ምዕራፍ 3
1.ናብ መልኣኽ ማሕበር ሰርዴስ ውን ጽሓፍ።
ናይ’ዛ
ቤተ ክርስቲያን ሓለቓ ዚተባህለ ቅዱስ ሜሌጢዮስ ምዃኑ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን መተርጉማን ይነግሩ።ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን መተርጉማን ግን ስሙ ኣርስጦስ ይብልዎ።
እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሸውዓተ ከዋኽብትን ዘለዎ ከምዚ ይብል ኣሎ።
“7 መናፍስቲ” ዝብል ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ጸጋ ዘመልክት እዩ። ብሥርሑ ፍጹም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድል ማለቱ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ይወቅስ ይኸስስ ከም እንጠዓስ ይገብር ይቕድስ የንጽህ። ሰርዴሳውያን
ኣብ መንፈሳዊ ድንዛዜን ሸለልትነትን ስለ ዝተረኽቡ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘነቓቕሕ ዘበራትዕን ዘጸናንዕን መንፈስ ቅዱስ ዝዕድል ኣነ እየ ክብል ተገልጸሎም።
“7 ከዋኽብቲ” ዝተባህሉ 7
ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣማሊኦም ክፍጽሙ ዝኽእሉ 7 ጳጳሳት እዮም። ጳጳሳት ዝሸይምን ዝስዕርን ንሱ ምዃኑ፡ ዝተዋህቦም ክብሪ ተረዲኦም እንተ ሰሪሖምሉ ከም ከዋኽብቲ ከም ዘብርሁ ዝገብር፡ እንተዘይተጠቒሞምሉ ግና ከምቲ ዝወደቐ ኮኾብ ዝድርቢ ንሱ ምዃኑ ንምግላጽ “ኣብ ኢዱ ዝሓዘ” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣለኹ ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣለኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ።
ሰርዴሳውያን ኣብ ውሽጢ ሓደገኛ ኵነታት እዮም ኔሮም።ብመንፈስ ዝሒሎም ሞይቶም እንከለዉ ስሞም ግና ፍሉጥ ኔሩ። ክርስትናኦም ናይ ስም እምበር ናይ ግብሪ ኣይነበረን። ናይ ሰርዴስ ቤተ ክርስቲያን ዝግብኣ ነገር ገዲፋ ኣብ ዝይምልከታ ነገር ኣትያ ኔራ። ከምተን ካልኦት ናይ ንእሽተይ ኤስያ ኣብያተ ክርስቲያናት መናፍቕነትን ምስ ናይ ኣህዛብ ኣምልኾ ብምትሕውዋስን ዝውቀሱ ክርስቲያን ኣይነበርዋን። በዚ ድማ ስሞም ፍሉጥን ግኑንን ኔሩ። ግን ልማዳውያን እምበር መንፈሳውያን ኣይነበሩን።
ቪክቶሪያኖስ
“ሓደ ገረብ ገረብ ተባሂሉ ጥራይ ምቛሙ ንበይኑ ዋጋ የብሉን። ፍረ ከፍሪ ኣለዎ። ክርስቲያን ተባሂልካ ምጽዋዕ ስለ ክርስቶስ ምዝራብን ጥራይ ንበይኑ ድማ ዋጋ
የብሉን፡ ፍረ ምግባር ድኣ ከፍሪ ኣለዎ። ክብል ተረጕምዎ ኣሎ።
ኣብታ ከተማ “ምዉታን ተተንሥእ እያ” ትበሃል ናይ ሳይቤሊ ጣዖት ቤተ መቕደስ ኔርዋ። በዚ ድማ “ሞትን ትንሣኤን” ኣብ’ታ ከተማ ብስፍሓት
ዝንገሩ ዝነበሩ ትምህርታት እዮም። ጐይታና “ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣለኻ ግን ምዉት ኢኻ” በሎም።
