bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 10ይ ክፋል

ናይ ሎሚ 100 ዓመት ትዝታ እዩ። ጥልያን ንሃገርና ኤርትራ ብዘመሓድረሉ ጊዜ ብሥጋዊ መግዛእቲ ጥራይ ዘይኮነስ ብመንፈሳዊ ውን ማለት ብሃይማኖት ነዛ መሠረታዊትን ጥንታዊትን ኦርቶዶኮሳዊት ተዋሕዶ ኪዘርጋን ከሐትላን ሓሲቡ ኔሩ እዩ። ሓሲቡ ውን ኣይተረፈን እቲ ኣብ ኤርትራ ዚነበረ ላእለዋይ ኣመሓዳሪ ጀነራል ሳልባጎራጅ ነዞም ኣብ ኤርትራ ዚነበሩ ብሃይማኖትን ብባህልን ብመንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ዘይራኸቡን ዘይመሳሰሉን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጸዊዑ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኣኪቡ፡ "ኣብዛ ዘለናያ ኣለም ዚተፈላለዩ ፈጺሞም ውን ዘይራኸቡን ሃይማኖታት ምህላዎም ዚፍለጥ እዩ። ንዓኻትኩም ውን እዚ ነገር እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነኩምን እዩ፡፤ ግን ካብዞም ኵሎም ሃይማኖታት ኣየናይ ይበልጽ ዚብል ሕቶ ኣቕረበሎም።

በዚ እዋን እዚ ነቶም ተኣኪቦም ዚነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት በብሓደ ሓተቶም። ነፍሲ ወከፎም ናተይ ሃይማኖት ይበልጽ ናተይ ሃይማኖት ይበልጽ ኪብሉ ከለዉ፡ ደድሕሪኡ ኸ ንዚብል ሕቶ ድማ ኩላቶም ሃይማኖት ኦርቶዶክስ እዩ እናበሉ መለስሉ። ድሕሪ ኵላቶም ከኣ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ተወካሊ ኮይኖም መጺኦም ዚነበሩ መምህር ገብረ መድኅን ወርቁ ብምዃኖም፡ ጀነራል ሳልባጎራጅ ናብ መምህር ገብረመድኅን ገጹ ምልስ ኣቢሉ፡ መምህር ገብረመድህን ንዓኻ ኣዝየ ከም ዚፈትወካ፡ ንስኻ ውን ከም እትፈትወኒ ተስፋ ይገብር። ሕጂ ግን ናባኻ ዘቕርቦ ሕቶ ካብዞም ኣብዚ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ዚተፈለየ ኣይኮነን። ከምኡ እየ ዚሓተካ ጽቡቕ መልሲ ኪትምልሰለይ ከኣ እጽበ በሎም።

መቸም ንስኻ ከም እትፈልጦ ኣብዛ ኤርትራ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሃይማኖታትን ማሕበራትን ከም ዘለዋ ትፈልጥ ኢኻ። ስለ’ዚ ካብዘን ዚተፈላለያ ሃይማኖታት ኣየነይቲ ትበልጽ ይመስለካ? በሎም። ንሶም ድማ ብሕቶኡ እናተደነቑ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ትበልጽ ኢሎም መለስሉ። ኣስዒቡ ድማ ጀነራል ሳልባጎራጅ ደድሕሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኸ ኣየነይቲ ትሓይሽ ይመስለካ? ምስ በሎም፡ "ሃይማኖት ሓንቲ ከም ምዃና መጠን ኣነ ዚኣምናን ዚቕበላን ሃይማኖት ውን ሓንቲ ስለ ዚኾነት፡ ብዘይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ዚፈልጣ የብለይን፡ ኣነ ሓንቲ ሃይማኖት ከም ዘላ ንሳ ከኣ ኦርቶዶክስ ምዃና እየ ዚኣምን። እምበር ንሃይማኖት ካልኣይን ሳልሳይን ኣለዋ ዚብል እምነት የብለይን" ኢሎም ምስ መለስሉ፡ ጀነራል ሳልባጎራጅ "እዞም ምሳኻ መጺኦም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ነናይ ነፍሲ ወከፎም ሃይማኖት ቀዳማይ ጌሮም ንናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ካልኣይ ጌሮም ኪጽውዕዋ ከም ዚጸንሑ ብእዝንኻ ኪትሰምዕ ብዓይንኻ ውን ኪትርኢ ጸኒሕካ ኢኻ።ስለ’ዚ ንስኻስ ከምዞም ብጾትካ መራሕቲ ሃይማኖት ደድሕሪ ኦርቶዶክስ እዚ እዩ ዘይትብል" በሎም።ንሶም ግና ሃይማኖት ሓንቲ እያ። እዚ ሃይማኖት እዚ ይበልጽ እዚ ሃይማኖት እዚ ካብዚ ይሓይሽ ዚብለሉ ምኽንያት የብለይን።

