bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 8ይ ክፋል

ሓሶት 6 ኣብ (1ይ ክፋል 1ይ መጽሓፍ 1ይ ገጽ) ድማ ከምዚ ይብል ተዋሕዶ ንሰብ ከም ኣምላኽ ይቖጽሩ።

ኣንታ ቄናን (ንዲያብሎስ) ክሳብ መኣስ ኢኻ ነቲ ቃል ኣምላኽ ኪትጠዋውዮ ኪትነብር? ኪሳብ መዓስ ኢኻ ኸ ብክንድዚ ዚኣክል ድፍረትን ሓሶትን ተላዕጢጥካ ኪትነብር? ቊሩብ! ኣምላኽ እንተዘይ ፈራሕካስ ሰብ እንታይ ኪብለኒ እኳ ኣይትብልን! ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ" ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚተጻሕፈ ቃል ብዛዕባኻ ድዩ ኔሩ?(ሉቃ 18፡2) "ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቃል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ" ዚበሎ ቃል ናይ ጐይታ ሰሚዕካ ኸ ቊሩብ ራዕዲ ዶ ኣይሕዘካን እዩ? (ማቴ 12 36-3)

እዚ ኮይኑ እቲ ገና መዓልቲ እንከሎ ገለ ንንስሓ ዚኸውን ልቢ እንተጥረኻ ንሓሶትካ እናደምሰስኩ እቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ንምግላጽ ጊዜ ኣይወስድን እየ። ስለ’ዚ እቲ "ተዋሕዶ ንሰብ ከም ኣምላኽ ይቖጽሩ" ዚበልካዮ ቃል ዓቢ ሓሶት እዩ። ተዋሕዶ ንማንም ሰብ ከም ኣምላኽ ኣይትቖጽርን እያ።ተዋሕዶ ንሰብ ከም ኣምላኽ ከም ዝቖጽርዎ ካበይ ኣምጺእካዮ? እንተ ዚብለካስ እንታይ መወከሲ ኪትጠቕሰለይ ምኸኣልካ? ምዃን ማይ ርኳን እትፍልፍል ራሳሕ ባስካ ስለ ዘላትካ ምንጭኻ ፍሉጥ እዩ። ከመይ ኢልካ ኣምላኽ ልኢኽኒ ከም ዝበልካ ድማ ኣጸቢቑ በሪህለይ ኣሎ። ለካ ንሰብ ዘዝመረጾ ኣምላኽ እዩ ዘለዎ። ለካ ንሰይጣን ኣምላኸይ እናበልካ ኪትጽውዖ ይከኣል እዩ። ኣቦኻን ኣምላኽካን ብዘረባኻ ፈሊጠዮም ኣለኹ። እወ ኣቦኻ ሰይጣን ኣምላኽካ ድማ ድያብሎስ እዩ (ዲያብሎስን ሰይጣንን ኵሉ ሓደ እዩ)።

ወዲ መን ምዃንካ ዝያዳ መታን ኪንጽረልካ ነዚ ናይ ጐይታ ቃል ጽን በሎ "አንትሙሰ እምአቡክሙ ሰይጣን አንትሙ ወፍትወቶ ለአቡክሙ ትፈትዉ ትገብሩ ወውእቱሰ ቀታሌ ነፍሰ ሰብእ ውእቱ እምትካት ወኢይቀውም በጽድቅ እስመ አልቦ ጽድቅ በኀቤሁ ወሶበሂ ይነብብ ሐሰተ እምዚአሁ ይነብብ እስመ ሐሳዌ ውእቱ ወአቡሃ ለሐሰት" ንስኻትኩም ካብ ኣቦኹም ሰይጣን ኢኹም፡ ፍቓድ ኣቦኹም ሰይጣን ውን ክትገብሩ ትደልዩ ኣለኹም ንሱ ግን ካብ መጀመርያ ቀታሊ ነፍሲእዩ። ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ ውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን እዩ። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ ድማ ካብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዝዛረብ፡ ከመይ ሓሳዊ ኣቦ ሓሶት ስለ ዝኾነ እዩ።(ዮሐ 8፡43-44)

ስለ’ዚ ካብ ገዛእ ርእስኻ ዘምጻእካዮ ሓሶት ድኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ንሰብ ኣምላኽ ኢላ ኣይትፈልጠን። ኵሉ መጻሕፍታ ገንጺልካ ተዋህዶ ንኣምላኽ ከም እትቖጽር ዚገልጽ ቃል ብምንም ተኣምር ኣይትረክብን ኢኻ።


