፌ 5፡21-33)። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን መርዓት ናይ ክርስቶስ እያ ጐይታ ድማ መርዓዊ እዩ። በዓል/ቲ ቤቱ/ታ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሐን፡ እቲ ሰበይቲ እንከላቶ ካልእ ሰበይቲ ዘእተወን ድማ ዘመውቲ እዮም ዝበሃሉ (ማቴ 19፡9) (ሮሜ 7፡2-3) (1ይ ቆሮ 6፡16-19 7፡2-4)። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ መርዓቱ ካብ ኮነት፡ ንዓኣ ገዲፉ ንኻልእ ቤተ ክርስቲያን ዝቕበል እንተ ኾይኑ፡ ወይ’ውን ነተን ካልኦት ቤተ ክርስቲያናት ኢና ዝብላ ምስታ መርዓቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ደሪቡ ብማዕረ ዝቕበለን እንተ ኮይኑ ንክርስቶስ ዘማዊ ንገብሮ ምህላውና ክንርዳእን ክንግንዘብን ይግበኣና።(ሎቱ ስብሐት)
ስለዚ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣምላኻዊ ቃል መሠረት ብምግባር፡ ቃል ኪዳን ክንኣስር እንከለና እቲ ብመጀመርያ ክንሰርዖ ዝግበኣና እምነት እዩ። ካብዛ እምነት እዚኣ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ቃል ኪዳን ምእሳር ግን ብሕጊ እግዚኣብሔር ክልኩል ምዃኑ ክንፈልጥ ይግበኣና። ነዚ ከብርህ ከሎ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዝስዕብ ቃል ይጽሕፈልና "ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት ንጽድቅን ኃጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፡ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፡ ክርስቶስ ምስ ቤልሆር እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፡ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፡ ታቦት ምስ ጣኦት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ" (2ይ ቆሮ 6፡14-16) ብምባል ይመኽረና።
ሓደ ሓደ ሰባት ግን ነዚ ዕሽሽ ብምባል ምስ ዘይኣመንቲ ቃል ኪዳን ክፍጽሙ ይረኣዩ እዮም። ነዚ ዝገብርሉ ምኽንያት ክገልጹ ከለው ዝህብዎ ምኽንያት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ንኣብነት ኣነ ዝምህረኒ ኣይረኸብኩን፡ ብሃይማኖት ምስ ዘይመስለካ ምምርዓው ኃጢኣት ምዃኑ አበ ነፍሰይ ወይ ወለደይ ኣይመሃሩንን፡ ብምባል ዝምልሱ ኣለዉ። እዚ ግን ብመጠኑ ተቐባልነት ዘለዎ ምኽንያት እኳ እንተኾነ፡ ካብ ተሓታትነት ግን ኣየድሕኖምን እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ኵሉ ዝፈልጥን ዘመዛዝንን ኣእምሮ ዘለዎ ጌሩ እዩ ፈጢርዎ። ስለ’ዚ መምህራን እንተዘይመሃሩና ወለድና እንተዘይመዓዱናን ምስ ዘይኣማኒ መርዓ ከም ዘይፍቀድ ግን ብሕልናና ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ነዚ ክብል ድማ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ "እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕልናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦም’ውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኸላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተደሪኾም ካብ ዝገብርዎስ ንሳቶም ሕጊ እንተዘይብሎም እኳ ንርእሶም ሕጊ እዮም" (ሮሜ 2፡14-15) ብምባል ሰብ ዋላ ሕጊ እንተዘይተማህረ ንዅሉ ሕማቕን ጽቡቕን ከለልን ከመዛዝንን ዝኽእል ኣእምሮ ዘለዎ ፍጡር ብምዃኑ፡ መምህር ዘይመሃረኒ ዝብል ምኽንያት ካብ ተሓታትነት ከም ዘየድሕኖ ይገልጽ። ነዚ ዝያዳ ተግባራዊ ብዝኾነ መልክዑ ከረድኣና ዝኽእል ኣብነት ድማ፡ ናይ ደቂ ኣቦና ያዕቆብ ታሪኽ እዩ።