ዚኾነ ኮይኑ ብዘይ ሓንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ካልእ ሃይማኖት ኣሎ ኢለ ስለ ዘይኣምነሉ። ደድሕሪ ኦርቶዶክስ ካልኣይ ዝስራዕ እዚ እዩ ኢለ ዚኣምነሉ ፈጺሙ የለን ኢሎም ዘየዳግም መልሲ ምስ ሃብዎ፡ ጀነራል ሳልባጎራጅ እምበኣረከስ ከምዚ ሕጂ ተኣኪብኩሞ ዘለኹም ኩልኹም ሓደ ከይተረፈ ንዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ከም ትመጹ ኢሉ ቆጸራ ሃቦም። በዚ እዋን እዚ መምህር ገብረመድህን ወርቁ "ሽዑስ ካባኻ ዝዓቢ ንጉሥ ኪጽውዓኒ እዩ" ዚብል መልሲ ሃብዎ። ነዚ ምስ ሰምአ መልክዑተለወጠ ብሰለማዊ ዘረባ ዚዛረብ ዚነበረ ውን ኣዝዩ ተበሳጭዩ ካባኻ ዚዓቢ ንጉሥ ኪጽውዓኒ እዩ ዚበልካኒስ፡ ካባይ ዚዓቢ ንጉሥ ኣብ ኤርትራ መን ኣሎ እዩ እናበለ ሓይሊ ብዝመልኦ ቃል "በል ኣባ ገብረመድህን ኣነ ቆጸራ ሂበካ ኣለኹ፡ በዛ ኣቋጺረካ ዘለኹ መዓልቲ እንተዘይ መጻኻ ሽዑ ኪንርእአ ኢና ኢሉ ንሱ ንገዝኡ ኣተወ መምህር ገብረ መድህንን እቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን ከኣ ነናብ ዚመጽዎ ተመሊሶም ከዱ።

ካብኡ ንደሓር ጀነራል ሳልባጎራጅ ኣዝዩ ስለ’ዚሓዘነን ስለ ዚተበሳቸወን እኽለ ማይ ኣብይዎ ሰሙን ምሉእ ውን ድቃስ ስኢኑ ቀነየ ይበሃል።ምኽንያቱ ከኣ ዘየደቅስ ነጊሮምኻስ ድቅስ ይሓድሩ ከም ዚበሃል፡ ካባኻ ዚዓቢ ንጉሥ ኪጽውዓኒ እዩ ዚብል ቃል ስለ ዚሰምዐ እዩ ድቃስ ስኢኑ ዚቐነየ። ንጀነራል ሳልባጎራጅ ድቃስ ከሊእዎ ዚቐነየ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። ሓደ ምኽንያት ኔርዎ እዚ ከኣ ሃጸይ ምኒልክ ነዛ ቅድስት ሃገርና ኤርትራ ንጥልያን ኣሕሊፎም ኪህብዋ ከለዉ ደብረ ቢዘን ገዳም ግን ብላዕሊ ናተይ እያ ንስኻ ኣይትኣትዋን ኢኻ ኢሎሞ ስለዚነበሩን መሊሶም ከኣ መምህር ገብረመድህን ካባኻ ዚዓቢ ንጉሥ ክጽውዓኒ እዩ ምባሎም ንሃጸይ ምኒልክ መሲልዎ ስለ ዚነበረ እዩ። ከቐጥዖን ከበሳጭዎን ዚከኣለ ቅድሚ መምህር ገብረ መድህን ውን ኣምሓራ ከይኣትውዎ ኣብ ደብረ ቢዘን ኣቐሚጡ ከም ዚነበረ ዚፍለጥ እዩ።

እታ ዘቋጸሮም መዓልቲ ምስ በጽሐት ጀነራል ሳልባጎራጅ ክልተ ዓሳኽር ሓደ ክርስቲያን ሓደ ከኣ አስላማይ ጸዊዑ ቶሎ ደብረ ቢዘን ኬድኩም ንኣባ ገብረ መድህን ኣሲርኩም ኣምጽእዎ፡ እቲ ካባኻ ዚዓቢ ንጉሥ ዚበሎ መን ምዃኑ ከምጽኦ እዩ። ኣነ ውን ስርሑ ከርእኦ እየ ኢሉ ለኣኸ። በታ እዋን እቲኣ ግን መምህር ገብረ መድህን ኣረፉ ካብ’ዚ ዓለም እዚ ብሞት ተፈልዮም ማሕበር ደብረ ቢዘን ከኣ ምስ ጀነራል ሳልባጎራጅ ቆጸራ ምንባሮም ይፈልጡ ስለ ዚነበሩ። ዓሪፎም ኢሎም ንምንጋር ካብ ቢዘን መነኮሳት ተበጊሶም እቲ ቊልቁለት ናይ ደብረ ቢዘን ወዲኦም ኣብቲ እግሪ ኪበጽሑ ከለዉ፡ ካብ ሳልባ ጎራጅ ዚተላእኩ ወተሃደራት ከኣ ካብ ኣስመራ ነፋሲት በጺሖም ዓቐብ ኪጅምሩ ከለዉ፡ ምስቶም ክልተ መነኮሳት ተራኸቡ። ሽዑ ሰላም ምስ ተበሃሃሉ እቶም ዓሳክር ነቶም መነኮሳት ነቶም ዓሳክር "መምህር ገብረ መድህን ኣብ ገዳም ኣለዉ ዶ ንዕኦም ኣሲርኩም ኣምጽእዎም ተባሂልና ኢና ተኣዚዝና መጺና ዘለና በልዎም።"