ሓሶት 7 ካብኡ ሓሊፎም ድማ እግዝእትነ ማርያም ይብሉ እዝጊ ማለት ኣምላኽ ማለት እዩ ስለዚ ከይሓፈሩ ማርያም ኣምላኽ እያ ይብሉ ኣለዉ ማለት እዩ።
ብመጀመርያ እቲ እዝጊ ዝብል ቃል ንባዕሉ ግዕዝ ኣይኮነን ትግርኛ ውን ኣይኮነን። ኣየ ካብ ቤት ኣቦኻ ምስዳድ ኪሓስም! ዮኔታ ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ ብጽምኢ ቃል ኣምላኽ ኪትሕለል! (ሉቃ 15) ብዝኾነ እግዚእ ምስ እዝጊ ፈላሊኻ ከተንብብ ዘይምኽኣልካ ካብቶም ሥልጠና ዘይወድኡ ገባብል ምዃንካ እዩ ዘነጽር። ሓደ ሓደ መናፍቓን ኣብ ገዳማት ዘለዉ መጻሕፍቲ ንምብልሻውን ካልእ ሰይጣናዊ ተግባራት ንምፍጻምን መነኮሳት መሲሎም ንገዳማት ይኣትዉ እዮም። ነዚ ንምግባር ድማ ብዙሕ ልምምድ እዮም ዝገብሩ። ሓደ ልምምዱ ዘይወድአ መናፍቕ ግን መነኮስ ተመሲሉ ክዳን መነኮሳት ለቢሱ መስቀል ጨቢጡ ኣብ ጊዜ ሰሙነ ሕማማት ብከተማ ኪሓልፍ ከሎ ሰባት ምስ ረኸበ መስቀሉ ኣውጺኡ ከሳልም ፈተነ ህዝቢ ድማ ኵሉ ገሪምዎ ኪጥምቶም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ግን ቅርብ ኢሉ "ኣባ ሕማማት ዶ መስቀል ይሳለም እዩ" ምስ በሎ ሓፊሩ ናብ ጁባኡ መለሳ በዚ ድማ እቲ ሕሱር ተግባሩ ተቓልዐ ይበሃል። ንስኻ ውን ንእሽተይ ሓዉ ኢኻ

ስለ’ዚ ንስኻ ድማ እቲ "እዝጊ" ኢልካ ጽሒፍካዮ ዘለኻ ቃል እቲ ቅኑዕ ኣጸሓሕፋኡ "እግዚእ" እዩ ኪኸውን ዝግብኦ። እግዚእ ማለት ድማ ቃል ብቓሉ "ጐይታ" ማለት ድኣ እምበር ኣምላኽ ማለት ኣይኮነን። ኣምላኽ ዝብል ቃል ብግእዝ "አምለክ" ብዝብል ምስ ትግርኛ ብዝመሳሰል መልክዕ እዩ ዝጸሓፍን ዝድመጽን። እግዚእ ወይ ጐይታ ዝብል ቃል ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ንእግዚአብሔር ኪወሃብ ይኽእል ንመላእኽቲ ኪወሃብ ይኽእል ንቅዱሳን ድማ ኪወሃብ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና ጐይታና ጐይተትነቱ ናይ ባህሪኡ ኪኸውን ከሎ ናይ ቅዱሳን ጐይቶትነት ግና ካብኡ ካብቲ ናይ ባህሪ ጐይታ ካብ ክርስቶስ ብጸጋ ዚረኽብዎ ጐይተትነት እዩ። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ጐይታ ዚብል ቃል ኣብ ሠለስተ ከፊልና ኪንርእዮ ኢና። ብድሕሪ እዚ ንወዲ ተባዕታይ እግዚእ "ጐይታ" እንተ ተባሂሉ ንጓል ኣንስተይቲ ድማ እግዝእት "እመቤት" ከም ዚበሃል ኪንረኢ ኢና።