ኣቦና ያዕቆብ ዝነበረሉ ዘመን ኵልና ከም እንፈልጦ ኣብ ዘመኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ዝኾነ ይኹን ንሕጊ እግዚኣብሔር ዝነግር ጽሑፋት ኣይነበረን። እቲ ዘመን እቲ ሕገ ልቦና ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ። ሕገ ልቦና ማለት ወዲ ሰብ ብዘይዝኾነ ይኹን ጽሑፍን ሕጊን እግዚኣብሔር ብተፈጥሮ ብዝሃቦ ኣእምሮ ተመሪሑ ጽቡቕን ክፉእን ብምፍላይ ኣምላኹ ዘምልኸሉ ዝነበረ ዘመን እዩ። ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዝነበረ ዘመን ዝነበሩ ኵሎም ቅዱሳን ድማ በዚ መንገዲ እዮም ንእግዚኣብሔር ኣስሚሮሞ።
ሓደ ካብ መዓልትታት ዲና ጓል ያዕቆብ በቶም እግዚኣብሔር ዘይኣምኑ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ተደፊራ ኣብ’ቲ ናይ ኣህዛባዊ ሰኬም ቤት ነበረት። ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ ጥምቀት ምልክት ግዘረት እዩ ኔሩ (ዘፍ 21፡4) (ቆሎሴ 2፡11)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሰብ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ንኽኣቱ ናብ ክርስቶስ ብጥምቀት ክመጽእ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ብሉይ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዘበለ ክግዘር እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ትእዛዝ ሂብዎ ነበረ። ሰኬም ግን ካብቶም ዘይኣምኑ ማለት ዘይተገዝሩ ወገናት ኣህዛብ ክነሱ ንዲና ጓል ያዕቆብ ዘሪፉ፡ ክምርዓዋ’ውን ምስ ሓተተ፡ ደቂ ያዕቆብ ዝመለስዎ መልሲ እዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ "ሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ የነውረና እዩ’ሞ እዚ ነገር እዚ ክንገብር ኣይንኽእልን" (ዘፍ 34፡14)። ካብዚ እንመሃሮ ክልተ ነገራት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ብእምነት ምስ ዘይመስሉና ክንምርዖ ከም ዘይግበኣናን፡ ብእምነት ምስ ዘይመስሉኻ ምምርዓው ድማ ከምዚ ደቂ ያዕቆብ ዝበልዎ "ነውሪ" ምዃኑን ንመሃር። "ነውሪ" ዝገብር ድማ ኵሉ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ ይብለና (ራእ 21፡27)።
ብሕጽር ዝበለ ቋንቋ ብእምነት ምስ ዘይመስሉኻ ምምርዓው መንግሥተ ሰማያት ከም ዝኽልክል ሓደ ካብዛ ታሪኽ ናይ ደቂ ያዕቆብ ንመሃሮ ትምህርቲ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ደቂ ያዕቆብ ብእምነት ምስ ዘይመስሉኻ ምምርዓው ኃጢኣት ምዃኑ ዝፈለጡ መምህር ምሂርዎም ኣበ ነፍሶም ኣረዲእዎም ዘይኮኑ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ልቦም ብዝጸሓፈሎም ሕጊ፡ ብሕገ ልቦና ከም ዝኾነ፡ ንሕና’ውን እግዚኣብሔር ብዘቐመጠልና ሕጊ ልቦናና ተመሪሕና ጥራይ ምስ ዘይኣምኑ ቃል ኪዳን ምእሳር ኃጢኣት ምዃኑ ክንፈልጥ ይግበኣና። ብእምነት ምስ ዘይመስልዎም ኣብ ሓደ ኣርዑት ብምጽማዶም ብዙሕ ሽግር ካብ ዘጋጠሞምን፡ ብሰንኪ ዘይኣመንቲ ኣንስቲ ምእታዎም ካብ እግዚኣብሔር ዝተፈልዩን ቅዱሳን ኣቦታት ንኣብነት ክኾነና ናይ ጠቢብ ሰሎሞን ታሪኽ ንመልከት፡ "ንጉሥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርዖን ብዙሓት ኣንስቲ ሞኣባዉያን ኣሞናዉያን ኤዶማዉያን ሲዶናዉያን ሔታዉያን ፈተወ። እዚአተን ካብቶም እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል "ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ ምስኣቶም ኣይትዋሰቡ" ዝበሎም ህዝብታት ነበራ ሰሎሞን ግን ብፍቕረን ተታሕዘ። ንሳተን ከኣ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዓሉ ገበራኦ" (1ይ ነገ 11፡1-4)። እተን ኣብቲ ዝበለጸን ዝጸበቐን ቤት መቕደስ ኣምላኽ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ዝስውኣ ዝነበራ የእዳው ሰሎሞን፡ ብእምነት ዘይመስልኦ ኣንስቲ ምስ ኣእተወ ግን ኣእዳዉ ኣብ ቤት ጣኦት ክስውኣ እየን ተረኺበን።