2 ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን እሞ ንቚሕ ኩን። ነቶም ክሞቱ ኢሎ ዘለዉ ካልኦት ውን ኣበርትዓዮም። 3 ደጊም ከመይ ኢልካ ከም እተቐበልካን ዝሰማዕካን ዘክር ሓልዎ ተነሳሕ ውን። እንተዘይነቓሕካ ግና ከም ሰራቒ ኮይነ ክመጸካ ኢየ። በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካ ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ሰርዴሳውያን ከመይ ጌሮም ሸለልትነት ከወግዱ ይኽእሉ።
- ትግሃት “ጐይታና ኣብ ወንጌል እቲ ክሳብ ነወዳእታ ዝዕገስ ንሱ ክድሕን እዩ” ከምዝበለና፡ ጊዜ ምጽኣቱ ምዝካር ካብ ሸለልትነት ከድሕኖም ይኽእል እዩ። ክርስቲያን ንሰባት ምስጋናን ክብርን ወይ ድማ ናይ’ዛ ዓለም ህውከትን ረበሻን ከይተጨነቐ፡ ነቲ ዚመጽእ ክርስቶስ ናይ ብርሃን ልብሲ ለቢሱ ንምቕባል፡ ነብሱ ከዳሉ ይግብኦ። ሰርዴሳውያን ናይታ ከተማ ሓጹር ዘይድፈር እዩ እናበሉ ይምክሕሉ ነበሩ። እንተኾነ ግን እቶም ሓለውቲ በዚ ተዘናጊዖም ብሸለልትነት ስለ ዝደቀሱ። እታ ከተማ 2 ጊዜ ብሰረቕቲ ተዘሪፋ ኢያ።
- ኪሞቱ ዝደለዩ ምጽንናዕ ንርእሶም ከም ጻድቃናትን ምንም ከም ዘየድልዮምን ካብ ካልኦት ዝሓሹ ጌሮም ንነብሶም እናቖጸሩ፡ ብግብዝነት ዝሞቱ ዘለዎ ኣጽንዓዮም። ኣብ ውሽጢ ናይ ክርስትና ሕይወት፡ ንሰብ ናብ መንፈሳዊ ሞት ካብ ዝዳርግዎ ነገራት ሓደ ግብዝነት እዩ። ናይ ግብዝነት ክፍኣቱ ድማ እቲ ሰብ ሞቱ ከይፈለጠ (ከይተረድኦ) ምሟቱ እዩ።
- ዝሰምዓሉን ዝተቐበልሉን ኩነታት ምዝካር። ናይ መጀመርያ ናይ ክርስትና ጊዜ ናይ ትግሃት ናይ ጸሎት ናይ መሥዋዕትን ናይ ፍቕርን ጊዜያት እዮም። ሰብ ከመይ ጌሩ ነብሱ ንክርስትና ኣሕሊፉ ከም ዝሃበ፡ ንኣገልግሎት ንመርዓ ካህን ንምዃን ዝወሰነላ ናይ መጀመርያ ኩነታት ዘወትር ብምዝካር ካበይ ከመ ዝተንስአ ዘይምርሳዕን ካብ ግብዝነትን ከድሕኖ ይኽእል።
- ምሕላው። ቃል ኪዳን ምሕላው ናይ መጀመርያ ዝነበረና ህርፋንን ስምዒትን፡ ፍቕርን የዋህነትን ሓሊኻ ምንባር የድልየና። ፍልጠት እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ እምነት እናቐነሰ፡ ጊዜ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ትግሃት እናቐነሰ፡ ብዙሓት ሰባት እናፈለጥና ምስ ከድና ፍቕሪ እናቐነሰ ንኸይከይድ ምሕላው።
- ንስሓ ምእታው። ንስሓ ፍሉጥ ኃጢኣት ንዝገበሩ ጥራይ ኣይኮነን ዘድሊ። ምንም መንፈሳዊ ተግባር ንዘይሰርሑ ዝግበኦም ዘይፈጸሙ ብግብዝነት ነብሶም ዘጽደቑን ኣብ ውዳሴ ከንቱ ንዝተጸመዱን ውን የድልዮም እዩ።
- ጊዜ ምጽኣቱን ምዝካር “ሰብ ኵሉ ጊዜ ንምጽኣቱን ነታ ናይ ፍርዲ ዕለትን እናዘከረ ነብሱ እናወቐሰ ከስተካኽላ ይኽእል እዩ። ኣመጻጽኣኡ ብሃንደበትን ዘይተፈልጠት ሰዓትን ዝኣመነ ድማ ተዳልዩ ይነብር።ኣመጻጽኣእዩ “ከም ሰራቒ እዩ ተባሂሉ እዩ”። ሰራቒ በየናይ ሰዓት ከም ዝመጽእ ከይነገረ ብሃንደበት ስለ ዝመጽእ፡ ነቲ ተጊሁ ዘይሕሉ በዓል ገዛ ይዝርፎ። ዳግማይ ምጽኣት ድማ ከም’ዚ እዩ። ኬኢተዳለዉ ተዘናጊዖም ኮፍ ኢሎም ንዘለዉ፡ ሞት ብድንገት መጺኡ ንፍርዲ ከቕርቦም እዩ። ኣቐዲሙ ውን ጐይታና ኣብ ወንጌል “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን።ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ዝበለና ድማ ነዚ እዩ። (ማቴ 24፡42-45)