1ይ ጐይታ ዚብል ቃል ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪወሃብ ከሎ "አሐዱ እግዚእ አሐቲ ሃይማኖት ወአሐቲ ጥምቀት" ትርጉም "ሓደ ጐይታ ሐንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት" (ኤፌ 4፡5) ማለት እዩ።
"ጎይታይ፡ የማነይትኻ ብሓይላ ከበረት፡ ጎይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቀጥቀጠቶ"(ዘጸአት 15:6)
"ዎ እግዚኣብሔር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጎይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምን"(ዘጸአት 15:17)
"ሕጂኸ እንታይ እጽበ ኣሎኹ፧ ጎይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ"(መዝሙር 39:7)
"እምበኣርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑስ እግዚኣብሄር፡ ጎይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ"(ኤርምያስ 27:21)

2ይ ጐይታ ዚብል ቃል ንመላእኽቲ ክወሃብ ከሎ "ኮነ ከኣ ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ ከሎ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ረኣ እነሆ ድማ እተመልሐ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ከኣ ናብኡ ከይዱ ንስኻ ናትና ዶ ናይ ጸላእትና ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣይፈለይ ኣነስ ሓለቓ ሠራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ድኣ ሕጂ መጺአ ኣለኹ በለ። ኢያሱ ከኣ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ በለ"(ኢያ 5፡13-15)

እሞ ኸ ድኣ ንስኻ ነታ ናይ መላእኽቲ ጐይታኦም ዝወለደት ቅድስቲ ኣደ እመቤት ምባላ ከሕምመካ እንከሎ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦ ኢያሱ ግን ንመልኣኽ እግዚአብሔር እኳ ብኽብሪ ካብ ድንግል ማርያም ዚንእስ ኪነሱ ጐይታይ ኢሉ ሰጊድሉ እንከሎስ ኣየምዝነካን ዶ? ሕጂ ኸ ንኢያሱ ተጋጊኻ ኢኻ ነቲ መልኣኽ ጐይታይ ዝበልካዮ፡ ጐይታ ንኢየሱስ ጥራይ እዩ ዝወሃብ ኢልካ ዶ ትከራኸሮ ትኸውን? ከምቲ ድፍረትካ እኳ ኣይትገድፍን ኢኻ፡ ንጸርፊ ድሕር ከም ዘይትብል እታ ዘይተገዝረት መልሓስካ ምስክርካ እያ።

ንሕና ግን ንኢያሱ ተኸቲልና ብኽብሪ ካባና ንዝበልጹ ቅዱሳን ናይ ጸጋ ጐይቶት ምዃኖም ንኣምን፡ ናይ ኢያሱ ሃይማኖት ከም ዘለና ድማ ነረጋግጽ፡ ንኢያሱ ተኸቲልና ኢና እሞ ኢያሱ አብ ዘለዎ ገነት ድማ ንኣቱ። እንተ ንስኻ እሞ ክቡር መጠን ነብሱ የኽብረካ(ከም ኢያሱ ነቲ መልኣኽ) ሕሱር ድማ መጠን ነብሱ የሕስረካ ዝበሃል ድማ ከምዚ ናትካ እዩ እሞ ናብቲ ንቅዱሳን ዘቃልሉን ዘሕስሩን ሕሱራት ጸረ ቅዱሳን ዝኾኑ ኣጋንንቲ ዝኣትውዎ ድኣ እምበር ንቅዱሳን እናጸረፍካ ንቅድስና እናኣቀላልካ ስፍራ ቅድስና ከም ዘይትምነ ንስኻ ውን ትሰማምዓሉ ይመስለኒ።

ዝያዳ ንምርግጋጽ ስፍራ ናይቶም ንቅዱሳን ዘቃልሉ ደቀ ማዘሙርትኻን ስፍራኻን መታን ክንጽረልካ ድማ ነዚ ዝስዕብ ቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪጋብዘካ "እምበኣረከስ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚአብሔር ካብ ፈተና ከውጽኦም ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዐ ንመዓልቲ ፍርዲ ኪሕልዎም ይፈልጥ እዩ። ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ሥጋ ዚኸዱ ንጐይቶትነት ከኣ ዚንዕቁ ደፋራት ፈተውቲ ርእሶም ንክብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ። መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብሥልጣንን ዝበልጹ ክነሶም’ሲ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንዓአቶም ዝጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። እዚአቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍአትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍአቶም ኪጠፍኡ እዮም። ዓስቢ ዓመጽኦም ኪቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ከም ጥዑም ንብረት ጌሮም ይርእይዎ ርኹሳትን ነውራማትን እዮም። ብምጥባሮም እናተቐለቡ ኣብ መኣዲ ምሳኹም ይበልዑ ኣለዉ። ዝሙት ዝመልአ ካብ ኃጢአት ከአ ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለውኦም። ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓባብልወን። ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም ደቂ መርገም እዮም ነታቅንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ።…..ንሳቶም ማይ ዘይብሉ ዒላታት ህቦብላ ዝኸበቦ ግመን እዮም። ንዓኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለዓለም ተኣኪብሎም ኣሎ" (2ይ ጴጥ 2፡9-18) ሕጂ ኸ ቦታ ናይ’ቶም ንጐይተትነት ዘቃልሉ ንቅዱሳን ዘየኽብሩን ዝጸርፉን ኣበይ ምዃኑ ዶ በሪህልካ?