ስለዚ ካብዛ ሓቀኛን፡ ጥንታዊትን፡ ኣጽናፋዊትን፡ ቅንዕትን ዝኾነት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ወጻኢ ምስ ዘለዉ እምነታት ቃል ኪዳን ክንኣስር ኣይግበኣናን። ምናልባት ነዚ ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ኢለ ስለ ዝገመትኩ ኣይኮንኩን። ሓደ ንዅልና ዘደናግረና ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ንነዊሕ ጊዜ ክንፍጽሞ ዝጸናሕናን ዘለናን ግኑን ሽግር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ብስም ኦርቶዶክስ ስለ ዝስመያ ኣብተን ምስ ቤተክርስቲያንና፡ ምንም ናይ ዶግማ (እምነት) ሕብረት ዘይብለን፡ ብኣቦታት ሊቃውንቲ ዝተወገዘ እምነት ዘለወንን፡ ናይ ሩስያ፡ ግሪኽ፡ ሩማንያ፡ ይጎዝላቪያ፡ ጆርጂያን፡ ካልኦትን ኦርቶዶክስ ተባሂለን ስለ ዝስመያ፡ ብዙሓት ሰባት ኵሉ ሓደ እዩ እናበልና፡ ኣብኡ ኬድና ምስኦም ጸሎት ንካፈል፡ ጥምቀት ነጠምቕ፡ ንቖርብን፡ ቃል ኪዳን ንኣስርን ወዘተ እንፍጽምን ሰባት ኣሎና። ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ግጉይ መንገዲ ወጺእና ናብ ኣቦታት ቀሪብና እቲ ግቡእ ዝኾነ ትምህርቲ ክንረክብን፡ እታ ሓንትን ቅንዕትን እምነት ኣየነይቲ ምዃና ኣለሊና ክንስዕባን በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር ስለ ዘለኒ እዩ።
ሓደ ሓደ ሰባት ብዘይ ርድኢት፡ ናይ ግሪኽ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ እኮ ምሳና ይመሳሰል እዩ፡ ካቶሊክ እኮ ምሳና ይቀራረቡ እዮም፡ ቤተ ክርስቲያኖም ናይ ማርያም ስአሊ ኣለዎ፡ ንመላእኽትን ንማርያምን የኽብሩ እዮም፡ ከኒሻ ኸኣ ካብ ጴንጠ ይሕሹ እዮም፡ ዝብል መወዳእታ ዘይብሉ ሓሸውየ ዝኾነ ዘረባታት ንዛረብ የዋሃት ሰባት ኣለና። እዚ ግን ፈጺሙ ግጉይ ኣዘራርባ እዩ። ይመሳሰል እዩ ይቀራረብ እዩ ዝበሃል ነገር የለን። ሓደ እንተ ዝኾኑ ስለምንታይ ካብዛ ቅድስቲ እምነት ተፈልዮም ወጺኦም?
ስለዚ እዚ ይቀራረበና እዩ፡ እዚ ይሓይሽ እዩ ዝበሃል ገዲፍና እቲ ዝሓይሽ አብታ ሓንቲ እምነት ምንባር ጥራይ እዩ። ሐዋርያት እምነት ሓንቲ ምዃና እንተ ነጊሮምና፡ ንሕና ድኣ ካበይ ዘምጻእናዮ ፍልስፍና እዩ ንመሳሰል ኢና፡ ንቀራረብ ኢና ብምባል ነብስና ነታልል? ኣብ ላዕሊ ከም ዝተመልከትናዮ ቅዱስ ኣግናጤዎስ ዝጸሓፎ ቃል "ካቶሊካውያንን፡ ናይ ሩስያ፡ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስን ብሓፈሻ ኵሎም እቶም ክርስቶስ ክልተ ባህሪ ኣለዎ ኢሎም ዝኣምኑ፡ ካብቶም ኣብ ዕለተ ዓርቢ ንጐይታ ዝሰቐልዎ ኣይሁድ ፈሊና ኣይንርእዮምን ኢና" ዝበሎ ቃል እሞ ነስተውዕሎ። ስለዚ ናይ ሩስያ ካብ ካቶሊክ ይሕሹ፡ ካቶሊክ ካብ ከኒሻ ይሕሹ፡ ካብ ጴንጠ ከኒሻ ይሕሹ፡ ካብ ምስልምና ድማ ጴንጠ ይሕሹ ዝብል ኣተሓሳስባ ብመሠረቱ ጌጋ ኣዘራርባን ኣበሃህላን እዩ።
ኵሎም እዞም ዝጠቐስናዮም ሓደ ካብቲ ሓደ ከየበላለጽና፡ ብምልኦም ብሓደ ዓይኒ ክንርእዮም ይግበኣና። ምኽንያቱ እምነት ሓንቲ እንተ ኮይና ንዓኣ ትመሳሰል ካልኣይቲ ድኣ ካበይ መጺኣ? ስለዚ ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጸልማት ምስ ብርሃን እንታይ ሕብረት ኣለዎ? ዝበሎ፡ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ካልኦት ናይ እምነት ትካላትን ዘሎ ፍልልይ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ጸልማትን ብርሃንን፡ ኣብ መንጎ ኃጢኣትን ጽድቅን፡ ኣብ መንጎ ሓቂን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ እዩ።
ኣብዚ ሓጋዚ ክኽውን ዝኽእል ኣብ ደብረ ቢዘን ናይ ዝነበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ገብረመድህን ታሪኽ ክንርኢ ኢና።
…........ ይቕጽል

No comments:
Post a Comment