4 ኣብ ሰርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ሰባት ኣለዉኻ። ንሳቶም ብቚዓት እዮም እሞ ጻዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ክመላለሱ እዮም “ኢይሃድጋ ለሃገር ዘእነበለ አሐዱ ኄር” ከም ዝብሉ ኣቦታትና ምንም እኳ መብዛሕትኦም ሰርዴሳውያን ብኃጢኣት እንተወደቑ ውሑዳት ንጹሃን ኔረሞም እዮም።
ክዳውንቶም ዘይጸየቑ
“ክዳን ምጽያቕን ምርሳሕን ናይ ኃጢኣት ምሳሌ እዩ። ዘካ 3፡3-5 ጥፉእ ወዲ ምስ ተመልሰ ውን ኣቡኡ ዝበለጸ ጻዕዳ ልብሲ ኣልብስዎ ኢልዎም እዩ። ሉቃ 15፡22። ሕድሽ ክዳን ናይ ሥላሴ ውልድነት እዩ። ክዳኖም ዘይጸየቑ ማለት ድማ ውልድነቶም ብኃጢኣት ዘየርከሱ መለት እዩ።
ጻዕዳ ክዳን “ናይ ዓወት ክዳን እዩ።ጐይታና ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱ ኪገልጽ ከሎ፡ ክትንሥእ እንከሎ፡ ክዓርግ እንከሎን ጻዕዳ ክዳን ለቢሱ እዩ ተራእዩ። ምሳይ ጻዕዳ ልብሲ ክለብሱ እዮም ማለቱ ድማ ምሳይ ንዓለም ክስዕርዋ እዮም ማለት እዩ። “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም ግናኸ ኣጀኹም ኣነ
ንዓለም ስዒረያ እየ” ከም ዝብል ዮሐ 16፡33
እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ እዞም ናይ ሰርዴስ ክርስቲያን ካብቶም ምስኦም ዘለዉ ክርስቲያን ተፈልዮም መንፈሳዊ ሥራሕ ብትግሃት ብምሥርሖም መከራኦም ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ክርስቲያን ካብ ኣረማውያን ካብ ዝመጾም ፈተና ንላዕሊ ካብ ክርስቲያን ዝመጽኦም ፈተና ይኸብድ። ኣረማውያን ሰኣን
ፍልጠቶም እዮም እዚኦም ግና እናፈለጡ ኮነ ኢሎም እዮም። ኣረማውያን ብደገ እዮም እዚኣቶም ግን ብውሽጢ። ስለ’ዚ ነዚ ኵሉ ተጻዊሮም ነታ ትኽክለኛ ወንጌል ብምምስካሮም “ኣብ ቅደሚ
ሰባት ዝምስክረለይ ኣነ ድማ
ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ” (ማቴ 10፡32-33)ብዝበሎ ቃል መሠረት “ክምሥክረሉ እየ” በለ። ምስክርነቱ ድማ “ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩካት ዓለም ከይተፈጠረ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ውረሱ” ዝብል እዩ(ማቴ 25፡34)
ናይ ሕይወት መጽሓፍ እግዚአብሔር ናይ ጻድቃን ሥራሕ ከም ዘይርስዕ ዘመልክት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ዝተጻሕፈ ከይተረስዐ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ከም ዝሰጋገር “እግዚአብሔር ናይ ጻድቃን ስራሕ ከም ዘይርስዕ ዘመልክት እዩ” 13፡8 20፡12-15 ዘጸ 32፡32 ሉቃ 10 20
ነቢይ ኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ኔሩ።(ኢሳ 4፡3)
ዳንኤል ውን ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ዘመን ዝድሕኑ ክጽሕፍ እንከሎ
“ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዝተረኽበ ኵሉ ክድሕን እዩ” ይብል ዳን 12፡2
እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ!!!
No comments:
Post a Comment