3ይ ንቅዱሳን ሰባት ካህን ኣሮን ንኣቦና ሊቀ ነብያት ሙሴ ጐይታይ ይብሎ ነበረ። ኣሮንን ሓውቱ ማርያምን ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተዛረቡ እግዚአብሔር ድማ ብዓንዲ ደመና ወሪዱ ንካህን ኣሮንን ማርያም ሓውቱን በቲ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዘጉረምረምዎን ዝተዛረብዎ ክፉእ ዘረባን ገሰጾም ንማርያም ድማ ብለምጺ ወቕዓ። እዚ ቃል እዚ ንኩሎም እቶም ንቅዱሳን ዘቃልሉ ሰባት ብለምጺ ተወቒዖም ከም ዘለዎ ዝምስክር ቃል እዩ። ዋላ እኳ ዓመተ ምሕረት ስለ ዘለና ከምቲ ናይ ኦሪት ለምጽና ብደገ እንተዘይወጸ፡ ብውሽጥና ግን ለምጻማት ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ።

እሞ ኸ እንታይ ንግበር? እቲ ጥበበኛ ዝኾነ ካህን ኣሮን ማርያም ብለምጺ ተወቒዓ ምስ ረኣያ ናብ ሙሴ ከይዱ"………ኣየ ጐይታይ ስለ እቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮን ዝበደልናዮን በጃኻ ኃጢአት ኣይተጹረና፡ በጃኻ ብምዉቱ ከም ዝተወልደ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኪወጽእ ከሎ ፈረቓ ሥጋኡ ከም እተወድአ ትኹን ኣይትሕደጋ በሎ…"(ዘሁ 12፡1-ፍጻሜ)

ኣብዚ ኸ ሙሴ ጎይታ ተባሂሉ ከም ዝተጸውዐ ኣስተውዒልካ ዶ? ሕጂ ኸ እንታይ ክትብል ኢኻ? ሙሴ ጐይታ ጥራይ ዝተባህለ ኣይምሰልካ ሰምቢድካ ከይትወድቕ እምበር "ኣምላኽ" ውን ተባሂሉ እዩ። "እግዚአብሔር ንሙሴ በሎ ርአ ኣነ ንፈርኦን ኣምላኽ ገበርኩኻ"(ዘፀ 7፡1) እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ንሙሴ አምላኽ ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ እሞ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ክትበኣስ ዲኻ? "ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተኣድሓርሓርካ ንዓኻ ይገደካ"(ግ.ሐ 9፡5) እየ ዝብለካ እምበር ኣምላኽናስ ንቅዱሳኑ ከነኽብረሉን ብመንገዶም ኪንጐዓዝን እዩ ደስ ዝብሎ። ነዚ ንሙሴ ዝተዘርበ ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪደግሞ ከሎ ከምዚ ይብል "ኣብ ሕግኹም ኣነ ኣማልኽቲ ኢኹም በልኩ ዚብል ዶ ኣይተጻሕፈን እዩ። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዚመጸሎም ኣማልኽቲ ካብ ተበሃሉ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ" (ዮሐ 10፡35 መዝ 82፡6)

ስለ’ዚ መላእኽቲ ጐይቶት ተባሂሎም ቅዱሳን ሰባት ድማ ጐይቶት ተባሂሎም፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ሕልፍ ብዝበለ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ንሰብኣያ "ጐይታይ" እናበለት ክትጽውዖ ከም ዘለዋ ብከምዚ ዝስዕብ መንገዲ ይምዕድ "ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተአዘዘቶ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተገበርክን ብሓደ ዘሰንብድ ነገር ውን እንተዘይፈራሕክንሲ ኣዋልዳ ኢኽን"(1ይ ጴጥ 3፡6)