እቶም መነኮሳት ከኣ ብግዲኦም "ንሶም’ሲ ዓሪፎም ንሕና ውን ምዕራፎም ንመንግሥቲ ኪንነግር ኢና ንኸይድ ዘለና ብምባል ሓሳብ ንሓሳብ ምስ ተለዋወጡ፡ እቶም ዓሳኽር እምበኣር ንሬሳኦም ከይርኤና ኣይንምለስን ኢና ኢሎም ንገዳም ኪወጹ፡ ከለዉ እቶም ክልተ መነኮሳት ድማ ናብ ኣሥመራ ወጺኦም ምስ ሰልባ ጎራጅ ተራኺቦም ዕረፍቲ መምህር ገብረ መድህን ምስ ነገርዎ ወሰን ዘይብሉ ሓዘን ሓዘነ። ንብዓቱ እናደረዘ ለካ ምስ ዘይመዛርብተይ እየ ሃይለ ቃል ዚተዛረብኩ፡ ብሓቂ ብሓቂ መምህር ገብረ መድህን ሐዋርያ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ውን ብገሃድ ኣብ’ዚ ገዳም ደብረ ቢዘን እዩ ዘሎ፡ ለካ ካባኻ ዚዓቢ ዚበለኒስ ሓቁ እዩ ምስ ኣምላኹ ስለ ዚዛረብ እዩ።

ኣነ ውን ኣብ ዘይዓቕመይ እየ ኣትየ ነይረ እናበለ ናብቶም ተቛጺርዎም ዚነበረ መራሕቲ ሃይማኖት ከይዱ "ንስኻትኩም ቆጸራ ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም ድኻምኩም ኣምላኽኩም ይቑጸረልኩም፡ እቶም ምሳኹም ዚነበሩ መምህር ገብረ መድህን ግን ከም ዚሰማዕኩሞም ካባኻ ዚዓቢ ንጉሥ ኪጽውዓኒ እዩ ስለ’ዚ ኪመጽእ ኣይክእልን እየ ኢሎም ስለ ዚነበሩ፡ እነሆ ናይ ኵልና ንጉሥ ክርስቶስ ጸዊዕዎም፡ ሎሚ መዓልቲ ዓሪፎም እዞም ትርእይዎም ዘለኹም ክልተ መነኮሳት ዕረፍቶም ኪነግሩኒ ተላኢኮም እዮም መጺኦም" ኢሉ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ምንጋሩ፡ በሉ ቀደም ውን ኣብ ዘይዓቕመይ እየ ኣትየ ነይረ ሕጂ ከኣ ብሃይማኖትኩም ጸኒዕኩም ንበሩ፡ ኪዱ ኢሉ ኣሰናበቶም ይበሃል።

መምህር ገብረ መድህን ዝዓረፉሉ እዋን ፪ መጋቢት ፲፱፻ ክልተ መጋቢት ብ 1900 ዓ.ም እዩ። (ፍቕሪ ሃይማኖት ክሳዕ ሞት መምህር መሪጌታ ክነፈ ርግብ ማርቆስ ገጽ 131-137)

ስለዚ ብዘይ ርድኢት ወይ ብትዕቢት ተመሊእና ንዛረቦ ዘረባ ከየጥፍኣና፡ ቃል ቀዳሞት ሐዋርያት ኣቦታትና ነኽብር። "ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገርኹም መራሕትኹም ዘክርዎም። መወዳእታ ንብረቶም እንዳ ተቛመትኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ" (ዕብ 13፡7) ዝበለና ቃል ሐዋርያ ኣይንዘንግዕ። ሓሳባትና ንምጥቕላል እምበኣር እተን ኣብታ ጥንታዊትን ቅንዕትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ እምነት ዘለዋ ድማ እዘን ዝስዕባ እየን።
- ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡
- ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡
- ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡
- ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ፡
- ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሶርያ፡
- ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርማንያ።
ኣብዘን ዝተጠቕሳ ወልድ ዋህድ ኢለን ብናይ ክርስቶስ ናይ ባህሪ ኣምላኽነት ዝኣምና፡ ቃል ሥጋ ኮነ ብምባል ብፍጹም ተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ምዃኑ ዝኣምና ሽዱሽተ ኣሓት ቤተክርስቲያን ኵሉ ሥርዓተ ኣምልኾ ክንሳተፍ ንኽእል። ጸሎት፡ ጥምቀት፡ ቅዱስ ቊርባን፡ ቃል ኪዳን፡ ኣብአን ክንፍጽም ፍቑድ እዩ። ( ምፍታሕ እጸልእ ኣለኹ 1ይ ክፋል ገጽ 17-25)
 
 

 

No comments:

Post a Comment