እሞ ሕጂ ኸ ቅልስካ ኵሉ ኣንጻር መን ምዃኑ ዶ በሪህልካ? እወ ቃልስኻ ኣንጻር እቲ ንቅዱሳን ዘኽበረን ዝቐደስ እግዚአብሔር እዩ። ንሱ ዘኽበሮም ኪትቃወም ምፍታንካ ናይ መን ጸግዒ ምዃንካ ዶ ኣየቃልዓካን? ቅዱስ ጳውሎስ "ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ’ሲ ዚኸሶም መን እዩ? ኣምላኽ እዩ እቲ ዘጽድቕ" ንዚበሎ ቃል ከ እንታይ መልሲ ይህልወካ? (ሮሜ 8፡33) ንሱ እግዚአብሔር ካብ ብዝሒ ሕያውነቱ ዝተላዕለ እቲ ንዕኡ ብባህሪ ዘለዎ ንደቂ ሰባት ድማ ብጸጋ ሂብና እዩ። ንኣብነት

ንሱ ናይ (ባህሪ) ብሓቂ ኣምላኽ እዩ ቅዱሳን ውን ብጸጋ ኣማልኽቲ እዮም። ቅዱስ ዮሐንስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል "ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። (1ይ ዮሐ 5፡20) ስለ’ዚ እቲ ንኹሉ ዚመልኽ እንኮ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ሓደ እዩ ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዛ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ትብል ዘላ ካልኦት ኣማልኽቲ ከምዘለዉ እሞ ካብኣቶም ንምፍላይ ግና ንኢሱስ ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ኢላ ከም ዚፈለየቶ ከነስተውዕል ይግባእ። እቶም ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዘይኮኑ ድኣ በዓል መን ይኾኑ?

1ይ (አማልክት ዘበጸጋ)ናይ ጸጋ ኣማልኽቲ እዚኣቶም ቅዱሳን ሰባት እዮም። እግዚአብሔር ካብ ብዝሒ ሕያውነቱ ዚተላዕለ እቲ ናቱ ናይ ባህሪ ዚኾነ ነገራት ንደቂ ሰባት ውን ሂብና እዩ። ገና ኪፈጥረና ከሎ ጀሚሩ ብመልክዑን ብምስሉን እዩ ዚፈጠረና። ስለ’ዚ ቅዱሳን ብብዙሕ መንገዲ ንኣምላኾም ይመስሉ። ሓደ ካብኡ ድማ ናይ ጸጋ ኣማልኽቲ ይበሃሉ። ንኣብነት ኣቦና ሙሴ ኣብ (ዘፀ 7፡1) "ንዓኻ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣምላኽ ጌርካ ኣለኹ" ተባሂሉ እዩ።

ጐይታና ሰብ ንምድሓን ሰብ ኣብ ዚኾነሉ ማለት ኣብ መዋእለ ሥጋዌኡ ውን "ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና (ዮሐ 10፡30) ብምባል ናይ ባህሪ ኣምላኽ ከም ዚኾነ ምስመሃሮም፡ ኣይሁድ እምኒ ኣልዒሎም ኪሃርምዎ ደለዩ። ስለምንታይ ኪትሃርሙኒ ትደልዩ ኣለኹም? ምስ በሎም ድማ "ሰብ ኪነስኻ ንነብስኻ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረኻ" ኪብሉ መለስሉ። የሱስ መለሰሎም፥ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ -ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧"(ዮሐ 10፡34-37)

ስለ’ዚ ቅዱሳን ብጸጋ ኣማልኽቲ ይበሃሉ እዮም። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ውን ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ሥጋዊ ልደት ኪገልጽ ከሎ "ንሕና ኣማልኽቲ መታን ኪንከውን ኣምላኽ ሰብ ኮነ" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። እንተኾነ ግን ወዲ ሰብ’ሲ ናይ ጸጋ ኣምላኽ ድኣ እምበር ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ኪኸውን ስለ ዘይክእል ንክርስቶስ "ናይ ብሓቂ ኣምላኽ" ብምባል ቅዱስ ዮሐንስ ፈለዮ።

2ይ ኣማልኽቲ ኣህዛብ (ጣዖታት) እዚኣቶም ድማ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እዮም። ኵላቶም ድማ ፍጡራን እዮም። ገሊኦም ካብ ሓጺን ወርቅን ብሩርን ገሊኦም ድማ ካብ ዕንጨይትን ሓመድን ይስርሑ። ገሊኦም ድማ ንፀሐይ ወርሒ ከዋኽብቲ ኣማልኽትና ኢሎም ይጽውዕዎም። ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዚነብሩ እንስሳታት የምልኹ። እዚኣቶም ኩላቶም "ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ" ይበሃሉ።
ነቢይ ኤርሚስ ብዛዕባ እዚኦም ከምዚ ይብል "ሰብዶ ኣማልኽቲ ንርሱ ይገብር እዩ? ግናኸ ንሳቶምሲ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን"(ኤርምያስ 16:20
ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ድማ "ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሔር ግና ሰማያት ገበረ" (መዝ 96፡5)ብምባል ከንቱነቶም የቃልዖ።
ነቢይ ዳንኤል ድማ ካብ ምንታይ ከም ዚስርሑ ኪገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል "ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣሎአልካሉ፣ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፣ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕጨይትን እምንን ወደስካ እምበር ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን"(ዳንኤል 5:23)
ስለ’ዚ ድማ ዮሐንስ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ካብዚኣቶም ንምፍላይ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዚበሎ። ብካልእ መንገዲ ድማ እግዚአብሔር ኣምላከ ኣማልክት ብምባል ልዕሊ ኵሎም ምዃኑ ንፈልዮ ኢና። ንምሳሌ ንኣኩተከ ኣብ ዚብል ጸሎትና "ኣንተ ውእቱ ኣምላከ ኣማልክት እግዚአ አጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት" ኢና ንብሎ። እዚ ማለት ንስኻ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ድማ ንጉሥ ኢኻ" ማለት እዩ።
ነቢይ ዳንኤል ውን ኣብ (ዳን 11:36) እቲ ምዱብ ነገር ኪፍጸም እዩ እሞ፣ እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ኪገብርን ርእሱ ኼልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘበለ ኪዕበን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስትንክር ኪዛረብ እዩ። እቲ ቝጥዓ ኽሳኦ ዚፍጸምሲ፣ ኪሰልጠሉ እዩ" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዱስ ዳዊት ውን ከምዚ ይብል "ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ" (136፡2)
 
ደጊሙ ውን ዳዊት "ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን" (መዝ86፡8)
 
ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ውን እንተኾነ ነቲ ሰብ ብምዃኑ ክብሩ ዘይጐደለ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ኣጸዋውዓ እዚ ኪጽውዕዎ ከለዉ ኢና ንርኢ። ንምሳሌ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ዚለኣከሉ መልእኽቱ "ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገሥታት፡ ጐይታ ጐይተትውን.." 1 ጢሞቴዎስ 6:15 እናበሎ ይገልጾ።
 
ወንጌላዊ ዮሐንስ ውን "ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ" ብምባል ደጊምዎ ኣሎ። ራእይ ዮሃንስ 19:16
ከም’ዚ ተመሳሳሊ ብዙሕ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና ነዞም ዚስዕቡ ቃላት ባዕልና ኣንቢብና ነመዛዝኖም።

ማለት እግዚኣብሔር ቅዱስ ከም ዝኾነ ቅዱሳን ጌሩ እዩ ፈጢርና ዘሌ 19፡1

እግዚአብሔር ዘለዓለማዊነት ናይ ባህሪኡ ኮይኑ (ሉቃ 1፡33) ንወዲ ሰብ ውን ዘለዓለማዊ ጌሩ እዩ ፈጢርዎ (ዮሐ 11፡25 ዘፍ 1፡27)


እግዚአብሔር ናይ ባህሪ ብርሃን እዩ(ዮሐ 8፡12) ቅዱሳን ድማ ናይ ጸጋ ብርሃናት እዮም (ማቴ 5፡14)
እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ናይ ኵሉ ፍጥረት ገዛኢ ከም ዝኾነ ንሰብ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጡር ገዛኢ ገበሮ (ዘፍ 1፡28)

ብሓጺሩ ንሕና ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህሪ ኢና 2 ጴጥሮስ 1:4 ‘ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ" ዚበለና ድማ ነዚ እዩ።
 
ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገርነ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክንምለስ፡ ካብ ኵሉ ፍጥረት ብክብርን ቅድስናን ንድንግል ማርያም ዝመስል የለን።(ሉቃ 1፡42) ስለዚ እዚ ኵሉ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ናይ ቅዱሳን መግለጺ ንዓኣ ብቀዳምነት እዩ ዝምልከታ። ስለ’ዚ ንወዲ "እግዚእ" ማለት "ጐይታ" እንተ ተባሂሉ ንጓል ኣንስተይቲ ኪኸውን ከሎ ድማ "እግዝእት" ብዝብል ቃል ይጸሓፍ። እዚ ማለት ድማ "እመቤት" ማለት እዩ። እግዚእነ እንተ ድኣ ኢልና ጐይታና ማለት እዩ እግዝእትነ ማለት ድማ እመቤትና ማለት እዩ። እቲ ትኽክለኛ ትርጉሙ እዚ እዩ። ሕጂ እግዝእትነ ማርያም ምባልና እመቤትና ማርያም ማለትና ምዃኑ በሪህልካ ዶ? እሞ ንቅድሰት ድንግል ማርያም እመቤትና ኢልና እንተ ጸዋዕናያ ድኣ እንታይ ኮይንካ ኢኻ ትበሳጮ? ቅዱስ ሚካኤል ጐይታ ካብ ተባህለ ንናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣምላኽ ዚወለደት ኣደ እመቤት ምባላ ድኣ እንታይ የሕሚምካ? ኣብርሃም ሙሴ ካልኦትን ጐይቶት ካብ ተባህሉ ንኣምላኾም ዚወለደት ኣደ እመቤት ምባላ ኸ በዚሕዋ ድዩ?

ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ (2ይ መልእኽቱ ምዕ 1፡1) "ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እመቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን" ይብል። ደጊሙ ድማ ኣብ ቁ 5 "ሕጂ ድማ እመቤተይ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሓፍኩልኪ ዘይኮነስ ንሓድሕድና ክንፋቐር እልምነኪ ኣለኹ" ይብላ።

እሞ ኸ ድኣ ቅዱስ ዮሐንስ ንሓንቲ ተራ ክርስቲያን ሰበይቲ "እመቤተይ" እንተ በላ ከምቲ ንስኻ በቲ ጠዋይ ትርጉምካ "እግዝእትነ ወይ እመቤትና" ማለት ኣምላኽ ማለት እዩ ስለ’ዚ ንድንግል ማርያም ኣምላኽና ይብልዋ ዝበልካዮ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ነዛ ተራ ክርስቲያን ሰበይቲ እመቤተይ ኢሉ ስለ ዝጸውዓ ከም ኣምላኽ ቆጺርዋ ዲኻ ክትብሎ? ትምህርትኻ ኵሉ ኣንጻር እቶም ሓቀኛታት ሐዋርያት ምዃኑ ዶ ትርእዮ ኣለኻ። ብኣንጻሩ ትምህርቲ ናይ ተዋሕዶ ድማ ትምህርቲ ሓቀኛታት ሐዋርያት ምዃኑ ኵልዕ ኢሉ ይንበብ ኣሎ። ብቐደሙ ንስኻ ነዚ ረሳሕ ትምህርቲ ምዝርጋሕካ ሓደ ሓደ ኣብ እምነቶም ጽንዓት ዘይጸንሖም ሰባት ጎዲእካ ከም እትኸውን እኳ ዘየጠራጥር እንተኾነ፡ ብኣንጻሩ ዚጠቐምካዮ ጥቕሚ ውን ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብክንድዚ ዚኣክል ሓሶት ዚተላዕጠጠ ትምህርቲ ተሰኪምካ ኣምላኽ ልኢኽኒ ኢልካ ምምጻእካ ኵሉ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከም ዚመዝነካን እታ ሓቀኛ መንገዲ ኣየነይቲ ምዃና ንኺፈልጥን ዕድል ስለ ዝኸፈትካ። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ኣውግስጢን መናፍቓን ኣዚና ኢና ነመስግነኩም ዚበለ።

ስለ’ዚ ብሕጽር ዝበለ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ንድንግል ማርያም "መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን " ማለት ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ካብ ኵሎም ፍጡራን ድማ ንላዕሊ ኢላ ድኣ ትጽውዓ እምበር እቲ ኣምላኽ ኢሎም ይጽውዕዋ ዝበልካዮ ውጹእ ሓሶት እዩ።

…........ይቕጽል
 

No comments:

Post a Comment